“ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።” ገላ 4፡28።
ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ዕለት’ዚ ኻብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ሓደ’ዩ። ማእከላይ ሓሳብ ናይ’ቲ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኸኣ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን ደቂ ተስፋ ምዃንና ዜረጋግጽ’ዩ። ኣብ ብዘሎ’ቲ ንባብ ከኣ ኣብ መንጎ’ቶም ደቂ ተስፋን ዘይደቂ ተስፋን ዘሎ ፍልልያት ተነጺሩ ኣሎ። ተስፋ፡ ኣብ ዓይነት መንነትናን ባህርይናን፡ ኣዝዩ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እግዚአብሔር ንህዝቡ ተስፋ ዚህብን ብተስፋ ዚመርሕን። እምበኣር ተስፋ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢናን ክሳዕ ክንድ’ዚ ዓብዪ ተራ ኻብ ሃለዎ፡ ንሕና’ውን ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ተስፋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጥ፡ ደቂ ተስፋ ምዃንናን ዘይምዃንናን ከነረጋግጽ ይግብኣና’ዩ። ዋላ ደቂ ተስፋ ምዃንና ድሕሪ ምርግጋጽና’ውን፡ ንተስፋና ዚምጥን (ዚበቅዕ) ህይወት ንነብር ምህላውናን ዘይምህላውናን ምርግጋጽ እቲ ዚስዕብ ዝዓበየ ሓላፍነትና’ዩ።
ደቂ ተስፋ ዚገብረና እንታይ’ዩ፧ ይስሃቅ፡ ንምንታይ’ዩ “ወዲ-ተስፋ” ተባሂሉ፧ ብዘይካ ኣብ’ቲ ናይ ባህርይ ልደት ኣብ ካልእ ኵሉ ልደታት፡ ህላወ ናይ’ቲ ወላዲ ንህላወ ናይ’ቲ ውሉድ ይቕድም’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ደቂ ተስፋ ኽንከውን እንተ ዄንና፡ ደቂ-ሰባት ቅድሚ ምፍጣርና እቲ ተስፋ ኺህልው ኣለዎ። ምኽንያቱ ኻብ ዘየለ ነገር ክንውለድ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ ዅላትና ደቂ ተስፋ ምእንቲ ኽንከውን፡ እቲ ኣቦ ዅላትና ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ተስፋ፡ ህላወ ነይርዎ ማለት’ዩ። እዚ ብክርስቶስ ዝተፈጸመን ዝተዋህበናን ተስፋ ድማ ቅድሚ ምጅማር ዘመናትን ቅድሚ ምስራት ዓለምን ዝነበረ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጠቒስዎ ኣሎ።
“እዚ እምነት’ዝን እዚ ፍልጠት’ዝን፡ እቲ ዘይሕስው ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ብትእዛዝ ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ገለጾ።” ቲቶ 1፡2,3 ካ.ት።
ስለ’ዚ እቲ ተስፋ ብነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ዝተነግረሉ እዋን ደኣ ንኣና ተገሊጹ’ምበር፡ ሽዑ’ዩ ጀሚሩ ወይ ተፈጢሩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ’ቲ ምዱብ ጊዜኡ ብነብያት ገሊጽዎ፡ እቲ ንተስፋና ዝፈጸመ ክርስቶስ ድሕሪ ምግሃዱ ድማ፡ እታ ተስፋ ብብሩህ መገዲ ብሃዋርያት ተሰቢኻን ተተንቲንናን ማለት’ዩ። እምበኣር ተስፋ ድሕሪ ምፍጣር ዓለምን ሰባትን ከም ዝተዋህበት ጌርና እንተ ሓሲብናን ተዛሪብናን፡ ነታ ተስፋ ነንእሳን ነቕልላን ከም ዘለና ኺስቈረና ይግባእ። ካብ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ዘይተወልደ፡ በዛ ተስፋ’ዚኣ ንህይወቱ ዘየማእዘነ ሰብ ድማ፡ እቲ ዝኸፍአ ኣበሰኛ’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ንወላዲኡ፡ “ንስኻ እንታይ ትወልድ፧” ኢሉ ዜስተናዕቕ ኣበሰኛ ውሉድ’ዩ ዚቚጸር (ኢሳ 45፡10)። ናይ’ቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን እንረኽቦ ሰማያዊ ልደት መሰረት፡ ተስፋ ኣምላኽ’ያ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
“. . . ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሳኡ (ብዝተረኽበ) ህያው ተስፋ ብብዝሒ ምሕረቱ ከም ብሓድሽ ወለደና። ነቲ ዘይበርስን ዘይበላሽውን ዘይጽምልውን ኣብ ሰማያት ኣንቢሩልና ዘሎ ርስቲ ኸም እንወርስ ገበረና።”
ብምባል፡ እቲ ደቂ ተስፋ እንዀነሉ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 1፡3,4)። ዕላማ ምፍጣርና ነዚ ተስፋ’ዚ ምእንቲ ኽንወርስ፡ ደቂ’ዚ ተስፋ’ዚ ምእንቲ ኽንከውን’ዩ። እምበኣር እቲ ተስፋ ኻባና ኣዝዩ ዝዓበየ’ዩ። ደቂ’ዚ ተስፋ’ዚ ዘይምዃን ማለት መንነት ዘይብልካ ምዃን፡ ካብኡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብዓል ክፉእ መንነት ምዃን’ዩ።
ይስሃቅ ቅድሚ ምውላዱ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ብዛዕባ ልደቱ ነቦና ኣብርሃም ተስፋ ተዋሂቡ ነበረ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ይስሃቅ “ወዲ ተስፋ” ዝተባህለ (ዘፍ 12፡2,7፣ 13፡15-17፣ 15፡2-21፣ 16፡15-19)። ኣብርሃምን ሳራን ውላድ ምስ ደንጐዮም ግና፡ ምኽሪ ስጋ መኺሮም፡ ውሉድ ተስፋ ዘይኰነ ቘልዓ ኻብ’ታ ባርያ፡ ካብ ኣጋር ወለዱ። እቲ ውሉድ ተስፋ “ወዲ’ታ ጭዋ” ኺበሃል ከሎ፡ እቲ ውሉድ ስጋ ግና “ወዲ’ታ ባርያ” ተሰምየ። ውሉድ ተስፋ ዅሉ ጊዜ ወራሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ብዘይ ተስፋ ዝተወልደ ግና ኵሉ ጊዜ ባርያ’ዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብርሃን ሂቡና’ሎ።
“....እቶም ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም፡ እስራኤላውያን’ዮም ማለት ኣይኰነን። ከምኡ’ውን እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ደቂ ኣብርሃም’ዮም ማለት ኣይኰነን። እንተ ዀነ “ካብ ይስሃቅ ዘርኢ ኺስመየልካ’ዩ” ኢልዎ ነበረ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወልዱ’ዮም ደቂ ዚዀኑ’ምበር፡ እቶም ብስጋ (ብፍቓድ ስጋ) ዝተወልዱስ ደቂ ኣምላኽ ኣይኰኑን (እቶም ውሉድ-ተስፋ’ዮም ንዘርኢ ዚቝጸሩ’ምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።) ሮሜ 9፡6-8 ካ.ት።
“ወዲ’ታ ባርያ ብባህርያዊ መገዲ ተወልደ፡ ወዲ’ታ ጭዋ ግና በቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወልደ።. . . እቲ ጽሑፍ ግና፡ <ወዲ’ታ ባርያ ምስ ወዲ’ታ ጭዋ ኣይወርስን’ዩ’ሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ።” ይብል። ስለ’ዚ ኣሕዋተይ፡ ንሕና ደቂ’ታ ጭዋ’ምበር፡ ደቂ’ታ ባርያ ኣይኰንናን።” ገላ 4፡23,30,31 ካ.ት።
ስለ’ዚ “ውሉድ ኣምላኽ” ዚበሃል፡ እቲ ብባህያዊ መገዲ ኻብ ስጋ ዝተወልደ ዘይኰነስ፡ እቲ ብመንፈስ ብቓል ተስፋ ዝተወልደ’ዩ። ጐይታና’ውን፦ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ’ለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። እቲ ኻብ ስጋ እተወልደ ስጋ (ስጋዊ)’ዩ፡ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ (መንፈሳዊ)’ዩ።” ኢሉና’ሎ (ዮሃ 3፡5,6)። ስለ’ዚ እቶም በቲ ቓል- ተስፋ ኣሚኖም ካብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምስጢረ ሜሮን ዚውለዱ ዅላቶም ደቂ ተስፋ’ዮም። እዞም ደቂ ተስፋ ዝዀኑ ዅሎም፡ መንፈሳውያን ሰባት’ዮም። ስለ’ዚ ኸኣ ፍረ-መንፈስ ይፈርዩ (ገላ 5፡22)። እቶም ካብ ስጋ’ምበር ካብ መንፈስ ዘይተወልዱ፡ ወይ ከኣ ዝተዋህቦም መሰል-ውልድነት ዝደርበዩ ሰባት ከኣ ግብሪ-ስጋ (ፍረ-ስጋ) ጥራሕ ይፈርዩ (ገላ 5፡19-21)።
ኣቐዲምና ኣብ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓል፡ ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም እስራኤላውያን ከም ዘይኰኑ፡ ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዅሎም ከኣ ደቂ ኣብርሃም ከም ዘይኰኑ ኣንቢብና ኣለና። እዚ ቓል’ዚ ንኣና ዓብይ መጠንቀቕታ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ክርስትያን ዝተወልደ ዅሉ ድማ ክርስትያን ኣይኰነን። ብሓቂ ውሉድ ኣምላኽ (ደቂ ተስፋ) ምዃንና ርጉጽነት ዜውሕሰልና፡ ነቲ ውሉድነትና ንነብረሉን ነኽብሮን ምህላውና’ዩ። እቶም ምስ ጐይታ ብህልኽ ዚማጐቱ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ውሉድ ኣብርሃምን ውሉድ ኣምላኽን ምዃኖም ርግጸኛታት’ዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግን እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ምዃኑ’ዩ ዘርድኦም።
“ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና እተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ....ኣቦናስ ኣብርሃም’ዩ” .....ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ መለሰሎም፡ “ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት’ዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር’ዩ። ስለ’ዚ (ወልድ) ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጽኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። ንስኻትኩም (ብስጋ) ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣለኹ ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝረኣኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም። ....ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበረኩም ኔርኩም። ሕጂ ግን ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፡ ኣብርሃም ከም’ዚ ኣይገበረን፡ ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም።” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፡ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ’ዩ” በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ’የ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን’ሞ፡ ...ስለ’ዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ...ንስኻትኩምሲ ካብ’ቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ’ውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ’ዩ፡....ሓሳዊ’ዩ’ሞ፡ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ’ዩ” በሎም።” ዮሃ 8፡33-44።
እዚ ቕዱስ ጽሑፍ’ዚ፡ ውሉድነት ካበይ ምዃኑ ዚረጋገጽ በቲ እትገብሮ ዓይነት ግብሪ ምዃኑ መግለጺ ብዘየድልዮ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ። ካብ ድያብሎስ እተወልደ ዘበለ፡ ግብሪ ድያብሎስ ማለት ቅትለት፡ ሓሶት፡ ምንዝርና፡ ትዕቢት ወዘተ ይገብር። እቲ ብቓል ተስፋ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ኸኣ፡ ኵሉ’ቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ይገብር። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ካብ ወለዱ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ካብ ክርስቶስ ክርስትና ዝተቐበለ ክሳዕ ሃዋርያነት’ውን ዝበጽሐ ብሉጽ ክርስትያን’ዩ ዝነበረ። እናዞረ ወንጌል ዚሰብኽ፡ ዜጥምቕ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ብቓሉ ገሲጹን ሕማማት ዚፍውስ፡ ኣጋንንቲ ዚነቅል፡ ሰማያዊ ውህበትን ሓይሊ’ታ ሰማያዊት ዓለምን ዝተቐበለ፡ ቅቡእ ሃዋርያ’ዩ ዝነበረ። ደሓር ግን ብፍትወት-ስጋ ተጠቢሩ ውልድነቱ ለወጠ። ወዲ ጥፍኣት፡ ወዲ ድያብሎስ ኪኸውን መረጸ። ሰሚሩሉ ኸኣ ነቲ እተሻየጦ ጐይታ ኽሳዕ ምሻጥን ምኽሓድን በጽሐ። ንሕናኸ ነቲ ኣብ ኣርብዓን ሰማንያን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ውልድነት ዓቂብና፡ ግብሪ ኣብርሃምን ግብሪ ኣምላኽን እናገበርናዶ ንነብር ኣለና፡ ወይስ ንውልድነትና መለሳን ለውጥን ደሊናሉስ፡ ካብ ውሉድ ኣምላኽ ናብ ውሉድ ድያብሎስ ቀዪርና ንኸውን፧ እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ኣርብዓን ኣብ ሰማንያን ጥራሕ ዘይኰነ መዓልታዊ ኽንሓትቶ ዚግብኣና፡ መልሱ ድማ መዓልታዊ ኸነጣልሎን ከነረጋግጾን ዚግብኣና ሕቶ’ዩ። ኣብ ግብርኻን ኣካይዳኻን ርጉጽ ለውጢ ጌርካ ኸተብቅዕ፡ ኣብ ውልድነት ግን ዝዀነ ለውጢ ኸም ዘይመጸ ጌርካ ኽትነብርን፡ ንኣምላኽ ኰነ ንርእስኻ ክትጥብርን ኣይግባእን’ዩ።
ደቂ ተስፋ ናይ ምዃን ረብሓ እንታይ’ዩ፧ እግዚአብሔር ንምንታይ’ዩ ቅድሚ ዘመናት ደቂ ተስፋ ኽንከውን መኺሩልና፧ ካብ’ቲ ኣዝዩ ብዙሕ ረብሓታት ናይ ተስፋ፡ ነዞም ዚስዕቡ እንተ ጠቐስና ይኣኽለና’ዩ።
1. ድሕነት ተውሕሰልና፦ ብተስፋ ናብ እምነት ንበጽሕ፡ ብእምነት ድማ ናብ ድሕነት ንበቅዕ። ብድሕነት ከኣ ግብሪ (ፍረ ድሑናት) ክንፈርይ ንኽእል። ናይ’ዚ ዅሉ መሰረት ግና እታ ተስፋ’ያ። “ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘለና’ሞ፡ ነቲ ዚርአ ተስፋ ምግባሩስ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።” ሮሜ 8፡24።
2. ጽንዓት ተውሕሰልና፦ ማዕበላት ኣብ ዝበዝሓ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለ’ዚ መርከብ-እምነትና ጽንዕቲ እንተ ዘይኰይና፡ እቲ ማዕበል ከም ዚውሕጠና ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ግእዝቲ መርከብ ብመልሕቕ (anchor) ከም እትጸንዕ፡ መርከብ እምነትና ድማ ብተስፋ’ያ እትጸንዕ። ተስፋ፡ መልሕቕ ነፍስና’ያ። ካብ ኢድ ተስፋ መንዚዑ ኺወስደና ዚኽእል ዝዀነ ሓይሊ የልቦን። ምስ ኣምላኽን ምስ እምነትን ኣሲራ (ጠሚራ) እትሕዘናን እተጽንዓናን ተስፋና’ያ።
“(ተስፋ) ድማ ከም መልሕቕ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን’ያ’ሞ ናብ’ቲ ኢየሱስ ከም ማዕርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ (ናብ) ውሽጢ’ቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።” እብ 6፡19,20። “ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፡ ናብ’ቲ ዕርዲ ተመለሱ። ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኩም፡ ሎሚ’ውን እነግረኩም ኣለኹ።” ዘካ 9፡12
3. ናብ ኣምላኽ ተቕርበና፦ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኰይኑ ዜረሓሕቐና ሓጢኣት’ዩ። ነዚ ሓጢኣት’ዚ ኣርሒቓ ናብ ኣምላኽ እተቕርበና ድማ ተስፋ’ያ። “ሕጊ ንሓደ’ኳ ናብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ (ሕጂ ግና) ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ እትሓይሽ ተስፋ ኣተወት (ሕጂ ግና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኢልና ኣሎ)።” እብ 7፡19።
“በቲ ዘመን’ቲ ካብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፡ ማለት ብምፍሳስ ደሙ፡ ቀረብኩም።” ኤፌ 2፡12,13 ካ.ት።
4. ወረስቲ ዘለኣለም ህይወት ትገብረና፦ ብመሰረቱ እቲ ተስፋ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። እታ ተስፋ’ቲኣ ዘይብሉን ብእኣ ህይወቱ ዘየማእዝንን ዘየመሓድርን ሰብ፡ ነታ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይወርሳን’ዩ።
“እዚ እምነት’ዝን እዚ ፍልጠት’ዝን፡ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።” ቲቶ 1፡2 ካ.ት።
“ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።” ቲቶ 3፡6,7።
5. ካብ ምሕዛንን ምሕፋርን ዜደንግጹ ኻብ ምዃንን ተድሕነና፦ ርጉጽነት ዘለዋ ተስፋ ስለ ዝዀነት፡ ክንሕበን ትገብረና’ምበር፡ ኣይተሕፍረናን’ያ። ኣዝዩ ዜሐጉስን ዜኽብርን መጻኢ ስለ እተውርሰና፡ ብዝዀነ ዚገጥመና ዅነታት ክንሕጐስ’ምበር ክንሓዝን ኣይትገብረናን’ያ። ሰብ ብሩህ መጻኢ ስለ እትገብረና፡ ዜደንግጹ ሰባት ክንከውን ኣሕሊፋ ኣይትህበናን’ያ።
“ብእኡ (ብክርስቶስ) ናብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት ኣተና። ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና’ውን ንምካሕ ኣለና።. . .በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝመልአ ኸኣ፡ እታ ተስፋ ኣይተሕፍርን’ያ።” ሮሜ 5፡2,4 ካ.ት።
“ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራሕ እንተ (ዚኸውን)፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 15፡19።
“ግናኸ ኣሕዋተይ፡ ከም’ቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባ’ቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደልይ ኣለኹ። ብድሕሪ’ዚ ንሕና ብሕይወት እንጸንሕ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምስኣቶም ሓቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና። ንሓዋሩ ድማ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት’ዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።” 1ተሰ 4፡13,17,18 ካ.ት።
6. ንጽህናን ቅድስናን ተጐናጽፈና፦ እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምውራስን በቲ ሰማያዊ ኽብሩ ንእኡ ምምሳልን’ዩ። ንህይወቱ ብንጽህናን ቅድስናን ዘይሓለወ ሰብ ግና ነዚ ተስፋ’ዚ ኺወርሶ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ደቂ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ምዃንና፡ ኵሉ ጊዜ ብንጽህናን ቅድስናን ንጐይታና ኽንመስል ስለ ዜኽእለና፡ ረብሓ ናይ’ዛ ተስፋ’ዚኣ ኣዝዩ ዓብዪ’ዩ።
እምበኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ፡ ርእስና ነንጽህ። 2ቈረ 7፡1።
“ኣቱም ፍቁራተይ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና። እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን(ዘሎ)። (ክርስቶስ) ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከም’ታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና’ሞ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣለና። እዛ ተስፋ’ዚኣ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከም’ቲ (ክርስቶስ) ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።” 1ዮሃ 3፡2,3።
እምበኣር፡ እዛ ብኣምላኽ ዝተዋህበት ተስፋ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ዓበይቲ ረብሓታት ካብ ሃለዋ፡ እዛ ተስፋ’ዚኣ ኣባና ምህላዋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ በዛ ተስፋ’ዚኣ ኣዚና ሃብታማት ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ (1ጴጥ 3፡15፣ ሮሜ 15፡13)። ብክርስቶስ ዝተዋህበና ተስፋ-ጽውዓ ኣዝዩ ዓብዪ’ዩ። ነዚ ተስፋ’ዚ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ እግዚአብሔር ኪገልጸልና ኽንጽልይ ይግብኣና (ኤፌ 1፡18፣ 4፡4)።
ንተስፋና ብኸመይ ኢና እንዕቅቦ፧ ንተስፋና ዚምንዝዓናን ከንቱ ዚገብሮንከ መን’ዩ፧ ንተስፋና ኸንቱ ዚገብሮ ሰይጣን’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓጢኣት ከም ንወድቕ ብምግባር’ዩ ዚገብሮ። ካብ ሓጢኣቱ ብንስሓ ንዘይረሓቐ ሓጢኣተኛ፡ ዝዀነ ተስፋ የብሉን። ስለ’ዚ ኢና ዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት ክንሃድም ምኽርን ትእዛዝን ዚወሃበና። ካብ ምንዝርና፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ካብ ትምኒት ጕብዝናን ካብ ኵሉ ኻልእ ሓጢኣትን ክንርሕቕ ክንሃድም ተነጊሩና’ዩ (1ቈረ 6፡18፣ 1ጢሞ 6፡8-11፣ 2ጢሞ 2፡22፣ መዝ 34፡14)። እቲ ኻብ ሓጢኣት ዝሃደመ ጥራሕ’ዩ ናብ’ታ ተስፋ ገጹ ኺበጽሕን ኪሕዛን ዚኽእል።
“በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ኽልተ ዘይልወጣ ነገር (ተስፋኡን ማሕላኡን) ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና (ስለ ዝዀንና)፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።” እብ 6፡18።
ካልእ ንተስፋና ኣጽኒዕና ኸይንሕዝ ዚዕንቅፈና ኸኣ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዚገብረና ዅነታት’ዩ። ብመሰረቱ ተስፋ፡ ብዅነታት ኣይፍጠርን’ዩ። ደበና ኣብ ዘይብሉ ኢኻ እትትስፈው’ምበር፡ ደበና ስለ ዝረኣኻ ተስፋ ምግባር፡ እዚ ምስ ተስፋ ኣይቍጸርን’ዩ (ሮሜ 8፡24,25)። ነቦና ኣብርሃምን ሳራን እርጋኖም ንተስፋኦም ኣጽኒዖም ከይሕዙ ብዙሕ ፈቲንዎም’ዩ። ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ተደጊፎም፡ ተስፋኦምን እምነቶምን ስለ ዝዓቀቡ ግን፡ ብኽብሪ ተመስከረሎም።
“ከም’ቲ ብሁል ድማ፡ “ዘርእኻ ኸም’ዚ ኪኸውን’ዩ፡” ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማህጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን። ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐ’ምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተወላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራ ኽእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለ’ዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።” ሮሜ 4፡18-22
ንሕና’ውን ከም ደቂ ተስፋ መጠን፡ ተስፋ ኣብ ዚሓትት ኵሉ ጕዳያትና ንተስፋ ኣብ ዘይህብ ኵነታትናን’ኳ ተስፋና ኣጽኒዕና ብምሓዝ ንእግዚአብሔር ከነኽብር፡ ንርእስና’ውን ከነጽንዕ ይግብኣና። ብፍላይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያትና፡ ተስፋና እናበረኸን እናሰፍሐን ኪኸይድ ይግባእ። ብዛዕባ ትንሳኤ ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን ዘለና ተስፋ እናዓዘዘ ኪኸይድ፡ ብኹሉ ሓይልና ብእምነት ክንጋደል፡ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ።
ብዛዕባ ተስፋ ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ካብ በልና፡ ህይወትና ንመርምር’ሞ፡ እታ እትወልድ ተስፋ ኣብ ውሽጥና ምህላዋ፡ ናይ ብሓቂ ውሉድ ተስፋ ምዃንና፡ ንዅሉ ረብሓታት ተስፋ ንረኽቦ ምህላውና፡ ካብ’ቲ ተስፋ ዜስእነና ሓጢኣት ርእስና ብምንጻህ፡ ተስፋና ኣጽኒዕና ምህላውና ነረጋግጽ። ተስፋ ዘይብሉ ሰብ መጻኢ ስለ ዘይብሉ፡ ነታ መልሕቕ ነፍሲ ዝዀነት ጽንዕትን ድልድልትን ተስፋ ወኒንናያን ዓቂብናያን ነዕብያን ከም ዘለና ወርትግ ነረጋግጽ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
የካቲት 5, 2015 ግዕዝ (12 ለካቲት 2023 ፈ [[መበል 23 ሰንበት: ቊ.፴፩/31, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.146፡ 1-2 “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር። ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን። እስመ አጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ።” “ሃሌሉያ! ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ’ዩ፡ ጥዑም’ዩ’ሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ይሃንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 4፡21-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 2፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 11፡20-26 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ