ናይ ሎሚ ዓመት ጾመ ሓዋርያት ካብ ፲፮ ግንቦት ክሳብ ፭ ሓምለ ፳፻፪ ዓ.ም ግ፡ ወይ ከኣ (24 May -- 12 July 2010) ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ
ከምዘሎ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ። ጾም ክንብል ከሎና ሕግን ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ምዃኑ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ይስምዓና። ስለ ምንታይሲ ጾም ቅድሚ ኃጢኣት ናብዚ ዓለም ምእታዉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣቦና ኣዳም ኣብ ገነት ምስኣቐመጦ እታ ዝሃቦ ቀዳመይቲ ሕጊ (ደረት)፥ ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፥ ካብኣ ኣይትብላዕ።’’ ዝብል ትእዛዝ ከም ዝኾነ ወትሩ እነንብቦ ቃል ኣምላኽ እዩ። (ዘፍ 2፡16) በዚ መሠረት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዓመት 7ተ እዉጅ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣጽዋማት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ብሠናይ ድሌትን ትሕትናን ልቡ ኣንጹሁ ብእምነት ናብ ኣምላኽ ዝለመነ ዓስቢ ጾሙን መልሲ ጸሎቱን ከምዝቕበል ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ቀዳሞት ቅዱሳንውን ‘’ጾምሰ ትፌውስ ቍስለ ሥጋ ወነፍስ’’ ማለት ‘’ጾምሲ ንቍስሊ ሥጋን ነፍስን ትፍውስ እያ’’ እናበሉ፥ ኩሎም ነቢያትን ሓዋርያትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ወትሩ ብጾምን ጸሎትን ዝጋደሉ ዝነበሩ። ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብጾምን ጸሎትን ነቒሑ ይሓድር ከምዝነበረ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። እምበኣር ንሕናውን ብክርስቶስ ክርስቶሳውያን፥ ብወልድ ውሉድ ኣምላኽ ስለዝኾንና ትእዛዝ ክርስቶስን ሕጊ ሓዋርያትን ተኸቲልና ንኣዋጅ ቅድስት ቤተክርስቲያን ከነኽብር ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ። እታ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ዝመሥረታ ምድራዊት መቕደስ ማለት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብሕግን መምርሕን ሓዋርያት ስለ እትጎዓዝ ሓዋርያዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። እምበኣር ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢልና ብዛዕባ ጾመ ሓዋርያት (ጾመ ሰነ) እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ንከታተል።
ጾመ ሓዋርያት ክንብል ከሎና ከምቲ መጸውዒኡ ዘነጽሮ፥ ቅዱሳን ሓዋርያት ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ምስ ተቐበሉ፥ ናብ መንፈሳዊ ዕዮ ወንጌል ቅድሚ ምውፋሮም ተኣኺቦም ዝጾሙዎ ወግዓዊ ጾም እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ኣገልግሎቶም እግዚኣብሔር ክኸብር፥ ቃሎም ክሰምር፥ ምስክሮም ንዘለዓለም ክነብር፥ ኢሎም ብሓባር ጾምን ጸሎትን ገበሩ። ብተወሳኺ ንብዙሓት ናብ መገዲ ሕይወት ክመርሑ፥ ብርሃን ሓቂ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ከብርሁ፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ንኸስፍሑ ብጾም ንኣምላኽ ለሚኖም። ቅዱስ ወንጌል ‘’ዝለመነ ኩሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝዃሕኵሐ ድማ ይረሓወሉ እዩ’’ ከም ዝበለ፥ ሓዋርያትውን ሰማያዊ ጸጋን መንፈሳዊ ጥበብን ስለዝሰነቑ፥ እንሆ ሎሚ ንሳቶም ብጾምን ብጸሎትን ዝዘርእዎ ቃል-ወንጌል ኣብ ምሉእ ዓለም ተባጺሑስ ሕያው ፍረ መንፈስ ቅዱስ ፈርዩስ ይርከብ ኣሎ። ሮሜ 1፡5።
ኣብ መጽሓፍ ፍትሓ-ነገሥት ተገሊጹ ከምዘሎ ‘’ወእግዚእነሂ ጾመ እምድሕረ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ላዕሌሁ እምቅድመ ይንግሮሙ ለሕዝብ ሕገ ዚኣሁ’’ ማለት ‘’ጎይታና ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ወረደ ቅድሚ ሕግታቱ ንሕዝቢ ምንጋሩ ጾመ’’ ይብል። (ማር 1፡12)። ‘’ወከማሁ ጾሙ ሓዋርያትኒ ሶበ ወረደ ላዕሌሆሙ መንፈስ ቅዱስ በበዓለ-ሓምሳ (፶) ቅድመ ተናብቦቶሙ ለሕዝብ በሕግ መሲሓዊት፡ ወንሕነኒ ተመራሕነ ቦሙ በዝንቱ’’ ትርጉሙ ‘’ከምኡውን ሓዋርያት ኣብ በዓለ ሓምሳ (፶) መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረዶም ሕጊ ክርስቶስ ንሕዝቢ ቅድሚ ምንጋሮም ጾሙ፥ ንሕናውን ብእኦም ተመሪሕና ኢና እንጾሞ’’ ይብል። ፍትሓ ነገሥት ኣንቀጽ 15 (፲ወ፭ቱ)። ስለዚ ጾመ ሓዋርያት ጥንታዊ ታሪኽን ስፊሕ ትርጉም ዘለዎን ብምዃኑ፥ ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ብጾምን ጸሎትን ምሕረት ኣምላኽ ክንልምን ይግብኣና። ብዝያዳ ድማ ካብ ዓቢይ ጾም (ክርስቶስ ዝጾሞ) ይኹን ካብ ጾመ ሓዋርያት ከነስተውዕሎ ዝግብኣና፡ ንውልቃዊ፥ ማሕበራዊ ይኹን መንፈሳዊ ስራሕና ቅድሚ ምጅማርና ብጾምን ጸሎትን ፍቓድ ኣምላኽን ረድኤት እግዚኣብሔር ክንልምን ከምዝግባእ ኣይንዘንግዕ።
ኣብ መደምደምታ ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምቕባሎም ንሓደ ጋኔን ዝሓዞ ቆልዓ ምፍዋሱ ሰኣኑ እሞ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ ነቲ ጋኔን ገንሖ፥ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቆልዓ ድማ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። ብድሕሪ እዚ ሓዋርያት ናብ ጎይታ ቀሪቦም ‘’ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጽኡ ዝሰኣንና?’’ ክብሉ ንመምህሮም ሓተትዎ። ክርስቶስ ድማ ‘’እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ብጾምን ጸሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወጽእን እዩ’’ በሎም። ማቴ 17፡21። በዚ መሠረት እምበኣር እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ሰይጣን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና፥ ኣብ መንጎ ሕዝብና፥ ኣብ ሃገርናን ዓለምናን እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕርን ሰላምን ንኸይህሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ፍቑራት ባእሲ፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ክሲ እናእተወ ኩሉ ሰብ ብመገዲ ኃጢኣት ንኽጎዓዝ ይጽዕር ስለዘሎ፥ እዚ ኵነታት’ዚ በጀካ ብጾምን ብጸሎትን ብኻልእ ክንስዕሮ ከም ዘይንኽእል ክንርዳእ የድሊ። ልዑል እግዚኣብሔር ‘’ናባይ ተመለሱ፥ ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ’’ ኢሉ ይዕድመና ኣሎ’ሞ ኣብዚ ክቡር ጾመ ሓዋርያት ብንስሓን ትሕትናን ሓቢርና ናብ ኣምላኽና ንማህለል።
ኦ ጎይታ! ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና ኣይኹን!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ