ኣብ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ኣኽሊ ብዙሕ ኢዩ፥ ዓየይቲ ግና ውሑዳት ኢዮም’’ ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ! (ማቴ 9፡35) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ እቲ ብሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔርን ብጸሎት ብዙሓት ኣመንትን፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝተመደቡሉ ዕለት 17 መስከረም 2010 ኣ.ፈ ንደሓር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብፅዑነቶም ዝተሳለጡ መደባት ብዙሓት ኢዮም። ናይ
ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 3፡16-18)።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። መሐሪ ውእቱ ይሁብ ዘርአ ለዘራኢ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ያሠምር እክለ ለሲሳይ ያነሥኦ እምድር ለነዳይ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ዘኢየኀይድዎ ሥልጣኖ፡ዘይኤዝዝ ትፍሥሕተ ለጻድቃኒሁ።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ ገባሬ ሕይወት፡ ያርኁ ክረምተ በበዓመት።ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ። ንጉሥ ውእቱ ክርስቶስ።” ትርጉሙ ከአ ““ክርስቶስ ንጉሥ'ዩ። መሓሪ'ዩ ንዘራኢ ዘርኢ ይህብ: እኽሊ ንምግቢ የሥምር: ንድኻ ካብ ሓመድ የልዕሎ። ሥልጣኑ ዘይተመርማሪ ንጻድቃኑ ሓጐስ ይእዝዘሎም። ንደቂ ሰብ ሰንበት ንዕረፍቲ ሠርዐ፡ ፈጣሪ ሕይወት፡ በብዓመቱ ክረምቲ ይህብ። ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ: ክርስቶስ ንጉሥ ኢዩ።” ዝበል መዝሙር ምስጋና እዩ በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኣገልገልቱ ዝበጽሕ። ምስዚ ዘሎናዮ ወቅቲ ክረምቲ ዝኸይድ ንባባት ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ህይወትና እንዳ ኣጋናዘብና ሎሚ ካብ ዝተነበበልና ወንጌል ብዛዕባ ኣብ ጽኑዕ ዝኮነ ክርስቶስ ዘይምጽናዕ ህቦብላ ዝኾነ ስሑት ትምህርቲ ንዕንወት ህዝቢ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ካብ ቃል እግዚአብሄር መበገሲ ጌርና ክንርእይ ኢና።
ዓደ’ቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ወደቓ ኬጋጥሞም ከሎ’ዮም፣ ”ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” ዚብሉ። ከምዚፍለጥ ብዛዕባ ሞት እንተዀይኑ፣ ኵሉ’ዩ ዚመውት’ሞ፣ ብዛዕባ ሞት ክንዛረብ እነጥፍኦ ግዜ የብልናን። ብዛዕባ ሕልፈት ግን፡ ዋይ! እናበልና እንተ’ልቀስና፣ ዜኽፍኣልና ኣይኰነን። ከመይሲ ሞት መምህር ተወልደብርሃን ንደምበ ተዋሕዶና ናይ ሕልፈታት ሕልፈት ስለ ዝዀነ፣ ዘይንበኽየሉን ዘይንሓዝነሉን ምኽንያት የብልናን።
ሕጊ ማለት ብሥልጣን ሓጋጊኡ ዝተሰርዔ፡ ክትገብሮ ዚግብኣካን ክትገብሮ ዘይግብኣካን ፈልዩ ዚእዝዘካን ዝሰርዓካን፡ ሕጊ
ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ሶበ ይዘንም ዝናም፡ ይትፌሥሑ ነዳያን። ሶበ ይዘንም ዝናም ይጸግቡ ርኁባን። ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። ደምፀ እገሪሁ ለዝናም። ትርጉም ንዝናባት ድምጺ እግሩ እዮም፡ ማያት ይሃርም ድካታት ይሕጎሱ፡ ዝናም ይሃርም ጥሙያት ይጸግቡ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሰርዐ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ።
ካብ ክፍላ 4ይ ክሳዕ መበል 19 ዘመን ንልዕሊ 1600 ዓመታት ካብ መሠረተ ትምህርቲ ምንባብን ምጽሓፍን ክሳብ ዝለዓለ መንፈሳዊ መዓርገ ትምህርቲ፡ ዓለማዊ ሥርዓታትን ማሕበራዊ ሥነ-ምግባራትን ዝወሃበላ ብሕታዊት ቤት ትምህርቲ እንኮ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ