ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)
9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ። ንዕለት 2-5 ነሓሰ (August) 2007 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
“ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን። በይባቤ ዓርገ ወበቃለ ቀርን፡ ወንበረ ብየማነ አቡሁ።ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ተኰነኑ ሎቱ መላእክት።” አምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ብክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ መላእክቲ ሰማይ አመስገንዎ።” እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብና፡ ኣብታ ጐይታና ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ ጊዜ ሓቢሩ ዘምሰየላን ድራር ገንሸል ፋሲካ ዝበልዓላን ምሸት ዝተዛረቦ ቓላት ዝሓዘ’ዩ። ካብዛ ቦታ’ዚኣ ብቐጥታ ናብ ጌተ ሰማኔ ኸይዱ እናጸለየ ኸሎ ተታሒዙ ንጽባሒቱ በጃ ዅላትና ተሰቒሉ ሞተ። ካብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳዕ ምዕራፍ 17 ዘሎ ዅሉ ኣብ ሓደ ምሸትን ኣብ ሓደ ገዛን ዝተባህለን ዝተገብረ’ዩ።
ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡
ናብ ኩሎም ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላምን ደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።
ናይ ሎሚ ዓመት ጾመ ሓዋርያት ካብ ፲፮ ግንቦት ክሳብ ፭ ሓምለ ፳፻፪ ዓ.ም ግ፡ ወይ ከኣ (24 May -- 12 July 2010) ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ
ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ትርከብ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ እቶም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዝዘንግዑ ሓደ ሓደ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ እውን ኣብ ክንዲ ንወንጌል-ኣምላኽ ንዓለማዊ ረብሓ ዝሰብኩ፣
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ድሕሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኣብ ዘላ ቐዳመይቲ ሰንበት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና ይርከብ። እዚ ምስጢር’ዚ፡ ምስ ቅድስት ስላሴ ብጽኑዕ ፍቕሪ ዚጠምር ተግባር’ዩ። ካብኡ ሓሊፋ’ውን ብዛዕባ ቅድስት ስላሴ ዓሚቝ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዜጐናጽፍ ብሉጽ ምርጫ እዩ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣብ ምድርን ኣብ ስማይን ክቡርን ነባርን ዓወት ዜጐናጽፍ መገዲ’ዚ፡ ንፍቕርኻ ብስምዒት ወይ ብባዶ ቓላት ዘይኰነስ ብግብራዊ ተኣዝዞ ናይ ምግላጽ ጥበብ እዩ።
እቶም ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ዘይሓጸቡ “ንዘለኣለመ ኣለም ኪሳቐዩ እዮም” (4ይ ክፋል ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ) እዚኣቶም ስራሕ ክርስቶስ
ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ እስራኤል፡ ጀርመን፡ ስዊትዘርላንድ፡ ስዊድንን ዓድ እንግሊዝን ሓዋርያዊ ዑደት ንምክያድ ጉዕዞኦም ድሮ ብሃገረ እስራኤል ፈሊሞሞ ኣለዉ። ከም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ