ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ሶበ ይዘንም ዝናም፡ ይትፌሥሑ ነዳያን። ሶበ ይዘንም ዝናም ይጸግቡ ርኁባን። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ትርጉም ንዝናባት ድምጺ እግሩ እዮም፡ ማያት ይሃርም ድካታት ይሕጎሱ፡ ዝናም ይሃርም ጥሙያት ይጸግቡ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሰርዐ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ።
“ዎ እግዚኣብሔር” ክሳብ መዓስ እዩ መከራና ክቕጽል፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ይቕረ ዘይትብለልና፡ ብሓቂ ድዩ ተስፋና ጸልሚቱ፧ ካንዶ ሥጋና ንኣሞራን ንዓሳ ባሕርን ክንከውን ፈሪድካናን ደርቢኻናን ኢካ፧ ወረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ንኣውያትና ዘይትሰምዓና፧ ዎ እግዚኣብሔር እቲ ብዘመን ኣቦታትና ዝነበረ ምሕረትኻ ኣበይ ተሰወረ፧ በጃኻባ ዘክረና፡ ንድኻምና ኣይትጸብጽብ፡ ይኣክል በለና። ዎ እግዚኣብሔር ንሓድሕና ክንማናጨት መሰክሒ ዓለም ኰይና ኢና’ሞ ዝንሳሕ ልቦና ሃበና፡ ካብዚ ንደሓር ነዚ መከራ እዚ ክንጻወሮ ዓቕሚ የብልናን።
ጽንዓት ንስድራቤት፡ መንግሥተ ሰማይ ንምዉታት፡ ልቦና ንኹላትና ሃበና
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፣ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዝዋግኡ ህንጻ ዓዲጎም። እዚ ታሪኻዊ ህንጻ'ዚ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኦኽላንድ ዝርከብ ኮይኑ ንወለዶታት ሰረት ዘንብር ታሪኻዊ ህንጻ እዩ።
እዚ ዓንቀጽ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ፡ ብሓደ ተታሓሒዙ ክንበብ ክኽእል ምእንቲ፡ "ብትንሳኤ ሙውታን ተስፋ ንገብር ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ፥ ኣሜን ተባሂሉ ክንበብ ይግባእ
8ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 27-30 ሓምለ (July) 2006 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
አሠርገዎሙ ለሐዋርያት በሰማያት። አሠርገዎሙ፡ ወንጌለ መንግሥት አወፈዮሙ። አሠርገዎሙ፡ ሰንበተ ክርስቲያን ለዕረፍት ሠርዐ ሎሙ። አሠርገዎሙ፡ ከመ ወርቅ በእሳት ፈተኖሙ። አሠርገዎሙ፡ ወከመ ጽንሐሐ መሥዋዕት ተወክፎሙ። አሠርገዎሙ፡፡ ለሐዋርያት በሰማያት። ትርጉሙ “ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም። ሸለሞም፡ ሕድሪ ወንጌል መንግስተ ሰማያት አረከቦም። ሸለሞም፡መዓልቲ ሰንበት ንዕረፍቲ ክርስቲያናት ሰራዓሎም። ሸለሞም፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ፈተኖም። ሸለሞም፡ ከም ጽንሓ ዕጣናን መስዋዕቲ ተቀበሎም። ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም” ኢሎም ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን መዝሙር ክዝምሩ ዝሓድሩ እዚ ዕለት ስለምንታይ እዩ፧
ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ
"ሕማቅ ዘመን ካብቲ ሕማቕ ዚገብረካስ ሕማቕ ዝምህረካ ይገድድ" ከምዝብሃል ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ንሕጊ ኣልቦነትን ግብረ-ኣረማውነትን ናይቶም ወጠንትን ተግበርትን ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 ዓም ዝጀመረ እኩይ ምኽሪ ናብ ጥርዙ ዚበጽሓሉ ፍጻሜ እዩ። ሓዊ ወሊዕካ ድቃስ፡ ሕጊ ኣፍሪስካ ሰላምን ህድኣትን ኪርከብ ስለዘይክኣል፡ ሳዕበኑ ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየን እንዳበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ወዮ ድኣ “ኣምላኽ ኪጸልእ ምኽሪ ይኸልእ” ኮይኑ እምበር እዚ ኸዊልካ ዘይክወል ገበን እንታይ ኪወልድ ምዃኑ ምግማት ከቢድ ኣይነበረን። እዚ ሓደገኛ ፈተና ብኣግኡ ዘስተውዓሉ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ካልኦትንውን ካብ ወጻኢ፡ ኣቦታት ጳጳሳት ደው ኢሎም ኪሓስቡ ከም ቀደሞም ብፍቕርን ብምርድዳእን ሽግሮም ኪፈትሑ፡ መሳርሒ ናይቲ ኩሉ እኩይ ስራሕ ኮይኑ ንዝነበረን ዘሎን ኣብ ዘይምልከቶ ቦታ ዝተቐመጠ ዓለማዊ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ዲሞጥሮስ ኸኣ ኢዱን እግሩን ከውጽእ ብተደጋጋምን ብዓውታን ጻውዒት ተገይሩ ነይሩ እዩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (www.tewahdo.org) በብመዓልቱን ከከም ኣፈጻጽማኡን ተቐሚጡ ዘሎ ሰነዳት ኪምልከት ይኽእል እዩ። ጉዳይ ቤተክርስትያን ድቃስ ዝኸልኦም ኣገልገልትን ምእመናንን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ እቲ ነገር ቅድሚ ኣብ ፍጻሜ ምብጻሑ እንዳተኸታተሉ እዋናዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ኔሮም እዮም (ብፍላይ ካብ መፋርቕ 2005 ክሳብ ሎሚ)። መርገም ህዝብና ግዲ ዘይተወድአ ኮይኑ ግን እቲ መገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ቀጸለ እምበር ደው ኣይበለን።
9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ። ንዕለት 2-5 ነሓሰ (August) 2007 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ።እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን። ትርጉም “ ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ፡ ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሲኡዩሞ።” ኣብዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ዕለት’ዚ ሰሪዓቶ ዘላ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ነቶም ሽዑ ብኣካል ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ነቶም ድሕሪኦም እንኣምን ኵላትናን፡ ኣዝዩ ዓብይ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰደልና ዚገልጽ ተስፋ’ዩ። ዳርጋ ዅላትና ብጓህን ሓዘንን ስለ እንሓልፍ፡ መጸናንዒ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜገድሰና ዚስሕቶ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እቲ ንልባትና ኻባና ንላዕሊ ዚፈልጦ ጐይታ ድማ፡ ኣድላይነት ምጽንናዕ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚርዳእ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰድደልና ባዕሉ ኣተስፈወና። እዚ ቓል ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ ኣርእስቲ ጸሎት ይዀነልና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኬጸናንዓና ኽንጽልይ ይድርኸና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ