“ኣነ ምእንታኦም እልምን ኣለኹ። ናትካ’ዮም’ሞ፡ ምእንቲ’ዞም ዝሃብካኒ’ምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን’የ። ኵሉ ናተይ ናትካ’ዩ። እቲ ናትካ’ውን ናተይ’ዩ፡ ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ።” ዮሃ 17፡9,10 ካ.ት።
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ
ዓርቢ 30 ሰነ 2017
“ማርያም (መግደላዊት) ግና ኣብ’ቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበክይ ነበረት። ..... ኢየሱስ ከኣ “ማርያም” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ (ብቋንቋ) እብራይስጢ፡ “ረቡኒ” በለቶ። ትርጕሙ “መምህረይ” ማለት’ዩ።” ዮሃ 20፡11,16
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡ’ውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም ፈተውትን።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ንምእመናን ዓቢይ ምጽንናዕ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ስደት እስራኤል ንዝነብር መእመንን ውሉደ ክህነትን ዓቢይ ምጽንናዕን ሞራልን ተስፋን ኮይኖምዎ ቀንዮም።
“ኣሕዋተይ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ (ክርስቶስ) ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም።” 1ጴጥ 2፡21
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ክካየድ እዩ። ጉባኤ ዝካየደሉ ካብ 20 ክሳብ 23 ሓምለ 2017 (July 20 to July 23, 2017) እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። Read more ...
“ስለ’ዚ እቲ ኣብ ጸልማት ንዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ ንሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ’ቲ ምዱብ ጊዜ ሓንቲ’ኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ (እቲ ምዱብ ጊዜ-ፍርዲ ምስ መጸ) ነፍስ ወከፍ (ሰብ) መምስጋናኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል’ዩ።” 1ቈረ 4፡5 ካ.ት።
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ
ረቡዕ 31 ግንቦት 2017
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ