S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ትምህርቲ ካብ ዝጅመር ቀውዒ (Fall) 2005 .. ክሳብ ሕጂ፣ ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ እቶም ቀዳሞት ምሁራት ውሉደ ክህነት ተመሪቖም እኳ እንተወጹ፡ ቁጽሪ ናይቶም
ኣሰሮም ዝስዓቡ ተመሃሮ ነገረ-መለኮት ኣብ ቀውዒ 2010 ናብ ዝልዓለ ደረጃ ደይቡ። ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣገልገልቲ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቀዳማይ ዲግሪ ዝስልጥንሉ፡ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዝውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።


ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዚቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ . ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዝኾኑ ድሮ ሓሙሽተ  ዓመት ሒዙ ኣሎ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰመስተር ሰለስተ ኮርሳት ይውሃብ ኣሎ (መስከረም/September 2010 ዝጀመረ)

1) ኣገባብ ስርዓተ ቤተክርስትያን ክፍሊ ሓደ (Ritual Theology Part I) ቤተክርስትያን እትጥቀመሉ ስርዓተ ኣምልኾ ብፍላይ ድማ ነተን ሸውዓተ ሚስጥራተ ቤተክርስትያንን ዝምልከት፤ መንፈሳዊ ትርጉሙ፤ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድሕረ ባይታኡ፤ ሓዋርያውን ታሪኻውን ሰረቱ ዘርዚሩ የረድእ። በዚ ኮርስ እዚ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝፍጸም ስርዓት መብዛሕትኡ ነቲ ዘልኣለማዊ ዘይልወጥ ቃል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ (ዶግማ) በቲ ጥንታዊ ትርጉሙ ንኽፍጸምን ንኽብሪ ኣምላኽን ድሕነት ደቂ ሰባትን ዝጠቕም ኮይኑ ንኽትግበር ዝጠቕም ምዃኑ ትምሃር። ገለ ገለ ንኣሽቱ ብልምዲ ዝተተኣታተወ ታሪኻዊ ባይታ ዘይብሉ ነገራት ከም ዘሎውን ትግንዘብ

2) ኣቦታት ቤተክርስትያን (ሃይማኖተ ኣበው) ክፍሊ ሓደ (Patristics Part I) እዚ ኣገዳሲ ኮርስ ህይወት፡ ኣገልግሎትን ጽሑፋትን ናይቶም ካብ ሓዋርያት ጀሚሮም ክሳብ ቅድሚ ጉባኤ ንቅያ (325 ..) ዝነበሩ ኣቦታት ዝምልከት ኮይኑ፡ ነታ ቅንዕቲ እምነት ንምዕቃብ ዘሕለፍዎ ገድሊ፤ ጽንዓት እምነቶምን ቅድስናኦምን ንተካእቶም ዘውረስዎ መንፈሳዊ ሃብቲ፤ ከምሰባት ዝነበሮም ድኹም ጎድንን የስተምህር። እዚ ኮርስ እዚ ከምቲ ዝብሃል "ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ናይ ሰማዕታት ቤተክርስትያን እያ" ንዝብል ሓቂ የብርሃልካ። ንኣብነት ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ ቃል ምጥቓስ ጠቓሚ እዩ። ዓለም ዳርጋ ኩላ ብስሕተት ሰዲዓ፤ ንበይኑ ተሪፉ፤ ሰዓብቱ ከይተረፉ ኣንጻር ኩሉ ዓለም ክትቃለስ ኣይከኣልን ኢድካ ሃብ ኣብ ዝበልሉ እዋን "ንእምነት ክርስቶስ ኣንጻር ኩላ ዓለም እንተኾነውን በይነይ ኪዋጋእ እየ" በለ። ነዚ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ተፈጺሙ ዘሎ ገበንን ጽንዓት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራውን፤ ህያው ምስክር እዩ።

3) ብሉይ ኪዳን ክፍሊ ሓደ (Old Testament Part I) ነተን ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሕጊ ወይ መጻሕፍቲ ነብዪ ሙሴ (ዘፍጥረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ዘኁልቁ፡ ዘዳግም፡ የጠቓልል) ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ፤ ነብዪ ሙሴ ክጽሕፎ ከሎ ዝነብረ ነባራዊ ኩነት፡ መኣስን ንምንታይ ዕላማን ከምዝተጸሓፈ፡ ተራ ናይቶም ብድሕሪ ሙማቱ ከምጽሓፍቲ ዘገልገሉ ኣቦታትን ብዝርዝር ቀሪቡ። እቲ ሰፊሕ ኮርስ ምስክርነት ኣቦታት ቤተክርስትያን፣ ውሽጣውን፤ ደጋውን፤ ኣርኪኦሎጂካውን መርትዖታት ንተቓወምቲ (Critics ) ይሓቑፍ።


እዚ ኤርትራውያን ካህናትን ድያቆናትን እንዳተሳተፍዎ፣ ብመዓልታዊ ቅዳሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዳተሰነየ ዝውሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዳተመርሐ፣ በቶም ዝተፈልጡ መማህራን ስነ-መልኮት ዝውሃብ ኣዝዩ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዘሎዎዩ። ካብቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ ንላዕሊ ድማ ካብ ህይወትቶም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ትምሃር። ምኽንያቱ ንቓል እግዚኣብሔር ይፈልጥዎ ጥራይ ዘይኮኑስ ይነብርሉ ድማ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ድማ ስለቶም ስለ እምነት ተዋህዶን፣ ሕጊ ቤተክርስትያንን ምእንቲ ከይጠሓስ ኪብሉ ህይወቶም ዝወፈዩ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ . ኤርትራ ፍሉይ ጸሎት ይግበር ኔሩ። ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ድማ እቶም ብደቂቀ እንጦንዮስ ዚፍለጡ ካህናት: ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ሃገረ ስብከት: ካብተን ሒደት ናይ ድቃስ ስዓታቶም ጊዜ እንዳፈለዩ ብኸመይ ኣብ ቐረባን ርሑቕን ዚርከቡ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ምእመናንን ብዝያዳ ተረባሕቲ ናይዚ ምደብ ኪኾኑ ከምዝኽእሉ ብዕምቖት ብምዝታይ፡ መጽናዕቲ ዚገብራ ንኡሳን ኮሚቴታት መዚዞም።


ተጠቀምቲ ናይዚ ዓብዪ ዕድል ክትኮኑ ንእትደልዩ ኣቦታት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት (contact us) ክትውከሱ ትኽእሉ።


እግዜኣብሔር ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ!
ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብሰላምን ጥዕናን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ!
ተመሃሮ ነገረ-መለኮትደቂቀ እንጦዮስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ።
መስከረም 6/2010

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div