“ማርያም (መግደላዊት) ግና ኣብ’ቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበክይ ነበረት። ..... ኢየሱስ ከኣ “ማርያም” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ (ብቋንቋ) እብራይስጢ፡ “ረቡኒ” በለቶ። ትርጕሙ “መምህረይ” ማለት’ዩ።” ዮሃ 20፡11,16
ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!! ነዚ ናይ 55 መዓልታት ናይ ዘመነ ጾም ጊዜ ብዓወት ወዲእና፡ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ምብጻሕና፡ ዓብዪ ጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዘመን ጾም፡ ህይወቱ ሓሊፋ ብሞት ዝተፋነወ ሰብ፡ ብቝጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ብህይወት ምጽናሕና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም መጠን ዕብየቱን ኣገዳስነቱን ነዚ ዓብይ ጾም’ዚ መንፈሳዊ ህይወትና ንምህናጽ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ብርግጽ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ተኣምራዊ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ስለ እንኸውን፡ ብሓቂ ኽቡር ትዕድልትን ጸጋን’ዩ ዚዀነልና። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ከም ዜረጋግጸልና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ብትንሳኤና እንሓብሮ ናብራ’ምበር፡ ዓመታዊ ጽምብል ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ገና ብህይወቱ ዘለዉ ተገልገልቱ፡ “ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩም” እናበለ ይጽሕፈሎም ነበረ (ቈሎ 3፡1)። ንርእሱን ንዅላቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ሰባት ኣጠቓሊሉ’ውን፡ “ምስኡ ኣተንስኣና፡ ምስኡ ህያዋን ገበረና” እናበለ የስተምህር ነበረ (ኤፌ 2፡1-7፣ ቈሎ 2፡12,13)። ጐይታና ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉ ብሕድገት ሓጢኣት ኬድሕነና’ኳ እንተ ሞተ፡ ነዚ ተልእኾኡ’ዚ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ከም እንሓብር ብምግባር’ዩ ዚፍጽሞ። ጐይታና ምእንቲ ምልእቲ ዓለም’ዩ ዝሞተን ዝተንስአን። ብሞቱን ብትንሳኤኡን ዚረብሑ ግና፡ እቶም ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝሓበሩ ጥራሕ’ዮም። ንሱ ብስጋ’ምበር፡ ብመንፈስ ኣይሞተን። ምኽንያቱ ብመንፈስ ዚመውት እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ንሱ ብስጋ ዝሞቶን ዝተንስኦን፡ ንሕን ድማ ብመንፈሳዊ ሞትን ትንሳኤን ንሓብሮ። ነቲ መንፈሳዊ ሞትና ካብ ሓጢኣት ብሙማት ነቲ መንፈሳዊ ትንሳኤና ድማ ንጽድቂ ብምንባር ኢና ንገልጾ። ጐይታና ሓንሳእን ንሓዋሩን’ዩ ዝሞተን ዝተንስአን። ንሕና ግን መዓልቲ መጸ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ኵነታትን ኢና’ንመውትን ‘ንትንስእን። ንሓጢኣት ክንኣብዮን ክንሕሰሞን ከለና፡ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሞትና ንገልጽ። ንጽድቂ ተሓጒስና ኽንገብሮ ኸለና ድማ ምስ ክርስቶስ ተንሲኢና ንኣምላኽ ህያዋን ኴንና ከም ዘለና ንገልጽ። ንሓጢኣት ምዉታት፡ ንጽድቂ ግና ህያዋን ክንከውን ኢሉ፡ ክርስቶስ ዚኣክል ጻድቕ ኣምላኽ ሞይቱልና ኼብቅዕ፡ ንሕና ግን ብኣንጻሩ ንጽድቂ ምውታት ንሓጢኣት ግን ህያዋን ኴንና ኽንነብር እንተ መረጽና፡ እቶም ዝኸፋእና ሰቐልቲ ክርስቶስ’ምበር፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስትያን ክንስመይ ኣይንበቅዕን ኢና። እቶም ዝሰቐልዎ ኣይሁድ ናይ ውርደት ስጋና ለቢሱ ኸሎ ብምስማር ኣብ ዕንጸይቲ’ዮም ዝሰቐልዎ። ከምኡ ዝገበርዎ ድማ ስለ ዘይኣመንዎን ስለ ዝጸልእዎን’ዩ። ንሕና ግን “ኣምላኽና፡ መድሓኒና” ኢልና ዝኣመንና ህዝቢ ኽነስና ኢና ብሓጢኣትና ደጊምና ንወግኦን ንስቕሎን ዘለና። ከም’ቲ ናታቶም ናይ ውርደት ስጋ ለቢሱ ኸሎ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ኣብ ዝተቐመጠሉ ናይ ክብሪ ዘመኑ ኢና ነዚ በደል’ዚ ንፍጽሞ ዘለና። ከም’ዚ እናገበርካ “በዓል ትንሳኤ” ምብዓልከ ምስ ምንታይ ይቝጸር፡ ባዕልካ ናይ ዝቐተልካዮ ሰብ መቓብር ብእምነ-በረድ (ማርሞ) ከም ምጽብባቕዶ ኣይኰነናን፧ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ኪህልወና ዚግባእ ርድኢት ኣነጺሮም ገሊጾምልና’ዮም። ንበዓልና ዀነ ንህይወትና ትርጕምን ተቐባልነትን ዜውህቦ ድማ በዚ ሃዋርያዊ ሓቂ’ዚ እንተ ተመራሕና ጥራሕ’ዩ።
“ንሓጢኣት (ምውታት ኴንና) ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ክርስቶስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 1ጴጥ 2፡24
“ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም (ንጽድቂ ኸም ዝተንሳእኩም)፡ ርእስኽም ቍጸሩ።(ሮሜ 6፡11)
“እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን (ናይ ወንጌል) ዝተቐበሉ፡ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ዝዀነ ቓል ኣምላኽን ሓይሊ ናይ’ታ እትመጽእ ዓለምን ዝጠዓሙ፡ (ፈትዮም ናብ ሓጢኣት) እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ብገዛእ ፍቓዶም ከም ብሓድሽ ሰቒሎም መላገጺ ስለ ዝገበርዎ፡ ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልን’ዩ።” እብ 6፡4-6 ካ.ት (እብ 10፡26-31)
ትርጒም ናይ’ቲ “ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልን’ዩ” ኣብ ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር እንመሃሮ’ዩ)።
ነዚ ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግን ህያዋን ኴንና ምትንሳእና፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ትንሳኤ ሕልና ወይ ትንሳኤ ልቦና (ትንሣኤ ኅሊና፡ ትንሣኤ ልቡና) ብምባል ትገልጾ። ንትንሳኤ ክርስቶስ ኬብዕልዎ ዚግብኦም። እቶም ኣብ ትንሳኤ ሕልና ዘለዉን ዚነብሩን ጥራሕ’ዮም። ብብልዕን መስተን፡ ብጨርቅን ወርቅን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብመንፈስ’ዮም ዜብዕልዎ። ድርብ ትንሳኤ ስለ ዜብዕሉ ኸኣ ንበዓሎም ክብርን ድምቀትን የጐናጽፎ። ናይ ጐይታኦም ትንሳኤን ናይ ገዛእ ርእሶም ትንሳኤን’ዮም ዚጽምብሉ። እቶም ንሓጢኣት ምዉታት ምዃን ኣጽሊእዎም። ብሓጢኣት ምውታት ኪዀኑ ዝመረጹ ግና፡ ንኸብዶምን ንልማዶምን ደኣ’ዮም ዜብዕሉሉ’ምበር፡ ንክርስቶስ’ውን ኣይኰነን።ምኽንያቱ በቲ ሓጥእ ኣካይዳኦም ጸረ ትንሳኤ ምዃኖም ብወግዒ ዘረጋገጹ’ዮም። እዛ ክብርትን ቅድስትን ዕለተ ትንሳኤ’ምበኣር፡ “ወገነይ ዲኻ ጸላእየይ፧” ኢላ ትብድሃና ኣላ፡ “ውሉድ ትንሳኤ ዲኻ ጸረ ትንሳኤ፧ ተንሲእካ ዲኻ ወይስ ገና ምዉት ኢኻ ዘለኻ፧ ትንሳኤ ጽምብልካ ድዩ ናብራኻ፧” ኢላ ዘይስገር ሕቶ ትሓትተና ኣላ።
ቅዱስ ያሬድ ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ዝደረሶ ድንቂ መዝሙር፡ “ይትፌሣህ ሰማይ” ዘርእስቱ’ዩ። ኣብ ዳግማይ ትንሳኤን ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስን’ውን እዚ መዝሙር’ዚ’ዩ ዚዝመር። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ሰበኽቲ ወንጌል መልእኽቲ ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ኣኣብ መድረኾም ኪትርጒምልና’ዮም። ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ዮሃ 20፡1-18’ዩ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ፡ እታ ቐንድን ጒልሕትን ገጸ-ባህርይ (Character) ድማ፡ እታ ንቕዱሳን ሃዋርያት ቀዲማ በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ኽትከውን ጐይታ ዝሓረያን ዘኽበራን ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት’ያ። መግደላዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት፡ ጓል “መግደላ” ዝተባህለት ዓዲ ስለ ዝዀነት’ዩ። ወንጌላዊ ሉቃስን ወንጌላዊ ማርቆስን ተሪኾምልና ኸም ዘለዉ፡ ብሾብዓተ ኣጋንንቲ ትሳቐይ ዝነበረት፡ ግዳይ ኣጋንንቲ’ያ ዝነበረት (ማር 16፡9፣ ሉቃ 8፡2,3)። ኣጋንንቲ ድማ ኣሽንኳይ ሾብዓተ ዀይኖም ሓደ መስርዕ ኣኺሎምሲ፡ ነዛ ንውልቁ ሓደ ዀይኑ’ኳ ኸመይ ከም ዜሳቕይን ከም ዜዋርድን ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ከባቢና ብ’ንዕዘቦ ተመክሮታትን ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ድማ ነቲ ኻብ ከም’ዚ ዝበለ መሪር ስቓይን ውርደትን ዝገላገላ ጐይታ፡ መግለጽን መዳርግትን ብዘይርከቦ ፍቕሪ ዘፍቀረት ቅድስቲ ኣደ’ያ። ክሳዕ ሞት ክሳዕ መቓብር ዝሰዓበቶ እምንቲ ጓል መዝሙሩ’ያ። ኵሎም’ቶም ተባዕትዮን ሃዋርያትን ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝሃደሙሉ እዋን፡ ጓለ’ንስተይቲ ዀይና ምስ ቅድስቲ ወላዲቱን ካልኦት ብእምነት ኣሓታ ዝዀና ኣንስትን ኣብ እግሪ መስቀሉ ዝቘመት ተባዕ ኣደ’ያ። ብገዘፍቲ መሳምር መሓውሩ ኺሽንክርዎ ኸለዉ በዒንታ ዝረኣየት፡ ገዓር ቃንዛኡ በእዛና ዝሰምዐት’ያ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ናብ መቓብር ኪወስድዎን ኪቐብርዎን ከለዉ፡ ካብ’ቶም ውሑዳት ቀበርቱ ሓንቲ’ያ። ብዘይካ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ዳርጋ ዅላቶም ሃዋርያትን ኣርድእትን ናይ’ዚ ስቓይ’ዚ ምስክር ኪዀኑ ኣይበቕዑን።
ንፍቕሪ ማርያም መግደላዊት፡ ሞትን መቓብርን’ውን ኬሰንፎ ኣይከኣለን። ንሬሳኡ ብቕዲት ክትቀብእ፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ገስገሰት። ንቅዱስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነጊራ ሒዛቶም መጸት። ንሳቶም ብብዙሕ ፍርሃት ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ፡ ሬሳኡ ኸም ዘየልቦ ምስ ኣረጋገጹ፡ ኣብ’ቲ መቓብር ደው ኣይበሉን፡ ዝባኖም መሊሶም ናብ’ታ መዕቈቢቶም ከዱ። እዛ ብፍቕሪ ጐይታኣ ዝነደደት እምንቲ ሰበይቲ ግን፡ ካብ’ቲ ባዶ መቓብሩ’ውን ክትፍለይ ኣይመረጸትን። “ሙማቱ ኸይኣክል፡ መቓብሩ ፈንቂሎም ሬሳኡ ሰሪቖምዎ” ኢላ ኣብ’ቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ መሪር ብኽያት ቐጸለት። ጐይታ ግን ነዛ ኻብ ሞት ብዚሕይል ፍቕሪ ዘፍቀረቶ እምነቲ ባርያኡ፡ ንትንሳኤኡ ብሓዘንን ብብኽያትን ከተሕልፎ ስቕ ኪብላ ኣይኰነሉን። ስለ’ዚ ክልተ ኻብ ቅዱሳን መላእኽቱ ልኢኹ፡ ኣብ ትርኣስን ትርጋጽን ናይ መቓብሩ ኣቘሞም። “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፡” ምስ በልዋ፡ እታ ንሃዋርያት ዝነገረቶም ቃል፡ “ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን’ን’የ” በለቶም። እቲ ዕዙዝ ፍቕራ፡ ነቶም ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣዩ ቅዱሳት መላእኽቲ ኽትርእይ ኣብቅዓ። ጐይታ ግን ብመላእኽቲ ጥራይ ኪዛረባን ኬበስራን ኣዝዩ ንእሽቶ ኰይኑ ተራእዮ። ስለ’ዚ ምስ’ቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝጀመረቶ ዝርርብ ገና ኸይወድኣቶ ኸላ፡ ብድሕሪኣ ቘመ። እንተ ድምጺ ሰሚዓ፡ እንተ ብርሃን ርእያ፡ እንተ ግርማ መለኮቱ ተፈሊጥዋ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ ግሩም ትርኢት መላእኽቲ ሓዲጋ፡ ናብ ድሕሪኣ ግልጽ በለት። ብግርማ ትንሳኤ ተራእይዋ እንተ ዚኸውን፡ ሓላው ኣታኽልቲ ኣይምመሰላን ነይሩ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፡ ንመንሲ ትደልዪ ኣለኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ብድምጹ ኣየለለየቶን፡ ነምዑትካ ዜናውጽን ከብዲ ዚበልዕን መልሲ ግን ሃበቶ። “(ንሬሳ ጐይታይ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ” ዚብል መልሳ ዘይጽወር ስምዒት ዚፈጥር’ዩ። “እንሆለ” ኢሉ እንተ ዚህባ፡ ነቲ ሳልስቲ ዝገበረ ኪብስብስ ዝጀመረ ሬሳ እንታይ’ያ ኽትገብሮ፡ በይና ድያ ተሰኪማቶ ኽትከይድ፧ ወይስ ነቶም ገና ብህይወቱ ኸሎ ዝሓደግዎ ደቀ መዛሙርቱ’ያ ኽትጽውዖም፧ ድሕሪ’ዚ ግን ጐይታ፡ ርእሱ ኻብኣ ኺስውር ልቡ ኣይፈቐደሉን። ነታ ስማ እናጸውዐ ዝጓስያ በጊዑ፡ “ማርያም” ኢሉ ጸውዓ። ርእሱ ብምግላጽ ነቲ ዕዙዝ ፍቕራ ኣኽበሮ። ናይ’ቲ ብስማ እናጸውዐ ዘውፈራን ዘእተዋን ጓሳኣ ድምጺ ምስ ሰምዐት፡ ኣለለየቶ’ሞ፡ ነቲ ናይ ዮሃ 10፡2-5 ቓሉ ብግብሪ ፈጸመቶ። ብሞት፡ ብፍርሃት ይኹን ብዝዀነ ዅነታት ዘይስነፍ ፍቕሪ፡ ከም’ዚ ገይሩ’ዩ ዜኽብረካ። በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ይገብረካ። ናይ’ቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩን ዝተቐብኡን ሃዋርያት፡ ኣበሳሪ ይገብረካ። ነቲ ብስራት ድማ ካብ ልሳን ሰብ ወይ ካብ ልሳን መላእኽቲ ዘይኰነስ፡ ካብ ልሳን ናይ’ቲ ንጉስ ትንሳኤ ትሰምዖ፡ በዒንትኻ ድማ ትርእዮ። ቅዱሳን ኣቦታትና፡ “ፍቅር ሰሓቦ ለወልድ ሓያል እም መንበሩ “(ፍቕሪ ነቲ ሓያል ወልድ ካብ መንበሩ ሰሓቦ (ኣውረዶ) ኸም ዝበሉ፡ እዛ ፍቕሪ’ዚኣ ኣብ ሰብ ክትሓድር ከላ ድማ ከም’ዚ ናይ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ገይሩ ንላዕሊ ናብ ክብሪ የደይቦ። ጐይታና ባዕሉ፡
“ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ (ዓባይን) ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣ’ያ።”
ኢሉና’ዩ (ማር 12፡30፣ ማቴ 22፡37,38)። ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ’ያ ብፍጹምነት ዝተግበረት። ነታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ ስለ ዘቐደመት፡ ቅድሚ ዅሉ ተሰርዐት። ነታ ዓባይ ትእዛዝ ስለ ዘዕበየት፡ ልዕሊ’ቶም ዓበይቲ ዓበየት። እቲ ንፍቕሪ ዜቐድምን ዜዕብይን እግዚአብሔር ወልድ ኸኣ ኣብ’ታ እምንቲ ባርያኡ እሙንነቱ ኣግሃደ። ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ መኽፈት ኣፉ ዀይና ካብ ኣፉ ዝወጸት በዅሪ ቓል፡ “ማርያም” ኰነት። ነቲ ዝተንስአ ንጉስ ትንሳኤ ብዓይና ዝረኣየት በዅሪ ሰብ፡ ካብ ልሳኑ ስማ ኺጽዋዕ ዝሰምዐት በዅሪ ሰብ፡ ጸዋሬ ብስራት ኰይና ንቅዱሳን ሃዋርያት ትንሳኤ ዘበሰረት በዅሪ ምስክር ትንሳኤ፡ በዅሪ ኣበሳሪት ዕርገት = ማርያም መግደላዊት!!
እዛ ንምድሓን ዝለበመት፡ ብፍቕራ ዝኸበረት፡ በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ኽትከውን ዝተዓደለት፡ ብስማ “ማርያም” ኢሉ ምስ ጸውዓ፡ ንምንታይ’ያ “መምህረይ” ኢላ ዝጸውዓቶ፧ ንምንታይ “ጐይታይ” ዘይበለቶ፧ ንሃዋርያት “ንጐይታና ወሲዶምዎ”፡ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን “ንጐይታይ ወሲዶምዎ” ኢላ ብጐይትነቱ ሰምያቶ’ያ። “ጐይታይ” ምባል ንማርያም ጋሻን ጓናን ኣይኰነን። ባዕሉ ብልሳኑ ስማ ምስ ጸውዐ ግን፡ “መምህረይ” ክትብሎ መረጸት። ምኽንያቱ ነቲ ደድሕሪ እግሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪ ሬሳኡ ገና ጸልማት ከሎ ዘገስገሳ፡ ዝርንዛሕ ዘንብዓ፡ “ነቲ ዝወሰደለይ ክወስዶ ኣበይ ኣሎ፧ እና’በለ ዘለመና ፍቕሪ ኻብኡ’ያ ተማሂራቶ። ነቶም መስርዕ ኣጋንንቲ ኻብ ውሽጣ ምስ ነቐለላ፡ ንእኡን ንቓሉን ኣብ ልባ ኣስፈረቶ። ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ፡ ብጸላእቱ ቕድሚ ምትሓዙ ዝነበረት ምሸት፡ ጐይታና ሕቘኡ ተዓጢቝን ተደቢሩን እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምሕጻቡ፡
“ንስኻትኩም <መምህርን ጐይታን> ትብልኒ ኣለኹም፡ ኣነ ኸምኡ’የ’ሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣባኻትክም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣለኹ’ሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም’ዩ።”ዚብል ግብራዊ ትምህርቲ ሃቦም (ዮሃ 13፡13-15)። ካብ ትምህርትን ኣካይዳን ናይ ፈሪሳውያን ኪጥንቀቑ ኣብ ዝመዓዶም መዓልቲ’ውን፦ “(ፈሪሳውያን) ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብ’ውን <መምህራን> ኪብሃሉ ይፈትው። ንስኻትኩም ግን መምህርኩም ሓደ እዩ’ሞ፡ (ንሓድሕድኩም) <መምህራን> ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።”
ንምባል መምህርነቱ ገሊጹ’ዩ (ማቴ 23፡8)። ካብ’ቶም ጐይታና ንቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ዝሰርዓላ ኣገልግሎታት (Officer) ሓደ መምህርነት ከም ዝዀነ እቲ ብቕድሳን ሃዋርያት ዝገለጾ ቓሉ ዘረጋገጾ ሓቂ’ዩ (ኤፌ 4፡11-13፣ 1ቈረ 12፡28-30)። ቅዱስ ጳውሎስ መምህር ወንጌል ንምዃን ብጐይታ ኸም ዝተሾመ ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (1ጢሞ 2፡7፣ 2ጢሞ 1፡11)። ስለ’ዚ ባዕሉ መምህራን ሾይምዎም ኬብቅዕ፡ “መምህራን ኣይትበልዎም፤ ኣይብልን’ዩ። በቲ ንሱ ዝሃቦም ውህበት ጸጋ ነቲ ወሃቢ ገይታ ኬኽብሩሉ’ምበር፡ ከም ፈሪሳውያን ክብሪ ኣምላኽ ንምስራቅ ከይጥቀሙሉ’ዩ ዘጠንቀቐ። ኣብኣቶም ሓዲሩ ብኣታቶም ገይሩ ዚምህር ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ክውን መምህርን ንሱ በይኑ’ዩ። ክርስቶስ ኣብኡ ሓዲሩ ዘይምህር ሰብ፡ ብርግጽ መምህር ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፦
“እቲ (ብዛዕባ ሃዋርያነተይ) እትደልይዎ (መረጋገጺ ምስክር)፡ ማለት ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ከም ዚዛረብ ክትፈልጡ ኢኹም። ክርስቶስ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ’ምበር፡ ብድኻም ኣይኪግለጽን’ዩ።”
ብምባል፡ ባዕሉ ብኣካል ደው ኢሉ’ኳ ይምህር እንተ ሃለወ፡ እቲ ዚምህር ግና እቲ ኣብ ውሽጡ ዀይኑ ዚዛረብ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረጋገጸ (2ቈረ 13፡3 ካ.ት)። ስለ’ዚ እንተ ብቐጥታ ባዕሉ ተዛሪቡ፡ እንተ ብመገዲ ልኡኻቱ ተዛሪቡ፡ እቲ እንኮን ሓቀኛን መምህር ንሱ በይኑ’ዩ። ነቶም 12 ሃዋርያቱን 70 ኣርድእቱን ኪልእኮም ከሎ፡ እቲ ዚወሃቦም ጥራሕ ኪዛረቡ’ምበር፡ ብዛዕባ ዚዛረብዎ ከይጭነቑ ይእዝዞም ነበረ (ማር 13፡11፣ ማቴ 10፡19 ፣ ሉቃ 12፡11 ፣ 21፡4)።
ንናይ ጐይታና መምህርነት ኣዝዩ ዝተፈልየ ኽብሪ ዜውህቦ ድማ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብግብራዊ መገዲ’ውን ዚምህር ምዃኑ’ዩ። እቲ ኣብ ዮሃ 13፡13-15 ዘንበብናዮ ናይ ሕጽበት-እግሪ ኣርኣያ ሓደ መረጋገጺ’ዩ። ኣብ’ቲ ንጽዑራት ዝገበሮ ቅዱስ ጽውዓ’ውን ግብራውነቱ ብግሩም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ’የ፡ ልበይ’ውን ትሑት’ዩ፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ማቴ 11፡28-30
ማርያም መግደላዊት ነዚ ጽውዓ’ዚ ሰሚዓን ተቐቢላን ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወት ሰብ’ያ። ዅሉ ነገር ካብኡ ስለ ዝተማህረቶ ኸኣ፡ ብምሉእ ልባ “መምህረይ” በለቶ። ከም’ቲ ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ኣብ እግሩ ኾፍ ኢላ ትመሃር ዝነበረት’ሞ፡ ጐይታ ድማ ብዛዕባ’ቲ ዝመረጸቶ ግደ ዘድነቓ፡ እቶም ንመምህርነቱ ዜኽብሩ ዅሎም ጐይታ የድንቖምን ይንእዶምን’ዩ።
“(ማርያም) ከኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ ነበረት፡ ኢየሱስ ድማ፡ “ማርታ ማርታ፡ ብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣለኺ እቲ ዜድልይ ግና ሓደ ጥራሕ’ዩ፡ ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውስድ ግደ ሓርያ ኣላ” ኢሉ መለሰላ።” ሉቃ 10፡38-42
ነቶም ንመምህርነቱ ዚቕበሉን ዜኽብሩን፡ ዘይውሰዶም ዘይስእንዎ ግደ ዝመረጹ ለባማት ምዃኖም መስከረሎም። ነታ እተድልይ ሓንትን ቀንድን ነገር ዘለለይዋን ዝረኸብዋን ብልህታት’ዮም። ንቅድስቲ ማርያም ዋላ ድሕሪ ሞቱ’ውን ደድሕሪ ሬሳኡ ኽትከይድ ዝገበራ፡ እዚ ብልህነትን ልቦናን’ዚ’ዩ። ንሳ ከም ምዉት ኣብ ማእከል ምዉታት እናደለየቶ ኸላ ግን፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ራእሲ-ህይወት ኰይኑ ጸንሓ። ብዘይ ናቱ ትምህርቲ ኽትነብር ክሳዕ ዘይትኽእል ብመንፈሳውነታ ኣዝያ ዓብያ ስለ ዝጸንሐት፡ ነቲ ምፍላዩ ክትጾሮ ኣይከኣለትን። ስማ ብልሳኑ ምስ ተጸውዐ ድማ፡ በቲ እንኮ ዜድልይን ካብኣ ዘይውሰድ ግደን፡ “መምህረይ” ኢላ ሰመየቶ። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብመለኮቱ ኰነ ብትስብእቱ እቲ ዝሓየለ መምህር’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዅሎም ቅዱሳኑ ዝመሃረ ባዕሉ’ዩ። እቶም መምህርነቱ ዘፍቀሩ ዅላቶም ድማ “በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ፡ መሃረኒ” እናበሉ ይምሕጸንዎ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ ጸላእቱ ኸይተረፈ ኽሳዕ ዚእመኑን ዚድነቑን፡ መምህርነቱ ኣግሃደ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጐይታና ኣብ’ዛ ምድሪ እናመሃረ ኸሎ፡ ጸረ ክርስቶስ’ዩ ዝነበረ። ብጸዳል ብርሃን ተገሊጹ መገዱ ምስ ኣቕንዓሉ ግን፡ ጐይታና ባዕሉ ወንጌል ምሂሩ እቲ ዝበለጸን ዝሓየለን ሃዋርያ ገይሩ ሃነጾ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ባዕሉ ተኣመነ።
“ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፡ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ አፍልጠኩም ኣለኹ። ..... ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ዝገለጸለይ’ምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፡ ብሰብ’ውን ኣይተመሃርክዎን።” ገላ 1፡11,12 ካ.ት
ስለ’ዚ ድሕሪ ዕርገቱ’ውን፡ ነቶም ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣይዎን ኣብ ትሕቲ እግሩ ተቐሚጦም ኪመሃሩ ዕድል ንዘይረከቡን፡ መምህራንን ሃዋርያትን ክሳዕ ምዃን ዚምህር ህያው መምህር’ዩ። እቲ ንክርስቶስ መምህሩ ዝገበረ ከም ማርያም መግደላዊት’ዩ ዚኸውን። ዋላ ዘጋጠምዎ ዅነታት ጐይታኡ ምስኡ ኸም ዘየለ ከም ዝሓደጎ እንተ ነገርዎ፡ ንጐይታኡ ኣይጠራጠሮን ኣይቀበጾን’ዩ። ነታ ንጐይታኡ ምድላይ ብጻይን መኻይድትን እንተ ሰኣነላ’ኳ ንመምህሩ ምድላይ ኣየቋርጽን’ዩ። ብሞት ኣይዕገትን፡ ብናይ መቓብር ባዶነት ኣይዕንቀፍን’ዩ። ምኽንያቱ መምህሩ ኸምኡ ኣይመሃሮን። ዘይውሰድ ግደ ስለ ዝሓረየ፡ ዘጋጠምዎ ዅነታት ነቲ ንመምህሩ ዘለዎ እምነትን ፍቕርን ኪወስዱሉ ኣይክእሉን’ዮም።
ንሕናኸ ንክርስቶስ ጐይታና፡ መምህርና ደዀን ጌርናዮ ንኸውን፧ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ “መምህርን ጐይታን” ኢሎም ከየጕደሉ ይሰምይዎ ነበሩ። ንሕና ግና “ጐይታና” እምበር፡ “መምህርና” ኢልና ኣይንጽውዖን ዘለና። ኣሰር ናይ’ቶም ኣርኣያታትና ኣይሰዓብናን። ካብኡ ንመሃር እንተ ንህልው፡ ንመምህርነቱ ኣይምረሳዕናዮን ኔርና። ነቲ “ካባይ ተመሃሩ” ዝበሎ ምኽሩን ትእዛዙን ነኽብሮ’ሞ፡ ነቲ ዘይውሰድ ግደ ንሕረይ። “ተመሃራይ ከም መምህሩ እንተ ዀነ ይኣኽሎ ኢሉና ኣሎ’ሞ፡ ከምኡ ምእንቲ ኽንከውን ተመሃሮኡ ንኹን ስለ’ዚ “መምህረይ ምሃረኒ” ኢልና ብጸሎት ንማሕጸኖ። ብዘይ’ዚ መምህር’ዚ ምንባር፡ ምስ ሞት’ምበር፡ ምስ ህይወት ኣይቝጸርን’ዩ’ሞ፡ ኣሰር ቅድስቲ ማርያም ስዒብና፡ “መምህረይ” ንበሎ፡ መምህር ህይወትና’ውን ንግበሮ።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሚያዝያ 8, 2015 ግዕዝ (16 ሚያዝያ 2023 ፈ [መበል 32 ሰንበት: ቊ.፵/40, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.39 ፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮ "ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-36 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ