S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ - ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ሊቀ ጳጳሳት ምስሪ ተራኺቡ

ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ድሮ በዓል መስቀል ማለት 26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ . ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3 ሊቀ ጳጳሳት ቤተክርስቲያን ምስሪ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብ ርክብ፣ ኣብ መንፈሳዊ ክልቲአን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ዘተኮረ ዝርርብ ድሕሪ ምልዛቦም፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡውን ብዛዕባ ኩነታት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ልዝብ ኣካይዶም።

ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ንሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ, ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ምሉእ ደገፍ ክትገብር ምዃና ፖፕ ሺኖዳ ቃል ኣትዮም። ቀጺሎም፣ ብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ፡ ኣሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ብዘይካ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካልእ ፓትርያርክ ከም ዘይቅበሉን እቶም ፓትርያርክ ተባሂሎም ኣብ ሥልጣን ተቐሚጦም ዘለዉ፡ ኣብ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅዱስ ማርቆስ ዘይቁጸሩ ምዃኖምን፡ ኣብ ዝኾነ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ግደ ከም ዘይብሎምን ገሊጾም።

ኣስዒቦም፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወሰድዎ መገዲ ሃዋርያዊ ስለዝኾነ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ቅዳሴ ብጸሎት ወትሩ ይዝክርኦም ከምዘለዋ ፖፕ ሺኖዳ ገሊጾም።

ብተወሳኺ፣ ልኡኽ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ሓላፊ ሕብረት-ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ካህን ዶር. ሽኖዳ መሓር ተራኺቡ ብዛዕባ መሰልን ግደን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘትዩ። ካህን ዶር. ሺኖዳ መሓር፡ ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ሕጊ ተማእኪሉ ዝኸይድ ሃገረ-ስብከት ምሉእ ተቐባልነት ከምዘለዎ ድሕሪ ምግንዛብ፣ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እትምራሕ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ጥራይ ንቕበል፣ ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኣይንፈልጥን ኢና ኢሎም። ኣብዚ ጊዜ' ድማ ኣብ ዝኾነ ጉባኤና ክሳተፉ ኮነ ክዕደሙ ሓዋርያዊ ሥርዓትና ኣይፍቀድን እዩ ኢሎም።

ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ፡ ብቀኖና ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝምራሕ፣ ሕጋዊ መራሒኡ ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ወሊቃነ ጳጳሳት ም። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ መራሒ ኣይቅበልን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ብሰብ ጊዜ ተመዚዞም መጋበርያ ዓለማዊ ምምሕዳር ዝኾኑ ኣቡን ኣይፈልጦምን እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div