ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ን3 መዓልቲ ጾምን ምህልላን ክግበር ኣዋጅ ንህዝቢ (ህዝቢ ኤርትራ) ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ይሕብር። እዚ ብምኽንያት ጾመ ነነዌ ን3 መዓልቲ ዝግበር ጾምን ምህልላን: ካብ ሰኑይ 22 የካቲት ጀሚሩ ክሳብ 24 የካቲት 2016 (ሰኑይ፣ ሰሉስን ረቡዕን) ክኸውን እዩ።
ምስ ከባቢ ብዝሰማማዕ መገዲ ኣብያተ ኣብያተ ክርስቲያናት ን3 መዓልታታት ክፉት ኮይኑ: ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ከካይዳ እየን።
ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ንህዝቢ ነነዌ ዝሰመዐ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ጸሎትና ሰሚዑ ምሕረትን ሰላምን የውርደልና። ኣሜን።
እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ...ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። 1ይ ጢሞቴዎስ 2: 1-2።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
16 መጋቢት 2016።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ