“ኣነ ምእንታኦም እልምን ኣለኹ። ናትካ’ዮም’ሞ፡ ምእንቲ’ዞም ዝሃብካኒ’ምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን’የ። ኵሉ ናተይ ናትካ’ዩ። እቲ ናትካ’ውን ናተይ’ዩ፡ ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ።” ዮሃ 17፡9,10 ካ.ት።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበት’ዚ “ዳግማይ ትንሳኤ” (ብግእዝ=>ዳግም ትንሣኤ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ንቕዱሳን ሃዋርያት ብእኩባቶም ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ ንዅላቶም ዝተራእየሉ ዕለት ስለ ዝዀነ’ምበር፡ ክርስቶስ ካብ ሞት ክልተ ጊዜ ኸም ዝተንስአ ንምምልካት ኣይኰነን። ካብ’ታ ዝተንስኣላ ቐዳመይቲ ሰንበት ክሳዕ ድሮ ዕርገት ዘሎ መዓልታት ድማ “ዘመን ትንሳኤ (ዘመነ ትንሣኤ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እታ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ምስ ካህናት እናተኣዛዘልና (እናተቐባበልና) እንብላ፡ “ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታን፡” ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንራኸብ ከለና ኣብ ክንዲ ሰላምታ ኽንብሎ ዚግባእ’ዩ። ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን ብቅዱሳት ኣቦታትና ዝተሰርዓልና ግሩም ምስጢር’ዩ። እንተ ዀነ መንፈሳውነት ህዝብናን ኣገልገልትናን እናተዳኸመ ስለ ዝመጸ፡ ብዘይካ ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ፡ ኣብ’ቲ ድሕርኡ ዘሎ ጊዜ ዚዝክራን ዚደግማን የልቦን። ኣብ’ታ ናይ ትንሳኤ ለይቲ’ውን፡ እቶም ካህናትና’ዮም ንበይኖም ዚብልዎ’ምበር፡ ንእኡ ፈሊጡስ ምስኣቶም እናተቐባበለ ንትንሳኤ ብልሳኑ ዚእመን ምእመን የለን ምባል’ዩ ዚቐልል። ስለ’ዚ ኣገልገልትን ምእመናንን ተገዲስና ብምስትውዓል ክንጥቀመሉን፡ ነዚ ናይ ትንሳኤ ቅዱስ ተኣምኖ ኸነዘውትሮን ይግባእ።
ካብ ዕለት ትንሳኤ ኽሳዕ ዳግማይ ትንሳኤ (ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም) ዘሎ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነናቱ ዚጽውዓሉ ስማት ኣለዎ። ሰኑይ፡ ማዕዶት (ፀአተ ሲኦል)፣ ሰሉስ፡ ቅዱስ ቶማስ፣ ረቡዕ፣ ቅዱስ ኣልኣዛር፣ ሓሙስ፡ ኣዳም፣ ዓርቢ፡ ቤተ ክርስትያን፣ ቀዳም ድማ ቅዱሳት ኣንስቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንቤተ ክርስትያን እዚ ስርዓት’ዚ ዝሰርዐ ኸኣ፡ ቅዱስ ያሬድ’ዩ። እዚ መዓልታት’ዚ ብዛዕባ ምስጢራት ናይ ትንሳኤ ኽንመሃርን ከነስተንትንን ዝተሰርዓልና መዓልታት’ዩ። እዚ ሻብዓይ መዓልቲ ሰንበት ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ብዛዕባ ዝረኸብዎ ኣስተርእዮ እንመሃረሉ ዕለት’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ብምኽንያት ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ዝረኸብዎ ኣስተርእዮ’ዮም፡ ብቑዓት ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኪዀኑ ዝኸኣሉ። ሃዋርያ ምዃን ማለት “ምስክር ትንሳኤ ክርስቶስ” ምዃን ማለት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ጐይታና ኽሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ዘሎ 40 መዓልታት ብተደጋጋሚ ተራእዮም (ግብ 1፡2,3፣ 1ቈረ 15፡3-9)። መተካእታ ናይ’ቲ ስፍራን ማዕርግን ናይ ሃዋርያነቱ ዝሓደገ ይሁዳ ኺመርጹ ቕዱሳን ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ኣብ ዝተጋቡኡሉ ዕለት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕላማ ሃዋርያነት እንታይ ምዃኑ፦
“ስለ’ዚ ኻብ’ዞም ጐይታና ኢየሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ’ታ ኻባና ናብ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበረለን ኵላተን መዓልታት ዝሰዓቡና ሰባት ሓደ፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ’ዩ።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 1፡21,22 ካ.ት)። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ በዒንቶም ዝረኣይዎን ዝጠመትዎን፡ በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ምዃኑ መስከረ (1ዮሃ 1፡1-4)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ሃዋርያነቱ ነቶም ዚጠራጠርዎ ንምርግጋጽ፡ “..... ኣይሃዋርያን ድየ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረኣኽዎን ድየ፧” ብምባል ረትዖምን ኣረጋገጸሎምን (1ቈረ 9፡1፣ 15፡8)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ ማዕጾ ኸይከፈተ፡ ናሕሲ ኸየነቐለ፡ መንደቕ ከየፍረሰ፡ ገዛ ብዕጹው ኣብ ማእከሎም ደም ምስ በለ’ሞ፡ ምስ ሰምበዱ፡ “ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ ..... ገለ ዚብላዕዶ ኣብ’ዚ ኣሎኩም፧” ብምባልን ኣብ ቅድሚኦም ብምምጋብን ትንሳኤኡ ዘረጋገጸሎም (ሉቃ 24፡36-43)። ስለ’ዚ እዛ ዕለት’ዚኣ ትንሳኤ ጐይታና ብዘየወላውል መገዲ ብግብሪ ዝተረጋገጸላ፡ እቲ ጽኑዕ መሰረት ክርስትና ዝተሰረተላ ዕለት ስለ ዝዀነት’ዩ፡ “ዳግማይ ትንሳኤ” ዚብል ክብሪ ዝተዋህባ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ዕለተ ትንሳኤ’ዩ ዚኸውን።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድሮ ናይ’ታ ዝተታሕዘለን ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን ምሸት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ዝጸለዮ ዜስተንክር ጸሎት’ዩ። ሕመረት መልእኽቲ ናይ’ዚ ጸሎት’ዚ፡ እቲ፦
“ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።” ዚብል’ዩ (ዮሃ 17፡4)። እዚ ጸሎት’ዚ ድርብ ተልእኾ ዘለዎ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ተልእኾኡ ጸሎትነቱ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተልእኾኡ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘቕንዐ ኣስተምህሮነቱ‘ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሕመረት መልእኽቲ’ዚ ስለ ዘስተውዓለቶ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን “ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ (ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ)” ዚብል መዝሙር ሰሪዓ ትርከብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ናይ ባህርይ ኣቦኡ ዝተዋህቦ ግብርን ተልእኾን ብዓወት ከም ዝፈጸመ ቓል እግዚአብሔር ኣረጋጊጹልና’ዩ። ተሪፉ ዘሎ ናትና ናይ ደቂ ሰባት’ዩ። እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ዝዀኑ ኣቦታትና ሃዋርያት፡ ነቲ ዝተዋህቦም ንክርስቶስ ናይ ምኽባር ተልእኾኦም ብዓወት ይፍጽምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ጐይታና ብጸሎቱ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ብዛዕባኦም ተኣመነ። “ኣነ’ውን ኣባኣቶም ከበርኩ” ብምባል መስከረሎም። እቲ ንእኡ ዜኽብሩሉ ዝነውሐ ጊዜን ዝዓበየ ዕዮን ድማ ገና ኣብ ቅድሚኦም ይጽበዮም ነበረ። ነዚ ተልእኾኦም’ዚ’ውን ብዓወት ከም ዝፈጸምዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ኣረጋገጹልና’ዩ። ንሕና ድማ ኣብ’ቲ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ክርስትያን ስለ ዝዀንና፡ ኣርኣያኦም ስዒብና ንኣታቶም ክንመስል ግቡእና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ዀይኑ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
ጐይታና ብዛዕባ’ቶም ዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቲ “ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ” ኢሉ ዝመስከረ፡ እንታይ ስለ ዝገበሩ’ዩ፧ ብርግጽ ኣቦታትና ሃዋርያት ኣብ ገዛእ ህይወቶም ንጐይታና ዘኽበሩሉ ተግባሮም፡ ይትረፍ ኣብ ሓደ ንእሽቶ በራሪ ጽሑፍ፡ ኣብ ሓደ ዓብይ መጽሓፍ’ውን ገሊጽካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ብዓቕምና ኸም ኣብነት ክንዝርዝሮ እንኽእል ግን ብዙሕ’ዩ።
1ይ. እቲ ንእኡ ናይ ምኽባሮም መርትዖ ገና ኻብ’ታ መዓልቲ ጽውዓኦም’ዩ ዚጅምር። ቅዱስ ወንጌል ብዝተረኸልና መሰረት፡ ብፍላይ’ቶም መጀመርታ ጽውዓኡ ሰሚዖም ዝሰዓብዎ ኣርባዕተ ምርኡያት ሃዋርያት ዘርኣይዎ እምነትን ተኣዝዞን ኣዝዩ ዜስተንክር’ዩ። ናይ ጐይታና ዘምነ-ኣስተርእዮ፡ ማለት ብትምህርቱን ብተግባሩን ገይሩ ኣምላኽነቱን መሲሕነቱን ኪገልጽ ዝጀመረ፡ ብኢድ ቅዱስ ዮሃንስ ድሕሪ ምጥማቑ’ዩ። ንናይ ፈሪሳውያን ብዚዳረግ ሊቅነቱ ኸይማርኾም፡ ናይ ቀለም ኰነ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ኣይነበሮን (ዮሃ 7፡15)። ብቝጠባዊ ዓቕሙ ይኹን ብስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታኡ ኸይምሰጡ ኸኣ፡ ርእሱ ዜዕቅበሉ መጽለሊ ዘይነበሮ፡ ብነብያት’ውን “ካብ ወለዶኡ መን ሓስቦ፧” ዝተባህለሉ’ዩ (ማቴ 8፡19,20፣ ዮሃ 12፡38፣ ኢሳ 53፡8)። ዚጽውዖም ዘሎ ድማ ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ልዑል ዝና ወይ ህቡብነት ኣብ ዘጥረየሉ እዋን ኣይነበረን። ስራሕ ዘይብሎም ዝተጸገሙ ሰባት ዘይኰነስ፡ ናይ ብርኪ ማሕበር (ሼር ካምፓኒ) ዝነበሮም ገፈፍቲ ዓሳ’ዮም ዝነበሩ (ሉቃ 5፡7-10)። ቅዱስ ጴጥሮስ’ሞ ኸኣ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ስድራን’ዩ ዝነበረ (ማቴ 8፡14,15፣ ማር 1፡29-31)። ጽውዓ ዘቕረበሎም ድማ ኣብ ንጡፍ ዕዮ ኸለዉ’ዩ። “ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም፡ ንዑ ሰዓቡኒ” ምስ በሎም ግን ዓይኖም ኣይሓስዩን፡ ነግ ፈረግ ኢሎም ኣይተማትኡን። ብዛዕባ ሓዳሮምን ትካሎምን ንብረቶምን ፈጺሞም ኣይተላበውን። ንጸዋዒኻ ምኽባር፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ብምንታይ ኪግለጽ ምተኻእለ፧ ካብ ዝፈረይዋ ስድራ ቤትን ካብ ዝፈረይዎም ወለዶምን፡ ካብ ንብረቶም ንላዕሊ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊ’ዮም ኣኽቢሮምዎ። ዝነበሮም ከቢድ ጾር ስድራ ቤትን ሓልዮት ሓዳርን፡ ንእኡ ኻብ ምእዛዝን ምኽባርን ፈጺሙ ኣይዓገቶምን፡ ኣይዓንቀፎምን ከኣ፡፡
ነቲ ዘርኣይዎ ዕብየት ኣኽብሮትን ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትን ክንርዳእ እንተ ዄንና፡ እዛ ጽውዓ’ዚኣ ንኣና ኸም ዝቐረበትልና ጌርና ንሕሰብ። መንና ስድራ ቤቱን ትካሉን ስርሑን ገዲፉ ምስዓበ ይኸውን፧ ነዛ ጽውዓ’ዚኣ እነርእዮ ወይ እንህቦ ግብረ-መልሲ፡ በቲ ኣብ ልብና ዘሎና መጠን እምነትን ኣኽብሮትን’ዩ ዚውስን። ይትረፍ ነዚ ኸቢድ ዋጋ ዜኽፍል ጽውዓኡ ኽንእዘዝ፡ ነቲ ሓዳርናን ዋኒንናን እናገበርና ኽንእዘዞ እንኽእል ትእዛዛቱ’ኳ ንዘይምእዛዝ እነርእዮ ምዕልባጥ ንፈልጦ ኢና ካብ ክንእዘዞ ኸነፍርሶ’ዩ ዚቐልለና። ጐይታና ንሃዋርያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንብዙሓት ካልኦት’ውን “ስዓበኒ” ኢሉ ኣዚዝዎም’ዩ። ገሊኦም፡ “ቅድሜኻ ዚስርዑ ኻልኦት ኣለዉኒ” ብዝዓይነቱ ግብረ መልሲ ንእኡ ምኽባር ከም ዘየገድሶም ነገርዎ (ሉቃ 9፡59-62)። ንሓደ ሃብታም መንእሰይ፡ “ኵሉ ንብረትካ ሼጥካ ንድኻታት ዓዲልካ ንዓ’ሞ ሰዓበኒ” ምስ በሎ፡ “ካባኻ ጥሪተይ ይዓብየኒ፡ ይቕሬታ ግበረለይ” ብዜስምዕ ግብረ መልሲ ዝባኑ ሂብዎ ኸደ (ማቴ 19፡16-22)። እዚ ዘልዓልናዮ ንጽጽር’ዚ፡ ኣብ ህይወትካ ንጐይታ ምኽባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ኣነጺሩ ዜርእየና’ዩ። ጐይታና ብኸመይን መንን ኬኽብሮ ኸም ዚኽእል ኣግሂዱ ነጊሩና’ዩ።
“እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ኻባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር’ውን ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ። እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ።” ማቴ 10፡37,38 ካ.ት
እቲ “ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ” ማለት፡ “ንኣይ ኬኽብረኒ ኣይክእልን’ዩ” ማለት’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ነቲ ኽቡር ጐይታ ኸም መጠን ክብረቱ ኬኽብሮ ዘይክእል ሰብ ከመይ ገይሩ “ብቑዕ” ኪኸውን ይኽእል፧ ጐይታ ድማ ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዜኽብርዎ ጥራሕ ከም ዜኽብር፡ ነቶም ዘሕስርዎ ድማ ከም ዜሕስር ኣይንዘንግዕ። እግዚአብሔር ነቲ ዘየኽበሮ ሊቀ ካህናት ኤሊ፦ “..... ከመይ ኢልካኸ ካብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧ ..... ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ (ኪኸብሩ) ብርግጽ (ኣተስፍየዮም) ነበርኩ። ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽብሩኒ አኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ (እቶም ዘየኽብሩኒ) ኸኣ ኺሓስሩ’ዮም’ሞ፡ (ንዘየኽብሩኒ ምኽባርሲ) ካባይ ይርሓቕ።” ኢሉ ብንጹር ኣፍለጦ (1ሳሙ 2፡29-30)።
2ይ. ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣርድእትን “ኣነ ኣብኣቶም ከበርኩ” ዝተባህሉሉ ኻልኣይ ተግባሮም ከኣ፡ በብኽልተ ገይሩ ኺልእኮም ከሎ ዘርኣይዎ ተኣዝዞ’ዩ። ንእኡ ምእንቲ ኺስዕቡ ካብ ስድራኦምን ስራሖምን ዝተፈልይዎ ኸይኣኽሎም፡ ሕጂ ድማ ካብኡ ኻብ ጐይታ ተፈልዮም ኪኸዱ ይእዘዙ ኣለዉ። እዚ ምፍላይ ዚጠልብ ትእዛዝ ቀሊል ትእዛዝ ኣይኰነን። ተፈልዮም ኪኸዱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዝዀነ ነገር ከይተማልኡ ጥራሕ ኢዶም ኪኸዱ ዚጠልብ ቀጢን (ሓያል) ትእዛዝ ምዃኑ ድማ ዝኸበደ ይገብሮ። ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር ይኹን ናይ ኣስራዚ ገንዘብ ከይማልኡ፡ ንቐለብ ዚዀኖም ስንቂ ከይቋጽሩ፡ ንቕያር ዚኸውን ክዳን ወይ ሳእኒ ኸይሕዙ፡ መከላኸሊ ዚዀኖም በትሪ ኸይህልዎም ብጽኑዕ ኣዘዞም። ምሉእ ብምሉእ ንእኡ ኣሚኖምን ኣብኡ ተወኪሎምን ጥራሕ ኢዶም ኪኸዱ ኣዘዞም (ማቴ 10፡5-10፣ ሉቃ 9፡2)። ብዘይ ዝዀነ ምምታእ ድማ ተኣዚዞም ብምኻድ ኣኽበርዎ። ኪልእኮም ከሎ ድማ ጥዑም መብጽዓታት እና’ስምዐ ዘይኰነስ፡ “ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰድደኩም ኣለኹ” እናበለ ብዛዕባ’ቲ ዚጽበዮም መከራ ብግልጺ ኣፍሊጡ’ዩ ዝለኣኾም። ናብ ማእከል ተዃሉ ዝኣተወት በጊዕ እንታይ ከም ዚረኽባ ኣእምሮ ንዘለዎ ዅሉ ሰብ ርዱእ’ዩ (ማቴ 10፡16፣ ሉቃ 10፡2)። ተኸሲሶም ኣብ ዋዕላ ኣይሁድን ኣብ መጋባእያ ኣህዛብን ከም ዚቘሙ፡ ኣብኡ ድማ ኪግረፉን ኪቕተሉን ምዃኖም ብዘይ ዝዀነ ሕብእብእ ኣፍለጦም (ማቴ 5፡10-12፣ 10፡18,19፣ ዮሃ 16፡1-3)። እዚ ሓበሬታ’ዚ ግን ንጐይታኦም ካብ ምኽባር ፈጺሙ ኣይዓገቶምን፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ከም ዚግባእ ብምፍጻም ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ከሎ ምሉእ ብምሉእ ኣኽበርዎ። ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፎም፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እሙናት ምስክሩ ብምዃን ኣብ ማእከል ኣምለኽቲ ጣኦት ኣህዛብ ኣኽበርዎ። ነቲ ብቕዱስ ወዱን ብቕዱሳን ባሮቱን ገይሩ ነዚ ዚመስል፡ ንውሓት ዘመንን ብዝሒ ሓጢኣትን ዘየህስሶ ድሙቕ ኣርኣያ ዝጸገወና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ኣይኰንናን ንመሃር ዘለና። ክንስዕቦ ዚግብኣና ኣርኣያ ብንጹር ይንገረና ኣሎ። ስለ’ዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦኡ ብዛዕባና እንታይ ኰን ይብል ይህልው፧ “ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ኣብኣ፡ ኣብኣቶም ከበርኩ” ኪብል ዚድርኾ ህይወትዶ ዀን ይህልወና ይኸውን፧ ንርእስናን ነካይዳናን እናመርመርና ኸለና፡ ናብ ቅኑዕ መገዲ ዚመርሓና ኣገዳሲ ሕቶ ኽንሓትት ይግብኣና።
ቅዱሳን ሃዋርያት ንጐይታኦም ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኬኽብርዎ ዘኽኣሎም ባህርይ እንታይ’ዩ፧ ጐይታና ባዕሉ ኣነጺሩ ዝገለጻን፡ ኣብ ህይወት ኵሎም ሃዋርያት ብግህዶ ዝተራእየትን ባህርይ፡ ርእስኻ ምቕባጽ’ያ። ጐይታና፡ ነቶም ኣቕሓ ኽብሪ ኪዀንዎ ዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቱ፦
“ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ’ዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ (ዚውፍያ) ኸኣ ኪረኽባ’ዩ’ሞ፧ ኪስዕበኒ ዚፈትው እንተ’ሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ።” ብምባል፡ ናይ ክርስትያን ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ምስጢር ዓወት እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ (ማቴ 16፡24,25፣ ሉቃ 9፡23,24)። ወንጌላዊ ዮሃንስ’ሞ ኸኣ ብዝነጸረ መገዲ ኣቐሚጡልና ኣሎ።
“(እቲ) ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ’ዩ፡ እቲ ንህይወቱ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚጸልኣ ግና፡ ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ’ዩ።” ዮሃ 12፡25
እቲ ንምድራዊ ህይወቱ ዘይጸልኣን ዘይቀብጻን ሰብ፡ ንጐይታኡ ዜኽብረሉ ፍቓድን ዓቕምን ከቶ ኣይርከቦን’ዩ። ንጐይታና ኸይነኽብሮ ዚዕንቅፈና ዘሎ፡ ንእኡ ኸነኽብሮ ፍቓደኛታት እንኸውን፡ ናትና ሰብኣዊ ኽብሪ እንተ ዘይተተንኪፉ ጥራሕ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንእኡ ምኽባር ንኣና ዜዋርድ እንተ ዀይኑ፡ ይትረፍ ክንመርጾ ነዛ ንኽንሓስቦ’ኳ ከቢድ ጸገም’ዩ ዚዀነና። ናይ ኣቦታትና ሃዋርያት ምርጫ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ቀንዲ ተልእኾ ህይወቱ ንጐይታኡ ምኽባር ምዃኑ ስለ ዝተረድአ።
“እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓ’ዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ ኣነ ግና ኽንእስ ይግባእ።” ብምባል ሓጐሱ ምልኣትን ፍጻመን ዚረክብ፡ ጐይታኡ ኣብኡ ምስ ዚኸብር፡ ንሱ ድማ ምስ ዚንእስ (ምስ ዚዋረድ) ምዃኑ ተኣመነ (ዮሃ 3፡29,30)። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ድማ፡ “(ተልእኾይ) ንምፍጻም ከይሓፍር ብዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋን’የ። ከም’ቲ ዅሉ ሳዕ (ዝብሎ) ሕጂ’ውን እንተ ዀነ (እብል ኣለኹ)፡ እንተ ብህይወት እንተ ብሞት፡ (ብስጋይ) ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ’የ።” ብምባል፡ ናይ ህይወቱ ዕላማ ንክርስቶስ ምኽባር ከም ዝዀነ፡ ካብ’ዚ ዕላማ’ዚ ድማ ሞት’ኳ ከም ዘይዕንቅፎ ተኣመነ (ፊል 2፡20,21 ካ.ት)። ምእንቲ ኽብሪ ክርስቶስ ንሱን ካልኦት ሃዋርያትን ዝገበርዎን ዝዀንዎን ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብዜስተንክር መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዅላቶም ኴንና፡ ከም’ቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለ’ዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና። “ 1ቈረ 4፡9-13።
ብኸም’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣገባብ ንህይወቱ ኬሕስር ፍቓደኛ ዘይኰነ ሰብ፡ ንክርስቶስ ብምልኣት ኬኽብሮ ፈጺምካ ኣይሕሰብን’ዩ።
ኣብ ህይወትካ ንክርስቶስ ምኽባር፡ ንሃዋርያት ወይ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝተዋህበ ተልእኾ ኣይኰነን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓብይን ንእሽቶን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣገልጋልን ምእመንን ክርስትያን ናይ ህይወት ተልእኾ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ፡ ብስጋኩም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ ወዘተ ዚብልን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይጠቅስ ካልእ ብዙሕ ትእዛዛት’ውን ተዋሂቡና ኣሎ (1ቈረ 6፡19,20፣ 10፡31፣ ቈሎ 3፡17)። ንበዳሊና ብትዕግስቲ ኽንጸውር ከለና፡ ሓሶት ተጸዪፍና ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ንዚጸልኣና ኸነፍቅር፡ ንዘቐየመና ምሕረት ክንገብር ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽንንሳሕ፡ ንዝተጸገመ ኽንረድእ ከለና ንክርስቶስ ኣብ ህይወትና ነኽብር ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ብኣንጻሩ ኽንመላለስ ከለና ድማ፡ ነቲ ንክርስቶስ ናይ ምውራድ ሰይጣናዊ ተልእኾ ዕላማ ህይወትና ጌርና ንተግሃሉ ኸም ዘለና’ውን ነስተውዕሎ ደኣ!!
ኣብ ህይወትና ንክርስቶስ ናይ ምኽባርና ረብሓ እንታይ’ዩ፧ ንሕና ኣብ’ዚ ናይ ውርደት ስጋና፡ ኣብ’ዛ ሓጻር ዕድመና ኢና ነኽብሮ። ንሱ ግና ኣብ’ታ እትመጽእ ዓባይን ክብርትን መንግስቱ ንዘለኣለም በቲ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ረዚን ምሉእን ክብሪ ኬኽብረና’ዩ (2ቈረ 4፡16,17)። ንሕና ኣብ’ዛ ሕስርቲ ዓለም ኣብ ቅድሚ መወትትን ሕሱራትን ሰባት ኢና ነኽብሮ። ንሱ ግን ኣብ ቅድሚ’ቲ ክቡር ኣምላኽን ክቡራት መላእኽቱን’ዩ ኬኽብረና (ማቴ 10፡32,33፣ ማር 8፡38፣ ሉቃ 12፡8,9)። እቲ ንሕና ንእኡ እንህቦ ኽብሪ ክንዲ ሓንቲ ንእሽቶ በሰር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ንሱ ንኣና ዚህበና ኽብሪ ግን ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ዝዀነ ዓይነት መግለጽን መረዳእታን ዘይርከቦ’ዩ። ዋላ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ኪገልጾ ዘይክእል’ዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣና ምእንቲ ኺርድኣና ተባሂሉ ንኣና ኺርድኣና ብዚኽእል ቋንቋን ኣገላልጻን’ዩ ተጻሒፉ። ክርስቶስ ነቶም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣብ ስጋና ዘኽበርናዮ፡ በቲ ንሱ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኣብ ሰማያት ኬኽብረና’ዩ። ከም ጸሓይ ኬድምቐና’ዩ ኣብ ዝፋኑ ኬቐምጠና’ዩ (ማቴ 19፡27-29 ፣ ሉቃ 22፡28-30 ፣ ዮሃ 17፡22-24 ፣ ሮሜ 8፡18,19 ፣ 2ቈረ 4፡16,17 ፣ ራእ 3፡21) ነቲ ብዘይ ምርመር ኣእምሮ መለኮት ዝተዳለወ ኽብሪ፡ ብኣእምሮ ስጋ ኽንርድኦ ኢልና’ውን እንተ ዘይፈተንና’ዩ ዚሓይሽ። ምኽንያቱ ዓይኒ ሰብ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ሰብ ዘይሰምዓቶ ብልቢ ሰብ’ውን ዘይተሓስበ ኽብሪ’ዩ ተዳልዩልና ዘሎ (1ቈረ 2፡6-9) ። እቶም ንክርስቶስ ኣብ ህይወቶም ዘኽበርዎ ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያት፡ ነቲ ኣብ ደብረ-ታቦር ዝረኣይዎ ክብሪ ክርስቶስን ክብሪ ነብዪ ሙሴን ነብዪ ኤልያስን ኪጾርዎ ኣይከኣሉን (ማቴ 17፡1-8) ነቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዘኽበርዎ ዅላቶም፡ እቲ ኽብሪ’ቲ ኣብ ሰማያት ይጽበዮም ኣሎ። ንምስሊ ወዱ ኽንመስል፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናተሰጋገርና ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ኽንልወጥ ኢና (2ቈረ 3፡17,18) ነዚ መለኮታውን ሰማያውን ክብሪ’ዚ ዚበቕዕዎ፡ እቶም “ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ” ተባሂሉ ዝተመስከረሎም ጥራሕ’ዮም።
ጐይታንናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባና እንታይ ኢሉ ይምስክርን ይእመንን ይህልው፧ ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ንፉዓት ጸምበልቲ በዓላት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣሰር ሃዋርያት ቋምና ደቂ ዓዶምን መዋርስቶምን ምዃንና ነረጋግጽ። ሓቀኛን እሙንን ምስክር’ዩ’ሞ፡ “ኣነ ኣብኡ /ኣብኣ ከበርኩ” ኢሉ ዚምስክረሉ ህይወት ከም ዘሎና ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነረጋግጽ (ኤፌ 2፡19,20)!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ሚያዝያ 15, 2015 ግዕዝ (23 ሚያዝያ 2023 ፈ [መበል 33 ሰንበት: ቊ.፵፩/41, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ.39 ፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬ “እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ። ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር። ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ። ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-37 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 17፡1-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ