ንሕና ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እንርከብ፡ ኣገልገልቲ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ነታ ብደም ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብትንቢት ነቢያት፡ ብስብከት ሓዋርያት፡ ብጸሎት ሰማዕታትን ጻድቃንን፡ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእትን ስንክልናን ስደትን፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፡ ማዕረ ኩለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና መንበር፡ ዝቖመት፡ ካብ ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ፡ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓዘት፡ ብእግዚኣብሔርን ምእመናንናን ንዝተዋህበና ከቢድ መንፈሳዊ መጓሰ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕላው፡ ብዛዕባ እቲ ንቀኖናኣን ሕጋን ብምስዓር፡ ብኢደወነንነት፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ እየ ብምባል፡ ኣብ ሓድነት ምእመናንን ቤተክርስቲያንን ኣዝዩ ዓቢይ ምክፍፋል ፈጢሮም ዘለዉ ጳጳስ ሲኖዳ ሓዋርያዊ ተልእኮና ንምፍጻም፡ ውሳኔ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሠረት ብምግባር እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ወሲንና ኣሎና።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ወረደ መንፈስ ቅዱስ። ላዕለ ሐዋርያት ከመ ዘእሳት። ወተናገሩ በነገረ ኲሉ በሐውርት። ዓርገ እምኀቤሆሙ ወይቤሎሙ ጰራቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ። ዘይሄሉ ዘልፈ ምስሌክሙ ኢየኀድገክሙ ዕጓለ ማውታ ትኩኑ። ዘኢይክል ዓለም ነሢኦቶ። ትርጉም “ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብኵሉ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ክሰደልኩም እየ፡ እቲ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘክታማት ክትኮኑ አይሐድገኩምን እየ፡ ዓለም ነቲ መንፈስ ክትቅበሎ አይኮነላን እዩ።”
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ብሕጋውን መንፈሳውን ኣገባብ መበል 118 ፓትርያርክ ሃገረ ግብጺ ፖፕ ቴድሮስ 2ይ ዝተመርጽሉ ክቡር ወርሒ ሕዳር እዩ። እቲ ብመትሮፖሊታን ብፁዕ ኣቡነ ባካምዮስ መሪሕነት ዝተኻየደ ወግዓዊ ምርጫ ፓትርያርክ ከኣ ብዲሞክርሲያውን ሓዋርያውን ሕጊ (ዕጫ) ሰብን እግዚኣብሔርን ዝተሓጎስሉ መንፈስ ቅዱስ ዝሠመሮ፥ ንዓለም ዘደነቐን ምርጫ እዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ዝነበረ ሥነ-ሥርዓትን ሕጋዊ ኣገባብን ካብ ምቕራብ ሕጹያት
ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሃገረ እስራኤል ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብዕለት 12 ሰነ 2010 ኣ.ፈ (5 ሰነ 2002 ዓ.ም ግእዝ) ብወግዒ ፈላሚ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዙሕን ሰፊሕን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ። ኣብዚ ቅንያት እዚ’ውን ብምኽንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2003 ዘመነ ሉቃስ መሠረት ብምግባር፥ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ብዙሓት ምእመናንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም
ብዛዕባ ሕጊ ሙሴን ጸጋ ክርስቶስን ኣልዒልና ክንጽሕፍ ከሎና: ሕግን ጸጋን ዝብሃሉ ቓላት፡ ንእዝንና ሓደሽቲ ቓላት ከም ዘይኰኑ ዝተፈልጠ እዩ። እንተ ኰነ ሕግን
ቦታ: 10ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ን/ሃ/ስብከት ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት: ሓምለ (July) 09-13, 2008። ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ፡ ስያትል።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “በሰንበት ዐርገ ሐመረ ገሠፀ ባሕረ። ወገሠፆም ለነፋሳት። ወይቤሎሙ ኢትናፍቁ ወኢይምጻእ ኑፋቄ ውስተ ልብክሙ በከመ ፈነወኒ አቡየ አነኒ እፌንወክሙ። ውስተ ቤተ አቡየ ብዙኅ ማኅደር ቦቱ፡ ካዕበ እመጽእ ወእነሥአክሙ። ከመ ተሀልዉ ምስሌየ በመንግሥተ አቡየ ዘበሰማያት።” ኮይኑ ፡ትርጉሙ ከኣ ፡ብሰንበት ዓረገ ብሓይሊ ንንፋስን ማዕበል ባሕሪ ገንሖ። ስለምንታይከ ትጠራጠሩ ከምዚ ዝብል ሓሳብከ ከመይ ተልዓለ፡ ከምቲ አቦ ንኣይ ዝልአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ ኣብ ሰማይ ክትህልዉ ኢኹም።
ኣርባዕተ መንእሰያት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ብ12 መስከረም 2010 (2 መስከረም 2003 ግእዝ) ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ( ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢኦም። እቲ
"እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳማይቲ ምድርን ሓሊፎም፥ ባሕሪ’ውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፥ ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፥ እታ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ