ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ጎይታ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ከሰንየኩም ጸሎትናን ባህጊ ልብናን እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝረኸብናዮ ውሽጣዊ ጸብጻብ፣ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ልዕሊ 4.6 ሚልዮን ሰባት ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምዝበጽሕዋ ከነበስረኩም ደስ ይብለና። እቲ ቀጻሊ ዝዳሎ ስብከታታት ንብዙሓት ሰባት ምንጪ ምጽንናዕ፣ ምንጪ ተስፋ፣ ምንጪ ሓጎስ፣ ምንጪ ፍልጠት ከምዝኾኖም ገሊጾምልና ኣሎዉ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ቅዳሴ'ውን ብእኩብ ኮነ በተናጸል ኣመንቲ ይረብሑሉ ከምዘለዉ ጸብጻባትና ይሕብሩ። ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ምእመናን ንምጉሳይ ዘመን-ዝወለዶ ተክኖሎጂ ተጠቒሙ ቀጻሊ ኣገልግሎታት ክህብ ምዃኑ ንምእመናን ብሓጎስ ደጊሙ ይገልጽ።
ናብ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ እትልእክዎ ጽሑፋት ይበጽሓና እዩ ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ኩልሳዕ ነመስግን። ንኹሉ ዝመጸና ጽሑፋት ሓደ ብሓደ ነንብቦ ኢና: ንእትልእኩልና ጽሑፋት’ውን ከከም ኣድላይነቱ መልሲ ንጽሕፈልኩም ኢና። ምስቲ ዘለና ናይ ጊዜ ሕጽረት ግና ንኹሉ መልሲ እንተዘይጽሓፍናልኩም ካብ ዋሕዲ-ግዜ እምበር ካልእ ከምዘይኮነ ክትርድእዎ ደስ ይብለና። ስለዚ ጽሑፋትኩም ከይፍልየና ሓደራ ንብል።
ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ ኣብ ስደት፣ ኣብ በረኻ፣ ኣብ ባሕሪን መሪር ናብራ ስደትን ዘለኹም ኩልኹም- ቤተ ክርስቲያን ብጸሎት ቀጻሊ ትዝክረኩም እያ። ስለዚ በይንኹም ኣይኰንኩምን እሞ በዚ ደስ ክብለኩም ይግባእ። ፍሉይ ጸሎት ምስ እትደልዩ ጸሓፉልና፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ እዋን ቅዳሴ (ሓባራዊ ጸሎት) ኣስማትኩም እናጸውዐት ብጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክትድግፈኩም እያ።
ገለ ካብቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን መልእኽትታትኩም ዝበጽሓና እሞ ዘይመለስናልኩም እዞም ዝስዕቡ እዮም።
መልእኽትታኩም በጺሑና እዩ!ብቐጻሊ ጸሓፉልና።
እግዚኣብሔር ብኹሉ በረኸት እናጸገወ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም የሰንኹም!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ