ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር። ሰማየ ወምድረ ወኵሎ ፈጺሞ አዕረፈ በሰንበት ወይቤሎ ለኖኅ አመ አይኅ ግበር ታቦተ በዘትድኅን። አነ አቀውም ኪዳንየ ዘምስሌከ ለዓለም፡ ከመ ዳግመ ለምድር ኢያማስና በአይኅ፡፡ ከመ አሀባ ለምድር ሣዕረ ሐመልማለ፡ ክረምተ ወሐጋየ ዘርአ ወማእረረ። ዝኬ ውእቱ ጸጋሁ ለእግዚአብሔር። በአማን ኢይሔሱ ቃሎ ዘነበበ። ትርጉሙ ከአ “ብመጀመርታ እግዚአብሄር ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሰንበት ካኣ ካብ ኩሉ ስርሑ አዕረፈ፡ ንኖህ በሎ ምእንቲ ክትድሕን ንዓካ ታቦት ግበር በሎ።ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ንዘልአለም ኤቕውም አሎኹ።ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ንምድሪ ብሳዕር ከለምልማ እዩ፡ ከምኡውን ክረምትን ሓጋይን ከአ ንዘርእን ንብቁልን ገበረ። እዚ ከአ ጸጋ እግዚአብሄር እዩ። ዝበሎ ቃሉ ከኣ ኣይሕሱን እዩ።”
ኣርባዕተ መንእሰያት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ብ12 መስከረም 2010 (2 መስከረም 2003 ግእዝ) ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ( ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢኦም። እቲ
"እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳማይቲ ምድርን ሓሊፎም፥ ባሕሪ’ውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፥ ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፥ እታ
ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። መሐሪ ውእቱ ይሁብ ዘርአ ለዘራኢ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ያሠምር እክለ ለሲሳይ ያነሥኦ እምድር ለነዳይ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ዘኢየኀይድዎ ሥልጣኖ፡ዘይኤዝዝ ትፍሥሕተ ለጻድቃኒሁ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ ገባሬ ሕይወት፡ ያርኁ ክረምተ በበዓመት።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ።” ትርጉሙ ከአ ““ክርስቶስ ንጉሥ'ዩ። መሓሪ'ዩ ንዘራኢ ዘርኢ ይህብ: እኽሊ ንምግቢ የሥምር: ንድኻ ካብ ሓመድ የልዕሎ። ሥልጣኑ ዘይተመርማሪ ንጻድቃኑ ሓጐስ ይእዝዘሎም። ንደቂ ሰብ ሰንበት ንዕረፍቲ ሠርዐ፡ ፈጣሪ ሕይወት፡ በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ። ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ: ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ።” ዝበል መዝሙር ምስጋና እዩ በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣገልገልቱ ዝበጽሕ። ምስዚ ዘሎናዮ ወቅቲ ክረምቲ ዝኸይድ ንባባት ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ህይወትና እንዳ ኣጋናዘብና ሎሚ ካብ ዝተነበበልና ወንጌል ብዛዕባ ኣብ ጽኑዕ ዝኮነ ክርስቶስ ዘይምጽናዕ ህቦብላ ዝኾነ ስሑት ትምህርቲ ንዕንወት ህዝቢ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ካብ ቃል እግዚአብሄር መበገሲ ጌርና ክንርእይ ኢና።
ነብሰሄር ሓውና ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ ናብታ ብተስፋ እንጽበያ ቅድስቲ ሃገር ሓሊፉ።
ናብታ “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፥ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፥ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፥ ኣምላኽ’ውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፥ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፥ ወይ ጫውጫው፥ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፥ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 21፡3-4) እትብል ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ።
ክርስቶስ ናይቲ ዝመጽእ ሕይወት ተስፋና እዩ
ንተስፋ ህይወትና ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርዮ ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ በይኑ ትንሣኤን ህይወትን ስለ ዝዀነ (ዮሃ፡ 11፡25)። ንሱ ሎሚ ንነፍስና ትንሣኤ
7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 28-31 ሓምለ (July) 2005 ዓ.ም ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እንጦንዮስ ሀይ-ዎርድ ካሊፎርንያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ምእመናን: ኣቐዲሞም ምድልዋት ክገብሩ: እንተተኻኢሉ ድማ ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ እዚ ከሕልፍዎ ንላቦ። ንዓበይ ቲ ዝኸውን ዝትፈላለ ስብከት: ትምህርተ ወንጌል: ትምህርትን ሰሚናራትን ክወሃብ እዩ:: ከምኡውን ኣብ ጥዕና: ማሕበራዊን ቁጠባውን ንምእመናን ዝሕግዝ ምስ ባህልናን እምነትናን ዝሰማማዕ ሰሚናራት ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ መዓልታዊ ንንኣሽቱ ዝኸውን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ትምህርትታት ተዳልዩ ኣሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ