ሞት ንወዲ ሰብ ኣይተፈጥረን
ሞት ብቕድሙ ምሳና ኣይተፈጥረን፡ ድሒሩ ግና ብሰሪ ኣበሳና መጸና። ምውላድን ምንባርን ምሟትን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተደጋጊሞም ስለ ዝተራእዩ፡ ተፈጥሮ ሕጊ ኰይኖም ስለ ዝተራእዩ፡ ንወዲ ሰብ ከተረድኦ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ። ብዛዕባ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ክትነግሮ ከሎኻ ግና ብፍላይ
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን።” (መዝ. 79፡ 2-3) ብዝብል መዝሙር ምስጋና፣ ሰንበት 20 ሰነ 2010 ዓ.ም
‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡”
በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
ሰብ ብባህርያቱ መንፈሳዊ ስለዝዀነ ከምልኽ ዝደሊ ባህርያዊ ዝምባሌ ዘሎዎ ፍጡር እዩ። ውሉድ ንወላዲኡ ከም ዝሓትት፡ ሰብ ድማ ብሕልንኡ ብዛዕባ ህይወቱ ኩሉ ሳዕ ንፈጣሪኡ እናሓተተ እዩ ዝነብር። እስከ ንበል መኪና እንተ ተበላሸወትና ናብ መካኒክዶ ኣይኮናን ንወስዳ፧ ሰዓት እንተ ተባላሸወትናኸ ናብ ዓራይ ሰዓትዶ ኣይኰናን ንወስዳ፧ ህይወትና እንተ ተበላሸወትናኸ ናበይ ንውስዳ፧ ናብቲ ከዕርያ ዝኽእል ፈጣሪኣ ክንወስዳ ግድን እዩ። ሰዓትን መኪናን እንተዘይ ተዓርየን ይድርበያ፡ ሰብ ድማ ናብ ፈጣሪኡ ከይዱ እንተዘይተዓረየ ከምቲ ንሰዓትን መኪናን እንድርብየን ከምኡ ክድርበ ናይ ግድን እዩ።
ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እትምእከል ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ተመስሪታ። እዚ ብጻዕሪ ካህናትን ብምትሕብባር ምእመናን ዝተመስረተ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ድሮ ንምእመናን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
መእተዊ (ካብ ጸሎተ ሃይማኖት ተኣምኖ ዶግማ፡ዓንቀጽ ፲፩)
ኣብ መጀመርታ ትምህርቲ ጸሎተ ሃይማኖትና ከም እንርእዮ ኣቦታትና "ንኣምን" "ንኣምን" "ንኣምን" ዝበልዎ ክሳብ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ ይወስደና።
“በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይዅን፡ በሎም።” ዮሓ 20፡19።
ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! ዩኤል 2፡16።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሎሚ ዘመን መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣቦታት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ማዕሪጉ ብልዑል ክብርን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል ‘’ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ’’ (ኢዩ 2፡16) ከም ዝበለ፡ ነዚ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ ዝግበር ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ በዓል ገብርኤልን ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ክሳተፎ ዕድመ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ነዘኻኽር።
ንሕና ከም ህዝበ-ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ መከራ፡ ስቅያት፡ መቕጻዕትን ናይ ሞት ፍርድን ብዝርዝር ክንፈልጦን ከነስተውዕሎ ብሓቂ ጠቓምን ግቡእን እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ተጻሒፉ ከም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ