ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ብ30 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ፈረንጂ ፈላሚ ስርዓርተ ቅዳሴ ኣካይዶም። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛን ግእዝን ዝተሰርዐ ኣገልግሎት'ዚ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ እዮም ኣካይዶሞ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ካብ ነሐሴ 22 (ማኅበር በኲር) ክሳብ ነሐሰ 27 (አብርሃም) ዘሎዉ መዓልትታት “ዕጒለ ቋዓት ደሰያት ዓይነ ኵሉ” ይብሃል። ኣብዚ ጊዜያት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርቡ መዛሙር ምስጋና ከኣ ከምዚ ይብሉ “ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወይሁበነ እክለ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ፡ ወይሁበነ ዝናመ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ከሢቶ ዓይኖ፡ ሰፈሖ የማኖ ይፌኑ ሣህሎ ወበዘአእመረ ይሴባሕ፡፡ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወሠርዐ ሰንበት ለሰብእ ዕረፍተ፡ ወብውህ ሎቱ ይኅድግ ኃጢአተ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ዐይነ ኩሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። ይሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ።” ትርጉሙ “ኣብ ጊዜኡ ዝናም ይህበና(2 ) እኽሊ በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ክረምቲ የርሑ …ምሕረት ይገብር፡ ዝናም በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ዓይኑ ከፊቱ፡ የማኑ ዘርጊሑ፡ ይቕረ ምባሉ ይልእኽ፡ በቲ ዝፈለጠ ይምስገን። ኣብ . . . ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዐ፡ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ . . . ዓይኒ ኩሉ ነፍሲ ንዕኡ ይጽበ፡ ኣብ ጊዜኡ መግቢ ይህቦም።”
ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ)
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን
ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ነሐሴ 17 ንዘሎ ዕለት ኣብ ሰንበት እተዊዒሉ “አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። ጥዕምት በቃላ ወሠናይት፡ በምግባራ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ነቢያተ ወሐዋርያተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ጻድቃነ ወሰማዕተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ በህየ ትባርክ ነገሥተ ወነጋሥያተ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡” ። ማለት “መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ፡ ብልሳና ጥዕምቲ፡ ብምግባራ ሰናይ ኢያ ። ንነባያትን ሓዋርያትን ትባርኮም። ንጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኮም። በዚውን ንነገሥታትን ንንጉሥን ትባርኮም።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ” ተባሂሉ አብ ቤተ ክርስትያን ዝዝመር መዝሙር ምስጋና እዩ።እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 17, 2012) ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ተአዛዝነት አምላኽ ዘተኮረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።
ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡
ናብ ኩሎም ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን
ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላምን ደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ