ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፣ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዝዋግኡ ህንጻ ዓዲጎም። እዚ ታሪኻዊ ህንጻ'ዚ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኦኽላንድ ዝርከብ ኮይኑ ንወለዶታት ሰረት ዘንብር ታሪኻዊ ህንጻ እዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዘጋጠመ ዓመጽ፣ ምእመናን ብጸሎት ነቒሖም ደው ብምባል፣ ብገንዘብን ሞራልን ንሓድሕዶም እናተደጋገፉ ኣብዚ ዘሎናዮ ዓመት 2010 ጥራይ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ($400,000) ኣዋጺኦም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፣ ምእመናን ንግደት ኣስተርእዮ ማርያም ኣብ ዘኽበርሉ ዕለት “ንዓመታ ህንጻ ቤተክርስትያን ወኒንና ንግደትና ኣብ ናትና ቤተክርስትያን ከነብዕሎ ኢና” ብዝብል ቅዱስ ቅንኢ ኣብታ ወርሒ'ቲኣ ጥራይ ኣስታት $80,000 (ሰማንያ ሽሕ) ከምዘበርከቱ ይዝከር። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይመልእ ድማ እንሆ ኣምላኽ ሰሚርዎስ ባህጊ-ልብና ግህዶ ኮይኑ።
ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ሰጊሮም ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምልኾ ህንጻ ክገዝኡ ምኽኣሎም ብሓቂ ተኣምራታዊ ስራሕ እዩ። ብደገፍ ኣምላኽ እምበር ብዓቕሚ ሰብ ጥራይ ተፈጺሙ ክበሃል'ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ከምቲ "ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡… እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።"(ዘዳግም 28.13-14) ዝበሎ ኣብቲ ዝተጸዋዕናሉ እምነት ደው ክንብል እግዚኣብሔር ረዲኡናስ፡ እንሆ ድሮ’ኳ ናብዚ ዓቢ ዓወት’ ዚ ኣብጺሕና።
በዚ ኣጋጣሚ፣ ንኹሎም ብጸሎት፣ ብንዋትን ሞራልን ዝደገፉና ምእመናንን ኣብያተ ክርስቲያንን እግዚኣብሔር ጸግኡ የብዝሓልኩም። እዛ ቤተ ክርስትያን'ዚኣ ማዕከን መንፈሳዊ ፍልጠት ኮይና ንምእመናን ምስ እግዚኣብሄር እተራኽብ መስኮት ኣፍ-ደገ-ሰማይ ክትከውን ድማ ኣምላኽ ይደግፈና።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፣ ብሃዋርያዊ ሰንሰለት ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ እትምእከል ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ከባቢ በይ ኤርያ እትርከብ ናይ ኤርትራውያን ቤት-ኣምልኾ እያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ