ንምክትታል ምእንቲ ኪጥዕም፣ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ተሰሪዖም ዘሎዉ መደባት ብምሕባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኪኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።
"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን”።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና። . . .ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም’ዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡12,14,15።
ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ “ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ኣኽሊ ብዙሕ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም’’ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ! (ማቴ 9፡35) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ እቲ ብሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ብዙሓት ኣመንትን፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝተመደቡሉ ዕለት 17 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ንደሓር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብፅዑነቶም ዝተሳለጡ መደባት ብዙሓት ኢዮም። ናይ
ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 3፡16-18)።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን------------በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------------ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም------------------------------------------እምይእዜሰ
ይኩን-----------------------------------------ፍስሓ ወሰላም
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
ኢየሱስ ከኣ በሎም፡ <እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሔር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትና’ውን ግሩም’ዩ፡> ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧> ማቴ 21፡42።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ