“ኣሕዋተይ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ (ክርስቶስ) ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም።” 1ጴጥ 2፡21
እዚ ሰንበት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓብይ ጾም’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ “ዘኒቆዲሞስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኒቆዲሞስ፡ ብዓሌቱ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ፈሪሳዊ ሊቅ ኰይኑ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር ናይ ጐይታና ነበረ። በቶም ፈሪሳውያን ብጾቱ ምእንቲ ኸይንጸግ፡ ብለይቲ ተሓቢኡ እናመጸ ኻብ ጐይታ ይመሃር ነበረ። ብዛዕባ ዳግም ልደት ብንጹር ዝተገልጸሉ ቐዳማይ ሰብ ናይ ምዃን ክብሪ ዝረኸበ ሰብ ድማ ኰነ። እቲ ኻብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብምስጢረ ሜሮን እንረኽቦ ዳግማይ ልደት ምስ ክርስቶስ ሞይትና ብምትንሳእ እንረኽቦ ጸጋ’ዩ።
ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዖም ካብ ዘለዉ ንባባት ሓደ፡ እዚ ናይ ሮሜ 7፡1-14 ንባብ’ዩ። ካብ’ዚ ንባብ’ዚ ተመሪጹልና ዘሎ ኣርእስቲ ድማ፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት እንሞተሉን ብምስጢረ ሜሮን ህያዋን እንዀነሉን ዕላማ ዚገልጸልና’ዩ። ዕላማ ዳግማይ ልደት ናይ ክርስቶስ ወገንን ኣካልን ብምዃን ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚ ዕለት’ዝን እቲ ንእኡ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትናን ብእኡ ዝፈረናዮ ፍረን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና’ዩ። ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መሪሕ ጥቕስና፡ ሰለስተ ዓበይቲ ሓሳባት ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።
1. ንኣምላኽ ፍረ ኽንፈርይ፦ ከም’ቲ ምድሪ ንኣና ኢላ እትፈርይ ንሕና ኸኣ ንኣምላኽ ኢልና ኽንፈርይ ይግብኣና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጸልና ኸሎ፦
“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና’ሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።” ኢሉና’ሎ (1ቈረ 3፡9)። ኣምላኽ ግራቱ ዝገበረና ኸኣ ምእንቲ ኽንፈርየሉ ኢሉ’ዩ። ጐይታና ብምስላ ኼስተምህረና ኸሎ’ውን፡ ኣርባዕተ ዓይነት መሬት ገይሩ’ዩ መሲሉና (ማቴ 13፡3-23)። ብዛዕባ’ቶም ንኣምላኽ ፈሊጦምዎን ጸጋታቱ ተኻፊሎምን ኬብቅዑ፡ ሓጢኣት ዚፈርዩ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ብምድሪ (ብግራት) መሲሉ’ዩ ዝጸሓፈ።
“እታ ብዙሕ ጊዜ፡ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ፡ ነቶም ንረብሓኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትቕበል’ያ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ መርገም ኣብ ልዕሊኣ ዘንጠልጠለ፡ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ’ያ መወዳእታኣ ኸኣ ምንዳድ’ዩ። እብ 6፡7,8
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግራት ኣምላኽ ምዃንና ኼዘኻኽረና’ምበር ናይ ስነ-ሕርሻ ኣስተምህሮ ኺህበና ኣይኰነን ብዛዕባ ምድሪ ኣብነት ዝሃበና። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ፍረ ምፍራይ ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾን ምዃኑ ወርትግ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።
2. ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ ክትኰኑ፦ ናይ ምፍራይና ዕላማ ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን’ዩ። እቲ ዘይፈርይ ሰብ ናይ ክርስቶስ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ጐይታና ባዕሉ፦
“ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ’የ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ’ዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ኵሉ ጨንፈር (ኣቦይ ካባይ) የርሕቖ። ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ። ኣባይ ጽንዑ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም (ክጸንዕ’የ)። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጒንዲ ወይኑ እንተ ዘይጸንዐ፡ ካብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም ከምኡ ኢኹም። . . . እቲ ኣባይ ዚጸንዕ፡ ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። . . . ብዙሕ ፍረ እንተፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይ’ውን ክትኰኑ ኢኹም። . . . ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን፡ ፍረኹም’ውን ነባሪ ኪኸውን፡ . . . ነዚ መደብኩኹም።”
ኢሉና ኣሎ (ዮሃ 15፡1,2,4,5,8,16)። ስለ’ዚ ምስ ክርስቶስ ዜዛምደና ፍሬና’ዩ። እንተ ፈረና ምስኡ ንነብር፡ እንተ ዘይፈረና ኸኣ ተቘሪጽና ንድርበይ። እምበኣር ናይ ክርስቶስ ወይ ዘይናይ ክርስቶስ ዚገብረና፡ ምእማንናን ዘይምእማንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምፍራይናን ዘይምፍራይናን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ኣብ ወንጌል ብተደጋጋሚ’ዩ ተገሊጹልና (ማቴ 3፡10-12)።
“ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብ’ዩ። ካብ ተዀርባስ በለስ (ይቕንጠብ ድዩ፧)። ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈርይ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈርይ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈርይ፡ ወይ ከኣ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈርይ ኣይኰነሉን’ዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበይ። እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።” ማቴ 7፡16-20
“ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ’ዩ’ሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ (ይኸውን)፡ ወይ ከኣ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ (ይኸውን)።” ማቴ 12፡33
ስለ’ዚ ከም’ቲ ኣምላኽ ብፍረና ዚመዝነና፡ ንሕና’ውን ናይ ኣምላኽ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንህይወትና ብፍረና ኽንመዝና’ዩ ዚግብኣና። ፍረ-ህይወትና ሓጢኣት ክነሱ ንርእስና ገና ናይ ክርስቶስ ክርስትያን ከም ዝዀንና ጌርና ንቘጽራ እንተሊና፡ ብዝተጠበረ ልቢ ንመላለስ ኣለና ማለት’ዩ።
3. ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም፦ እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ክንፈርይን ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውንን፡ ከም ዝሞትና’ዩ ዚነግረና ዘሎ። ከመይ ገይሩ’ዩ ሞት ፈረይቲ ዚገብረና፧ ሞት ደኣ መጥፍኢናዶ ኣይኰነን፧ ብክርስቶስ ዝኣመንና ኻብ ሞት ምእንቲ ኽንድሕንዶ’ይኰነን፧ ጐይታና ባዕሉን ቅዱስ ሃዋርያኡ ጳውሎስን ከይሞትካ ምፍራይ ከም ዘየለ ኣረጋጊጾምልና’ዮም።
“ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘየወደቐትን እንተ ዘይሞተትን፡ በይና’ያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈርይ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚጸልኣ (ምእንታይ ዜጥፍኣ) ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ’ዩ።” ዮሃ 12፡24,25
“ገለ ሰብ ግና፡ “ምዉታት ከመይ ኢሎም’ዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ሰብነትከ’ዮም ዚመጹ፧” ዚብል ይህልው ይኸውን። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን’ዩ።” 1ቈረ 15፡35,36
ስለ’ዚ ብዘይ ሞት ፍረ ኸም ዘየልቦ፡ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንፈርይ ከም ዝሞትና ዝነገረና ድማ በዚ ሓቂ’ዚ መሰረት’ዩ።
ብህይወት እናሃለና ከመይ ኢሉ’ዩ “ሞትኩም” ዚብለና፧ ብኸመይ ኢና እንመውት፧ እንታይ ዓይነት ሞት ኢናኸ እንመውት፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት’ዚ ናብ ሓደ ኻብ’ቶም ዓበይቲ ምስጢራተ-ቤተ ክርስቲያን ዜመልክተናን ዚመርሓናን’ዩ። እዚ ምስጢር’ዚ “ምስጢረ-ጥምቀት”’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ጠቒሱልናን ኣብሪሁልናን ኣሎ።
“እምበኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን!! ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቐና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርሲ ኸም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ብጥምቀት) ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ’ሞ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እዚ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣለና። . . . ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ብህይወት ከም እንነብር ድማ፡ ንኣምን ኣለና፡ ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት’ዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ’ዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ።” ሮሜ 6፡1-11
“ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት (ኣረጊት ሰብነት) ቀንጢጥኩም፡ ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ፡ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።”ቈሎ 2፡11-13
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበኣር፡ ብጥምቀት ኢና እንመውት። እቲ እንሞቶ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣት’ዩ። ስለ’ዚ ምስጢረ ጥምቀት፡ ምስ ሞት ክርስቶስ እንሓብረሉ ምስጢር’ዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ሞቱ ምእንቲ ኽንሓብሮ ብጥምቀት ንመውት። ብኣካለ-ስጋ ዝሞተ ሰብ ዝዀነ ተግባር ኪገብር ከም ዘይክእል፡ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞተ ድማ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ነቲ ናይ ስጋ ሞትና ጐይታ ስለ ዝሞተልና፡ ብስጋ ክርስቶስ ኢና እንመውት። ጥምቀት ድማ ኣብ’ቲ ስጋ ክርስቶስ ክንሓብር፡ ኣካል ስጋ ክርስቶስ’ዩ ዚገብረና። ስለ’ዚ ኸኣ ሞቱ ሞትና ይቚጸርን ይኸውንን፡ ከምኡ ድማ ትንሳኤኡ ትንሳኤና ይኸውን።
“እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም። ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 12፡27
“እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ’የ፧ ያእ ኣይፋለይን!! 1ቈረ 6፡15
“ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ’ሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም። . . .” ገላ 3፡26-28
ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ብምዃን ኣብ ሞቱ ስለ ዝሓበርና፡ ካብ’ቲ ብሕጊ ዘሎና ተሓታትነትን ፍርድን ንፍታሕ (ነጻ ንኸውን)’ሞ፡ ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ድሑናት ንኸውን። ካብ ሓጢኣት ብናይ ጥምቀት ሞት ሓራ ስለ ዝወጻእና ድማ፡ ሓጢኣት ክንገብርን ኣብ ሓጢኣት ክንነብርን ኣይኰነልናን’ዩ። ነቲ ምስ ክርስቶስ ዝተንስአ ስጋና፡ ንኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቂ ኪኸውን ንውፍዮ’ምበር፡ ናብ ባርነት-ሓጢኣት ደጊምና ኣይንውፍዮን ኢና። ድሕሪ ጥምቀታዊ ሞትና፡ ንትምኒት ስጋ ኣይንእዘዝን ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና ድማ ሓጢኣት ኣይነግስን’ዩ።
“እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ’ሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። . . . ከም’ቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ ኣካላትኩም ወፍዩ። . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽ’ውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ’ሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።” ሮሜ 6፡12-14,19,22
እቲ ኣርእስትና፡ “ንኣምላኽ ፍረ ኽንፈርይ” ዚብሎ እምበኣር ነዚ’ዩ። ፍረ ህይወትና፡ “ጽድቅን ቅድስናን” እንተ ዀነ ሽዑ እቲ ኣባና ዝተፈጸመ ጥምቀት ሸቶኡ ወቒዑ እቲ ዚድለይ ውጽኢት ኣምጺኡ ማለት’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ማይ ጥሒልና ዝተጠመቕናዮ፡ ድሕሪ ጥምቀት ኣብ ሰልሚ ሓጢኣት ተኣሊኽና ንነብር እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ብጥምቀት ምስ ኣምላኽ ዝኣተናዮ ኺዳን ኣፍሪስናዮ፡ ነቲ ምእንታና ዝሞተ ክርስቶስ ጠሊምናዮ፡ ንእምነትና ድማ ክሒድናዮ’ለና ማለት’ዩ። ካብ’ቲ ምስ ስጋ ክርስቶስ ዝነበረና ኣካልነትን ሓድነትን ተፈሊና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝረኸብናዮ ህይወት፡ ነቲ ብሓጢኣት እንረኽቦ ምድራውን ዘለኣለማውን ሞት ብፍቓድና መሪጽና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ።
ሎሚ “ጥምቀት” ኣብ ተዋህዶና፡ ከም መዓልቲ መርዓን መዓልቲ ምረቓን፡ ብደርፍን ዳንኬራን፡ ብወርቅን ጨርቅን፡ ብምቁር ምግብን ዜስክር መስተን ናብ ዚበዓለሉ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህዝባ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነታ ስለ ዝደርበየት፡ እቲ ሞት ክርስቶስ ኪስትንተነሉን፡ ሞት ናይ’ቲ ዚጥመቕ ውላድና እንፍጽመሉን መዓልቲ፡ ናይ ዳንኬራን ዕብዳንን መዓልቲ ንገብሮ ኣለና። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ ውድቀት ድማ ብባርኾት ካህናትና ይፍጸም ኣሎ። መዓልቲ ጥምቀት፡ ከም’ቲ ግቡእ፡ ናይ ምህለላን ጸሎትን መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። እቲ ዚጥመቕ ውላድ፡ ነቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምስጢር ጥምቀት ዜኽብር፡ ኣካላቱ ንሓጢኣት ዘይኰነስ ንጽድቂ ኺውፍይ፡ ፍረ ህይወቱ ጽድቅን ቅድስናን ኪኸውን ዚጽለየሉ መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። እቶም ሓላፍነት ናይ’ቲ ህጻንን ናይ’ቲ ምስጢርን ዝወስዱ ናይ ስጋ ወለዱ፡ ኣበልገኡ (እመልገኣ)፡ ኣብ ንስሓኡ፡ ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኬኽእሎም ንእግዚአብሔር ዚምሕጸኑሉን፡ ሓላፍነቶም ብኸመይ ከም ዚፍጽሙ ሓቢሮም ዚመኽሩሉን መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። ቃል እግዚአብሔር፡ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ” ኸም ዝበለ፡ ካብ ካህን ክሳዕ ምእመን ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ (ሆሴ 4፡5፣ ኢሳ 5፡13)። ስለ’ዚ ኸኣ ንኣምላኽ ፍረ ዚፈርይ ዘይኰነስ ንሰይጣን እልቢ ዘይብሉ ፍረ ሓጢኣት ዚፈርየሉ ወለዶ ነፍርይ ኣለና።
እዞም ብፍቕሪ ሓጢኣት ኪዳንና ዘፍረስና፡ ውሉድነትና ኣብ ሓደጋ ዘእተና፡ ንሓጢኣት ህያዋን ንጽድቂ ምዉታት ዄንና ንመላለስ ዘለና፡ ብኸመይ ኢና ዳግም ንክርስቶስ እንለብሶን ነቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበረና ኣካልነት እንሕድሶን፧ ምስጢረ ጥምቀት ዘይድገም ስለ ዝዀነ፡ ዳግማይ ኽንጥመቕ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ድኻምና ዚፈልጥ ሕያዋይ ኣምላኽ ግና፡ ብኸምኡ ኽንጠፍእ ኣይሓደገናን። በብዝወደቕናዮ መጠን እንትንስኣሉ ኻልእ ምስጢር ሰርዓልና። ንሱ ኸኣ “ምስጢረ-ንስሓ”’ዩ። ብሰሪ ድኻም ስጋና ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ ኺፈታተነናን ኬውድቐናን ስለ ዚነብር፡ በቲ ዕለታዊ ኺደጋገም ዚግብኦ ንስሓ ኽንትንስእን ክንሓውይን ብምሕረቱ መኸረልና። ስለ’ዚ ንፍረ-ሓጢኣት ደምሲስና ፍረ-ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ዅሉ ጊዜ ብንስሓ ኽንመላለስ ይግብኣና። እቲ ኣዝዩ ዜሐጒስ ከኣ፡ ንስሓ ንርእሱ ፍረ-ጽድቂ ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንስሓ ዜዘውትር ክርስትያን፡ ንኣምላኽ ፍረ ዚፈርይ ክርስትያን’ዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ፡ ኣገልግሎቶምን ናይ ኵሉ ጊዜ ስብከቶምን “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ ተነስሑ።” ዚብል ኰነ (ማቴ 3፡1,2 4፡17፣ ማር 6፡12፣ ሉቃ 10፡9)። ጐይታ ድማ፡ “እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ ኵላትኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።” እናበለ የጠንቅቕ ነበረ (ሉቃ 13፡3,5)። ነቶም ዘይተነስሑ ድማ ብትርሪ ይነቕፎም ነበረ (ማቴ 11፡20-24)። ንስሓ፡ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ (ፍረ) እናገበርካ ስለ ዚፍጸም፡ ንስሓ ንርእሱ ናይ ፍረ ምንጪ’ዩ (ማቴ 3፡8፣ ግብ 26፡19,20)። ስለ’ዚ እንተ ብዘይምሕጣእ፡ ወዝቢ ብሓጢኣት እንተ ተዓንቀፍና ድማ ብንስሓ ፍረ ጽድቂ ብምፍራይ ንኣምላኽ ክንፈርየሉ ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓላፍነትና’ዚ ንምዝኽኻር ብኸም’ዚ ዚስዕብ ምዒዱና ኣሎ።
“ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን፡ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ’ታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዘይብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ኪኸይድ እልምን ኣለኹ።”ፊሊ 1፡9-11
“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚአብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ዄንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና።” ቈሎ 1፡10
ከም’ቲ ኣቐዲምና ኣብ ዮሃ 15፡1-8 ዝረኣናዮ፡ ብፍረ ጽድቂ ኽንመልእ እንኽእል ኣብኡ ብምጽናዕ ብክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። መንቅብ ናብ ዘይብሉ ህይወት ናብ ፍጹምነት እንዓብይ፡ ፍረ እነፍርይ ሰባት ምስ እንኸውን ጥራሕ’ዩ። ፍሬና እናበዝሐ ዚኸይድ ድማ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ጥራሕ’ዩ። ብድንቊርና እናተመላለስካ፡ ይትረፍ ብዙሕ ፍረ፡ ጥር እትብል ሓንቲ ፍረ ኸተፍርይ’ኳ ኣይከኣልን’ዩ። ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና እንርከብን፡ ንእግዚአብሔር ከነሐጒሶን ከነስምሮን እንኽእልን ፍሬና ምስ ዚዓዝዝ’ዩ። (መሳ 9፡9,13)። ስለ’ዚ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም እተተኽለት ጽብቕቲ ኦም ኴንና ፍሬና ኣብ ምብዛሕ ክንግደስን ክንጽዕትን ይግብኣና (ኤር 17፡5-8፣ መዝ 1፡1-3፣ ህዝ 47፡12)።
እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ንኣምላኽ ፍረ ንፈርየሉ ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ከም’ቲ ቤት እስራኤል ካብ ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ኣብ ዝበለጸ መሬት ተተኺሎም ክነሶም ናብ ድቓላ ሓረግ ዝተለወጡን መጺጽ ወይኒ ዘፍረይዎ ኣይነፍርይ (ኢሳ 5፡1-7፣ ኤር 2፡21,22)። ነቲ ብደምን ብጸጋን ናይ ክርስቶስ ዝጸደቐ ሰብ ናይ ብሓቂ ፍረ ኣለዎ። ነቲ ናይ ብሓቂ ጽድቂ ዚፈርይ ሰብ ከኣ፡ “ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኺበልዕ’ዩ’ሞ “ተዓዊትካ” በልዎ” ተባሂሉሉ ኣሎ (ኢሳ 3፡10)። ስለ’ዚ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ በብጊዚኡ ዚፈርዩን ዚህቡን ክርስትያን ክንከውን ይግብኣና (ማቴ 21፡41,43)። እግዚአብሔር ኣብ ጊዜ ምጽኣት ወዱ ሃሰስ ኢሉ ፍረ ኸይሰኣነልና ኸሎ፡ ነንመዓልቱ ርእስና እናመርመርና ፍሬና ንቚጸር። ቃል እግዚአብሔር ብዙሕን ነባርን ዘየቋርጽን ፍረ ኸነፍርይ ኣዚዙና’ዩ (ዮሃ 15፡8,16)። ፍረ ጽድቂ፡ ስልማት ክርስትያን’ዩ። ጐይታና፡ ነታ ንጥምየቱ እተዐንግል ሓንቲ ፍረ ዝሰኣነላ ኦም በለስ፡ ረጊሙ ኸም ትነቅጽ ከም ዝገበራ፡ ንሕና’ውን በረኸት ገዲፍና መርገም ከይንወርስ፡ ንባህጊ ጐይታና ዜዕግብ ፍረ ኸም እነፍርይ ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን (ማቴ 21፡18-20)።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
መጋቢት 24, 2015 ግዕዝ (2 ሚያዝያ 2023 ፈ [[መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴፰/38, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.39 ፲፮(፲፯)፡፫-፬ “ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።” “ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 7፡1-14 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-10 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 5፡34-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ