“ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።” ሮሜ 7፡5 ካ.ት
ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ተቓኒዑ Read more...
ካብ ትሕዝቶታት ጉባኤ 2014
1. "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኽኹም፣ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ..."። (ዮሃ 13፣ 34-35)
2. ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ኤፌ 2፡21።
3. "እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹሕ ልቢ፣ ካብ ሰናይ ሕሊና፣ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ።( 1ጢሞ 1፣5)
4. ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ዮሃ 8:31-32
5. "ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን...። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም ብፍቕሪ ኣሕዋት፣ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ"(ሮሜ 12፣9- 10)።
6. ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ (ነህ 1 : 2-4)
7. እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። ዘፍ 2።18።
“እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ፍርዲ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።” 1ጴጥ 2፡12 ካ.ት
ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ኩሉ ሓሳብናን ድልየትናን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ህይወትና ማእከላይ ሰፈርን ትርጉምን ዝሓዘ ክኸዉን ኢዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ካብዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘሰጋገረና፡ ዘድልየና ኩሉ በብዕለቱ ዝምግበና ዝኣልየናን ንሱ ሰለ ዝኾነ። ስለዚ ኩለንትናና ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ንሽገረሉን ሓገዝ ኣብ ዘድልየናን ግዜ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ነእዊ፡ ስለ ስጋዊ ህይወትና ሓገዙ ንሓትት፡ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ምረት ዝተሓወሶ ጥርዓን ነቕርብ። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያትከኣ ካብኡ ወጻኢ ረዳኢ ስለ ዘይብልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ህይወትና ሓገዝን ረዲኤትን ንሓትት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እዉን ከምኡ ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ።ምክንያቱ ካብ ኣምላኽ ተፈሊና እንጉዓዞ ህይወት መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ከም ዝወስደና ስለ ዘይነፈልጥ። ብስጋ እካ ናብኡ ኣዚና ዝጠራዕና ብመንፈስ ደኣ ማዕረ ክንደይናብኡ ክንጠርዕ ዘይግብኣና።
“ንሕና ግና፡ ከም’ቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና።” 2ጴጥ 3፡13
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም (መዝ 78: 65-66)።
“እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ’ዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብ’ቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኰነን፧” ያእ 4፡1
ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት Video
ብንብዓት ዝተሰነየ መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ (10 ሚያዝያ 2011) ብምኽንያት እቶም ኣብ ቀላያት ማልታ ዝሓለቑ ግዳያት ዝተገብረ ጸሎት ፍትሓት {audio}images/stories/mp3/diocese/FithatByAMekarius04102011.mp3{/audio}
“ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ’ምበር፡ ንሓጐስ ዚኸውን ኣይመስልን’ዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ’ዩ ዚፈርይ።” እብ 12፡11
እዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና “ዘመፃጒዕ” (ዘመጻጒዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፈዋስነትን ኵሉ ከኣልነትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትነሉን ክንመሃረሉን ዝተሰርዓልና መዓልቲ ድማ’ዩ። ነዛ ሰንበት’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክሳዕ’ታ እትስዕብ ሓምሸይቲ ሰንበት ንዘሎ መዓልታት ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ’ውን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ክንመሃርን፡ ብዛዕባ ህልዊን ናይ መጻእን ጥዕናዊ ጸገማትና’ውን ኣብኡ ምውካል እንመሃረሉን እንለማመደሉን ሰሙን’ዩ። እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ብዛዕባ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዝመጽጒዐ’ሞ ብጐይታና ዝተፈወሰ ሰብኣይ ዚትርኽ ናይ ዮሃ 5፡1-18 ክፍሊ ወንጌል’ዩ። ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ታሪኽ ህይወት፡ ምስ’ዚ ንሎሚ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ስብከት ዚሰማማዕ’ዩ። በቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፦
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ