“ስለ’ዚ እቲ ኣብ ጸልማት ንዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ ንሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ’ቲ ምዱብ ጊዜ ሓንቲ’ኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ (እቲ ምዱብ ጊዜ-ፍርዲ ምስ መጸ) ነፍስ ወከፍ (ሰብ) መምስጋናኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል’ዩ።” 1ቈረ 4፡5 ካ.ት።
እዚ ሰንበት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓብይ ጾም’ዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ “ገብርኄር” (ሕያዋይ ባርያ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት (ደብረ ዘይት) ኰይኑ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ምጽኣት እንመሃረሉ ሰንበት’ዩ። ናይ ወንጌል ማቴዎስ ክልተ ምዕራፋት (ማቴ 24, ማቴ 25) ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ኣስፊሑ ዝመሃረለን’የን። ምዕራፍ 24 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት (ደብረ ዘይቲ) ተማሂርናሉ ኢና። ነዚ ሰንበት’ዚ ድማ ካብ ምዕራፍ 25 ዝተወስደ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተነቢቡልናን ኣንቢብና ኣለና።
እዚ ሰንበት’ዚ “ሕያዋይ ባርያ” ዝተሰምየሉ ምኽንያት፡ ጐይታና ብምጽኣቱ ንፍርዲ ምስ ተገልጸ፡ ነቶም ከከም ዓቕሞም ንዝተዋህቦም መኽሊት-ጸጋ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ዘውዓልዎን ነቲ ጐይታኦም ዚደልዮ ፍረ ዝፈረዩሉን ሰባት ዝህቦ ዓስብን ክብርን እንመሃረሉን እነስተንትሉን ሰንበት ኪኸውን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተሰርዐ’ዩ። ጐይታና ብኽብሪ ኣብ መንበር ፍርዲ ምስ ተቐመጠ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ከከም ፍሪኡ’ዩ ኺፈርዶ። ነዚ ሓቂ’ዚ ጐይታና ባዕሉን በቶም ዝለኣኾም ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ ብተደጋጋሚ ነጊሩናን ኣፍሊጡናን’ዩ (ማቴ 17፡27 ፣ ሮሜ 2፡6 ፣1ጴጥ 1፡7 ፣ ራእ 22፡12 ፣ ኤር 17፡10 ፣ እዮ 34፡11)። ነዚ ምስጢር’ዚ ብስእላዊ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃልና ድማ ነዚ “ምስላ መክሊት” ዝተሰምየ ኣብ ማቴ 25፡14-30 (ሉቃ 19፡11-27) ዚርከብ፡ ሓይሊ መልእኽቱ ከቶ ዘይሃስስ ትምህርቲ ሃበና። “መክሊት” ማለት፡ ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኺሽረፍ ዚኽእል ጥቕሉል ገንዘብ’ዩ። ልክዕ ከም’ዚ ናይ ሽሕ ወይ ሚእቲ ቕርሺ ጥቕሉል ገንዘብ’ዩ። መክሊት ኺሽረፍ ከሎ ናብ ዲናር’ዩ ዚልወጥ። ሓንቲ ዲናር፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ቅርሺ’ያ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ሓንቲ መክሊት፡ 6000 ዲናር ትሽረፍ ነበረት። ሓደ ዲናር ድማ፡ ኣብ ስራሕ ንዝወዓለ ሰብኣይ ዚኽፈል ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕለት (ደሞዝ) ነበረ። በዚ መጠነ ሸርፊ’ዚ መሰረት እንተ ተሰሪሑ፡ እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ 30,000 ዲናር’ዩ ተቐቢሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ 30,000 መዓልታት ውዕለት ተቐቢሉ ኣሎ ማለት’ዩ። ነዚ መዓልታት’ዚ ናብ ዓመታት እንተ ቐዪርናዮ ልዕሊ 82 ዓመታት ዚበጽሕ’ዩ። ስለ’ዚ ሓሙሽተ ወይ ክልተ መክሊት ከም ዝተዋህቦም ኪንገረና ኸሎ፡ ውሑድ መጠን ገንዘብ ዝተዋህቦም ኪመስለና ኣይግባእን’ዩ። እዚ ምስላ’ዚ ክብሪ ናይ’ቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ጸጋ ኼመልክተና ዝተነግረ ምስላ’ዩ።
ቀዳማይን ዝጐልሐን መልእኽቲ ናይ’ዚ ምስላ’ዚ ብዛዕባ’ቶም በቲ ዝተዋህቦም ወንጌል ብዙሓት ነፍሳት (ሰባት) ናብ ኣምላኽ ዚመልሱ ሰበኽትን መምህራንን ናይ ወንጌል ዚምልከት ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እዚ ምስላ’ዚ ዘይምልከቶ ፍጡር ውሉድ ኣዳም ግን ኣብ’ዛ ዓለም’ዚ ፈጺሙ የልቦን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንቓል ወንጌል ጥራሕ ኣይኰነን ከም መክሊት ገይሩ ዚህብ። ኵሉ’ቲ መንፈሳዊ ይኹን ነገራዊ (material) ትሕዝቶና፡ ካብ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ’ምበር፡ ባዕላትና ዝረኸብናዮን ዘጥረናዮን ኣይኰነን። ተገቢኡና ዝተወሃብናዮ’ውን ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ ኢና፡ “ጸጋ” ኢልና እንጽውዖ። ህይወት፡ ሓይሊ፡ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ሞያ፡ ኣገልግሎት ወዘተ፡ ከይተገብኣና ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ናይ ጸጋ መክሊት’ዩ። ተሓታትነት ዘይብሉ ህያብ ግን ኣይኰነትን። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሓያል ተጸባጻብን ፈራድን ጐይታ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና፡ “ጸብጻብ ናይ’ቲ ኸይተገብኣካ ዝሃብኩኻ ጸጋታተይ ሃበኒ። ኣብ ምንታይ ኣውዒልካዮ፧ እንታይከ ፈሪኻሉ፧” ዚብል ክንሕብኣሉ ዀነ ኪስገር ዘይከኣል ሕቶ ኪቐርበልና’ዩ። ካብ’ዚ ሕቶ’ዝን ካብ’ታ ምድብቲ መዓልቲ ፍርድን፡ ሞት ይኹን መቓብር ሓቢኡ ኼትርፈና ኣይክእልን’ዩ። ኣብ’ታ ዕለት’ቲኣ ካብ’ቶም ብህይወት ከለዉ ምጽኣት ዘርከቦም ሰባት ንላዕሊ፡ እቶም ብትንሳኤ ካብ ዕቝባ ሞት ዝወጹ ሰባት ብዕጽፍታት ኪበዝሑ’ዮም (ራእ 20፡11-15 ካ.ት)።
ንምስትምሃር ቃል ወንጌል ብዚምልከት’ውን፡ ኣብ መድረኽ ቤተ ክርስትያን እነስተምህረሉ ማዕርግ ኣገልግሎትን ሓላፍነትን እንተ ዘይብልና’ኳ፡ ምስትምሃር ቃል ወንጌል ፈጺሙ ኣይምልከተናን’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንዝፈረየትና ዀነ ንዝፈረናያ ስድራ ቤት ቃል እግዚአብሔር ምስትምሃር ከነምልጠሉ ዘይንኽእል ሓላፍነትና’ዩ። ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወትና ምስ ኵሉ ሰብ፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድናታትና ቃል እግዚአብሔር ክንዛረብን ክንምህርን ትእዛዝ ኣምላኽ’ዩ (ዘዳ 6፡6-8፣ 11፡18-25)። ብርግጽ ብዓል ማዕርግ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከልና ምስ ዚህልው ግን ናይ ምስባኽን ምስትምሃርን መዝነት ናቱ ይኸውን።
ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ይኹን ምእመን፡ ካብ’ቲ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነቱ ንላዕሊ ነቲ ዝተነግሮ ቓል ናይ ምእዛዝ መክሊቱ ኣዝዩ ዝዓበየ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ዝተዋህበና ዅሉ ዓይነት ናይ ጸጋ መክሊታት ኣብ መዓላን ኣብ ፍረን ኣብጺሕና፡ ናይ’ቲ ወሃቢ ጐይታ ሓሳብ ልቢ ኸነስምር፡ እዚ “ገብርኄር (ሕያዋይ ባርያ)” ዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን ተሰሪዑልና ኣሎ። ኣብ’ዚ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ እንሓስበሉ ዕለት’ዚ ኽንመሃሮ ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርእስቲ ድማ፡ ኣብ ዘይመንበርና ተቐሚጥና “ፈረድቲ” ብምዃን ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይንፍጽም ዜጠንቅቐና ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ዝተወስደ ረዚንን ኣገዳስን ኣርእስቲ’ዩ።
“ቅድሚ ጊዜኡ” ዚብለና ዘሎ ነየናይ ጊዜ ንምምልካት’ዩ፡ ንምዃኑኸ “ፈረድቲ” ኽንከውን ዝተሰርዓልና ጊዜ ኣሎ ድዩ፧ ፈጺሙ የልቦን። ፍርዲ፡ መለኮታዊ’ምበር፡ ሰብኣዊ ስልጣን ኣይኰነን። ፈራዲ ምዃን ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣዝዩ ብሩህ ብዝዀነ መገዲ ኣፍሊጡና ኣሎ።
“ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓው ዚሓምይ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ (ዚፈርድ) ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊ’ውን ይፈርድ (ኣሎ)። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ’ምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ (ኣምላኽ)’ዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧” ያእ 4፡11,12።
ነብዪ ኢሳይያስ’ውን፦
“እግዚአብሔር ፈራዲና፡ እግዚአብሔር ሓጋግ ሕግና’ዩ እግዚአብሔር ንጉስና’ዩ’ሞ፡ ንሱ ኼድሕነና’ዩ።” ብምባል፡ ናይ ፍርዲ ስልጣን ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 33፡22)። ስለ’ዚ ንሰባት ንምፍራድ ክንህንደድ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ መን ንህንደድ ከም ዘለና፡ እዚ ዘንበብናዮ ቓል ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ፈራዲ ናይ ምፍራድ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝዀነ፡ ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ መብርሂ ዜድልዮ ኣይኰነን። ይትረፍ ኣብ ልዕሊ’ዚ መለኮታዊ ፈራዲ ኽንለዓል፡ ኣብ ምድራዊ መጋባእያ’ኳ ኣብ መንበር ናይ’ቲ ዚፈርድ ዳኛ ተቐሚጥካ ኽፈርድ እንተ በልካ፡ ከመይ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ሓደ “ንኣምላኽ እኣምንን እፈርህን’የ” ዚብል ክርስትያን ውልቀ ሰብ፡ ፈጺሙ ኺገብራ ዘይግብኦ ኣበሳ እንተ’ልያ፡ ንሰብ ምፍራድ’ያ።
“ቅድሚ ጊዜኡ ኣይትፍረዱ” ዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ምዱብ ናይ ፍርዲ ጊዜ፡ እቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ንኺፈርድ ብኽብሪ ዚምለሰሉ፡ መዓልቲ-ምጽኣት ንምምልካት’ዩ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ኰይኑስ ኪፈርድ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተመደበ፡ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። ፈራድነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብምኽንያት’ቲ መለኮታውን ሰብኣውን ትሕትናኡ፡ ነቲ ናይ ፈራድነት ስልጣን ብኣቦ ኸም ዝተመደበሉን ከም ዝተዋህቦን ተኣመነ። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነዚ ሓቂ’ዚ ገሊጾምልና ኣለዉ።
“ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቍርና (ብትዕግስቲ) ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ’ሞ፡ ብእኡ (ገይሩ) ንዅሉ (ሰብ) እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ (ንዅሉ) ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።”ግብ 17፡30,31
“ኣምላኽ’ውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ (ኢየሱስ) ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።” ግብ 10፡42።
ስለ’ዚ ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ቓል፡ እቲ ፈራዲ መን ምዃኑን ጊዜ ፍርዲ መዓስ ከም ዝኸውንን ድሮ ተወሲኑን ተዋሂቡን’ዩ። እግዚአብሔር ኣቦ’ኳ፡ ፈራድነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ ኽነሱ፡ ነቲ ሓደ ወዱ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሃቦ’ምበር፡ ንሓደ’ኳ ባዕሉ ኸይፈርድ ወሲኑን ኣኽቢርዎ’ዩ።
“ኵሉ ሰብ ከም’ቲ ነቦ ዜኽብሮ ጌይሩ ንወልድ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወልድ ሃቦ’ምበር፡ ኣቦ ንሓደ’ኳ ኣይፈርድን’ዩ። እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ ነቲ (ንወልድ) ዝልኣኾ ኣቦ’ውን ኣየኽብሮን’ዩ። ..... (ኢየሱስ) ወዲ ሰብ’ዩ’ሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።” ዮሃ 5፡22,23,27።
ስለ’ዚ ሎሚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ቦታን ዕድመን ኴንና ኣብ ልዕሊ ሰባት ክንፈርድ ከለና ሰለስተ ኸበድቲ ኣበሳታት ንፍጽም ኣለና ማለት’ዩ።
1ይ. ነቲ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ፡ ኢየሱስ ንበይኑ ጥራሕ ፈራዲ ኪኸውን ንዝሃቦ፡ ባዕሉ’ውን ንሓደ’ኳ ብዘይ ምፍራድ ዘኽበሮ መለኮታዊ ውሳነ ነፍርሶን ንግህሶን ኣለና። ባዕልና ንርእስና ፈረድቲ (Self-appointed Judges) ጌርና ዝሾምና ዓለወኛታት ንኸውን ኣለና።
2ይ. ነቲ ዘይናትና ስልጣን ብዓመጽ ክንምንዝዕ ምፍታንና ኸይኣክል፡ ነቲ ኣቦ ዝወሰኖ መዓልቲ ፍርዲ ናብ ሕጂ ቐዪርና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ንፈርድ ኣለና።
3ይ. ንኣበሳና ናብ ሰማይ ዜዕርጎ ሳልሳይ ኣበሳና ድማ፡ ብጽድቂ ኽንፈርድ ዘይንክእል ምዃንና’ዩ። ብጽድቂ ኺፈርድ ዚኽእል፡ እቲ ሓጢኣት ዚበሃል ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕ ዝዀነ ኣካል ጥራሕ’ዩ። ንሱ ኸኣ መለኮት ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል (ዮሃ 8፡46 ፣ 2ቈረ 5፡21 ፣ እብ 1፡9 ፣ እብ 4፡15 ፣ 7፡26 ፣ 9፡14 ፣ 1ጴጥ 1፡19 ፣ 1ጴጥ 2፡22)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ድኹምን ሓጥእን ስጋና ለቢሱ ኼብቅዕ፡ ንኣሰር’ኳ ሓንቲ ኣበሳ ዘይተረኽበቶ ናይ ጻድቃን ጻድቕ፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ፡ ናይ ንጹሃን ንጹህ፡ ናይ ፍጹማን ፍጹም’ዩ (ዮሃ 8፡46፣ እብ 4፡14,15፣ 7፡26,27፣ 1ጴጥ 1፡18,19፣ 2፡21-23 ካ.ት)። ንሕና ግን እኖና ብሓጢኣት ዝጠነሰትና ብኣበሳ እተወለድና ሰባት ኢና (መዝ 51፡3,5)። ንርእስና በቲ እንፈርዶ ዘለና ኣበሳ ዝተበከልና ሰባት ስለ ዝዀንና ፈረድቲ ኽንከውን ዜብቅዓና ዝዀነ ዓይነት መንፈሳዊ ዀነ ሞራላዊ ልዕልና የብልናን። እቲ ቕዱስ ጸሑፍ’ውን፦
“እምበኣር፡ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፡ ንስኻ ዝዀንካ ኹን (መን ምዃንካ ብዘየገድስ)፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትኹንን ኣለኻ’ሞ፡ ነቲ እትፈርዶስ (ባዕልኻ) ትገብሮ ስለ ዘለኻ፡ (ክትፈርድ ዜኽእለካ ዋላ ሓንቲ) ምኽንያት የብልካን። ንሕና ግና ኣብ’ቶም ከም’ዚ ዝበለ ዚገብሩ (እቲ) ግቡእ ፍርዲ ኣምላኽ (ኣብ’ቲ ምዱብ ጊዚኡ) ኸም ዚወርድ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብ ልዕሊ’ቶም ከም’ዚ ዚገብሩ እትፈርድ፡ ባዕልኻ’ውን ከም’ቲ ግብሮም እትገብሮ ሰብ፡ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቝዶ ይመስለካ (ይኸውን)፡ ..... (ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ) በታ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፡ ኣብ ርእስኻ መቕዘፍቲ (መዓት) ትእክብ ኣለኻ።” ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡናን ኣጠንቂቑናን ኣሎ (ሮሜ 2፡1-5 ካ.ት)።
“ምፍራድ” ዚበሃል ዘሎ ግን ኣየናይ ግብርና’ዩ፧ እንታይ እንተገበርና ኢና “ፈረድቲ” እንበሃል፧ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ብቐሊሉ ኸይንርድኦ ዚዕንቅፈና፡ በቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኣገባብ ስለ ንሓስብ’ዩ። ነቲ ምስ ሰባት እንዋስኣሉ ኣተሓሳስባታት፡ ቃላት፡ ተግባራት ኣዕሚቝና ምስ እንምርምሮ ግን ብዅለንተናኡ ፍርዳዊ ባህርይ ከም ዘለዎ ብቐሊሉ’ዩ ዚረኣየና። እቲ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ተግባራትና ዘረባና ስምዒታትና፡ ምሉእ ብምሉእ ፍርዳዊ ተግባር’ዩ። ንሓደ ሰብ ምስ እንጸልኦ “ነዚ ሰብ’ዚ ፍቕሪ ኺወሃቦ ዘይግባእ ብመሪር ጽልኢ ኪቕጻዕ ዚግብኦ ሰብ’ዩ” ዚብል ፍርዲ ሂብና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ሰባት ኪጸልኡና ኸለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ዚፈጥሮ ስቓይ ጽቡቕ ጌርና ስለ ‘ንፈልጦ፡ መሪር መቕጻዕቲ ንቐጽዖ ኸም ዘለና ጽቡቕ ገይሩ ይርድኣና’ዩ። ክንጻረፍ ከለና’ውን፡ ጭጕራፍ ልሳን ኣቐንዛዊ ምዃኑ፡ ሰይፊ ልሳን ክሳዕ ልቢ ሰንጢቑ ከም ዚኣትው፡ ሓዊ ልሳን ንልብን መንፈስን ናይ ሰብ ኣቃጺሉ ኸም ዚልብልቦ ስለ ንፈልጥ፡ መሪርን በሊሕን ርሱንን ቃላት እናመረጽና፡ ንመንፈስ ሰብ ክንሕምሽሽ ንልሳንና ኸም ኣጽዋር ንጥቀመሉ። ንነብዪ ኤርምያስ እቶም ሕሱማት ኣይሁድ፡ “ንዑናይ ብልሳንና ንውቅዓዮ” ኢሎም ተማኸረሉ (ኤር 18፡18)፡ ቅዱስ ዳዊት ካብ’ቲ ሃዳኒኡ ንጉስ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ ናይ በረኻ በዓቲ ተሓቢኡ ኸሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰባት ብልሳኖም ዘውረዱሉ ስቓይ፡
“ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ’ያ። ኣብ ማእከል’ቶም ሓዊ ዚተፍኡ፡ ኣብ ማእከል’ቶም ኣስናኖም ኲናትን ፍላጻን፡ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣለኹ።” ብምባል ጸሎታዊ መዝሙር ዘመረ (መዝ 57፡4)። ንኣካላት ሰብ ብሰይፊ ብዂናት እንተ ንወግኦ፡ ብሓዊ እንተ ነቃጽሎ ብስጋ ምሞተ ወይ ምሰንከለ። ከቢድ በደል ስለ ዝዀነ ብገበናዊ ሕጊ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ንሕልፈት ወይ ንሞት መፍረደና። ብናይ ልሳንና ስሕለትን ሓውን ጌርና ንመንፈሱ ኽንጐድእ ነእምሮኡ ኸነናውጽ ከለና ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ብሲቪላዊ ሕጊ ብቐሊል መቕጻዕቲ ዜቕጽዕ’ኳ እንተ ዀነ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ግን ኣብ ገሃነም ብዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን ዜቕጽዕ’ዩ። ጸርፊ፡ ኣጋንንታዊ ፍርዲ’ዩ። እቲ ከም “ኣራዊት” ተገሊጹ ዘሎ ጸረ ክርስቶስ ዝዀነ ብዓል ስልጣን ሰብ ኣብ’ቲ ሾብዓተ ርእሱ ናይ ጸርፊ ስማት ዝተጻሕፎ’ዩ። እቲ ብዓብዪ ገበል ዝተመሰለ ሰይጣን ነዚ ናቱ ኣራዊት ብዛዕባ ዝሃቦ ስልጣን፡
“ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ። ..... ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ’ውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።”
ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ራእ 13፡5,6)። ሰይጣን ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ናይ መላእኽቲ ስልጣናትን ዚዋግኣሉ ኣጽዋሩ፡ ጸርፊ’ዩ። ነቶም ናቱ ዝዀኑ ኣገልገልቱ ድማ ቃል ጸርፊ ዚዛረብ ኣፍ’ዩ ዜግጥመሎምን ዚህቦምን። ስለ’ዚ ኣፍና ንጸርፊ ኽንከፍት ከለና፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብፍርዲ ሰይጣን ክንፈርድ ተላዒልና ኣለና ማለት’ዩ። ክርስቶስ ንዝጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን (1ጴጥ 2፡22,23)። ሊቀ-መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል፡ ነቲ ብጸርፊ ዚዋግኦ ዝነበረ ድያብሎስ፡ ብጸርፊ ኣይመለስሉን (2ጴጥ 2፡11,12፣ ይሁዳ 8,8)። ምኽንያቱ ጸርፊ ናይ’ቲ ርኹስ ሰይጣንን ርኹሳት ኣጋንንቱን ኣጽዋር’ምበር፡ ናይ ክርስቶስን መላእኽቱን ኣይኰነን።
ሕምየት’ውን ፍርዳዊ ተግባር ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልዑል ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሕግታቱን ዚፍጸም ፍርዲ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ያእ 4፡11,12 ጥቕሲ ኣንቢብና ኣለና። ሕምየት እንሓምየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ‘ንሓምዮ ዘለና ሰብ፡ “ናይ’ዚ ሰብ’ዚ ስም ኣዝዩ ኪኸፍእን ኪድወንን ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ኪጸልኦን ኬርሕቖን ኣለዎ” ኢልና ፍርዲ ስለ ዝሃብና’ዩ። ንሰብ ብማህረምቲ ኸነጥቅዖ እንዋጠጠሉ ምኽንያት፡ “እዚ ሰብ’ዚ ኪቕንዘው፡ ኪህሰይ፡ ኪስንክል፡ ኪመውት ይግብኦ’ዩ” ኢልና ስለ ዝፈረድና’ዩ። እቲ ኽንጠቕሶ ንኽእል ፍርዳዊ ተግባራትና፡ ዘርዚርካ ኺውዳእ ክሳዕ ዘይከኣል ማእለያ የብሉን። “ኣብ ልዕሊ ሰብ ትፈርድዶ፧ ኣብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ልኡላዊ ስልጣን ኢድካ ተእትውዶ፧” ኢሉ ዚብድሃና ሰብ እንተ ዜጋጥመና ግን፡ “ወሪዱኒ፡ በየናይ ዓቕመይ’ሞ ኣብ ሰብ ክፈርድ’የ፧” ኢልና ብምስትውዓል ኰነ ብዘይ ምስትውዓል “ኣሉ” ኢልና ምኸሓድና።
ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ናይ ከም’ዚ ዘመሰለ ፍርዲ ግዳያት’ዮም ዝነበሩ። ዚፈርድዎም ዝነበሩ ድማ እቶም ናይ ፍርዲ ስልጣን ዝነበሮም ዋዕላ ኣይሁድን ሮማውያን ሰበ ስልጣንን ጥራሕ ኣይነበሩን። ዋላ’ቲ ተራ ሓፋሽ ህዝቢ’ውን ኣብ’ቲ ንሳቶም ዚሰብኩሉ መድረኻትን ኣብ ዘዘለዎን ቦታ ዀይኑ ይፈርዶም ነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ደጋጊሙ ተሪኹልና ከም ዘሎ፡ ገሊኣቶም ትምህርቱን ተኣምራቱን ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ’ዩ፡ እዚ ክርስቶስ’ዩ ሕያዋይ’ዩ” እናበሉ ይምስክሩን፡ ሓቀኛ ፍርዲ ይህቡን ነበሩ (ዮሃ 7፡12,40)። ካልኦት ድማ፡ “እዚ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ ኣሎ” እናበሉ የኽፍእዎን ይፈርድዎን ነበሩ (ዮሃ 7፡12፣ 10፡20)። እቶም መራሕ’ቲ ኣይሁድ ከይተረፈ፡ “ጋኔን ኣሎካ” እናበሉ፡ “ብሓይሊ ኣጋንንቲ’ዩ ዚሰርሕ” እናበሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጻድቕን ቅዱስን ጐይታ ኣሰቃቒ ፍርዲ ይህቡ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈራዲ ይፈርዱ ነበሩ (ዮሃ 7፡20፣ 8፡48,52፣ ማቴ 12፡23,24)። ዋላ ኣዝማዱ ኸይተረፉ ብዛዕባኡ “ተጸሊሉ’ዩ” ናብ ዚብል ፍርዳዊ መደምደምታ በጺሖም ነበሩ (ማር 3፡2)። ጐይታና ነዚ ዝዓይነቱ ርእይቶታት ናይ’ቶም ኣብ ልዕሊኡ ዚፈርዱ ዝነበሩ ሰባት፡
“ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም ‘ትፈርዱ ዘለኹም፡ ..... ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ’ምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።”
ይብሎም ነበረ (ዮሃ 8፡15፣ 7፡24)። ፍርዲ ስጋ ወይ ፍርዲ ሰብ፡ ኣብ’ቲ ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ጥራሕ’ዩ ዚምርኰስ። ጐይታና ድማ ፍጹም ሰብ’ኳ እንተ ዀነ፡ ፍርዲ ስጋ ምእንቲ ኸይፈርድ፡ ነቲ ዅሉ ሰብ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ገዲፉ፡ ብቕንዕና ይፈርድ ከም ዝነበረ በቲ ቕዱሳት ነብያት ዝገለጽዎ፡ ዳሕራይ’ውን ባዕሉ ብግብሪ ዘረጋገጾ ተገሊጹ’ዩ።
“ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚአብሔር’ዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን’ዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳንይ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን ..... ’ዩ።” ኢሳ 11፡3,4
ነቶም ንእኡ ንርእሱ ብፍርዲ ስጋ ዚፈርድዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ’ውን ከምኣቶም ብፍርዲ ስጋ ኺፈርድ ዚደፋፍእዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡
“ኣነ ኸም’ቲ (ኻብ ኣቦይ) ዝሰማዕክዎ’የ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ’ዩ። ..... ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም ‘ትፈርዱ ዘለኹም፡ ኣነስ ንሓደ’ኳ (ብፍርዲ ስጋ) ኣይፈርድን’የ። ኣነን እቲ ዝለኣከኒ ኣቦን ኢና (ንፈርድ)’ምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን’ሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ፡ (ከም’ቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዝፈርድ)፡ ፍርደይ ሓቂ’ዩ።”
እናበለ ይምልሰሎም ነበረ (ዮሃ 5፡30፣ ዮሃ 8፡15,16)። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ እትርእዮን እትሰምዖን ተመርኵስካ ምድምዳም ናብ ጊዜኡ ዘይሓለወ ህውኽ ፍርዲ’ዩ ዚደፍኣካ። ከም’ቲ ጐይታና ኣብ ዘመነ ትስብእቱ በቲ ኻብ ኣቦኡ ዝሰምዖ ጥራሕ ዚፈርድ ዝነበረ፡ ንሕና’ውን ብኣምላኽ ዘይተነግረና ፍርዲ ኽንፈርድ ኣይግባእን’ዩ። ፍርዲ ምሃብ ንኣና ዚምልከት ጕዳይ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ነቲ ፍርዱ ኣይነግረናን’ዩ። ኣብ’ታ ንፍርዲ ዝተመደበት መዓልቲ፡ በቲ ናይ ፍርዲ ስልጣን ዝሃቦ ቅዱስ ወዱ ገይሩ ኼፍልጠና’ዩ። “ኣይፋልናን” ኢልና ብናይ ስጋናን ሰይጣንን ድፍኢት ተሃዊጽና ቅድሚ ጊዚኡ ኽንፈርድ እንተ መረጽና ድማ፡ ኣቦታትና “ህውኽ ዝብእስ ቀርኒ ይነክስ” ከም ዚብሉ፡ ብገዛእ ምርጫና ኽንጒዳእ ኢና። ጐይታና እንተ ዀነ፡
“ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም’ዩ’ሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ “ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡” ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ ኣሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡ ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውኻ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።”
“ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሃቡ ኺውሃበኩም’ዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም’ዩ’ሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም’ዮም።”
ብምባል ብወግዒ ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 7፡1-5፣ ሉቃ 6፡37-38)። እምበኣር “ፍረድ ፍረድ” ዚብል ታህዋጽ ኣብ ውሽጥና ኪቐልወና ኸሎ፡ ሰይጣን ናብ መፈንጠራ ይደፍኣና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ’ውን ብዓመጽ ክንለዓል ይድርኸና ኸም ዘሎ፡ ነለልዮ። ስለ’ዚ ንእኽሊ ኻብ ክርዳድን እሾኽን ጸጸርን ኣጽሪና ኸም ንምገቦ ነቲ ፍርዳዊ ቓላትና፡ ካብ መዝገበ ቃላት ናይ ልሳንና ለቒምና ነጽርዮ። ንዅሉ ተግባርና’ውን ካብ’ቲ ሰራም ፍርዳዊ ተግባራት ነጽፍፎ። ፍርዲ ዘበለ ዅሉ ነቲ ጻድቕን ልኡላውን ኣምላኽ ንግደፈሉ። ፍርዲ ስጋ ኽትፈታተነና ኸላ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ድኹም ሰብ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ ናይ ክብሪ ዝፋኑ ተቐሚጡ ነታ ብጽድቂ ዚፈርደላ ምድብቲ መዓልቲ ብትዕግስቲ ዚጽበይ ዘሎ እግዚአብሔር ወልድን ንዘክር። እታ ናይ ፍርዲ መስፈርና ባዶን ጽርይትን ከም ዘላ ነረጋግጽ። ከመይሲ ፍርድና ኽንቅበለላ’ምበር፡ ንኻልኦት ፍርዲ ኽንሰፍረላ ኣይተዋህበትናን።
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
መጋቢት 17, 2015 ግዕዝ (26 መጋቢት 2023 ፈ [[መበል 29 ሰንበት: ቊ.፴፯/37, 2023] |
||
ምስባክ መዝ.39(40)፡ 7-8 “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።” ዓዲ፡ መዝ.133(134)፡ 1-2 መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪ “ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 4፡1-9 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡11-19 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 16፡9-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 25፡14-30 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ