"ሓጢኣት የብልናን’ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና ግና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ’ውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን’ዩ።” 1ዮሃ 1፡8,9
ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።
“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
ሰሉስ 27 መስከረም 2016 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
“ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ‘ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ከፊቱልካ’ዩ’ሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧’ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ነብዪ እዩ’ በለ። ..... ሽዑ ነቲ ዕዉር (ዝነበረ) ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፡ ‘እዚ ሰብኣይ’ዚ ሓጥእ ምዃኑ፡ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡’ በልዎ።” ዮሃ 9፡17,25።
ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ እግዚኣብሔር እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓና። ዘመኑ ዘመነ ሰላም፥ ዘመነ ዕርቂ ዘመነ በረከት ይግበረልና።
Let us give thanks unto the beneficent and merciful God, the Father of our
“ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብቓል ዘይስሕት (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጒም ዚከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብ’ዩ። .......ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ’ኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዓርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአት’ያ።” ያእ 3፡2,8።
“ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ (ኣቦይ) የጽርዮ። ንስኻትኩም ከኣ ሳላ’ቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።” ዮሃ 15፡2,3።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ