እዚ ዓንቀጽ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ፡ ብሓደ ተታሓሒዙ ክንበብ ክኽእል ምእንቲ፡ "ብትንሳኤ ሙውታን ተስፋ ንገብር ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ፥ ኣሜን ተባሂሉ ክንበብ ይግባእ
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ። ተንሥአ ኵሎ ሙታነ፡ ወፈትሖሙ ለሙቁሐን። ተንሥአ፡ በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን ወአግዓዘ ነፍሰ ጻድቃን።ትርጉም ክርስቶስ ተንሲኡ ሙውታት ኩሎምውን አተሲኡ፡ንኩሎም እሱራት ፈትሐ ብዓቢ ሓይሊ ስልጣንን ነፍሲ ጻድቃን ሓራ አውጽኤ” ኣዚዩ መሳጢ ብዝኾነ ቃላት ጌሩ ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ብመንፈሳዊ ቃላት ጌሩ ካብ ዝገለጾ ሓረግ ዝተወስደ ቃላት እዩ።
ብምኽንያት 6ይ ዓመት ስሜት ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤክ ኤርትራ ዝወጸ ስነ-ጽሑፍ
"ሕማቅ ዘመን ካብቲ ሕማቕ ዚገብረካስ ሕማቕ ዝምህረካ ይገድድ" ከምዝብሃል ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ንሕጊ ኣልቦነትን ግብረ-ኣረማውነትን ናይቶም ወጠንትን ተግበርትን ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 ዓም ዝጀመረ እኩይ ምኽሪ ናብ ጥርዙ ዚበጽሓሉ ፍጻሜ እዩ። ሓዊ ወሊዕካ ድቃስ፡ ሕጊ ኣፍሪስካ ሰላምን ህድኣትን ኪርከብ ስለዘይክኣል፡ ሳዕበኑ ኸኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዓበየን እንዳበኣሰን ይኸይድ ኣሎ። ወዮ ድኣ “ኣምላኽ ኪጸልእ ምኽሪ ይኸልእ” ኮይኑ እምበር እዚ ኸዊልካ ዘይክወል ገበን እንታይ ኪወልድ ምዃኑ ምግማት ከቢድ ኣይነበረን። እዚ ሓደገኛ ፈተና ብኣግኡ ዘስተውዓሉ ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ካልኦትንውን ካብ ወጻኢ፡ ኣቦታት ጳጳሳት ደው ኢሎም ኪሓስቡ ከም ቀደሞም ብፍቕርን ብምርድዳእን ሽግሮም ኪፈትሑ፡ መሳርሒ ናይቲ ኩሉ እኩይ ስራሕ ኮይኑ ንዝነበረን ዘሎን ኣብ ዘይምልከቶ ቦታ ዝተቐመጠ ዓለማዊ ሰብ ኣቶ ዮፍታሀ ዲሞጥሮስ ኸኣ ኢዱን እግሩን ከውጽእ ብተደጋጋምን ብዓውታን ጻውዒት ተገይሩ ነይሩ እዩ። ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸበን። ኣብዚ ጉዳይ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (www.tewahdo.org) በብመዓልቱን ከከም ኣፈጻጽማኡን ተቐሚጡ ዘሎ ሰነዳት ኪምልከት ይኽእል እዩ። ጉዳይ ቤተክርስትያን ድቃስ ዝኸልኦም ኣገልገልትን ምእመናንን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ እቲ ነገር ቅድሚ ኣብ ፍጻሜ ምብጻሑ እንዳተኸታተሉ እዋናዊ ሓበሬታ ይዝርግሑ ኔሮም እዮም (ብፍላይ ካብ መፋርቕ 2005 ክሳብ ሎሚ)። መርገም ህዝብና ግዲ ዘይተወድአ ኮይኑ ግን እቲ መገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ቀጸለ እምበር ደው ኣይበለን።
ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊት በጽባሕ ኀበ መቃብር። እንዘ ዓዲ ጽልመት ወረከበት እብነ እቱተ እምአፈ መቃብር። ወበጽሐት ኀበ ስምዖን ጴጥሮስ ወኀበ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ወትቤሎሙ ነሥእዎ ለእግዚእየ እም ውስተ መቃብር፡ ወኢየአምር ኀበ ወሰድዎ፡ እንዘ ይረውፁ ክልኤሆሙ ኅቡረ። በደሮ ለጴጥሮስ ዝኩ ካልእ ረድእ ዘያፈቅሮ ኢየሱስ። ትርጉም፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መእተዊ፡- እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስደዱ እዮም። 2ጢሞ 3፥12 …ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ።ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። 2 ጢሞ 3፡14
ካልኣይ ምጽኣት መዓስ እዩ ዝፍጸም
ብኻልኣይ ምጽኣቱስ ብኣዝዩ ዘፍርሕን ዘደንቕን ዘንቀጥቅጥን ኣመጻጽኣ ንጉሠ ነገሥት እዩ ዝመጽእ። በቲ ንሱ ዝምለሰሉ ጊዜያት ብዙሓት ምልክታት ክረኤ
ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ። ወነገርኩ ስመከ ለሰብእ። ትርጉም “ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” ሓይለ ቃል ናይዚ መልእክቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 እዩ ዝርከብ። በዚ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካልኣይ ጊዜ ከምዝተራኣዮም ብምዝካር ናይ ቶማስ ታሪክ እንዳገለጽ ተስተምህረሉ፡ ትዝምረሉ፡ ተመስግነሉን መዓልቲ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ