S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ግኑን ግርማ ኽብሪ!!

እዚ ሰንበት በዓል ደብረ ታቦር እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ደብረ ታቦር ጐይታና ካብቲ ኣዘውቲሩ ዝኸዶ ዝነበረ ኣኽራናት ሓደ እዩ። ኣብ ሳድሳይ መዓልቲ ናይቲ ኢየሱስ ንሱ እቲ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ መዓልቲ (ማቴ 1616) ንሰለስተ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስ ሒዙ ናብዚ ኸረን እዚ ደየበ። ኣብኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ትርኢት ረኣዩ። ጐይታኦም ዘንጸባርቕ ግርማን ክብሪን ለቢሱ ምስቶም ዓብይቲ ዝሓለፉ ነብያት ሙሴን ኤልያስን ክዘራረብ፡ ካብ ሰማይ ድማ ብእኡ ዝሰመርኹ ፍቁር ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ ኢሉ ዝምስኽር ድምጺ ሰምዑ።

እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ጉዕዞ እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ጠርዛዊ ፍጻሜ እዮም። ነቲ ሓሳቦም ስለዝተደፍነ፡ ክሳብ ሕጂ ምርኣዮ ስኢኖሞ ዝጸንሑ መለኾታዊ መንነት ክርስቶስ ኣዒንቶም ዝረኣይሉ እዋን እዩ። ነቲ ኣቐዲሙ ብኣፍ ሓዋርያ ጴጥሮስ ተገሊጹ ዝነበረንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻዝብል ምእማን፡ ናብ ዘይንነቓነቕ ርግጽነት ዝቕይር ማሕተም ድማ እዩ ኔሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ርግጽነት ድማ ብዘይካ እቲ ገና ኣብ ምብጋስ ቤተ ክርስትያን ዝተሰየፈ ያእቆብ፡ እቶም ክልተ ሓዋርያት ኣብ ጽሑፋቶም ከምዚ ዝበሉ፥እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም አሎና።” (1ዮሃ 11-4)ነቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” (2ጴጥ116-19) ነዞም ከምዚ ብዝበለ መገዲ ክብሩ ዝገለጸሎም ሓዋርያቱ ድማ፡ ነታ ብድሕሪኡ ሓዲግዋ ዝኸይድ ዘሎ ኣካሉ (ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን) ከም ኣዕኑድ ዝዀነ መራሕቲ ገይሩ ሸሞም። ካብዚ ርግጽነት ዝተላዕለ ድማ ብዓብይ ትብዓት ነቲ ዝረኣይዎ ክብሪ ንምእማን ህይወቶም ንሰማእትነት ክሳብ ምውፋይ ድልዋት ዀኑ።

ኣገዳስነት ምግላጽ ክርስቶስ ብመለኾታዊ መንነቱ ኣብ ደብረታቦር፡ ንእምነት ክርስትና ብዘይ መጠን ዓብይ እዩ። ክሳብ እታ እዋን እቲኣ፡ ብብዙሕ መገዲ ብተኣምራታቱን ትምህርትታቱን ኣምላኻዊ መንነቱ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚታት እንተ ነበረ እዃ፡ ነቲ ድኹም ናይ ሰባት ምስትውዓል ግና ብቆመናኡ ብልጭታ ናይቲ ሰማያዊ ክብሩ ብምግላጽ ከም ጌይሩ ንደቀ መዛሙርቱ ርግጽነት ክህቦም ዝኽእል ዝነበረ ኣነበረን። ደብረ ታቦር እምበኣር፡ ክርስቶስ ንሱ እቲ ምልኣት መለኾት ብስጋ ዝሓደሮ ጐይታ ምዃኑ ዝተገልጸላ ቦታ እያ (ቆሎ 29)

ካብዚ ናይ ደብረ ታቦር ታሪኽ እንመሃሮ  መንፈሳዊ ሓቅታት ብዙሕ እዩ። እቲ ናይ መጀመርያን ዝዓበየን ትምህርቲ፡ ምርኣይ ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ለውጢ ህይወት ናይ ደቂ ሰባት ዘለዎ ተራ እዩ። ክብሪ ኣምላኽ ርእዩ፡ ከም ዝነበሮ ዝኸውን ሰብ የልቦን። ሰብ ክብሪ ኣምላኽ እንተ ርእዩ ህይወቱ ኣምላኽ ዘማእከለ (God Centered) እዩ ዝኸውን። ብኹሉ መገዱ ድማ ርእሱ ኣዋሪዱ ክብሪ ኣምላኽ ዝእመነሉን ዘዕብየሉን ህይወት እዩ ዝህልዎ። ኣዞም ሰለስተ ደቐ ምዛሙርቲ፡ ነቲ ዘደንቕ ክብሪ ጐይታ ብዒንቶም ምስ ረኣዩ፡ ሰለስተ ዳስ ክሰርሑ፡ ሓንቲ ንክርስቶስ፡ ሓንቲ ንሙሴ፡ ሓንቲ ድማ ንኤልያስ ሓተቱ። ንርእሶም ግና ካብቲ ቁጽሪ ኣትረፍዋ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ምስ ክብሪ ኣምላኽ ፊት ንፊት ተራኺቦም ህይወቶም በዚ ከምዚ መገዲ ዝተለወጠት ብዙሓት ኣብነት ኢና እንረኽብ። ሙሴ፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዓቃልን ትሑታትን ሰባት ሓደ ምዃኑ ኣምላኽ መስኺርሉ እዩ (ዘሁ 123) እዚ ከምዚ ዝበለ ህይወት ግና ውጽኢት እቲ ኣብ ከረን ሲና ንኣርብዓ መዓልትን ለይቲን ዝተራኸቦ ክብሪ ኣምላኽ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝተላዕለ ንሱ ንርእሱውን ገጹ ክሳብ ዘንጸባርቕ ከም ዝተለወጠ ነንብብ። ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቱ ብተኣምራታዊ ምግፋፍ ዓሳ ክብሩ ምስ ገለጸሉ፡ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ፡ ካባይ ረሓቕብምባል ርእሱ ኣዋሪዱ ዕቤት ጐይትኡ ተኣመነ እምበር ከም ቅድሙ ንርእሱ ዝርእየሉ ዓቕሚ ኣይተረፎም (ሉቃ 51-10) ብተመሳሳሊ ነብዪ ኢሳያስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ብክብሩ ተገሊጹ ብራእይ ምስ ተራእዮ፡ ዕቤት ግርማ ኣምላኽ ንሓጥእ መንነቱ ኣብሪሁ ስለ ዘርኣዮከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩክብል ተሰምዐ (ኢሳ 61-5) ሳውል፡ ብቅንኣት ኣቦታቱ ተለዓዒሉ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ከሳጕግ ካብ ሊቀ ካህናት ኣይሁድ እተንበልብል ናይ ፍቓድ ደብዳቤ ሒዙ እናተጓዕዘ ከሎ፡ ጐይታ ብድንገት ኣብ መገዲ ደማስቆ ብጸዳል ብርሃን ብክብሩ ምስ ተራኸቦ፡ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ብምባል ካብቲ ከሳጕጎ ዝጸንሐ ጐይታ መምርሒ ክቕበል ርእሱ ኣትሓተ (ግብ 91-6) ድሕርዚ ድማ ህይወቱ ከምቲ ዝነበሮ ኣይነበረን። ንርእሱ ከም ዓቀይታይ ናይቲ እንተኣድለየ ከቲሩ ኣብ ኣንፊ ብልሒ ምህላውካ ኣዘኪሩ ከጠንቅቕ ዝኽእል ንጉስ፡ ርእዩወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይብምባል ነቲ ዝተቐበሎ መምርሒ ብዓቢ ተወፋይነት ኣጽንዖ (1ቈረ 916)

እቲ ካልኣይ ካብዚ ታሪኽ ክንመሃሮ ዘሎና ድማ፡ ነቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ለውጢ ናይ ህይወት ዘብቅዓና ምርኣይ ክብሪ ኣምላኽ እንረክበሉ መገዲ እዩ። ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ዝገብሮ ዝነበረ ፍጻሜታት መፈጸሚ ዝኹነ ቦታውን ይመርጽ ምንባሩ ብሩህ እዩ። እቲ ክብሩ ክገልጸሉ ጽመረጾ ቦታ ድማ ከረን እዩ ዝበነረ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ንከረን ዝወሃቦ ትርጉም ዘሳኒ እዩ። ከረን ከም በሪኽ ቦታ መግለጺ ክብሪ ኣምላኽ ዝዀነ ቦታ እዩ። ከረን ናይ ጽድቅን ቅድስናን ኣምላኽ መግለጺ እዩ (መዝ 15:1)  ከረን ግና ብቀሊሉ እትድይቦ ቦታ ኣይኹነን። ናብ ከረን ምድያብ ገድሊ ዝጠልብ ተመኽሮ እዩ። ኢየሱስ ክጽልየሉ ዝመርጾ ዝነበረ ቦታ ከረን ምንባሩ ነንብብ ኢና። ኣምላኽ ክብሩ ነቶም ብጸሎት ነቒሖም ዝደልይዎ እዩ ዝገልጸሎም። ስለዚ እቲ ናብ ከረን ምድያብ ብጸሎት ናይ ምንቃሕ ህይወት እዩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ከየባተኽና ክንጺ፡ ብጸሎት ክንነቅሕ፡ ብጸሎት ክንጋደል ከም ዘሎና ዝምዕደና። ናብ ከረን ንምድያብ ገድሊ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ጸሎት ንምንቓሕውን ገድሊ ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። እዚ በዓል ኣብ ውሽጢ እዚ ዘሎናዮ ናይ ጾምና ግዜ ምስ ምዃኑ ድማ ንምርኣይ ክብሪ ኣምላኽ በቲ ዝለዓለ መገዲ ጸሎት፡ ንሱ ድማ ብጾም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንነቕሕ ከም ዝግብኣና ዘዘክረና እዩ። እቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታና፡ ብጾምን ብጾሎትን ገጽ ኣምላኽ ምስ ደለዩ ኣምላኽ ክብሩ ገሊጹሎም እዩ። ሊቀ ነብያት ሙሴ፡ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ብጾም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረበ፡ ኣምላኽ ርእሱ ገሊጹ ንውሉድ ወለዱ ዝኸውን ፍቓዱ ብኢዱ ንህዝቡ ሃበ።

ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብጸሎት ነቂሑ፡ ነቲ ሓይሊ ዝህብ ክብሩ ዘይረኣየ ሰብ፡ ኣብ ታሕቲ ወሪዱ ደው ክብለሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ከስልጠሉ ዝኽእል ዓቅሚ ክህልዎ ኣይክእል እዩ። ነብዪ ሃጌ፡ ነቶም ምስራሕ ቤት ኣምላኽ ሓዲጎም ኣብ ርእሶም ዘተዀረ ህይወት ዝመርሑ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ከምዚ ብምባል ገነሖምግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዓንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፧ከም ምፍትሒ ናይዚ ግህሰት ድማ ከምዚ ኢሉ መዓዶም፥ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር” (ሃጌ 13-4 8) ምስጢር ናይቲ ኣምላኽ ዝኸብረሉ ህይወት እምበኣር ኣብዚ እዩ ዘሎ - ናብ ከረን ደዪብካ ንመስርሒ ቤት ኣምላኽ ዝኸውን ነገር ሒዝኻ ምውራድ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ዝቐርበላ፡ ንቅዱስ ክህነት እትከውን መንፈሳዊት ቤት ህይወትና እያ። እዛ ህይወት እትህነጽ ግና በቲ ህያው እምኒ፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ እያ። ምእንቲ በዚ ክንህነጽ ግና ናብኡ ናብቲ ህያው እምኒ ክንቀርብ ከም ዘሎና ሓዋርያ ጴጥሮስ ይምዕደና (1ጴጥ 21-5) እዚ ድማ ካብ ሓጢኣት ብዝተፈልየ ህይወት፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ከረን ቅድስና ምድያብ ማለት እዩ። ኣምላኽ ነቶም ዝቐረብዎ ቅዱሳኑ ክብሩ ብምግላጽ ካልኦት ሰባት ዝገብር ኣምላኽ ምዃኑ ክንርኢ ጸኒሕና ኢና። ሙሴ ኣባጊዕ ሓሙኡ የትሮ እናጓሰየ ከሎ፡ ኣምላኽ ብዝነድድ ግናከ ዘይህሞኽ ቖጥቛጥ ምስ ተገልጸሉ፡ ፍቓዱ ከፍልጦ ግና ቅድም ክርኢ ምቕራቡ ከረጋግጽ ነበሮ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንቅድስና እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ብዝዳግ ኣቃውማ ምእንቲ ክቐርብ ነቲ ምልኽት ሓጢኣት ዝዀነ ኣሳእን ካብ ኣእጋሩ ከውጽእውን ተነግሮ (ዘጽ 34-5) ምድላይ ምርኣ ክብሪ ኣምላኽ ግና ዘቛርጽ ከም ዘይዀነ፡ ካብ ህይወት እቲ ሓለፋ ኵሉ ሰብ ብርኣይ ክብሪ ኣምላኽ ዝተመዀረ ባርያ ኣምላኽ ሙሴ ንምሃር። ደጋጊሙእምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒይብሎ ነበረ (ዘጽ 3318) ስለዚ ንሕናውን እናወሰክ ብዝከይድ ምርኣይ ክብሪ ኣምላኽ ክንዓቢ ንኣምላኽክብርኻ ኣርእየኒኢልና ብጾም ጸሎትን ንጋደል። 

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 19, 2018   (ነሓሰ 13, 2010 ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 8812-13

ታቦር ወአርሞንዔም በስመ ዚአከ ይትፌስሑ፡ ወይሴብሑ ለስምከ፡ መዝራዕትከ ምስለ ኃይል።

“. . .  ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ። ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፡ ኢድካ ብርትዕቲ፡ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ዕብ 31-19

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 171-14

2ጴጥ 115-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ/ቅዳሴ ማርያም

ግሃ 744-55

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div