ብዕለት 30 መስከረም 2007፣ ዳግማይ ድማ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ኣትላንታ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሰሜን ኣሜሪካ ንኡስ ሃገረ ስብከትን፣ ክቡራት ካህናትን ዝተሰንዘረ ዘለፋ፣ ሕጊ ሃገር ዝጠሓሰ ንኽብሪ ሃይማኖት ተዋህዶ ዘናኣኣሰ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። እዚ ብስም ኤምባሲ ኤርትራ
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ። ዛቲ ዕለት ንትፈሣሕ ባቲ። ንትፈሣሕ ባቲ ወንትኀሠይ ባቲ። ትርጉም “እዛ ዕለት እዚኣ ቅድስት እያ። በዛ ዕለት እዚኣ ንዑ ንተሓጐስ።ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።” ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታና፡ ነቶም ብኸንቱ ሃልኪ ብጥምየት ሃለፍ ዝበሎም ደቀ መዛሙርቱ “ንዑ ተመስሑ” ኢሉ ድሕሪ ምዕንጋሉ፡ መገብቲ መጓሴኡ ኪዀኑ፡ ነባጊዑ ዀነ ንዕያዉቱ ብምምጋብን ብምሕላዉን ነቲ ብሉጽ ፍቕሮም ኪገልጹሉ ተማሕጸኖም።
ነብሰሄር ሓውና ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ ናብታ ብተስፋ እንጽበያ ቅድስቲ ሃገር ሓሊፉ።
ናብታ “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፥ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፥ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፥ ኣምላኽ’ውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፥ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፥ ወይ ጫውጫው፥ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፥ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 21፡3-4) እትብል ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ።
ክርስቶስ ናይቲ ዝመጽእ ሕይወት ተስፋና እዩ
ንተስፋ ህይወትና ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርዮ ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ በይኑ ትንሣኤን ህይወትን ስለ ዝዀነ (ዮሃ፡ 11፡25)። ንሱ ሎሚ ንነፍስና ትንሣኤ
ናብ ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማይ ሳልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ
ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና፣ ኣቐዲምና እቲ ኹሉ ዝከኣሎ ልዑል ኣምላኽ ብሰላምን ጥዕናን ክሕልወኩም ናይ ኩልግዜ ጸሎትና እዩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ድሕሪ ትንሣኤ እዩ፡ ኣብዚ ዕለት ዝዝመር መዝሙር ከአ “አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት። አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት፡ ንጉሠ ነገሥት ወእግዚአ አጋእዝት።” ትርጉሙ ከኣ ኣርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። አርአየ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት። ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ንስኻ ኢኻ፡፡
“ዎ እግዚኣብሔር” ክሳብ መዓስ እዩ መከራና ክቕጽል፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ይቕረ ዘይትብለልና፡ ብሓቂ ድዩ ተስፋና ጸልሚቱ፧ ካንዶ ሥጋና ንኣሞራን ንዓሳ ባሕርን ክንከውን ፈሪድካናን ደርቢኻናን ኢካ፧ ወረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ንኣውያትና ዘይትሰምዓና፧ ዎ እግዚኣብሔር እቲ ብዘመን ኣቦታትና ዝነበረ ምሕረትኻ ኣበይ ተሰወረ፧ በጃኻባ ዘክረና፡ ንድኻምና ኣይትጸብጽብ፡ ይኣክል በለና። ዎ እግዚኣብሔር ንሓድሕና ክንማናጨት መሰክሒ ዓለም ኰይና ኢና’ሞ ዝንሳሕ ልቦና ሃበና፡ ካብዚ ንደሓር ነዚ መከራ እዚ ክንጻወሮ ዓቕሚ የብልናን።
ጽንዓት ንስድራቤት፡ መንግሥተ ሰማይ ንምዉታት፡ ልቦና ንኹላትና ሃበና
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2004 (7 ጥሪ 2012) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ
ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፣ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዝዋግኡ ህንጻ ዓዲጎም። እዚ ታሪኻዊ ህንጻ'ዚ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኦኽላንድ ዝርከብ ኮይኑ ንወለዶታት ሰረት ዘንብር ታሪኻዊ ህንጻ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ