S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ ተስፋ እንገብረላ ቅድስቲ ሃገር

(ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ, 3ይ ክፋል)

"እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳማይቲ ምድርን ሓሊፎም፥ ባሕሪ’ውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፥ ሓዳሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፥ እታ

ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።" (ራእይ 21፡1-2) ስለ እታ ናይ ተስፋ ሃገርን ስለ እታ ቅድስቲ ከተማን መልክዓን ጽባቔኣን ብብሉጽ ወርቅን ኣዕናቕን ስሞምን ዓይነቶምን ብዙሓት ዝዀኑ ብዘደንቑን ዘገርሙን ዝተፈለለዩ ገጻገጽ ተንጸባርቕ ኰይና ከም ዝተሰርሔት ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ዝረኣዮ ምስ ታሪኽን ምስልን ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ እታ ናይ ተስፋና ምሥጢር ዝዀነት ሃገር ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። (ራእይ 21፡9-21)

እምብኣርከስ እቲ እግዚኣብሔር ንፈተውቱ ዘዳለዋ ብጽባቐ ኣዝያ እተደንቕን ቅድስቲ ከተማ ሓዳሽ ኢየሩሳሌም እያ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ክነብር እዩ። ንዓኣቶም ድማ ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ይገብሮም። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሰይጣንን ሰዓብቱን ስለ ዘየለዉ ፈተናን መከራን ዝብሃል የልቦን። ሓዘንን ስቓይን ሞትን ዝብሃል የልቦን። ከመይሲ፡ እቶም መስሓቲ፡ ሓንሳብ ናብ ቀላይ ሓዊ ስለ ዝተደርበዩ፡ ተመሊሶም ክወጹ ስለ ዘይክኣሎም።

 “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፥ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፥ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፥ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾም ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፥ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፥ ወይ ጫውጫው፥ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፥ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ” (ራእይ 21፡3-4)።

እታ ኣዳምን ሔዋንን ዝነብሩዋ ዝነበሩ ጽብቕቲ ሃገረ ገነት፡ ቅድስትን ሰላማዊትን ሃገር ነይራ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ውሽጣ ኣዝዩ ጽቡቅ ነዒንቲ ዝማርኽ ንትንሓግካ ምቁር ዝዀነ ፍረታት ከም ዝነበራ መጻሕፍቲ ኦሪት ይምስክሩ። ኣብ ገነት፡ ኦም ህይወት ከም ዝነበረት’ውን ይዛረብ፡ ብተወሳኺ ኣብ ገነት ሓጢኣት ዝብሃል ስለ ዘይነበረ ሕማም ስቓይ ሞት ሓዘን ዝብሃል ኣይነበረን፡ ቁርን ሃሩርን’ውን ኣይነበረን። ኩሉ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ ክኸውን ከሎ፡ እግዚኣብሔር ንኣዳምን ሔዋንን ክበጽሖም ኢሉ ይመጽእ ከም ዝነበረ ኦሪት ይዛረብ። ብሓቂ  ዘገርም፡ ንሰብ ካብዚ ዝዓቢ ጽቡቕ ነገር እንታይ መድለዮ፧ እንተዀነ ኣብታ ጽብቕቲ ገነት፡ ሰይጣን ክኣትዋ ከኣለ እሞ፡ ነታ ንዓና ኢላ ዘይተፈጥረት ሞት ኣምጽኣልና፡ ካብታ ጽብቕቲ ሰፈርና ድማ ኣውጽኣና። (ዘፍ፡ 2፡8-15)።

ሕጂ ግና ኣብታ ጽብቅቲ ቅዱስ ዮሃንስ ዝተዛረበላ ቅድሥቲ ሃገር፡ ሰይጣን ፈጺሙ ዘይኣትዋ፡ እግዚኣብሔር ድማ ክበጽሓ ክመጽእ ዘይኰነ፡ ኣብኣ ከም ዝነብር፡ ከምዚ ገይሩ ይገልጻ።

“ ከም ክርስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፥ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፥  ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ ። ነቲ ርባ ብክልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቄጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይክህልውን እዩ፥ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን ኣብኣ ኪኽውን እዩ፥ እቶም ባሮቱውን ኬገልግልዎን ገጹ ኽርእዩን እዮም፥ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኬብርሃሎም፥ ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ እዮም እሞ፥ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፥ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣይከድልዮምን እዩ።” ኢሉ ነጊሩና ኣሎ ሰብከ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ይደሊ፡ ብክእለቱ ዘይኰነ ብጸጋ እግዚኣብሔር እዚ ካብ ተተስፈወ ብጃካ ምስጋና ነዚ ክረክብ እንታይ ምሃበ  (ራእይ 22፡1-5)።

 “እቶም ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ብጹኣን እዮም”

እምብኣርከስ እታ እግዚኣብሔር ንፈተውቱ ዘዳለዋ ቅድስቲ ሃገር-ተስፋ፡ ንሰብ ብዝርድኦ ቛንቛን ምሳሌን ድኣ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተገልጸት እምበር፡ እቲ ሓቀኛ መልክዓን ህይወታዊ ናብራኣንሲ በዚ ኣብ ሥጋ ተደሪቱ ዘሎ ሰብኣዊ ኣእምሮና ክትግመት ዘይከኣልን ብሰብኣዊ ቓላት ክትግለጽ ወይ ብዛዕባኣ ጸብጻብ ክትህብን ፈጺሙ ዘይከኣልን እዩ (1ቆረ፡ 2፡9)። መንግሥተ ሰማያት ማለት፡ እግዚኣብሔር ብጽድቁ ዝገዝኣላ መንግሥቲ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ዝሕባእ ልቢ ወይ ኣእምሮ ስለ ዘየለ፡ ንኹሉ ብጽድቁ ከመሓድሮ እዩ። እቶም ኣብኣ ዝኣትዉ ድማ ብሰላማዊ ንጉሦም ስለ ዝምርሑ ንዘለዓለመ ዓለም ብሰላም ክነብሩ እዮም። ተስፋና ድማ ኣብዚ ይፍጸም።

እቲ ንጉሥ እዛ ሃገር እዚኣ ዝዀነ እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል፡ “ቀጺሉ ኸኣ፥ እዚ ክኸዉን እዩ፥ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ክዀኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ” (ራእይ 21፡6-7)። እሞኸ እቲ ዝዕወት፧ መን እዩ ነዛ ዓለም እዚኣ ምስናይ ፍትወታ ከም ዘይናቱ ዝርእያ፧ ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዂሉ ንዓለም ይስዕራ፥ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፥ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፥ እቲ ንኢየሱስ፥ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፥ መን እዩ፧ እናበለ ናይቶም ተዓወቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረቱ ከም ዝዀኑ ይገልጸልና (1ዮሃ፡5፡4-5)። ስለዚ ብደም ክርስቶስ ክዳውንቶም ዝሓጸቡን ዝነጽሁን፡ ተኻፈልቲ መንግሥቱ ክዀኑ እዮም። ከመይሲ ምስኡ ሓደ ስለ ዝዀኑ። ብርግጽ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ኩላትና ክንኣቱ ጸጋ እግዚኣብሔር ንኹላትና ተዋሂቡና ኣሎ። ክንቅበሎን ዘይክንቅበሎን ግና ናትና ግደ እዩ። ኣብታ ኦም ህይወት መል ምእንቲ ኺረኽቡ፥ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፥ እቶም ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ብጹኣን እዮም።  (ራእይ 22፡14)

እዞም ኣብ ራእይ 7፡13-17 ዘሎዉ ክዳውንቶም ዝሓጸቡ ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑስ በዓል መን እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ እዚኣቶም ካብ ዓቢ መከራ ዝመጹ እዮም። ብእምነቶምን ብምግባሮምን ጸኒዖም መከራን ፈተናን ሰጊሮም ዝተዓውቱ እዮም። እሞከ እዞም ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ፡ ብዘመን ሰማእታት መከራ ዝተቐበሉ ጥራይ ድዮም፧ ያእ ኣይከኑን። እዚኣቶምሲ ንዝጠመየ ዘብልዑ፡ ንዝጸምኤ ዘርወዩ፡ ንጋሻ ዝተቐበሉ፡ ንዝዓረቐ ዘልበሱ፡ ንዝሓመመን ንዝተኣስረን ዝበጽሑ፡ ንዝተሸገሩ ድማ ዘርሃዉ እዮም። ክርስቶስ ብመለኮታዊ ክብሩ መንግሥቱ ዝእውጀላ ሰዓት ምስ መጸት፡ ነዚኣቶም “…ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፥ ንዑ፥ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግሥቲ ውረሱ” ክብሎም እዩ (ማቴ፡ 25፡34)።

ይቅጽል…..

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div