S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝምድና ፍረን ዕብየትን

ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳብ 15 ዘሎ ሳምንቲፍረተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተስሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ኵሉውን ፍረ ጠቀስ እዩ። አብ ዝሓለፉ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባምስላ ዘርእን ዘራእን፡ከምኡ ድማምስላ ስርናይን ክርዳድንከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ።

እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ አብ ማር 426-29 ተጠቒሱ ዘሎመንግስቲ አምላኽ ዘርኢ አብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብአይ እያ። ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቍል ይዓብይውን፡ እታ ምድሪ ባዕላ ትፈርይ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ድሐር ሰዊት (ዘለላ) አብቲ ሰዊት (ዘለላ) ድማ ብጹሕ ስርናይ (ይፈርይ) (እቲ ስርናይ) ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዮሞ፡ ማዕጺዱ ይስደድ።ብምንባል፡ ዝምድና ምዕባይን ምፍራይን ብንጹር ስእሊ ገሊጹልና አሎ። ምዕባይ እንተ ዘየልቦ፡ ምፍራይ ከቶ ኺህልው አይክእልን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ አብ ኵሎም ህይወታውያን እንስሳታትን አትክልትን ሰብን ብማዕረ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብቲ ፍጥረታዊ ዓለም ጥራይ ዘይኰነ፡ አብቲ መንፈሳዊ ዓለምውን ዝስርሕ ሓቂ እዩ። እዚ ሳምንቲ እዚ ድማ ምድሪ ፍሪአ እትህበሉ ጊዜ ብምዃኑ ንአምላኽ ከነመስግንን፡ ብዛዕባ ንሕና ኸም መንፈሳውያን ግራት ከነፍርዮ ዚግብአና ፍረውን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ምኽንያቱ ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ህይወትና ብግራት መሲሎም ምሂሮምና እዮም። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡አነ ተኸልኩ፡ አጵሎስ ኣስተየ፡ አምላኽ ግና አብቈለ። እምበአርሲ እቲ ዜብቍል አምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስትይ ዚዓብስዎ የብሎምን።. . . ንሕና መዓይይቲ አምላኽ ኢና፡ ንስኻትኩም ግራት አምላኽ፡ ህንጻ አምላኽ ኢኹም ዝበሎ ቓል ንሕና ግራት አምላኽ ምዃንና ብንጹር ዜርእየና እዩ (1ቈረ 36,7,9) ስለዚ ኸም ግራት አምላኽ መጠን ነቲ አባና ዝዘርኦ ቓሉ አብቍልና፡ ኣዕቢና፡ አፍሪና ኽንመልስሉ ሰብ ሕድሪ ኢና።

ካብኡ ሓሊፍውን፡ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ንርእሱ ብጉንዲ ወይኒ ዝመሰል፡ ንኣናውን ብተኽሊ ወይንን ብኦም በለስን አውልዕንውን ይምሰለና እዩ።፡ ንአብነት ብሓፈሻ ንህዝቢ እስራኤል አመልኪቱ፡ አብ ትንቢት ኢሳያስ፡እቲ አታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል፡ እዩ። እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸአ ሰብ ይሁዳ እዮም።ብምባል አረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 57) ሊቀ መዘምራን አስፋውንጒንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጒካውን ተኸልካያ።ኢሉ አሎ (መዝ 808) አስዒቡ ብዛዕባ ህዝቡ ኺጽልይ ከሎ ድማ፡ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ተመለስ፡ ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ርኤ፡ እንሆ ኸኣ ነዛ ወይንን፡ ነዛ የማነይትኻ ዝተኸለታ ኦምን፡ ነቲ ንኣኻ ኢልካ ዘጽናዕካዮ ጨንፈርን ብጽሓዮም።ኢሉ ናብ አምላኽ ተማሕጸነ (መዝ 8014,15) ስለዚ እንተ ኸም ግራት እንተ ኸም ተኽሊ፡ ብምዕባይ ፍሬኻ ናይ ምብዛሕ ሓላፍነት ከም ዘሎና ኽንዝንግዖ ኣይግባእን።

ገና አብ ደረጃ ሳዕሪ ወይ ጮማ ብቚሊ ዘሎ ዘርኢ ስርናይ ፍሬ ኺህብ አይክእልን እዩ፡ ዋላ ዘለላ አውጽኡ ምፍራይ አብ ዚጅምረሉ ጊዜውን ከምኡ፡ ፍረ ኽትጽበዮ አይከኣልን እዩ። ስለዚ እቲ ዘርኢ ፍረ ኽህበካ ዚኽእል፡ ብመንጽር እቲ ዝተተኽለሉ ጊዜ እናዓበየ ምስ ዚኸይድ እዩ። እንተ ብስእነት ማይ እንተ ብዋሕዲ መአዛዊ ማዕድናት ከይዓብየ ምስ ዚተርፍ ግና ፍረ ኺህብ አይክእልን እዩ። እታ ፍረ አድሪ ካብ ኵሉ ዓይነታት ዘርኢ አሕምልቲ ኣዝዩኣ ዝነአሰት ክነሳ፡ ዕብየት ስለ ዘይተቋርጽ ናብ ደረጃኦም ዓብያ ካብታ ፍረ አድሪ ብተዓጻጻፊ ንዚዓብያ ሓያሎ አዕዋፍ እንዳን መጽለሊትን ክትከውን ትበቅዕ። እቶም ዝዓብዩ ዘርኢ አሕምልቲ ግን ሓጺር ናይ ዕብየተ ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፡ ንኻልኦት ህይወታውያን ኪጸሩን ኬጽልሉን ኣይክእሉን እዮም።

ጐይታ በዚ ኽልተ ምስላታት ገይሩ ዘየቋርጽ ዕብየት ብምዕባይ ንፍሬና ኽነብዝሕ ምዒዱና አሎ። ብአካል እናዓብና ኽንካይድ ከሎና እናደልደልና፡ ናይ ምግባር ዓቕምና እናወሳኻ፡ ፍሬና ድማ እናበዝሐ ኸም ዚኸይድ፡ አብ መንፈሳዊ ህይወትናውን እናዓበና ምስ እንኸይድ ኢና ንፍሬና እነብዝሖ። ሃዋርያ ጴጥሮስእግዚአብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጽናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸጋ ብሃግዎ።ብምባል ምድሓናውን እናዓበየ ኪኸይድ ከም ዚግብኦን፡ ምሉእን ቅልጡፍን ዕብየት ንምዕባይውን ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ማለት ሕዋስ ዘይብሉ ቃል እግዚአብሔር ክንምገብ ከም ዚግብኣና አመልኪቱና ኣሎ (1ጴጥ፡ 2-3)።ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስብአምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ አምላኽ ብክርስቶስ ኬንና ንዛረብ አለና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል አምላኽ ዚሓዋውሱ አይኰንናን።ብምባል ተአመነ (2ቈረ 217)

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መራሕነት ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ዝተረከበ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ብኸመይ አብ ውልቁ ህይወቱ ዀነ አብ አገልግሎቱ ዕውት ከም ዚኸውንነቶም አመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት ብንጽህናውን ኣርአያ ዂኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን አቕልብ፡. . . ነዚ አጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ከም ዘለኻ፡ አብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር ብምሉእ ርእስኻ ወፍይ።ብምባል ጸሓፈሉ (1ጢሞ 4 12,13,15) ስለዚ ንሓደ ብዙሕ ብምፍራይ ንአምላኽ ኬኽብር ዘንቀደን ዝተዓጥቀን ክርስትያን፡ ብዛዕባ እናዓበካን እናወሰኽካን ምኻድ ብዕምቈት ኪሓስበሉን ኪግደሰሉን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምሉእ ፍቓዱን ዓቕሙን ኪውፈየሉ ናይ ግድን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ “. . .  ተማቐልቲ እቲ አምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ክትኰኑ፡ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ።አብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ አብታ ድግነትውን ፍልጠት (ወስኹ) ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ (ወስኹ)፡አብቲ ምግባእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚአብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚአብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ አብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዂሉ ሰብ (ወስኹ) እዚ ነገር እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።ተባህለልና (2ጴጥ 14-8) እምበአር ካብዚ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ ካብቲ ባህርያት አምላኽ ነቲ ዘዝጐደለካ ክትውስኽ፡ ነቲ ዘዝወሰኽካዮ ድማ እናአብዛሕካዮ እናማዕበልካዮን ክትከይድ ይግባእ። ንአብነት እቲ ዘይነበረካ እሞ ዝወሰኽካዮ ባህርይ ፍቕሪ እንተ ዀይኑ እቲ መጠን ናይ ፍቕሪኻ እናወሰኻ ኪኸይድ፡ ከምቲ ክርስቶስ ጐይታና ናይ ህይወቱ ምእንታና በጃ አሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ ዘፍቀረና፡ ንሕና ድማ ህይወትና ነቶም ዘፍቀርናዮም ህይወትና ምእንቲኦም በጃ ክንገብር ክሳዕ እናኽእል ፍቕርና እናዓበየ ኪኸይድ ይግብኦ ማለት እዩ (1ዮሃ 316) ቅድሚ ሕጂ ንዘይበደለና ሓውና ጥራይ ከነፍቅር እንተ ጸኒሕና፡ ሕጂ ግና ዋላ እናበደለና ኸሎውን እቲ ፍቕርና እንተ ቐጺሉ እንተ ዘይጐዲሉ፡ አረ ኻብኡ ሓሊፉ ፍቕርና መሊሱ እንተ ወሲኹ፡ ሽዑ ብፍቕሪ እናዓበና ንኸይድ ከም ዘሎና ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንዚፈትውና ጥራይ ነፍቅር እንተ ዄንና ግና እዚ ፍቕሪ ዓለም እምበር ፍቕሪ ክርስቶስ ኣይኰነን። እቲ ፍቕርና ዝተማልአ ዕብየት የርእይ ከም ዘሎ እንፈልጥ፡ እቲ አብ 1ቈረ 134-7 ተዘርዚሩ ዘሎ ባሕርያት ፍቕሪ ዂሉ ይማላእ እንተልዩ እዩ።ብትዕግስቲ እንተ ዀነውን ልክዕ ከምኡ ኽንዓብይ ይግብአና። ቅድሚ ሕጂ ንእሽቶ በደለ እንተ ወሪዱና፡ ዕጽፊ እንምልስን እንጸልእን እንቕየምን ሰባት ዝነበርና፡ቍሩብ ትዕግስቲ ምስ አጥረና፡ ዕጽፊ ኻብ ምምላስ ብኽንደይ ገድሊ ርእስና ንዓግት፡ አብ ውሽጥና ግን ጓሂ ይስምዓና፡ ነቲ ሰብ ዝነበረና ፍቕርን አኽብሮትን ግን ይጐድል። ትዕግስትና እናዓበየ እንተ ኸይዱ ግና፡ እቲ ብኽንደይ ገድልን ጓህን እንዕገስ ዝነበርና፡ ብቐሊሉን ብሓጐስን ክንዕገስ የኽእለና ካብ ትዕግስቲ ክርስቶስ ዝበዝሐ ተኻፊልና ንትዕግስትና እንተአብዚሕናዮ ግና፡ የማናይ መልትሕና ንዝወቕዓና ነታ ጸጋመይቲውን ነዳልወሉ፡ ነቲ ቐምሽና ኺወስድ ዚማጐተና እታ ኽዳንናውን ንሓድገሉ፡ ማለት ተወሳኽን ዝኸበደን በደል ንምቕባል ድሉዋት ንኸውን። ነቲ ንሱ ዜሕድገናን ዚብድለናን ዘሎ ዘይኰነስ፡ ነቲ ክርስቶስ ዜካፍለና ዘሎ ባህርያቱን ነቲ ንሱን ትዕግስትና አዳልይዎ ዘሎ ኽብረትን ብምርአይ ንሕጐስን ንጸናንዕን ማለት እዩ። ትዕግስትካ ፍቕርኻ ወዘተ አብቲ መባእታዊ ደረጃ (አብቲ ደረጃ ጮማ ብቚሊ) ደው እንተ ኢሉ ግና፡ እቲ ዚድለይ ፍረ ኣይህብን እዩ። ዘየፍርይ ዘበለ ዂሉ ድማ ተቘሪጹን ተዓጺዱን ናብ ሓዊ እዩ ዚድርበይ። ህይወትና፡ ልክዕ ከምታ ፍረ አድሪ፡ ብዘይ ደረት እንተ ዓብዩ ግና፡ ፍሬና ይበዝሕ፡ ካባና ንዚኸብዱ ኵነታትን ሰባትን ክንጸውርን ክንዕገስን ንኽእል። እናዓበና ብዝኸድና መጠን ንክርስቶስ ናብ ምምሳል ኢና እንዓብይ። ንክርስቶስ ብባህርያትና ብዝያዳ እናመሰልናዮ እንተ ኼድና ድማ ኵሉ እቲ ሓሳባትናን ቓላትናን ተግባራትናን ልክዕ ነቲ ናቱ ይመስል፡ ብአገግሎትና ዀነ ብህይወትና፡ ከምታ ፈራዩት ወይኒ ዙብ ኢልና ንፈርይ፡ እግዚአብሄር ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከአ ኣባናን ብአናን ይኸብሩ። ከይዓበና፡ ዕድሜና ምሉእ አብ መፍንሳዊ ቚልዕነት ተደሪትና እንተ ነበርና ግና ፍረ- መንፈስ፡ ፍረ ጽድቂ ዘይርከበና፡ ንመርገም እተቓላዕና፡ ንጥፍአት ዝተመደብና ዓያሱ ኢና እንኸውን ብዕብየት ፍሬና ንምብዛሕ አጸቢቕና ንሕሰብ ምሉእ ሓይልናን ርእስናን ድማ ንወፍየሉ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 23, 2018 (መስከረም 13, 2011 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 676-7

ምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላኽነ ወይባርከነ እግዚአብሔር። 

ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቈረ 91- ፍጻ

 

ዲያቆን

ወንጌል ማር 424-39 

ያእ 51-10

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ወልደ ነጐድጓድ

ግብ 19 21- ፍጻ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div