ሎሚ 1 መስከረም 2001 ግእዝ (መስከረም 11, 2008) በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እነብዕሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ኣበዓዕላ እዩ።
እዚ ሻብዓይ ሰንበትን ሳምንትን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብይ ጾም፡ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ኒቆዲሞስ”ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ። ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ። ትርጉም “ ኒቆዲሞስ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን። ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ።” እዚ ዕለት እዚ ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ዝስመይ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ካልኣይን ዓብይን ልደትና ክንሓስብን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።” (መዝ 17፡3)።
ረቡዕን ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።
ሃገር ክበሃል ከሎ ናይ ሓደ ቦታ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ፥ ሩባን ኩርባን፥ ጎላጉልን ስንጭሮን ኣዝርእትን እንስሳታትን ባሕርን ኵነታት ኣየርን ወዘተ…
እዛ ሻዱሸይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓቢ ጾም እዋን ‘ገብርሄ’ ተባሂላ ትጽዋዕ። አብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን፡ ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ ወይሠይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ። ትርጉሙ ከአ፡ እሙን ባርያ መን እዩ፧ ሰናይ ክገብር ንዝጸንሖ ጐይታ ኣብ ኩሉ ንብረቱ ክሸሞ እዩ።” ኣብዚ ዕለት እዚ ብዛዕባ እሙን አገልጋሊ፡ ንኣገልገልቲ ዘገልግለሉ ጸጋ ዝሃበ እግዚአብሄር፡ ንሰባት ኵሎም ፍጡራት ዝሃቦም ውህበት ጸጋ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱ አምላክ ዝህቦ ውዕለት እንዳ ተዘከረ ዝዝመረሉ፡ ዝስበኸሉ፡ ዝሕሰበሉን ሰሙን እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።” መዝ 40፡8-9 ዝበሎ መሰረት ብምግባር ኣብዚ ጾምን ጸሎት ጊዜ ህይወት ንዕኡ ንምግልጋል ድላዋት ክንከው ከመይ በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብዚ ከቢድ ጊዜ ሽግር ብእሙንነት ከነገልግል ምሕሳብ ከድልይ እዩ። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“ፍልሰት መንእሰያት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡- ጠንቁን ሳዕቤናቱን” ዝብል መጽናዕታዊ ሓሳብ ዱብ ኢሉንስ፡ ሓፍ ምባሉ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ነዚ ረዚን ሓሳብ ተሰኪመዮ እዘውር ኣለኹ። እቶም ትማል ምሳና ዝነበሩ እሞ፡ ሎሚ ግን ኣብቲ ካልእ ደምበ ግዒዞም ዘለዉ መጠን-ኣልቦ መንእሰያት፡ ምኽንያት መጥፊኢኦም ኮን እንታይ ኔሩ ይኸውን፡ ንሶም ስለዝበደሉ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ንሕና’ውን በዲልና ኢና ዝብል ወጣሪ ሕቶ ድማ እየ ንነብሰይ ዝሓታ ዘለኹ። እታ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ከ ኣብ ክንዲ ንምእካብ እትጽዕርሲ፡ ንምስጓግን ንምብታንን እትተግህ ብሓቂ ካብ ልባ ዶ ኾን ትኸውን?! ዝብል ድማ አስዒበ አስተንትን። ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና’ሎ!!
እቲ ኣቐዲሙ ብዕለት 13 ጥሪ 2006 ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ ኣምላኽ ብ3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ካብ ሃይማኖት
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ። ምጽኣት ጐይታ ኣብ ዓመት ንሓንቲ ሰሙን ጥራሕ ኪዝከር ኣለዎ ማለት ግና ኣይኰነን። መዓልታዊ ኽንሓስቦን፡ ንዅሉ ናብራና ድማ ጐይታ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከም ዚመጽእ ጌርና ክንነብሮ እዩ ዚግብኣና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ