“ምድሓን ካብ’ቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ’ሞ፥ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ሮሜ 13፡11,12
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ታሕሳስ 14 ኽሳዕ ታሕሳስ 20 ዘሎ ቕንያት “ብርሃን” ይብሃል። ብርሃን ዝተሰምየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ልደቱ ኸነብዕል ብተስፋን ብሃንቀውታን ‘ንጽበዮ ዘለና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብርሃን ዓለም ስለ ዝዀነ’ዩ። እቶም ብስሞም ጾም ዝተሰርዓሎም ቅዱሳን ነብያት፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝሃብዎ ትንቢት፡ ነዛ ብድቕድቕ ጸልማት ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ዓብዪ ብርሃን ይመጸላ ኸም ዘሎ እና’በሰሩ’ዮም ዝሓለፉ። ብፍላይ ነብዪ ኢሳይያስ፦
“ናብ ምድሪ ኺጥምቱ’ዮም፡ እንሆ’ውን ጸበባን ጸልማትን ዜሽብር ጽልግልግታን ኣሎ። ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡ’ዮም። ግናኸ ኣብ’ታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን’ዩ፡ ...... እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩ’ውን ብርሃን ወጻሎም።”ኢሉ ዝተነበዮ ቓል፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ (ኢሳ 8፡22 ፣ 9፡1,2)። ከም’ቲ ዝተነግረሉ ትንቢት ድማ፡ ጐይታና ኣብ’ቲ ብህዝቢ እስራኤል ንዑቕ ዝዀነ ኣውራጃ ገሊላ ከተማ ናዝሬት ብምዕባይን ወንጌል ብምስባኽን ብግብሪ ፈጸሞ (ማቴ 2፡23 ፣ 4፡12-16 ፣ ዮሃ 1፡45,46 ፣ 7፡50-52)። ብርሃን ዓለም ምዃኑ ድማ ንሱ ባዕሉን ኵላቶም ሃዋርያቱን ደጋጊሞም ዘረጋገጽዎ ሓቂ’ዩ (ዮሃ 1፡6-9 ፣ 3፡18-21 ፣ 8፡12 ፣ 9፡4,5 ፣ 11፡9,10 ፣ 12፡35,36,46 ፣ 1ዮሃ 2፡8)። ብመሰረቱ ብርሃን፡ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። እግዚኣብሄር ብርሃናዊ ኣምላኽ’ዩ (ዮሃ 8፡12 ፣ 9፡5 ፣ 12፡35,36,46)። እግዚኣብሄር ወልድ’ውን፡ ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን፡ ብርሃናዊ’ዩ። ስጋና ለቢሱ፡ “ኢየሱስ” ተሰምዩ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ወን፡ እቲ ብርሃናዊ ባህርዩ ኣይተፈልዮን። ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃናውነት ድርብ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ብርሃንነቱ፡ እቲ ብዓይኒ ኺረኣይ ዚኽእል ኣካላዊ ብርሃን ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተገልጸሉን፡ በቲ ንሳውል (ቅዱስ ጳውሎስ) ኣብ መገዲ ደማስቆ ዝተራእዮን ዚግለጽ’ዩ (ማቴ 17፡2 ፣ ግብ 9፡3-5 ፣ 22፡6-8 ፣ 26፡12-15)። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ በቲ ግብራዊ ህይወቱን በቲ ዚሰብኮ ወንጌልን ዚህቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ብርሃን’ዩ (2ቈረ 4፡4,6 ፣ 2ጴጥ 1፡19)። ጐይታና “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ኪብለና ኸሎ፡ ነቲ ቐዳማይ ዘይኰነ ነዚ ኻልኣይ ተወራሲ ባህርዩ ኣመልኪቱ ዝበሎ (ማቴ 5፡14 ፣ ፊል 2፡15)።
እምበኣር እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰሪዓትልና ዘላ ዘመነ ብርሃን፡ ብዛዕባ’ቲ ናይ እግዚኣብሄር ብርሃናዊ ባህርይ ከነስተንትንን ክንውድሶን፡ ነቲ ዘይቅረብ ብርሃን ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ምእንቲ ድሕነትና ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ኺገሃድን፡ ነቲ መንፈሳዊ ብርሃኑ ኼብርሃልናን ብምልኣኹ ምሉእ ዘይጕዱል ምስጋናን ውዳሰን ከነቕርብ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም’ቲ ንሱ ብርሃን ዓለም ዝዀነ፡ ንኣና’ውን “ብርሃን ኢኹም” ዝበለና፡ ናይ ብሓቂ ብርሃንና ይበርህ ከም ዘሎ ኸነረጋግጽ ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና ወርቃዊ ዘመን’ዩ። ንርእስኻ ኣብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት እናሃለኻ ብዛዕባ ጐይታና፡ “ብርሃን’ዩ፡ ብርሃን’ዩ” እናበልካ ለይትን መዓልትን እንተ ተዛረብካን እንተ ተኣመንካን እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ምኽንያቱ ልሳንካ ደኣ’ዩ ናይ ጥበራ ተልእኾኡ ዚፍጽም ዘሎ’ምበር፡ ብግብራዊ ኣካይዳኻ በቲ ጸልማትካ ነቲ ብርሃኑ ኸተጥፍእ ትጋደልን ትዋግኦን ኢኻ ዘለኻ። ንርእስና ኣብ ብርሃን ሃሊና፡ ንርእስና ብርሃን ኴንና፡ “ኢየሱስ ብርሃን’ዩ” እንተ በልና ግን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ብርሃን ኣገልገልቲ ኢና። ምርጫናን ኣካይዳናን ብኣንጻሩ ናይ ጸልማት እንተ ዀይኑ ግን፡ ዘመነ ብርሃን ንኣና ፍርዳዊ’ምበር ብስራታዊ ዘመን ኣይኰነን። እምበኣር ነዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ብርሃን ናብ ረብሓና ንለውጦ። ንርእስና ብርሃን ብምዃን ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ንምዃን ንጠቐመሉ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “አቅዲም ነገረ በኦሪት” ዘርእስቱ፡ ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ገና ካብ’ቲ ዘመነ ጸልማት፡ ካብ ዘመነ ኦሪት ኣትሒዙ ዝተነግረ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። ኵሉ’ቲ በዚ ዕለት’ዚ ዚንበብ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክን’ውን፡ ብርሃን-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ብፍላይ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ብዛዕባ’ቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪምስክር ከም ዝመጸ ዚገልጽ’ዩ። እምበኣር ንሕና’ውን ምስ ቅዱስ ዳዊት ኣቦና ዄንና “ብርሃንካን (ጽድቕኻን) ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ” እናበልና ነቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ንማሕጸኖ።
ንምንታይ ኢና ኻብ ድቃስ ንበራበር፧ መዓስ ምስ ደቀስና ኢናኸ ኽንበራበር ዚድለይ ዘሎ፧ ወይስ ንድቃስ’ውን ዓይነት ኣለዎ’ዩ፧ ንድቃስ ዓይነት ስለ ዘለዎ’ዩ’ምበር፡ ኣብ ቅድሜኻ ኰፍ ኢሉ ይሰምዓካን የንብበካን ንዘሎ ሰብ፡ “ካብ ድቃስካ ተበራበር” ኣይበሃልን’ዩ። ተበራቢሩ ብንቑሑ ኸሎ፡ ኣብ ህልም ዝበለ፡ ምስ ሞት ዚዳረግ ድቃስ ዚነብር ሰብ ግን፡ “ኣዲኡ ትቝጸሮ” ዜብል ማእለያ ዘይብሉ’ዩ። ጽዉዓት እምብዛ ብዙሓት ክነሶም፡ እቶም ሕሩያት ግን ኣመና ኺውሕዱ ዝገበረ ድማ፡ እዚ ሰራም ናይ ሞት ድቃስ’ዚ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ቅዱስ ወንጌል ካብ ድቃስና ኽንበራበር ደጋጊሙ ዚምሕጸነናን ዚእዝዘናን።
ቃል እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ዓይነት ድቃስ ከም ዘሎ’ዩ ዚነግረና። እቲ ቐዳማይ፡ እዚ ኣብ ንእዲ ወይ ኣብ ዓራት ተጋዲምና እንድቅሶ፡ እንስሳታት’ውን ዚድቅስዎ ዓይነት ድቃስ’ዩ። እዚ ድቃስ’ዚ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ንቡር ስነ-ተግባር (ፊዝዮሎጂ) ናይ ሰብነትና’ዩ። ኣእምሮናን ኣካላትናን ጽቡቕ ዕረፍቲ ረኺቡ፡ ሓይልን ንቕሓትን እንረኽበሉ ኣገዳሲ ፍጻመ’ዩ። እዚ ድቃስ’ዚ ምስ ዚሰኣን፡ ናይ ሕማም ምልክት ወይ’ውን ናይ ሕማም ጠንቂ ኪኸውን ዚኽእል’ዩ። ከም’ቲ ንቕዱሳን ሃዋርያት ኣብ ጌተሰማነ ዝገበሮም፡ እዚ ዝዓይነቱ ድቃስ’ዚ ብጸሎት ካብ ምንቃሕን ካብ ካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ኪዕንቅፍ ዚኽእል’ዩ (ማቴ 26፡39-45 ፣ 20፡7-12)።
እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድቃስ ድማ፡ ኣካላዊ ሞት’ዩ። ሞት ስጋ፡ ድቃስ ምዃኑ ኣነጺሩ ዝገለጸ ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ኣልኣዛር ፈታዊኡ፡ ከም ዝሞተ፡ በቲ መለኮታዊ ፈላጥ-ኵሉ ባህርዩ ምስ ፈለጠ፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፡ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ኸተንስኦ ክኸይድ’የ” ብምባል፡ ሞት-ስጋ ድቃስ ምዃኑ ኣግሃደ (ዮሃ 11፡11-15)። ኵላቶም ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ብዛዕባ’ቶም ዝሞቱ ዅሎም፡ “ዝደቀሱ” እናበሉ ይገልጹ ነበሩ (1ቈረ 15፡6,8,18,51 ፣ 1ተሰ 5፡14-16)። ወንጌላዊ ማቴዎስ’ውን፡ ጐይታና ኻብ ምውታት ምስ ተንስአ፡ “ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቕዱሳን ተንስኡ” ብምባል መስኪሩልና ኣሎ (ማቴ 27፡52,53)። ሞት-ስጋ ብድቃስ ዚምሰለሉ ምኽንያት፡ ብትንሳኤ ምብርባር ዘለዎ ድቃስ ስለ ዝዀነ’ዩ። እዚ ናይ ሞት ድቃስ’ዚ ዅሉ ሰብ ዚድቅሶ ዓይነት ድቃስ’ዩ። መደምደምታኡ ድማ ጐይታና ብዳግማይ ምጽኣቱ ምስ መጸ’ሞ፡ ትንሳኤ ዘጕባኤ ምስ ኰነ’ዩ። ነዚ ድቃስ’ዚ “ተበራበሩ” ዚብል ትእዛዝ ዚምልከቶ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኻብ’ዚ ሞት’ዚ ባዕሉ ኺትንስእ ዚኽእል የልቦን። ካብ’ዛ ሞት’ዚኣ ጐይታና ጥራሕ’ዩ ዜበራብረና፡ ኵላትና ድማ ኣብ ሓንቲ ጊዜ ብሓንሳእ ኢና ኽንበራበር (1ተሰ 5፡13-18 ፣ ራእ 20፡11-15 ፣ ዮሃ 5፡28,29)።
እቲ ሳልሳይ ዓይነት ድቃስ ድማ፡ ብኣካለ-ስጋ ህያውን ንቑሕን እሃለኻ፡ እትድቅሶ ዓይነት መንፈሳዊ ድቃስ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ኣብ’ዚ ብምርጫኻ እትድቅሶ ሓደገኛን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎን ድቃስ ዘተኰረ’ዩ። ነዛ ድቃስ’ዚኣ ባዕላትና ፈቲና ኢና ‘ንድቅሳ፡ ባዕላትና ፈቲና ኸኣ ንበራበረላ። ብርግጽ ነዛ ድቃስ’ዚኣ ኽትድቅሳ ዚጕስጕሰካ ሰይጣን ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ነዛ ድቃስ’ዚኣ ኽትሕሰማን ክትሃድመላን ዜጠንቅቐካን ዜበራብረካን ጐይታ’ውን ኣሎ። ነገሩ ግን “ፈሊጡ ዝደቀሰስ፡ ሓርማዝ ነይንቕንቖ”’ዩ። እቶም ነዛ ግናይ ድቃስ’ዚኣ ዝፈትዉዋን ዝመረጽዋን ሰባት ምብርባር ዚኣብዮም፡ ከም’ዚ ናይ ትኽስ ድቃስ፡ ናብ ዓሚቝ ድቃስ ስለ ዝኣተዉ፡ ናይ’ቲ ኼበራብሮም ዝደለየ ኣካል ድምጽን ምንቕናቕን ምስማዕ ስለ ዝሰኣንዎ ኣይኰኑን። ከይሰምዕዎን ካብ’ቲ ድቃሶም ከይበራበሩን ስለ ዝወሰኑ’ዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ዝዓይነቱ ድቃስ “ንቑሕ ድቃስ” ኪበሃል ዚኽእል’ዩ። እናሰማዕካ፡ ንኽትሰምዕ ንኸይትሰምዕ ወይ ንኽትበራበር ንኸይትበራበር ውሳነታትን ስጕምትታትን እናወሰድካ እትድቅሶ ስግንጢር ድቃስ’ዩ።
ነዚ ስግንጢር ድቃስ’ዚ ናይ ዝመረጹ ሰባት ናብራን ህይወትን እንታይ’ዩ ዚመስል፧ እዚ ድቃስ’ዚ ውሒጡናን መሊኹናን ከም ዘሎኸ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ ድቃስን ጸልማትን ከቶ ዘይፈላለዪ መኻይድትን መጻምትን’ዮም። ዋላ ኣብ’ቲ ባህርያዊ ናይ ትኽስ ድቃስ’ውን፡ ጸልማት ኣብ ዝነገሰሉ ለይቲ’ዩ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ዚድቅስ። ብርግጽ ኣብ’ቲ ብርሃን ዘለዎ ሰዓታት ናይ መዓልቲ’ውን ካብ ድኻምና ንምዕራፍ ወይ’ውን ለይቲ ዝተዋሓደና ድቃስ ንምክሕሓስ ሕጽር ንዝበለ ጊዜ ቀም ነብል ኢና። ብዝተረፈ ድቃስን ጸልማትን ለይትን መሳንይቲ’ዮም። ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ድቃስ’ውን፡ ልክዕ ከምኡ’ዩ። ግብ ኣብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ’ዮም፡ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ድቃስ ዚነብሩ። ከም ኣገላልጻ ናይ’ቲ ብርሃና ንቤተ ክርስትያን ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማትን፡ ንሱ ኣብ ዝወለዶ መንፈሳዊ ድቃስን ዚነብሩ ሰባት፡ “ደቂ ጸልማት፡ ደቂ ለይቲ” ይበሃሉ። ብኣንጻሩ እቶም ክርስቶስ ብዘብርሃሎም ብርሃን-ወንጌል ዚመላለሱን፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ተበራቢሮም ንቝሕ መንፈሳዊ ህይወት ዚነብሩ ንዅላቶም ድማ “ደቂ ብርሃን፡ ደቂ መዓልቲ” ይበሃሉ።
“(ኣቱም ደቂ መዓልቲ፡) መዓልቲ ጐይታ ኸም ስራቒ ብለይቲ ኸም ‘ትመጽእ ኣረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም፡ “ሰላም’ዩ፡ ደሓን’ዩ” ኺብሉ ኸለዉ፡ ንነፍሰ ጾር ቅልውላው ከም ዚሕዛ፡ (ነቶም ደቂ ለይቲ) ብሃንደበት ጥፍኣት ኪወርዶም’ዩ። ከቶ’ውን (ኣይኬምልጡን’ዮም)። ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተይ፡ ኣብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ፡ እታ መዓልቲ (ጐይታ)’ቲኣ ከም ሰራቒ ኣይክትመጻኩምን’ያ። ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና (ክርስትያን) ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። እምበኣር፡ ንንቃሕ፡ ገዛእ ርእስና’ውን ንግታእ (ንጠንቀቕ) ደኣ’ምበር፡ ከም’ቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን፡ ከመይ እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ’ዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩ’ውን ብለይቲ’ዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝዀንና፡ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ከም ቍራዕ ርእሲ ደፊእና፡ ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር። 1ተሰ 5፡2-8 ካ.ት
እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ነዚ ኣርእስትና ብስእላዊ መገዲ ዜብርሃልና ግሩም መልእኽቲ’ዩ። ድቃስ፡ ኣብ ጸልማት ናይ ዚነብር ሰብ ምርጫን ተግባርን’ዩ። ዋላ ኻልእ ተግባር ኪገብር እንተ መረጸ’ውን፡ እቲ ጸልማት ኣይፈቕደሉን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር፡ ግብሪ ጸልማት ጥራሕ’ዩ ኪገብር ዚኽእል። ካብ ግብሪ ጸልማት ኪናገፍ እንተ ዀይኑ፡ ካብ’ቲ መንፈሳዊ ድቃሱ ብር ኢሉ ተበራቢሩ፡ ቅድም ናብ ብርሃን ኪኣትው ይግብኦ። ሽዑ ዝደለዮ ዓይነት ግብሪ ብርሃን ንኺገብር ኣይጽገምን’ዩ። እዚ ጥቕስና ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ፍቕርን እምነትን ናይ ደቂ መዓልቲ ናይ ደቂ ብርሃን’ምበር፡ ናይ ደቂ ጸልማትን ደቂ ለይትን ተግባር ኣይኰነን። ኵሎም’ቶም እግዚኣብሄር ዚሕጐሰሎምን ዚኸብረሎምን “ፍረ-መንፈስ” ወይ’ውን “ሰናይ ግብሪ” ዚስመዩ ዅላቶም ግብርታት፡ ናይ ደቂ ብርሃን ግብሪ’ዮም። ካብ መንፈሳዊ ድቃሱ ዝተበራበረ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተኸፍተ ሰብ ጥራሕ’ዩ ኪመርጾምን ኪትግብሮምን ዚኽእል። ሓድሓደ ጊዜ ሰባት ተባኢሶም ይጻልኡን ይቀያየሙን’ሞ፡ ካህናትን ለባማትን ተኣኪቦም ኣብ እግሮም ወዲቖም፡ “በጃኹም ተዓረቑ፡ ይቕረ ተበሃሃሉ፡ ስለ ‘ዝግሄር፡ ስለ ማርያም” እናበሉ ፈፈው ኢሎም እንተ ለመንዎም፡ “እምብለይ” ኢሎም የቕብጹ። በቲ ቕዱስ ወንጌል ዝነገረና ኣገባብ ምርዳእ ስለ ‘ንስእኖ’ዩ’ምበር፡ እዞም ሰባት ኣግሂዶም፡ “ንሕና ደቂ ጸልማት ስለ ዝዀንና፡ ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ግብሪ ብርሃን ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ዕርቅን ሰላምን ፍቕርን ንኣና ነውሪ’ዩ፡ እቲ ንጉስ ጸልማት ግብሪ ብርሃን ክንገብር ኣየፍቅደልናን’ዩ” እናበሉ’ኮ’ዮም፡ ግብራዊ መልእኽቲ ዚህቡና ዘለዉ። ንሓደ ብምንዝርና ዝቈማጣዕ ዘሎ ሰብ “እንታይ ግብሩ ኢኻ ‘ትገብር ዘለኻ፧ ንዓ ግደፍ ተነሲሕካ ኪዳንካ ኣኽብር፡ ብቕድስና ብንጽህና ንበር” ኢልናዮ እንተ ዘይሰምዓና ኽንግረም ኣይግባእን’ዩ። ጸልማት፡ እምብዛ ሕሱም’ዩ። ጸልማት፡ ብዓይኒ ስጋ ኽትርእዮ ዘይትኽእል ረቂቕ መቝሕ’ዩ። ስለ’ዚ ብዘይካ ግብሪ ሓጢኣት ካልእ ምግባር ዚኸብደና ሰባት ምስ ‘ንኸውን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ድቃስ ከም ዘለና ነስተውዕል። መንፈሳዊ ኣዒንትና ነቝሩን ዓዊሩን፡ ነዛ ምድራዊት ህይወትና ብሃሰስታ ንኸዳ ኸም ዘለና ነስተውዕል። ጸልማት ርጉም ድማ፡ ንጌጋናን ዕንቅፋትናን ብዕጽፍታት’ዩ ዜባዝሖ። ንዓዲ ንኣትው ዘለና እናመሰለና ናብ በረኻ የእትወና፡ ኣብ መገዲ ኣለኹ እናበልና፡ ናብ ገደል የህትፈና። ስለ’ዚ ኣብ ጸልማት ዲና ዘለና ኣብ ብርሃን፡ ደቂስና ዲና ዘለና ነቒሕና ኽንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ ፍረ ህይወትና፡ ነተሓሳስባና፡ ንዘረባና፡ ንተግባርና ኢና ንምርምር። ኣብ ህይወትና ግብሪ ጸልማት በዚሑ እንተ’ልዩ፡ ሽዑ ብርግጽ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድቃስን ኢና ዘለና። ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ኢና፡ ካብ ባርነት ጸልማት ኣምሊጥና ናብ ሓርነት ብርሃን ክንዕቈብ ዚግብኣና። ምኽንያቱ ህይወት ምርጫ’ያ።
ብኸመይ ኢና ኻብ መንፈሳዊ ድቃስን ጸልማትን ከነምልጥ ‘ንኽእል፧ ንምዃኑኸ ይከኣልዶ’ዩ፧ ካብ’ዚ ጸልማት’ዚ ንኸነምልጥ እግዚኣብሄር ዚገብረልና ረድኤት ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ክርስቶስ ጐይታና ስጋና ለቢሱ ዝተገልጸን ምእንታና ዝሞተን’ኮ ኻብ’ዚ ጸልማት’ዚ ንኼውጽኣና’ዩ። እቲ ንሱ ዝሰበኾን ዝሓደገልናን ቅዱስ ወንጌል፡ ንጸልማትና ዚቕንጥጥ ድሙቕ ብርሃን’ዩ። ንእኡ እንተ ፈለጥናዮን ፈቲና እንተ ተኣዘዝናዮን፡ መለኮታዊ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ተወሊዑ ኣሎ ማለት’ዩ። እዛ ናይ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ትምህርትና ንርእሳ፡ እግዚኣብሄር ብቕዱስ ወንጌሉ ዝለኣኸልና ብርሃን’ያ። እቶም እዚ ብርሃን’ዚ ናይ ብሓቂ ዝተራእየና ሰባት፡ ብኡንብኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክንግዕዝ ኢና። እቶም ከም ሓደ ውሕሉል መደረ’ምበር፡ ከም መልእኽቲ ናይ ኣምላኽ ዘይተቐበልናዮ ኸኣ፡ ኣብ’ታ ጸልማትናን ድቃስናን ክንቅጽል ኢና። ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ቍርባንን እግዚኣብሄር ካብ ጸልማትን ሳዕቤናቱንን ንኽንናገፍ ዝሰርዓልና ኽቡራት ምስጢራት’ዮም። እቶም “ጸልማተይን ድቃሰይን ይበልጸኒ” ዚብል መርገጺ ዝወሰድና፡ ብዘይ ንስሓ ንነብር ሰንበት መጸ ኸኣ መኣዲ ጐይታ ረጊጽና ንወጽእ ኣለና። ክርስቶስ ጐይታና ብኣገልገልቱ ገይሩ “ካብ ድቃስኩም ተበራበሩ” እናበለ ይንቕንቐና ኣሎ። ኣፍና ኻብ ምርምጣጥ ሓሊፍና ዝዀነ ስጕምቲ ዘይንወስድ እንተ ዄንና፡ ጐይታ ዀነ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑ፡ ፈጺሞም ኬበራቡሩና ኣይክእሉን’ዮም። ምኽንያቱ ኸኣ ነቲ ጸልማትን ነቲ ድቃስን እምብዛ ፈቲናዮ ስለ ዘለና’ዩ። ብዝተረፈ ቅዱስ ወንጌል ኣግሂዱ፦
“ኣታ ደቂስካ ዘለኻ፡ ንቓሕ’ሞ፡ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ’ዩ።” ብምባል፡ ኣፍሊጡና’ዩ (ኤፌ 5፡14)። ነቶም ኪነቕሑ ኺትንስኡ ዝመረጹ፡ ክርስቶስ ድሮ የብርሃሎምን ይመርሖምን ኣሎ። ነቶም ድቃስ ሞት ጥዒምዎም ዝኣበይዎ ኸኣ ብምሕረትን ብትዕግስትን ይጽበዮም ኣሎ። እታ ምድብቲ መዓልቲ ምጽኣቱ ምስ ኣኸለት ግና፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡ ብድቁሳቶም ብሃንደበት ከም ሰራቒ ኪመጾም’ዩ። ነቶም ሓቀኛታት ደቁ፡ ነቶም ወርትግ ነቒሖም ርእሶም እናገትኡ ብጥንቃቐ ዚነብሩ ግና፡ ኣዘንጊዑ ዘይኰነስ፡ እናረኣዩ እናሰምዑ፡ “ሃሌሉያ፡ እዚ’ዩ’ቲ ነቒሕና ዝተጸበናዮ ጐይታ” እናበሉ ርእሶም ኣቕኒዖም፡ ብሓጐስን ብእልልታን ኪቕበልዎ’ዮም። እዛ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ ክርስትያን ንቑሓትን ድቁሳትን፡ ደቂ ለይትን ደቂ ብርሃንን ሓቝፋ’ያ ‘ትነብር። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናሕሲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን እናሃለና፡ ገሌና ምዉታትን ድቁሳትን ኢና። እቶም ዝወሓድና ኸኣ ንቝሓትን ህያዋንን ኢና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንኣና ኺፈላልይ’ዩ ዚመጽእ። ንስርናይ ናብ ቆፎኡ፡ ንሓሰር ናብ ሓዊ ኺድርብይ፡ ነባጊዕ ብየማኑ ነጣል ከኣ ብጸጋሙ ኬቕውም፡ ንድቁሳት ናብ’ቲ ዘፍቅርዎን ዝመረጽዎን ዘለኣለማዊ ጸልማትን ስቓይን፡ ነቶም ንቑሓት ድማ ናብ’ቲ ዝተጸበይዎ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኬእትወና’ዩ ዚመጽእ። ድሕሪ ምጽኣት ምርጫኻ ዀነ ቦታኻ ናይ ምቕያር ዕድል ፈጺሙ የልቦን። ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ሰሚዕና እንበራበረላን፡ ካብ ስፍራ ጸልማት ናብ ስፍራ ብርሃን እንግዕዘላን ዕድል ሕጂ ጥራሕ’ያ (ዮሃ 5፡24,25)።
እምበኣር ሕጂ ብዘይንሕስያ ብዘይ ቃል-ዓለም ህይወትና ንመርምር’ሞ፡ ኣበየናይ ደምበ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ካብ’ዚ ነእምሮኻ ኣደንዚዙ ነዒንትኻ ኣጸልሚቱ ዚገዝእ ደምበ ድቃስን ጸልማትን ወጻኢ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ነተን ጠቢቐናና ዘለዋ ግብርታት ጸልማት ኣለሊና ኻብ ህይወትና ለቒምና ብንስሓ ነርሕቀን። ብምስጢረ ቍርባን፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና ህይወትና ነጽርይን ነጻዕድውን። እዚ ሕሱም ጸልማት ዝተጻወተልናን ዘነወረናን ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል። ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሕያዋይን ምሕረተኛን ጓሳ፡ “ናብ ብርሃነይ ንዑ” እናበለ ይዕድመናን ይንቕንቐናን ኣሎ’ሞ፡ ንበራበረሉ። “ኣሓ ምስ ሓራዲአን ይውዕላ” ኸም ዚበሃል፡ ኣብ ሕቝፊ ንጉስ ጸልማት ኣይንደቅስ፡ ንጸልማትን ድቃስንሲ ንህደመሉ ደኣ። ኣብ ሕቝፊ ናይ’ቲ ንጉስ ብርሃን፡ ኣብ ክርስቶስ ንተዓቘብ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
24 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 14, 2016 ግዕዝ (መበል 15 ሰንበት: ቊ.፲፭/15) |
||
ምስባክ መዝ.መዝ ፵፪(፵፫)፡፫ “ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።” “ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 13፡8-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡12-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ/ዘእግዚእነ| መዝሙር፦አቅዲሙ ነገረ በኦሪት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ