“ኢየሱስ ከኣ፡ “ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። “ኣነ ክርስቶስ’የ” እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም።..... ሽዑ ብዙሓት ኪኽሕዱ (ኪዕንቀፉ)፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶም’ውን ኪጻልኡ’ዮም። ብዙሓት ሓሰውቲ ነብያት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም።” ማቴ 24፡4,5,10,11 ካ.ት።
እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ንጾሞ ዘለና ዓብዪ ጾም’ዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ደብረ ዘይት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ኣብ ጾመ ነብያት ዘላ ራብዓይቲ ሰንበት (ታሕ. 4 => ታሕ.6) ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ደብረ ዘይት ድማ እዛ ዘለናያ ናይ ጾመ’ርብዓ ሓምሸይቲ ሰንበት’ያ። ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ፡ ካብ’ቲ ኢየሩሳሌም ተደኲናትሉ ዘላ ከረን (ጎቦ) ድማ ብ75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረን’ዩ። እቲ “ደብረ ዘይት” ዚብል ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ከረን ካብ ምንባሩ ዝተላዕለ’ዩ። ኦም ኣውልዕ፡ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ዚህብ ገረብ’ዩ። እዚ ኸረን’ዚ ንጉስ ዳዊት ካብ ኣቤሰሎም ወዱ ሃዲሙ ዝተዓቝበሉ ከረን’ዩ (2ሳሙ 15፡30)። ኣብ ዘመነ ነብዪ ህዝቅኤል’ውን ብራእይ ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ዝቘመ ከረን’ዩ (ህዝ 11፡23)። ጐይታና ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ምህር ውዒሉ፡ ብለይቲ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 21፡37)። ጐይታና ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ካብ ደብረ ዘይቲ ተላዒሉ’ዩ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ (ማቴ 21፡1)። ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኣብ ዚርከብ ጌተሰማነ’ዩ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 26፡30-36)። ኪዓርግ ከሎ’ውን ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 24፡51,52፣ ግብ 1፡12)። ብመሰረት’ቲ ኣብ ዘካ 14፡4 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምጽኣቱ ምስ መጸ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኸም ዚቐውም ይእመን። እዚ ንመሃሮ ዘለና ናይ ምጽኣት ትምህርቱ’ውን ኣብ’ዚ ናይ ደብረ ዘይቲ ኸረን ኰይኑ ዝመሃሮ’ዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን ነዚ “ደብረ ዘይት” ዝሰመየቶ ሰንበትን ሰሙንን፡ ምስጢር ምጽኣት ንምስትምሃርን ንምስትንታንን ዝሰርዓቶ’ዩ። ብመንጽር ምጽኣት ንህይወቱ ዘየማእዘነ ሰብ፡ ንርእሱ ኸም ክርስትያን ኪቘጽር ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ተስፋ-ምጽኣት ዘይብሉ፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ሰብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ምዃኑ ተዛረበ (1ቈረ 15፡19)። ናይ ጐይታና ዅሉ ትምህርትን ተግባራትን ናብ ምጽኣቱ ዝዓለመ ነበረ (ማቴ 24፡1-51 ፣ ሉቃ 13፡25 ፣ 18፡8 21፡36) ናይ’ቶም ንእኡ ተኪኦም ዘገልገሉ ቅዱሳን ሃዋርያቱ መልእኽትን ሸቶን’ውን፡ ምጽኣት ጐይታና ነበረ። ኣብ ኵሉ መልእኽቶም ኣብ’ታ መዓልቲ ጐይታ መንቅብ ዘይብልና ምሉኣትን ድሉዋትን ክርስትያን ኴንና ኽንርከብ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተማሕጺኖምና ኣለዉ (1ተሰ 4፡13-18 ፣ 2ጢሞ 4፡8 ፣ እብ 9፡27-28 ፣ 2ጴጥ 3፡10)።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና’ውን፡ ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ምስጢረ-ምጽኣት እንመሃረሉ ሰናብትን ሰሙናትን ሰሪዓትልና ትርከብ። ምስጢረ ምጽኣት ዚበሃል ዘሎ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ሙታን ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና’ዩ ዚፍጸም። ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር-ሰንበት፡ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት” ዘርእስቱ፡ ኵለንተናዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ምጽኣት ጐይታና ዘተኰረ’ዩ። ንእኡ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡ’ውን ምጽኣት-ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ’ውን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ብግህዶ ኸም ዚመጽእ ዜበስር’ዩ። ሓደ’ኳ ኼስሕተና ኸም ዘይግብኦ “ዕቁኬ ኢያስሕቱክሙ፡ ወንበሩ ድልዋኒክሙ። ብዙኃን ይመጽኡ በስምየ እንዘ ይብሉ፡ “ኣነ ውእቱ ክርስቶስ”“ ብምባል፡ ነቲ ቃል ክርስቶስ መሰረት ብምግባር፡ መዝሙር ናይ’ዚ ዕለት ኣጠንቂቑና ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ፡ “ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ተባሂሉ እናተነግሮም ክነሱ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ከም ዚስሕቱ ዚነግር’ዩ። እዚ ኣርእስቲ’ዚ ዕላማኡ ሓበሬታ ንምምጋብ ጥራሕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ካብ’ቶም ዚስሕቱ ብዙሓት ዘይኰነስ፡ ካብ’ቶም ዘይስሕቱ ውሑዳትን ጥንቁቓትን ክንከውን ዜተሓሳስብ’ዩ። ድሮ’ውን ገሌና ኣብ’ዚ ደምበ ጥፍኣት ተጸምቢርና፡ “ገ” እናተባህለልና ተጋጊና ኸይንኸውን ብዕቱብ ርእስና እንምርምረሉ ኽቡር ቅንያት’ዩ።
ትእምርቲ ምጽኣት ጐይታን ትእምርቲ መወዳእታ ዓለምን እንታይ’ዩ፧ ንምንታይከ ትእምርቲ ኣድለየ፧ ብግእዝ “ትእምርት” ማለት፡ ብትግርኛ “ምልክት” ማለት’ዩ። እዚ ሕቶ’ዚ እቶም ብጽባቐ ህንጻ ቤት መቕደስ ዝተመሰጡ ገሊላውያን ደቀ መዛሙርቱ ዘልዓልዎ ሕቶ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንሰማይን ምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉ ህይወታውን ዘይህይወታውን፡ ስጋውን መንፈሳውን ፍጥረት ዝፈጠረ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ብምልኣት እንተ ዚፈልጡ፡ በዚ ናይ ድኹም ሰብ ምህንድስናዊ ጥበብ ከምኣቶም ኪድነቕ ኣይምተጸበይዎን ነይሮም። ናይ’ቲ ህንጻ ናይ መጻኢ ጽሕፍቶኡ ዝወሰነን ዚፈልጥን ጐይታ ብምንባሩ ድማ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕል ኻልእ እምኒ ኽሳዕ ዘይትተርፍ ከም ዚፈርስ ነገሮም። እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪሓስቡን ኪሓትቱን ስለ ዝደረኾም ድማ፡ ነዚ ንሕና’ውን ኣልዒልናዮ ዘለና ሕቶ ሓተትዎ።
ትእምርቲ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ነታ ጊዜ ምጽኣት ዚፈልጣ ሰብ ይኹን መልኣኽ ስለ ዘየልቦ’ዩ። ብዛዕባ ጊዜ ምፍላጥን ምውሳንን፡ ምሉእ ብምሉእ መለኮታዊ ስልጣን’ዩ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ፈትዩን ፈቒዱን ገሊጹሉ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሰብ ነቲ ብኣምላኽ ዝተመደበ ጊዜ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታን ተርባጽን ኪሓድሮ ኣይግባእን’ዩ። ነቲ ጊዜ ናይ ምፍላጥ ባህግና፡ ምልክት ናይ’ቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን ዘስረጸልና ከም ኣምላኽ ናይ ምዃን ስዉር ባህጊ’ዩ። ብዛዕባ ጊዜ ምፍላጥ ንኣና ንፍጡራት ከም ዘይተዋህበ ብግልጺ ተነጊሩና ኼብቅዕ፡ “መዓስ’ዩ” ዚብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ምሕታትና፡ ናይ’ዚ ዓለወኛ ባህጊ ግሁድ ምልክት’ዩ። ሰይጣን ከኣ ነቲ ባዕሉ ዘስረጸልና እኩይ ባህጊ ስለ ዚፈልጦ፡ “ክርስቶስ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ኪመጽእ’ዩ” ዚብሉ ሓሰውቲ ነብያት እና’ተንስአ ኪጻወተልና ይነብር ኣሎ። ጐይታና ግን “መዓስ’ዩ ዚመጽእ፧” ኢልና ምእንቲ ኸይንሓትት፡ ነቲ ሓቂ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ።
“እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም’ሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን።” ማር 13፡33
“ነቲ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን (ጊዜን) ክትፈልጡ ኣይተዋህበኩምን።” ግብ 1፡7 ካ.ት
ብዛዕባ’ቲ ዘመን ዋላ ሓንቲ ኣመት (hint) ዘይብልና ዄንና ኣብ ጸልማት ክንነብር ግን ኣይደለየን። ስለ’ዚ እቲ ጊዜ ምጽኣት ከም ዝቐረበ ዚእምቱልና ምልክታት (ትእምርትታት) ኪህበና ፈቐደ። ነቶም መለለዪ ትእምርትታት ድማ ኣብ’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ማቴ 24፡1-28 ዘርዚሩ ገለጸልና። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሓቂ ምጽኣት ጐይታኡ ዚናፍቕን ብሃንቀውታ ዚጽበይን ቅኑዕ ክርስትያን፡ ነዞም ምልክታት’ዚኣቶም ማዕረ ስሙ ኺፈልጦምን፡ ብልዑል ጥንቃቐ ህላወኦም ኬረጋግጽን ይግብኦ። እምበኣር እቲ ትእምርቲ ዘመናት ምፍላጥ ንኣና ንደቂ ሰብ፡ እቲ ልክዕ ጊዜ ምፍላጥ ከኣ ንኣምላኽ ጥራሕ ዝተሓዝአ ምዃኑ ኺስትውዓል ይግባእ። ነቲ ኺእምተልና ዝተዋህበና ምልክታት ንምልላይ ዘይተገደስናስ፡ ነታ ጊዜ ምጽኣቱ ብልክዕ ናይ ምፍላጥ ግዳሰ እንተ ኣሕዲርና፡ ሽዑ ባህግን ናፍቖትን ናይ ምጽኣቱ ዘይኰነስ፡ እቲ ኸም ኣምላኽ ናይ ምዃን ርኹስ ባህጊ ይቐልወና ኸም ዘሎ ትንተና ዘየድልዮ ውዱእ ሓቂ’ዩ።
ብዛዕባ ናይ ትእምርቲ ኣገዳስነት ንምግላጽ፡ ጐይታና “ምስላ ኦም በለስ” ኪጥቀም’ዩ መሪጹ።
“ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ (fig tree- ፊኪ) ተምሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላ’ውን ምስ ጠጥዐ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ነዚ ዅሉ (ትእምርትታት) ምስ ረኣኹም፡ (እቲ ናይ ምጽኣት ጊዜ) ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።” ማቴ 24፡32,33
ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኦም በለስ፡ ካብ ናይ ዓድና በለስ ዝተፈልየ’ዩ። ግናኸ ክልቲኡ ዓይነት በለስ ገና ዝናም ኸይረኸበ ኸሎ፡ ኪጥጥዕን ኪልምልምን’ዩ ዚጅምር። ካልእ ኣእዋም ግን ዚኣክል ዝናም ምስ ረኸበ ጥራሕ’ዩ ዚጥጥዕ። ስለ’ዚ እቲ ንኽረምቲ ብሃንቀውታ ዚጽበይ ሓረስታይ ተስፋ ኼሕድርን ምድላዋት ኪገብርን ምስ ዚደልይ፡ ነቲ ምልክት ኣበይ ከም ዚረኽቦ ኪፈልጥ የድልዮ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ድማ እቶም ምጽኣት ጐይታና ዜረጋግጹ ምልክታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኪፈልጥ መንፈሳዊ ሓላፍነቱ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኵላቶም’ቶም ትእምርትታት ተዘርዚሮም ኣለዉ (ማቴ 24፡4-14,23-26)።
እዞም ዝተዘርዘሩ ምልክታት’ዚኣቶም ግን ኣብ’ቲ ምጽኣት ጐይታ ዘይቀረበሉ ሕሉፍ ዘመናትከ ኣይነበሩን ድዮም፧ እንተ ነይሮምከ፡ ናይ ሕጂ ፍሉይነቶም ደኣ እንታይ’ዩ፧ እዞም ዝተዘርዘሩ ትእምርትታት ብርግጽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝነበሩ’ዮም። “ኣነ ክርስቶስ’የ” ዚብሉ ሓሰውቲ መሲሓን፡ ክርስቶስ ብዕርገት ካብ ዝተፋነወሉ ዘመን ጀሚሮም በብእዋኑ ይለዓሉ ነይሮም’ዮም። ኣብ’ዚ ማዕከናት ዜና ዘስፋሕፍሓሉ ዘመን’ኳ፡ ታሪኽ ዝሰነዶም ሓሰውቲ መሲሓን ማእለያ የብሎምን። ሓሰውቲ ነብያት ድማ ናይ ትንቢት ጸጋ ኻብ ዝተገልጸሉ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሮም ክሳዕ ሕጂ ዓብላሊ ቝጽሪ ሒዞም ይነብሩ ኣለው። ነብዪ ኤልያስ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ጥራሕ 450 ናይ ጣኦት-በዓል፡ 400 ድማ ናይ ጣኦት ኣስታርተ ሓሰውቲ ነብያት ከም ዝነበሩ ተነጊሩና ኣሎ (1ነገ 18፡20)። ውግእን ወረ ውግእን ጥምየትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ብዙሓት ካልኦት ንህዝብታት ዜጥፍኡ ዓይነታት መዓት ድማ ኣለዉ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ሓለፋና ዚፈልጦን፡ ብመለኮታዊ ስልጣኑ ዚምድቦን ዚፍጽሞን ባዕሉ’ዩ። ነዚ ጥንታዊ ፍጻመታት’ዚ ኸም ትእምርቲ ምጽኣቱ ገይሩ ኻብ ተጠቕመሉ፡ እዚ ዅነታት’ዚ ዚኽሰተሉ ስፍሓት፡ ክብደት፡ ጻዕቂ፡ ምድርራባት ኣዝዩ ፍሉይን ዘየጠራጠርን ከም ዚኸውን ርዱእን ውሁብን ሓቂ’ዩ። ህዝቢ ዜጥፍእ፡ ሃገር ዜብርስ ከቢድ ምንቅጥቃጣት ምድሪ ኣብ ዓመት ክልተ ሰለስተ ፍጻመታት የጋጥም እንተ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ኣብ ዓመት 20 ወይ 30 እንተ ተኸሲቱ፡ እሞ ድማ እምብዛ በርቲዑ ብዙሕ ጥፍኣት ሰብን ዕንወት ሃገራትን እንተ ኣስዒቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ታሪኽ ኣብ ዘይነበረን ሃገራት ከይተረፈ ብዜስካሕክሕ መጠን እንተ ተራእዩ፡ “እዝስ ካብ ቀደም ዝነበረ’ዩ፡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን” ኬብለና ይኽእልዶ፧ ከም’ዚ ናይ ኮሮና ዓይነት ንምልእቲ ዓለም ዜናውጽ ፌራ (Pandemic) ካብ ዘይክሰት ክንደይ መዋእል ኰይኑ’ሎ፧ ሕጂ ግና ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓለምለኻዊ ለበዳ፡ ወይ’ውን ብዓሰርተታት ዚቝጸር ከባብያዊ ለበዳታት (Epidemics) ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት እንተ ዚኽሰት፡ ፍሉይ ትእምርቲ ኪዀነና ኣይግባእንዶ፧ ነቲ ንምድሓን ዝለበመ ሰብ ብርግጽ ንጹር መልእኽቲ’ዩ። ነቲ ሕልናኡ ዝዓመተ መንፈሱ ዘደንዘዘ ሰብ ግን ዋላ ሓንቲ ኸይመሰሎ ኺሓልፍ ይኽእል’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ መብዛሕትኡ ሰብ ከም ትእምርቲ ኸየለለዮን ከይተቐበሎን ኪሓልፍ ምዃኑ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ድሮ ኣረጋጊጹልና ምህላው’ዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተን ምዕራፍ ሸሞንተን ተጻሒፉ ዘሎ ሓቂ ምስ እነንብቦ፡ እዚ ንቡርን ዝውቱርን ዚመስለና ዘሎ ሓደገኛ ፍጻመታት፡ ሲሶ (1/3) ናይ ህዝቢ ዓለም ክሳዕ ዜጽንት ከመይ ከቢድ ከም ዚኸውን ስእላዊ መግለጽን መረጋገጽን ዚህበና’ዩ።
ካብ’ዚ ጐይታና ዝዘርዘሮ ምልክታት ምጽኣት፡ እቲ ዝኸፍአን ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብረሉ ዚግብኣናን ኣየናይ’ዩ፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ነዚ ሕቶና’ዚ ድሮ ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ንፍጡር ዘርኢ ኣዳም ኬጋጥም ዚኽእል ዝኸፍአ መዓት፡ ናይ እምነት ስሕተት’ዩ። ብኸመይ’ዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ካልእ ኵሉ ዓይነት መዓት፡ ናይ ስጋ ሞት ወይ ኣካላዊ ሞት ጥራሕ’ዩ ዜስዕብ። ውግእ፡ ፌራ፡ ጥምየት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንስጋና ጥራሕ’ዩ ዚቐትል። ንጻድቃንን ንሓጥኣንን’ውን ብማዕረ ኪቐትል ዚኽእል’ዩ። እቲ ሞት ግን ንኽልቲኦም ብማዕረ ደኣ ይብጽሓዮም’ምበር፡ ሓደ ዓይነት ውጽኢት ግን ኣይህልዎን’ዩ። እቲ ኣካላዊ ሞት ነቲ ጻድቕ ሰብ ካብ’ዛ እክይቲ ዓለም ዚገላገለሉ ናይ ምሕረት ሞት’ዩ። ነቲ ሓጥእ ግና ናብ ዝኸፍአ ስቓይ ዜሰጋግሮ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ናይ ዘመነ ንስሓ ዕድል ንሓዋሩ ዜስእኖ’ዩ።
ብሰሪ ስሕተት ዚመጽእ ሞት ግን መንፈሳዊ ሞት’ዩ። ናይ እምነት ስሕተት፡ ብቐጥታ ኣብ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ዚፍጸም ከቢድ ሓጢኣት’ዩ። እቲ ብግጉይ ትምህርቲ፡ ትንቢት ወይ ተኣምራት ዜስሕት ሰብን፡ እቲ ነቲ ስሕተት ከይመርመረ ባህ ኢልዎ ዚውሕጦ ሰብን፡ ኣበሳኦም ሓደ’ዩ። ኵላቶም ባሮትን ኣገልገልትን ናይ’ቲ ኣቦ ስሕተትን ሓሶትን ዲያብሎስ’ዮም። ኣብ ዘመንና፡ “ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሰይጢኑ’ዩ” ዚብል ዜስካሕክሕ ኣብ ገሃነም ብሰይጣን ዝተደርሰ ስሑት ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። እቶም እዚ ስሕተት’ዚ ተሰማሚዕዎምን ቀድይዎምን ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ንበሃልቱ ድሙቕ ጣቕዒት እናለገሱ፡ ብገንዘቦም ነቲ ዓመጻኦም ዚድግፉን ዜጽንዑን ዘለው ሰዓብቲ፡ በየናይ ተኣምር ካብ’ቶም በሃልቱ ዝተፈልዩ ኪዀኑ ይኽእሉ፧
ጐይታና እቲ ዝኸፍአ መዓት ስሕተት ምዃኑ ኼፍልጠና ስለ ዝደለየ፡ ንሕቶ ደቀ መዛሙርቱ ኪምልስ ከሎ፡ “ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ” ብምባል ጀመረ። ብእኡ ጥራሕ ግን ኣየብቅዐን። ንኻልኦት ትእምርትታት ሓንሳእ ጥራሕ ኪጠቕሰን ከሎ፡ ነዛ ንስሕተት እትምልከት ግን ኣብ ጥቕስታት 4,5,11,23-26 ዘርዚሩን ደጋጊሙን ጠቒስዋን ገሊጽዋን ኣሎ። በዛ ስሕተት’ዚኣ ንዚወርደና ጥፍኣት ዝዀነ ምሕረት ከም ዘይህልው፡ ከነቕርቦን ቅቡል ኪኸውን ዚኽእልን ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ከም ዘየለ ንኼረጋግጸልና ድማ፡ “እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም” ብምባል ኣብ ጥቕሲ 25 ኣረጋገጸልና። እቲ ዅሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ’ታ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ዚፈርድ ጐይታ፡ ንኽብደት ናይ ስሕተት ብኸም’ዚ ዝበለ ኣጽንዖት እንተ ኣጠንቂቑና፡ ብዛዕባ’ዚ መዓት’ዚ ሸለል ክንብል ኣይንኽእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ነዚ ናይ ጐይታ ናይ ስሕተት መግለጺታት “ብሓጺር ዓረፍተ ነገር ጸሚቝካ ኣቕርብ” ዚብል ትእዛዝ እንተ ዚወሃበና፡ “ስሕተት፡ እቲ ዚኸፍአ ትእምርትን መዓትን’ዩ” ካብ ዚብል ቃል ወጻኢ ዝዀነ ካልእ ቃል ከም ዘይምጥኖ ርዱእ ሓቂ’ዩ። “ስሕተት፡ መዓት የምጽእ’ዩ” ጥራሕ “ስሕተት ንርእሱ ዝዓበየ መዓት’ዩ” ኽንብልን፡ ነቲ ሓቂ ብኸምኡ ኽንርእዮን’ዩ ዚግባእ። ብናይ ራእይ ዮሃንስ ኣገላልጻ መሰረት ብስሕተት ምእማን ማለት “ማሕተም ናይ’ቲ ኣራዊትን ሓሳዊ ነብይን ናይ’ቲ ዝለኣኾም “ዓብዪ ገበል” ዝተሰምየ ድያብሎስን ምቕባል” ማለት’ዩ። ተቐበልቲ ስሕተት፡ ንኣምላኽ ገዲፎም ናብ ሰይጣን ዚሰግዱ’ዮም።
ክብደት ናይ ስሕተት ዜርእየና ኣገላልጻ ናይ ጐይታ ድማ፡ እቶም ዚስሕቱ ብዙሓት ምዃኖም ምግላጹ’ዩ። ዋላ ብኣሃዝ ደኣ ኣይግለጾ’ምበር፡ ጐይታና ነቲ “ብዙሕ፡ ሒደት” ዚብል መግለጺ የዘውትሮ’ዩ። “ጽውዓት ብዙሓት፡ ሕሩያት ግና ሒደት’ዮም፡ .......ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ (ብዙሓት) ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ’ዮም” ዚብል ቃል ደጋጊሙ ይብሎ ነበረ (ማቴ 20፡16፣ 19፡30)። በቲ ኣብ ማቴ 13፡18-23 ገሊጽዎ ዘሎ መሰረት፡ እቶም ናብ ፍረን ሕርየትን ዚበጽሑ ውሑዳት፡ ኣስታት ሓደ ርብዒ ጥራሕ ከም ዚዀኑ ኣሚቱልና ኣሎ። ኣብ ሕክምናዊ ሳይንስ፡ ክብደት ናይ ሓደ ለበዳዊ ሕማም፡ በቲ ዜስዕቦ መጠነ-ሞት’ዩ (Death rate) ዚልካዕ። ተስዓ ሚእታዊት (90%) መጠነ ሞት ዘለዎን ዓሰርተ ሚእታዊት (10%) መጠነ ሞት ዘለዎ ሕማምን ብሓደ ዓይኒ ክትርእዮ ኣይሕሰብን’ዩ። ኣብ’ቲ 10% መጠነ ሞት ዘለዎ ለበዳዊ ሕማም፡ “ካብ’ቶም 90% ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ዘለዎም ሰባት ናይ ምዃን ዝለዓለ ዕድል ኣለኒ፡” ኢልካ ተስፋ ኽትገብር ይከኣል’ዩ። እቲ መጠነ ሞት 90% እንተ ዀይኑ ግን ንተስፋኻ ዜጸልምት’ዩ። ጐይታና “ንብዙሓት ኬስሕቱ’ዮም” እንተ ኢሉና ድማ ነቲ ዚወርድ ስሕተት ኣዚና ኽንፈርሆን ክንጥንቀቐሉን፡ ካብ’ቶም ዚድሕኑ ሒደት ሰባት ንምዃን ድማ ኣዚና ኽንጋደል ከም ዚግብኣና ርዱእ’ዩ። ናይ ጐይታ ዕላማ ድማ ንሱ’ዩ። “ብዙሓት ኪስሕቱ’ዮም” ማለት “እቲ ዚጽበየኩም ዘሎን ድሮ ወሪዱኩም ዘሎን ለበዳ ስሕተት ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ” ማለት’ዩ። ዝተተምየነ ገንዘብ ንብዙሕ ሰብ ከም ዜጋግዮን ከም ዜዕንዎን፡ ብሰይጣንን ብኣገልገልቱን ዝተተምየነ ናይ ስሕተት ወንጌል ድማ ከቢድን ዘለኣለማውን ዕንወት’ዩ ዜውርድ።
እዚ ናይ ጐይታና ስምዕታዊ መልእኽቲ ኣብ ዘመንና እንታይ ጽልዋ ገበረ፧ እንታይከ ኣፍረየ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ዘሎና መልሲ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣዝዩ ዜሰክፍን ዜሕዝንን ምዃኑ ኣሉ ኺበሃለሉ ዘይከኣል ሓቂ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ዘመን-ኣምጽኦ መራኸቢ ብዙሓን ስሕተት ከም ባርዕ ሓዊ (ሰደድ እሳት) ንዓለምና ኣዕለቕሊቕዎ፡ ድሮ’ውን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ በዚ ለበዳ ስሕተት ተዋሒጡን ጠፊኡን ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። እቲ ስሕተት እምብዛ እናሰፍሐን እናኸፍአን ስቕታ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልትን ድማ ብዜስደምም መጠን እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ግሁድ ኰይኑ’ሎ። ኵላትና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ’ነገልግለሉን ’ንግልገለሉን ዘለና ቤተ ክርስትያን ክንደይ ሳዕ “ካብ ስሕተት ተጠንቀቑ” ዚብል ስብከት ከም ዝተዋህበ እንተ ንግምግም፡ ብስቕታና ነቲ ናይ ስሕተት ለበዳ ንተሓባበሮ ኸም ዘለና ምተሰቈረና ነይሩ። እቲ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ዓይነታት ናይ ስሕተት ኣዝዩ ኻብ ምብዛሑን ካብ ምኽፋኡን ዝተላዕለ፡ ነየናይ ኣቐዲምካ ነየናይ ከም እተጽንሕ ኪሕርብተካ ዚከኣል’ዩ። እንተ ወሓደ ግን ነቲ ኻብ ኵሉ ዓይነት ስሕተት ዜድሕን ሓቀኛ ትምህርቲ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ብምስትምሃር፡ ንብዙሓት ናብ ስሕተት ካብ ምእታው ከተድሕን፡ ናብ ስሕተት ካብ ዝኣተዉ ብዙሓት’ውን ከተድሕን ከም ‘ትኽእል ፍጹም ዘየጠራጥር’ዩ።
እቶም ምእመናን እንተ ዀንና’ውን ብዙሕን ከቢድን ስሕተት ኣብ ልዕሌና ኣንጠጥዩ ኣብ ዙርያና ኸቢቡ እናረኣና፡ ካብ’ዚ መዓት’ዚ ንምድሓን ናይ ውልቅና ጻዕሪ ዘይንገብር፡ ንቤተ ክርስትያንናን ንኣገልገልትናን ናይ “ርድኡና (ምሃሩና)” ጻውዒት ዘይነስምዕ እንተ ዄንና፡ ነቲ ቓል ጐይታ እቲ ዚግብኦ ግምት ከም ዘይሃብናዮ፡ ድራር ናይ’ቲ ኺውሕጠና ዚህንደድ ኣራዊት ክንከውን ፈቲና ኸም ዝተቐበልናዮ ዜረጋግጽ’ዩ። ለበዳ ሕማም ምስ ተኸስተ ዘርኣናዮ ስግኣትን ጥንቃቐን፡ ለበዳ ስሕተት ምስ ተኸስተ ሓለፋኡ ብዝተዓጻጸፈ እንተ ዘይደገምናዮ፡ መንፈሳዊ ሚዛንና ጥዕና ኸም ዝጐደሎ፡ ንምድሪ’ምበር ንሰማይ ከም ዘይንበቅዕ ብግብሪ ነረጋግጽ ምህላውና ኸነስተውዕል ይግባእ።
ስለ’ዚ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ-ነፍሲ ነቲ ናይ ጐይታ ቓል ልዑል ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ካብ’ቶም ማእለያ ዘይብሎም መስሓትቲ ሓደ’ኳ ኸየስሕተና፡ ካብ’ቲ ማእለያ ዘይብሉ መጓሰ ህዝብና ድማ ሓደ’ኳ ኸይስሕተና፡ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር፡ ዘለናዮ ኽፉእ ዘመንን ሃለዋትን ይጠልበና ኣሎ። ቃል እግዚአብሔር፡ “እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ይሓትተና፡ “እቲ ነባጊዑ ዚፍንው ዘይጠቅም ጓሳ’ውን ወይለኡ!! ኢሉ የጠንቅቐና ኣሎ (ኤር 13፡20፣ ዘካ 11፡17)። እምበኣር እቶም ጓሶትን እቶም ኣባጊዕ ጐይታን ተሓባቢርና፡ ነቶም እኩያት ተዃሉ ጾሞም ዜሕድሩ፡ ንቓል ጐይታኦም ዜኽብሩ፡ ንልቢ ጐይታኦም ዜስምሩ፡ ናይ’ዚ ዝጸልመተ ዘመን ከዋኽብቲ ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
መጋቢት 10, 2015 ግዕዝ (19 መጋቢት 2023 ፈ [መበል 28 ሰንበት: ቊ.፴፮/36, 2023]] |
||
ምስባክ መዝ.49(50): 3 “እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።” “ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስ’ውን ይኸብቦ።” |
ንባብ |
ኣንባቢ |
1ተሰ 4፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 24፡10-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 24፡1-28 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘአትናቴዎስ ወይ ያዕቆብ ዘሥሩግ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ