በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መእተዊ፡- እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስደዱ እዮም። 2ጢሞ 3፥12 …ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ ።ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። 2 ጢሞ 3፡14
ካልኣይ ምጽኣት መዓስ እዩ ዝፍጸም
ብኻልኣይ ምጽኣቱስ ብኣዝዩ ዘፍርሕን ዘደንቕን ዘንቀጥቅጥን ኣመጻጽኣ ንጉሠ ነገሥት እዩ ዝመጽእ። በቲ ንሱ ዝምለሰሉ ጊዜያት ብዙሓት ምልክታት ክረኤ
ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ትርከብ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቶም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ኣብ ክንዲ ንወንጌል-ኣምላኽ ንዓለማዊ ረብሓ ዝሰብኩ፣
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
“ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን። በይባቤ ዓርገ ወበቃለ ቀርን፡ ወንበረ ብየማነ አቡሁ።ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ተኰነኑ ሎቱ መላእክት።” አምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ብክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ መላእክቲ ሰማይ አመስገንዎ።” እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብና፡ ኣብታ ጐይታና ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ ጊዜ ሓቢሩ ዘምሰየላን ድራር ገንሸል ፋሲካ ዝበልዓላን ምሸት ዝተዛረቦ ቓላት ዝሓዘ’ዩ። ካብዛ ቦታ’ዚኣ ብቐጥታ ናብ ጌተ ሰማኔ ኸይዱ እናጸለየ ኸሎ ተታሒዙ ንጽባሒቱ በጃ ዅላትና ተሰቒሉ ሞተ። ካብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳዕ ምዕራፍ 17 ዘሎ ዅሉ ኣብ ሓደ ምሸትን ኣብ ሓደ ገዛን ዝተባህለን ዝተገብረ’ዩ።
ሞት ንወዲ ሰብ ኣይተፈጥረን
ሞት ብቕድሙ ምሳና ኣይተፈጥረን፡ ድሒሩ ግና ብሰሪ ኣበሳና መጸና። ምውላድን ምንባርን ምሟትን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተደጋጊሞም ስለ ዝተራእዩ፡ ተፈጥሮ ሕጊ ኰይኖም ስለ ዝተራእዩ፡ ንወዲ ሰብ ከተረድኦ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ። ብዛዕባ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ክትነግሮ ከሎኻ ግና ብፍላይ
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ኤርትራ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን።” (መዝ. 79፡ 2-3) ብዝብል መዝሙር ምስጋና፣ ሰንበት 20 ሰነ 2010 ዓ.ም
ንሕና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እንርከብ፡ ኣገልገልቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነታ ብደም ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብትንቢት ነቢያት፡ ብስብከት ሓዋርያት፡ ብጸሎት ሰማዕታትን ጻድቃንን፡ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእትን ስንክልናን ስደትን፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ማዕረ ኩለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና መንበር፡ ዝቖመት፡ ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓዘት፡ ብእግዚኣብሔርን ምእመናንናን ንዝተዋህበና ከቢድ መንፈሳዊ መጓሰ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕላው፡ ብዛዕባ እቲ ንቀኖናኣን ሕጋን ብምስዓር፡ ብኢደወነንነት፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ እየ ብምባል፡ ኣብ ሓድነት ምእመናንን ቤተክርስቲያንን ኣዝዩ ዓቢይ ምክፍፋል ፈጢሮም ዘለዉ ጳጳስ ሲኖዳ ሓዋርያዊ ተልእኮና ንምፍጻም፡ ውሳኔ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ወሲንና ኣሎና።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ድሕሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኣብ ዘላ ቐዳመይቲ ሰንበት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና ይርከብ። እዚ ምስጢር’ዚ፡ ምስ ቅድስት ስላሴ ብጽኑዕ ፍቕሪ ዚጠምር ተግባር’ዩ። ካብኡ ሓሊፋ’ውን ብዛዕባ ቅድስት ስላሴ ዓሚቝ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዜጐናጽፍ ብሉጽ ምርጫ እዩ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣብ ምድርን ኣብ ስማይን ክቡርን ነባርን ዓወት ዜጐናጽፍ መገዲ’ዚ፡ ንፍቕርኻ ብስምዒት ወይ ብባዶ ቓላት ዘይኰነስ ብግብራዊ ተኣዝዞ ናይ ምግላጽ ጥበብ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ