መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 30 ሓምለ -2 ነሓሰ (30 July-August 2) 2009 ዓ.ም ኣብ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
አሠርገዎሙ ለሐዋርያት በሰማያት። አሠርገዎሙ፡ ወንጌለ መንግሥት አወፈዮሙ። አሠርገዎሙ፡ ሰንበተ ክርስቲያን ለዕረፍት ሠርዐ ሎሙ። አሠርገዎሙ፡ ከመ ወርቅ በእሳት ፈተኖሙ። አሠርገዎሙ፡ ወከመ ጽንሐሐ መሥዋዕት ተወክፎሙ። አሠርገዎሙ፡፡ ለሐዋርያት በሰማያት። ትርጉሙ “ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም። ሸለሞም፡ ሕድሪ ወንጌል መንግስተ ሰማያት አረከቦም። ሸለሞም፡መዓልቲ ሰንበት ንዕረፍቲ ክርስቲያናት ሰራዓሎም። ሸለሞም፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ፈተኖም። ሸለሞም፡ ከም ጽንሓ ዕጣናን መስዋዕቲ ተቀበሎም። ኣብ ሰማይ ንሃዋርያት ሸለሞም” ኢሎም ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን መዝሙር ክዝምሩ ዝሓድሩ እዚ ዕለት ስለምንታይ እዩ፧
ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞም “ኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ዝብል ነበረ።
እተን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝበሃላ፡ ማለት ናይ ኦሬንታልን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስነ መለኮት ዘተ ካብ 25-28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቀንዩ።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ።እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን። ትርጉም “ ጻድቃኑ ንእግዚአብሔር ዘምሩ፡ ክርስቶስ ካብ ምውታት ተንሲኡዩሞ።” ኣብዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ነዚ ዕለት’ዚ ሰሪዓቶ ዘላ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ጐይታና ነቶም ሽዑ ብኣካል ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ነቶም ድሕሪኦም እንኣምን ኵላትናን፡ ኣዝዩ ዓብይ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰደልና ዚገልጽ ተስፋ’ዩ። ዳርጋ ዅላትና ብጓህን ሓዘንን ስለ እንሓልፍ፡ መጸናንዒ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜገድሰና ዚስሕቶ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እቲ ንልባትና ኻባና ንላዕሊ ዚፈልጦ ጐይታ ድማ፡ ኣድላይነት ምጽንናዕ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዚርዳእ፡ መጸናንዒ ኸም ዚሰድደልና ባዕሉ ኣተስፈወና። እዚ ቓል ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ልብና ሓዲሩ፡ ኣርእስቲ ጸሎት ይዀነልና እሞ፡ እግዚኣብሄር ኬጸናንዓና ኽንጽልይ ይድርኸና።
ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ