በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
ሰብ ብባህርያቱ መንፈሳዊ ስለዝዀነ ከምልኽ ዝደሊ ባህርያዊ ዝምባሌ ዘሎዎ ፍጡር እዩ። ውሉድ ንወላዲኡ ከም ዝሓትት፡ ሰብ ድማ ብሕልንኡ ብዛዕባ ህይወቱ ኩሉ ሳዕ ንፈጣሪኡ እናሓተተ እዩ ዝነብር። እስከ ንበል መኪና እንተ ተበላሸወትና ናብ መካኒክዶ ኣይኮናን ንወስዳ፧ ሰዓት እንተ ተባላሸወትናኸ ናብ ዓራይ ሰዓትዶ ኣይኰናን ንወስዳ፧ ህይወትና እንተ ተበላሸወትናኸ ናበይ ንውስዳ፧ ናብቲ ከዕርያ ዝኽእል ፈጣሪኣ ክንወስዳ ግድን እዩ። ሰዓትን መኪናን እንተዘይ ተዓርየን ይድርበያ፡ ሰብ ድማ ናብ ፈጣሪኡ ከይዱ እንተዘይተዓረየ ከምቲ ንሰዓትን መኪናን እንድርብየን ከምኡ ክድርበ ናይ ግድን እዩ።
ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እትምእከል ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቫ ተመስሪታ። እዚ ብጻዕሪ ካህናትን ብምትሕብባር ምእመናን ዝተመስረተ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ድሮ ንምእመናን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
መእተዊ (ካብ ጸሎተ ሃይማኖት ተኣምኖ ዶግማ፡ዓንቀጽ ፲፩)
ኣብ መጀመርታ ትምህርቲ ጸሎተ ሃይማኖትና ከም እንርእዮ ኣቦታትና "ንኣምን" "ንኣምን" "ንኣምን" ዝበልዎ ክሳብ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ ይወስደና።
ቦታ: 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ን/ሃ/ስብከት ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት: ሓምለ (July) 09-13, 2008። ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ፡ ስያትል።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወረደ መንፈስ ቅዱስ። ላዕለ ሐዋርያት ከመ ዘእሳት። ወተናገሩ በነገረ ኲሉ በሐውርት። ዓርገ እምኀቤሆሙ ወይቤሎሙ ጰራቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ። ዘይሄሉ ዘልፈ ምስሌክሙ ኢየኀድገክሙ ዕጓለ ማውታ ትኩኑ። ዘኢይክል ዓለም ነሢኦቶ። ትርጉም “ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብኵሉ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ክሰደልኩም እየ፡ እቲ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘክታማት ክትኮኑ አይሐድገኩምን እየ፡ ዓለም ነቲ መንፈስ ክትቅበሎ አይኮነላን እዩ።”
ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! ዩኤል 2፡16።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሎሚ ዘመን መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣቦታት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ማዕሪጉ ብልዑል ክብርን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል ‘’ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ’’ (ኢዩ 2፡16) ከም ዝበለ፡ ነዚ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ ዝግበር ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ በዓል ገብርኤልን ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ክሳተፎ ዕድመ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ነዘኻኽር።
ንሕና ከም ህዝበ-ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ መከራ፡ ስቅያት፡ መቕጻዕትን ናይ ሞት ፍርድን ብዝርዝር ክንፈልጦን ከነስተውዕሎ ብሓቂ ጠቓምን ግቡእን እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ተጻሒፉ ከም
ብዕለት 30 መስከረም 2007፣ ዳግማይ ድማ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ኣትላንታ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሰሜን ኣሜሪካ ንኡስ ሃገረ ስብከትን፣ ክቡራት ካህናትን ዝተሰንዘረ ዘለፋ፣ ሕጊ ሃገር ዝጠሓሰ ንኽብሪ ሃይማኖት ተዋህዶ ዘናኣኣሰ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። እዚ ብስም ኤምባሲ ኤርትራ
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “በሰንበት ዐርገ ሐመረ ገሠፀ ባሕረ። ወገሠፆም ለነፋሳት። ወይቤሎሙ ኢትናፍቁ ወኢይምጻእ ኑፋቄ ውስተ ልብክሙ በከመ ፈነወኒ አቡየ አነኒ እፌንወክሙ። ውስተ ቤተ አቡየ ብዙኅ ማኅደር ቦቱ፡ ካዕበ እመጽእ ወእነሥአክሙ። ከመ ተሀልዉ ምስሌየ በመንግሥተ አቡየ ዘበሰማያት።” ኮይኑ ፡ትርጉሙ ከኣ ፡ብሰንበት ዓረገ ብሓይሊ ንንፋስን ማዕበል ባሕሪ ገንሖ። ስለምንታይከ ትጠራጠሩ ከምዚ ዝብል ሓሳብከ ከመይ ተልዓለ፡ ከምቲ አቦ ንኣይ ዝልአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ ኣብ ሰማይ ክትህልዉ ኢኹም።
ረቡዕን ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ