S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዛ ሓላፊት ዓለም እሙን ምዃን እቲ ዝኸበረን ብጣዕሚ ዘሐጉስን ጠባይ ደቂ ሰባት እዩ። እሙን 

ኤርትራዊት ቤተ ክስርቲያን ተዋህዶ ስለቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዳ። እቲ ጸሎተ ፍትሓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ እዩ ተፈጺሙ። ምእመናን ድማ ብጸሎትን ንብዓትን ዝተሰነየ ሓባራዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቦም። ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ'ሞ ኣምላክ ንመከራና መወዳእታ ይግበረሉ። ኣሜን።

ነቲ ዝተገብረ ጸሎት ንምርኣይ ኣብዚ ዝቕጽል መላግቦ ተወከስ፡ Prayer vigil Service - Washington, DC


ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ን3 መዓልቲ ጾምን ምህልላን ክግበር ኣዋጅ ንህዝቢ (ህዝቢ ኤርትራ) ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ይሕብር። እዚ ብምኽንያት ጾመ ነነዌ ን3 መዓልቲ ዝግበር ጾምን ምህልላን: ካብ ሰኑይ 22 የካቲት ጀሚሩ ክሳብ 24 የካቲት 2016 (ሰኑይ፣ ሰሉስን ረቡዕን) ክኸውን እዩ።

 “ኢየሱስ ከኣ፡ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣሎኒ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ‘ሰብዶ ዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧’ ተበሃሃሉ። ኢየሱስ ድማ፡ “ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ምግባር፡ ዕዮኡ’ውን ምፍጻም’ዩ” (በሎም)።”  ዮሃ 4፡32-34 ካ.ት

በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።

ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላም ምስ ኵላትና ይኹን። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ መበል 18 ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤና ካብ ሓሙስ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2016 (July 28 to July 31, 2016) (ካብ ፳፩ ክሳብ ፳፬ ሓምለ ፳፻፰ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ከተማ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ።

“እቲ ዚጣራጠርሲ ኸም’ቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ’ዩ ዚመስል’ሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን’ሞ፡ እቲ ኸም’ዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።” ያእ 1፡6-8

 “ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ነዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግብርን’ዩ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ ይኹን።” ያእ 1፡19,20

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን  ስለቶም ኣብ ላምፐዱሳ ዝሃለቁ ኤርትራውያን ዘካየድዎ ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት - ቪድዮ

 “ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን’ዩ።” ማቴ 6፡24

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div