ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
“ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን። በይባቤ ዓርገ ወበቃለ ቀርን፡ ወንበረ ብየማነ አቡሁ።ዓርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት ተኰነኑ ሎቱ መላእክት።” አምላኽ ብእልልታ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ብክብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ መላእክቲ ሰማይ አመስገንዎ።” እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብና፡ ኣብታ ጐይታና ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ ጊዜ ሓቢሩ ዘምሰየላን ድራር ገንሸል ፋሲካ ዝበልዓላን ምሸት ዝተዛረቦ ቓላት ዝሓዘ’ዩ። ካብዛ ቦታ’ዚኣ ብቐጥታ ናብ ጌተ ሰማኔ ኸይዱ እናጸለየ ኸሎ ተታሒዙ ንጽባሒቱ በጃ ዅላትና ተሰቒሉ ሞተ። ካብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳዕ ምዕራፍ 17 ዘሎ ዅሉ ኣብ ሓደ ምሸትን ኣብ ሓደ ገዛን ዝተባህለን ዝተገብረ’ዩ።
ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።
ቐዲምና ብዛዕባ ፍልልይ ሕግን ጸጋን ኣሕጽር ኣቢልና ተመልኪትና ኣሎና፡ ካብዚ ንደሓር ድማ፡ ጸጋ ምስ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርክብ ብታሪኽን ብምሳሌን ከመይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንምልከቶ ኢና። ጸጋ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን
ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ድሕሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኣብ ዘላ ቐዳመይቲ ሰንበት ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሓደ ዓብይ ምስጢር ገሊጹልና ይርከብ። እዚ ምስጢር’ዚ፡ ምስ ቅድስት ስላሴ ብጽኑዕ ፍቕሪ ዚጠምር ተግባር’ዩ። ካብኡ ሓሊፋ’ውን ብዛዕባ ቅድስት ስላሴ ዓሚቝ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ዜጐናጽፍ ብሉጽ ምርጫ እዩ። ኣርእስትና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እዚ ኣብ ምድርን ኣብ ስማይን ክቡርን ነባርን ዓወት ዜጐናጽፍ መገዲ’ዚ፡ ንፍቕርኻ ብስምዒት ወይ ብባዶ ቓላት ዘይኰነስ ብግብራዊ ተኣዝዞ ናይ ምግላጽ ጥበብ እዩ።
ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ “ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ እዩ
ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡ ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂ’ውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓም’ውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ