“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡12,18።
ኣብቲ ነዊሕ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘመነ-ሓዋርያት ኣትሒዞም ክሳብ ሎሚ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገሩ ዝመጹ ናይ ትውፊት ትእዛዛትን ሥርዓታትን ኣለዉ። ሓደ ካብኦም ድማ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ሓሙስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንገብሮን ንዝክሮን ሥርዓት ምሕጻብ እግሪእዩ። ናይዚ ሠናይ ግብሪ ጀማርን መሃርን ድማ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ፡ ዮሓንስ ኣብ ዝጸሓፎ ቅዱስ ወንጌል ምስ መንፈሳዊ መልእኽቱ ብሰፊሑ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ብዛዕባ ሕጽበተ-እግር ዝገልጽ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፥ ማርቆስን ሉቃስን ተጻሒፉ ኣይንረኽቦን ኢና።
እተን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝበሃላ፡ ማለት ናይ ኦሬንታልን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስነ መለኮት ዘተ ካብ 25-28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቀንዩ።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ተመዚዞም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ, ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያ ኮይኖም ዝተመዘዙ፡ ልኡኽ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብ26 መስከረም 2009 (፲፮ መስከረም ፳፻፪ ዓ.ም ግእዝ) ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ዝተገብረ ርክብ እዩ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። . . .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም
ካብ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሠረት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ኒው-ዮርክ ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ዝተገብረ 9ይ ዓመታዊ ናይ ሓባር ጸሎት ወኪል ብምልኣኽ ተሳቲፉ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ’ዩ፡ ሓደ’ኳ ኺዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ፧ ዮሃ 9፡4።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ