ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።
ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ እዩ
ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡ ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂ’ውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓም’ውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዮም ንወድሳ ለማርያም። በእንተ ዘተወልደ እምኔሃ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ። ፆረቶ በከርሣ ውእቱኒ ቀደሳ። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ፡ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት። መንክር ግርማ ኃይለ ልዑል ጸለላ። አማን መላእክት ይኬልልዋ። ትርጉሙ ከኣ “ሎሚ ንማርያም ነመስግና፡ ምእንቲ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላክ ኣጽለላ። ኣብ ማህጸና ጸረቶ ንሱውን ቀደሳ። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላክ ኣጽለላ፡ እቲ ጐይታ ሰንበትን ኣቦን ምሕረትን። እቲ ሓያል ልዑል ኣምላኽ ኣጽለላ። ብሓቂ መላእክቲ ይኸብዋ።) እንዳበሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝምርዎ መዝሙር እዩ።
ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።
ንምክትታል ምእንቲ ኪጥዕም፣ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ተሰሪዖም ዘሎዉ መደባት ብምሕባር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተጠቀምቲ ናይዚ መደብ ኪኾኑ በዚ ኣጋጣሚ ንላቦ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር። ሰማየ ወምድረ ወኵሎ ፈጺሞ አዕረፈ በሰንበት ወይቤሎ ለኖኅ አመ አይኅ ግበር ታቦተ በዘትድኅን። አነ አቀውም ኪዳንየ ዘምስሌከ ለዓለም፡ ከመ ዳግመ ለምድር ኢያማስና በአይኅ፡፡ ከመ አሀባ ለምድር ሣዕረ ሐመልማለ፡ ክረምተ ወሐጋየ ዘርአ ወማእረረ። ዝኬ ውእቱ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር። በአማን ኢይሔሱ ቃሎ ዘነበበ። ትርጉሙ ከአ “ብመጀመርታ እግዚአብሄር ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሰንበት ካኣ ካብ ኩሉ ስርሑ አዕረፈ፡ ንኖህ በሎ ምእንቲ ክትድሕን ንዓካ ታቦት ግበር በሎ።ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ንዘልአለም ኤቕውም አሎኹ።ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ንምድሪ ብሳዕር ከለምልማ እዩ፡ ከምኡውን ክረምትን ሓጋይን ከአ ንዘርእን ንብቁልን ገበረ። እዚ ከአ ጸጋ እግዚአብሄር እዩ። ዝበሎ ቃሉ ከኣ ኣይሕሱን እዩ።”
ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ “ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ