በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላም ምስ ኵላትና ይኹን። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ መበል 18 ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤና ካብ ሓሙስ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2016 (July 28 to July 31, 2016) (ካብ ፳፩ ክሳብ ፳፬ ሓምለ ፳፻፰ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ከተማ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ።
እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ኩሉኹም ግዱሳት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ናብ ከተማ ሮቸስተር ብምጉዓዝ ተኻፈልቲ ቡራኬን መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ክትኾኑ ብስም ቅድስት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ "እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕ ድማ ቃል እግዚኣብሔር እዩ’’ (ሮሜ 10፡17) ክብል ዝጸሓፈልና፡ ብዛዕባ ተስፋ-እምነትና ብጳጳስ-ዲበኩሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ብካህናት፡ ዲያቆናት፥ ኣገልገልቲ ትምህርቲ ሰንበትን ሰብ ሞያ ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ዝወሃብ ሰፊሕ ትምህርቲ ወንጌልን ትምህርቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ናብራን ክወሃብ እዩ።
እግዚኣብሄር ብሰላም የራኽበና። ኣሜን።
ክፍሊ ርክበ-ህዝብ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
15 የካቲት 2016
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ