S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።

“... ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።ማር 834

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብአቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳብ 25 ንዘሎ ቕንያትመስቀልኢላ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና አዕሚቘም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል አብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ኽንምርምርን ዝተሰርዓላና ቕንያት ድማ እዩ።

በዚ አብ መስቀል ዝፈሰሰሎምን ዝተሰቘርሰሎምን (ዝሞተሎን) ስጋን ዘይደሕነን ዘይተቐደሰን ሰብ እቲ ጐይታ ዝተሰቐለሉ መስቀል ዝተረኽበሉ መዓልቲ እንተ አብዓለ ዚረኽቦ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የልቦን። ነቲ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ስርየት ሓጢኣትን ድሕነትን ከም ዚግባእ ተረዲኡን አሚኑን ኬብቅዕ፡ እቲ ኸም ሰዓቢ ክርስቶስ ክርስትያን መጠን ገዛእ ርእሱ ቐቢጹ ናይ ገዛእ ርእሱ መስቀል ተሰኪሙ ዘይስዕብ ሰብውን፡ ብመስቀል ክርስቶስ ዚረኽቦ ዝዀነ ይኹን ረብሓ የልቦን። መስቀል አብ ህይወትና ዓብይ ረብሓ ዚህልዎ እቲ አብ መስቀል ዝተፈጸመ ምስጢር አብ አካላትና አብ ናብራና አብ ኵሉ አካይዳና መዓልታዊ ምስ ዚገሃድ ጥራይ እዩ።

መስቀል ጐይታና ሓጢኣትና ጸይሩ ዝተሰቕለሉ ንስርየት አበሳና ነቲ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዝለዓለ ፍቕሪ ዝገለጸሉ፡ እቲ ዝለዓለ ትሕትናን ትአዝዞን ዘንጸባረቐሉ፡ ንበደልቱ ግና እናበደልዎ ኸለዉ ባዕሉ ምሕረት ገይሩስ እግዚአብሔር አቦኡ ድማ ምሕረት ኪገብር ዝለመነሉ። ምስ አምላኽን ምስ ሓድሕድና ንዕርቂ ዘስፈነሉ፡ ነቲ ናይ ስጋና ዘይኰነስ ነቲ ናይ ነፍስና ዘለኣለማዊ ሞት ተኪኡ ብስጋ አብ መስቀል ዝሞተሉ እዩ። ስለዚ ንመስቀል አኽብሮትን ፍቕርን አሎና ማለት ነዚ ክርስቶስ ጐይታና አብ መስቀ ተሰቒሉ ዝፈጸሞም ዓበይትን ዘለአለማውን ምስጢራት አኽብሮትን ፍቕርን እምነትን አሎና ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ምስጢራት እቲኣቶም አብ ህይወትና ተፈጺሞምን ይፍጸሙን አለዉ እዩ ዜስምዕ። እምበአር እዚ እነብዕሎ ዘሎና ቅንያት መስጢራትን፡ ብመንጽር እዚ ምስጢራት እዚ ህይወትና እንታይ ከም እትመስልን እንምርምረሉ ቕንያት እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ መስቀል ዝተሰከመሉን አብኡ ተሰቒሉ ዝሞተሉን ቀዳማይ ዕላማ ንሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኼርሕቕን ኪድምስስን እዩ። ነቲ አብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ዀነ ነቲ አብ መጻኢ ዚግበር ኵሉ ሓጢኣት ብደሙ ሓጺቡ ዘርሓቐሉ ቦታ መስቀል እዩ። እቲ አብ መስቀል ምእንታኡ ዝተፈጸመ መስዋእቲ ዚአምን ክርስትያን እምበአር፡ ሓጢኣት ዚፍጽመሉን፡ ብሳዕቤን ሓጢኣት ዚሳቐየሉን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ጸጋ አምላኽ (አብ መስቀል) ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዂሉ ሰብውን ምድሓን አምጺኡ፡ ነቲ ብሩኽ ተስፋ ናይቲ ዕዙዝ አምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን (ሓጢኣትን) ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን (ርእስኻ ብምግታእን) ብጽድቅን፡ ብአምልኾን (ብመንፈሳውነትን) ክንነብር ይምህረና ኣሎ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ሓራ ምእንቲ ኺውጽአና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።ዝበሎ ቓል ዕላማ መስቀል፡ መስቀል አብ ልዕሌና ዜንብሮ ሓላፍነትን አመልኪቱና ኣሎ (ቲቶ 211-14)።ብመስቀል ክርስቶስ ዚአምንን ዚሕበንን ክርስትያን ክነስኻ፡ ካብ ሓጢኣትን ዓለማዊ ትምኒትን ግብሪ ዓመጻን ከይነጽህካ፡ አብኡ ተዋሒጥካ ትነብር፡ሰናይ ግብሪ ይትረፍ ክትገብሮ ፈጺሙኳ ዘየቕንኣካ እንተ ዀይኑ ንመስቀል ክርስቶስ ተፍቅሮ ዘይኰነስ ተላግጸሉ ኢኻ ዘሎኻ ማለት እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም አፍቀርቲ መስቀል እንታይ ዘመስል ህይወት ከም ዘለዎም፡ንሱ (ክርስቶስ) ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። አብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ አብኡ ( አብ ክርስቶስ ) ዚነብር ዘበለ ዂሉ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ሰብ፡ (ንክርስቶስ) አይረኣዮን ኣይፈለጦንውን። ደቀየ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ እሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ሰብ ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ካብ ዲያብሎስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዘርኢ አምላኽ (ባህርይ አምላኽ) አብኡ ይነብር እዩ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ አምላኽ ስለ እተወልደውን ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብርን ንሓው ዘየፍቅርን ካብ አምላኽ ኣይኰነን። ውሉድ አምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።ብምባል አነጺሩልና ኣሎ (1ዮሃ 34-10) ስለዚ ካብዚ ብተከታታሊ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓላት እምበአር መስቀል ትእምርቲ ወይ ምልክት ጥራይ ዘይኰነ፡ ግብራዊ ናብራውን ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ንመስቀል ከም ምልክት እምነትና አብ ክዳንና እንተጠለፍናዮ፡ አብ ቈርበትና እንተ ወቀጥናዮ፡ አብ ክሳድና ብማዕተብ እንተ አንጠልጠልናዮ፡ እንተ ተሳለምናዮ፡ እንተ አብዓልናዮ፡ ኣብቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ግና እንተ ዘይነበርናዮ፡ ብአንጻሩ ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ነዘውትር እንተ ዄንና፡ እቲ ብነብዩ ኢሳያስ ዝተባህለ ብጐይታና ድማ ዝተደግመእዚ ህዝቢ እዚ ብአፉ የምልኸኒ (ይቐርበኒ) ብከናፍሩ ድማ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። እቲ ንኣይ ምፍርሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዚኸውን፡ ስለዚ እንሆ፡ አብ ማእከል እዚ ሕዝቢ እዚ ዜደንቕ ተግባር፡ እወ ዜደንቕ (ናይ መቕጻዕቲ) ተግባርን ተአምራትን ወሲኸ ክገብር እየ፡ ጥበብ እቶም ጥበበኛታቱ ኺጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም አስተዏልቲ ኺድፈን እዩ።ዚብል ቃል ኣባና ይፍጸም አሎ ማለት እዩ (ኢሳ 2913-14 ማቴ 157-9) ካብዚ ቓል እዚ ከም እንርድኦ፡ ብዛዕባ እምነት ካብ ኣፍን ካናፍርን ሓሊፍካ ብልባውን ግብርውን መገዲ ንስዕቦ እንተ ዄንካ እቲ እምነትካ ግብዝነት ዘይብሉ ሓቀኛ እዩ፡ ብአንጻሩ አምልኾኻ ኣፋዊ ኻብ ምዃን ዘይሓልፍ እንተ ዀይኑ ግና ነቲ መንፈሳዊ እምነትካ ናብ ሰብኣዊ ባህሊ ለዊጥካዮ ማለት ስለ ዝዀነ እግዚኣብሄር ብዜደንቕን ዜስክሕን ፍርዲ ኪቐጽዓካ ትድርኾ ከም ዘሎኻ ምርዳእ ኣገዳስን ብልህነትን እዩ።

ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝጸሮ መስቀል ጥራይ ዘይኰኑ፡ ብዛዕባ ንሕና ኽንጸሮ ዚግብኣና መስቀልውን ደጋጊሞም ገሊጾምልና እዮም። ስለዚ ድማ ጐይታዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ ሰብ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ መስቀሉውን የልዕል እሞ ይስዓበኒ።ኢሉ ብንጹር አፍለጠና። ከምቲ ክርስቶስ አብቲ ዝጸሮ መስቀል ባዕሉ ዝተሰቕለ፡ ንሕናውን አብቲ እንጸሮ መስቀል ክንስቀል ናይ ግድን እዩ። እንተ ዀነ ብአካል ስጋ ኣይኰናን እንስቀል። ክርስቶስ፡ ንሓጢአት ካብ ማእከልና ኬርሕቖ እተሰቕለ። ነዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ (ነቲ ሓጢኣት) መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።ብምባል ገሊጽዎ አሎ (ቈሎ 214) እምበኣር ነቲ ክርስቶስ ካብ ማእከልና ኣርሒቑ አብ መስቀል ዝሸንከሮ ሓጢኣት ኲሉ ጊዜ ኻባና ርሒቑ ኺነብር እምበር ካብኡ አውሪድና ኽንፍጽሞም ክንነብሮን ኣይግባኣናን እዩ። ስለዚ ድማ “. . . ጸጋ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡  ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ . . . ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። . . . ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ሰብነትና (ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። ከመይ እቲ (ተሰቒሉ) ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ ተባህለልና (ሮሜ 61-7) እምበአር መስቀሉ አልዒልካ ደድሕሪኡ ምስዓብ ማለት ካብ ሓጢኣት ምፍጻም ሓራ ምውጻእ፡ ብሓዳስን ጽድቂ ብዝመልኣ ህይወትን ምምልላስ ማለት እዩ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ (ገላ 524)።እቲ መስቀሉን ዘልዓለን ንሓጢኣት ዝሞተን ሰብ፡ ህይወት ክርስቶስ አብኡ ብምልኣት ትገሃድ ማለት እዩ (2 ቈረ 410-11) ክርስቶስ አብ ምድሪ ከሎን አብ መስቀል ምስ ተሰቕለን ንፈተውቱን ንጸላእቱን ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ሓልዮት፡ ተአዝዞ፡ ተበጃውነት ድማ ኣርእዩና እምበር ሓጢኣትና ጥራይ ኣየርሓቐንንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ ብቚስሉ ኢኹም (ካብ ሓጢኣት) ዝሐዌኹም።ተባሂሉልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ቕንያት በዓል መስቀል፡ ዕላማ መስቀል አብ ህይወትና ምፍጻሙን ዚይምፍጻሙን ርግጸኛታት ንኹን (1ጴጥ 224)።ንእምነትና ሃይማኖትናን ከም ወግዕን ባህልን ዘይኰነስ ብግብራዊ መንፈሳውነት ንንበሮ። እቲ ቕዱስ ሃዋርያግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌናስ፡ ንርእስና ሓጥአን ዄንና ካብ ተረኸብና፡ እምበርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ፧ ኣነስ ንአምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር. . . ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ።ኢሉ በዲሁና ኣሎ እሞ፡ ስቕለት ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነ ስቕለትናውን ደሪብና ነብዕል ምህላውና ነረጋግጽ፡ (ገላ 217,19) ንክርስቶስ ሰቒልካ ኸተብቅዕ፡ ንርእስኻ ከይተሰቐልካ ምትራፍ ካብ ናይ ይሁዳ ዘይንእስ ክሕደትን ጥልመትን እዩ ርእስና ንሓውስ። ምስቲ ቕዱስ ሃዋርያኡ ደኣ፡በቲ መስቀል ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተስቕለት (ዝሞተት) ኣነውን ንዓለም እተቐልኩ እንተ ዘይኰኑስ (ካልእ) ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ ብምባል ብመስቀል ብዕላማታቱን ንተኣመን፡ አብ ጸጽባሕ ድማ ናብራ መስቀል ንንበር፡ ንምስሊ እተሰቕለ ክርስቶስ ድማ ንልበሶ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት መስከረም 30, 2018       (መስከረም 20, 2011 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

           መዝ 604-5

ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።

ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቈረ 110-ፍጻ

ዲያቆን

ወንጌል ማር 827-ፍጻ

1ጴጥ 41-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ኣትናቴዎስ

ግህ 222-37

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div