S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን፣ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔ። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪምሕርን ኪርኅርኅን እዩ ዚፈቱ እሞ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ኢዮኤል 2፣ 2፣12-13።

ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ኩሉ ሓሳብናን ድልየትናን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ህይወትና ማእከላይ ሰፈርን ትርጉምን ዝሓዘ ክኸዉን ኢዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ካብዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘሰጋገረና፡ ዘድልየና ኩሉ በብዕለቱ ዝምግበና ዝኣልየናን ንሱ ሰለ ዝኾነ። ስለዚ ኩለንትናና ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ንሽገረሉን ሓገዝ ኣብ ዘድልየናን ግዜ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ነእዊ፡ ስለ ስጋዊ ህይወትና ሓገዙ ንሓትት፡ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ምረት ዝተሓወሶ ጥርዓን ነቕርብ። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያትከኣ ካብኡ ወጻኢ ረዳኢ ስለ ዘይብልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ህይወትና ሓገዝን ረዲኤትን ንሓትት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እዉን ከምኡ ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ።ምክንያቱ ካብ ኣምላኽ ተፈሊና እንጉዓዞ ህይወት መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ከም ዝወስደና ስለ ዘይነፈልጥ። ብስጋ እካ ናብኡ ኣዚና ዝጠራዕና ብመንፈስ ደኣ ማዕረ ክንደይናብኡ  ክንጠርዕ ዘይግብኣና።

“ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ’ምበር፡ ብዛዕባ’ታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃት (ኣምላኽን) ደኣ ይኹን።”  1ጴጥ 3፡15

“እቲ ዘለኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ። ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ’ምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” 1ቈረ 15፡10

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ሞት ሓዘና እናገለጸት፣ ንሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013 ስለቶም ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ጸሎት ፍትሓት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት: ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ: ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ: ዝርከባ ኣብያተክርስትያን (ዝርዝር ኣብያተ ክርስትያን) ጸሎት ፍትሓት ክገብራ እየን:: ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ብሓፈሽኡ ስለ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ እና። ኤርትራውያን ምእመናን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና ድማ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንምሕጸን።

እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበል።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።

“ኣነ ምእንታኦም እልምን ኣለኹ። ናትካ’ዮም’ሞ፡ ምእንቲ’ዞም ዝሃብካኒ’ምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን’የ። ኵሉ ናተይ ናትካ’ዩ። እቲ ናትካ’ውን ናተይ’ዩ፡ ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ።” ዮሃ 17፡9,10 ካ.ት።

“ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” 1 ቆረ  1:18።

ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ተቓኒዑ Read more...
ካብ ትሕዝቶታት ጉባኤ 2014

1.      "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኽኹም፣ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፣ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ..."። (ዮሃ 13፣ 34-35)

2.     ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። ኤፌ 2፡21።

3.     "እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹሕ ልቢ፣ ካብ ሰናይ ሕሊና፣ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ።( 1ጢሞ 1፣5)  

4.     ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። ዮሃ 8:31-32

5.     "ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን...። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም ብፍቕሪ ኣሕዋት፣ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ"(ሮሜ 12፣9- 10)። 

6.     ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ (ነህ 1 : 2-4)

7.     እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። ዘፍ 2።18። 

8.     ቪድዮ Videos

9.    ስእላዊ መግለጺ - Photos

“ማርያም (መግደላዊት) ግና ኣብ’ቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበክይ ነበረት። ..... ኢየሱስ ከኣ “ማርያም” በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ (ብቋንቋ) እብራይስጢ፡ “ረቡኒ” በለቶ። ትርጕሙ “መምህረይ” ማለት’ዩ።” ዮሃ 20፡11,16

 “ኣሕዋተይ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ (ክርስቶስ) ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም።” 1ጴጥ 2፡21

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div