“ህይወት ኢየሱስ (ኣብ’ዚ መዋቲ) ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣለና። ማለት ህይወት ኢየሱስ ኣብ’ቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ ኢየሱስ ኵሉ ሳዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ።” 2ቈረ 4፡10,11
እንሆ’ዚ ሰንበት’ዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት)’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘሎ ቕንያት “መፃጕዕ” (መጻጕዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምጽጓዕ ማለት “ለምሲ” ማለት’ዩ። ፍርቂ ኣካላቱ ወይ’ውን ገለ ኽፋል ናይ ሰብነቱ ዝለመሰ ሰብ፡ “መጻጕዕ” ወይ “ልሙስ”’ዩ ዚበሃል። እዚ ሰሙን’ዚ፡ መጻጕዕ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታና ኣብ ኵሉ ዓይነት ሕማማትን ድናሰታትን ዝነበሮ ናይ ምፍዋስ ስልጣንን ኣገልግሎትን ንምዝካር’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ “መጻጕዕ” ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ዘለናያ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ክትኸውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ናይ ዓብይ ጾም (ጾመርብዓ) ራብዓይቲ ሰንበትን ሰሙንን’ያ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ናይ መጻጕዕ ቅንያት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት፡ ንናይ ጐይታና ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኽንዝክርን፡ ብዛዕባኡ ኽንመሃርን፡ ብዛዕባ’ቲ ዚገጥመና ናይ ሕማም ፈተናታት ድማ ናብ ኣምላኽ ክንጽልይን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ንቤተ ክርስትያንን ንኣገልገልታን ብናይ ፈውሲ ጸጋ ኼዕጥቓ ንምምሕጻንን’ዩ። ስለ’ዚ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ኰነ ብደረጃ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ምስጢረ ቐንዴል፡ ማለት ብዛዕባ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርቲ ኺወሃበሉ ዚግባእ ቅንያት’ዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ሕማም ናብ ኣካላትና ኻብ ዝኣተወሉ፡ ካብ ዘመን ኣዳምን ሄዋንን ኣትሒዙ፡ ኣብ ወዲ ሰብ ዚረኣዩ ሕማማት፡ ብቝጽሮም፡ ብዓይነቶም ኰነ ብኽብደቶም፡ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት’ዮም። መንፈሳዊ ዀነ ማሕበረ-ቝጠባዊ ተጽዕኖኦም ድማ ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ። ጐይታና ድማ ንድሕነትና ኺብል ብስጋ ምስ ተገልጸ፡ ወንጌል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ፈውሲ ጸጋ’ውን ሒዙልና መጸ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ ቦታ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናመሃረን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንዅሉ ዘጋጠሞ ዓይነት ሕማማት እናፈወሰ ይዘውር ነበረ። ነዚ ኣገልግሎቱ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ብኸም’ዚ ዚስዕብ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ (ኣውራጃ) ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ’ውን እናሰበኸ “ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እና’ሕወየ ይዘውር ነበረ፡ ወሪኡ’ውን ናብ ኵላ (ሃገረ) ሶርያ ወጸ” ንዅሎም ሕሙማት ከኣ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎም ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዉዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዓሎምን መጻጕዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።” ማቴ 4፡23,24 ፣ 8፡16,17 ፣ 9፡35
ነዚ ተልእኾ’ዚ ኸም ዝመጸ ኸኣ፡ ኣብ’ቲ ንሕቶ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ዝሃቦ መልሲ ኣረጋጊጹ’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ፡ “እቲ ዚመጽእ (መድሓኒ) ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ ካብ ብዛዕባ ወንጌል ዝተዛረቦ፡ ብዛዕባ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎቱ ዝተዛረቦ ይበዝሕ፡
“ኬድኩም ነዚ ‘ትሰምዕዎን ‘ትርእይዎን ዘለኹም፡ ንዮሃንስ ንገርዎ። ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ድማ ይትንስኡ ኣለዉ። ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ።” ማቴ 11፡4-6
ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ናብ ኣገልግሎት ኪልእኮም ከሎ ካብ ዝሃቦም ተልእኾን ስልጣንን ሓደ ድማ ምፍዋስ ሕሙማት’ዩ (ማቴ 10፡7,8)። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ካብ ዝሃባ ዓበይቲ ውህበታት ጸጋ ሓደ ድማ፡ ናይ ምፍዋስ ጸጋ’ዩ (1ቈረ 12፡9,10)። እዚ ውህበት’ዚ ድማ ንቤተ ክርስትያን ካብ ዝተዋህባ ተልእኾን ኣገልግሎትን ሓደ፡ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ምዃኑ ዜርእየና’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነዚ ሃዋርያዊ ተልእኾኣ’ዚ መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ዓበይቲ ስጕምቲ ወሲዳ ትርከብ። እቲ ቐዳማይ፡ ብስራሕን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስ “ምስጢረ ቀንዲል” ምስራዓ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ነዚ ተልእኾኣ’ዚ ንኣገልገልታን ንምእመናናን እተዘክረሉን እትምህረሉን ክልተ ናይ መጻጕዕ ሰሙናት ምስራዓ’ዩ። ስለ’ዚ ህዝባ ዀነ ኣገልገልታ ነዚ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪትና ግቡእ ኣስተምህሮ ተሰሪዑ ኸም ዚወሃብ ኣብ ምግባር፡ ከምኡ ድማ፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሓይሊ ምፍዋስ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ኪዓዝዝ ኣብ ምጽላይ ክንተግህ ልዑል ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ቕንያት’ዚ ኸኣ ነዚ ዕላማ’ዚ ዝተሰርዐ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ፈውሲ ናይ’ቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ዓይነ ስዉርን፡ ንሱ ዝፈጠሮ ኽርክርን ዚዛረብ’ዩ።
ኣብ’ቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንባብ 2ቈረ 4፡1-12 እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ጌርናዮ ዘሎና ኣገዳሲ መሪሕ ጥቕሲ ሰፊሩልና ኣሎ። ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ክርስትያን ናይ ምዃንና መሰረታዊ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ዚገልጸልና’ዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ’ዛ ምድራዊት ህይወትና ክልተ ኺፍጸማ ዚግብአን ንሓድሕደን ተጻረርቲ ዚመስላ ግን ከኣ ሓደ ዓይነት ዝዀናን ከይተፈላለያ ብሓንሳእ ዚኽሰታን ፍጻመታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፦
1. ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ኽትገሃድ
2. ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ኽንጸውር ዚብላ እየን።
ሞትን ህይወትን ክልተ ኣንጻራዊ ፍጻመታት ምዃኑ ንዅላትና ግሁድ’ዩ። ኣብ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ እምነት ክርስትናን ኪኸውን ከሎ ግን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ፈጺሙ ዘይፈላለይን መኻይድትን’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣካላዊ ሞትን ህይወትን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብኣካለ-ስጋ ህያዋን ኴንና እናነበርና ኸለና፡ ነዘን ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታት’ዚኣተን ኣብ ህይወትና እናፈጸምና ንኽንነብር ኢና፡ ብክርስቶስ ኣሚንና ክርስትያን እንኸውን። ነዚኣተን ኣብ ምግባር እንተ ተዓዊትና፡ ሓቀኛታት ክርስትያን ምዃንና ርግጸኛታት ንኸውን። ኣብ ሞቱን ህይወቱን ስለ ዝተኻፈልና ኸኣ፡ ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ’ውን ተኻፈልቲ ናይ ክብሩ ንኸውን ማለት’ዩ። ንናይ ጐይታና ህይወትን ሞትን ኣብ ስጋና ኽንጸውርን ከነግህድን እንተ ዘይፈቒድና ግን፡ ምስ ክርስቶስ ዜዛምደናን ክርስትያን ዜብለናን ዝዀነ ዓይነት ረቛሒ ስለ ዘየማላእና፡ እምነትናን ሃይማኖትናን ስማዊ ዀይኑ ይተርፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ፡ በቲ ዝተሓሰምናዮን ዝተጸየፍናዮ ናይ ክርስቶስ ሞትን ህይወትን ኰነ በቲ ዚግለጸሉ ኽብሩ ኽንጕዳእ’ምበር፡ ኣይክንረብሕን ኢና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ብልዑል ተገዳስነትን ኣድህቦን ክንከታተሎን ንትግባረኡ ድማ ክንተግህን ዚግብኣና።
ብኸመይ’ዩ ህይወትን ሞትን ናይ ጐይታና ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና ኺገሃድ ዚኽእል፧ ነቲ ሞቱን ህይወቱን ኣበይ ኢና ኽንረኽቦን ፈቲና ኽንሓብሮን ‘ንኽእል፧ እዚ ሕቶ’ዚ በቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት ዝዀነ ምስጢረ ጥምቀት’ዩ ዚምለስ። ኣብ’ቲ “ፍኖተ-ህይወት” ዘርእስቱ ናይ መሰረተ እምነት መጽሓፍና ተገሊጹን ተማሂርናዮ ከም ዘለና፡ ምጥማቕ ማለት ኣብ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ምሕባር ወይ ተኻፋሊ ምዃን ማለት’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ኣብ መልእኽቱ ኣነጺሩ ገሊጹልና ዘሎ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ።
“እምበኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፡ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን!! ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠምቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ኸም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንሰአ፡ ከምኡ ኸኣ (ንሕና) ብትንሳኤኡ (ብህይወቱ) ኽንሓብሮ ኢና። ..... እቲ (ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት) ዝሞተ (ሰብ)፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ’ሞ፡ ... ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ (ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ..... ንሕና (ካብ ሓጢኣት) ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ብህይወት (ብዘይ ሓጢኣት) ከም ‘ንነብር ንኣምን ኣለና። ማለት ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት’ዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ’ዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ንኸይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ።” ሮሜ 6፡1-11 ካ.ት
በዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ መሰረት፡ ሞትን ህይወትን ኣብ ሓደ ሰብ ብሓንሳእ ዚኽሰተላ ህሞት፡ ምስጢረ ጥምቀት’ያ። ዓይነት ናይ’ታ ሞት፡ ካብ ሓጢኣት ሙማት (ንሓጢኣት ምእባይ ወይ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ) ክትከውን ከላ፡ ዓይነት ናይ’ታ ህይወት ከኣ ንጽድቂ ምንባር (ብሓዲስ ህይወት ምምልላስ)’ያ። ክርስቶስ ምእንታና ዝሞተ፡ ነቲ ቐታሊናን መርዛምን ሓጢኣት ካባና ምእንቲ ኼርሕቖ’ዩ። ስለ’ዚ ሞትና ንሞቱ ዚመስል ወይ’ውን “ምስኡ ሓቢርና ሞይትና ኢና” ዚበሃል፡ ንሓጢኣት ካባና ምስ እነርሕቕ’ዩ። ሽዑ፥ “ሞት ኢየሱስ እጸውር ኣለኹ” ክንብል ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ኣባና ኣስፊሑ ይገዝእ እንተ’ልዩ ግና፡ ንሞት ኢየሱስ ንዘይምጻር ካባና ነርሕቖ ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ዘይደልይ ሰብ፡ ንክርስቶስ ግን ዜርሕቖ ሰብ’ዩ። ሞት ናይ ክርስቶስ ሓንሳእ’ያ ተፈጺማ፡ ግን ከኣ ናይ ሓዋሩ’ያ። ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ግብሩ ዘለኣለማዊ’ዩ። ንሕና ግን ሓጺር ዝዕምርና መወትቲ ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ሓንሳእ ዝገበርናዮ ግብሪ፡ ንዘለኣለም ንሓዋሩ ኣይነብርን’ዩ። ስለ’ዚ ሓጥኣት ክንገብር ዚድርኸና ዅነታት ብዝተኸስተ መጠን፡ ዕድመና ምሉእ ሞት ክርስቶስ እናሞትና ንነብር ማለት’ዩ። እዚ ኽንገብር ከለና፡ ነቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋና ጸዊርናዮ ንነብር ኣለና ይብሃል። ስለ’ዚ ኸኣ ሓጢኣት ኪጸውር ዝመረጸ ሰብ ንሞት ክርስቶስ ይድርብዮ። እቲ ሞት ክርስቶስ ኪጸውር ዝመረጸ ሰብ ግና፡ ኵሉ ጊዜ ንሓጢኣት ካብኡ የርሕቖ። እቲ ሓጢኣትና ንምርሓቕ፡ ኣብ መስቀል ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ብምስጢረ ጥምቀት ኣባና ይፍጸም’ሞ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ጸዊርናዮ ንነብር። እዚ ሞት’ዚ ኣባና ይነብር ከም ዘሎ ኸኣ፡ በቲ መዓልታዊ ሓጢኣት ንኸይጠብቀናን ካባና ንኼርሕቅን ብንገብሮ መንፈሳዊ ገድሊ ይግለጽ። ምስጢረ ጥምቀት ኣባና ተፈጺሙ ኼብቅዕ፡ ገና ሓጢኣት ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ይገዝኣና እንተ’ልዩ ግና፡ “ንሞት ክርስቶስ ክጸውር ንሓጢኣት ከኣ ከርሕቖ’የ” ኢልና ብጥምቀት ንዝኣተናዮ ኺዳን ብወግዒ ኣፍሪስናዮ ኣለና ማለት ስለ ዝዀነ፡ “ክርስትያን’የ” ኼብለና ዚኽእል መሰረትና ይፈርስ።
ስለ’ዚ ብምስጢረ ጥምቀት ሞት ክርስቶስ ዝጾረ ክርስትያን፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይፍጽምን ማለት ድዩ፧ ሰብ ኰይኑ ኸይሓጥአ ኺነብር ዚኽእል ከም ዘየለ፡ ቃል እግዚአብሔር ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ዘፍ 6፡5 ፣ መዝ 14፡1 ፣ 14፡3 ፣ ሮሜ 3፡10)። እዚ ኸኣ ነቲ ከይፈለጥካ ብዘይ ፍቓድካ ተዓንቂፍካ እትወድቖ ዚጠብቀካን ሓጢኣት ዚምልከት’ዩ። ፈቲኻን ፈቒድካን ሓጢኣት ምግባር ግን ምስ ባህርያዊ ሰብኣዊ ድኻም ዚስራዕ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ ንስሓ ዕድል ዝጸበበ’ዩ ዚኸውን (ዘጸ 34፣ ሮሜ 3፡25፣ ሮሜ 2፡4)። ፍልጠት-ሓቂ ዝረኸበ፡ ትርጕም ናይ’ቲ ዝተኻፈሎ ምስጢር ብኸም’ዚ ንመሃሮ ዘለና ኣገባብ ተማሂሩ ዝፈለጠ ሰብ፡ ናይ ፍታው ሓጢኣት ንምፍጻም ኣይፈቅድን፡ ኣይኰነሉን ኸኣ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ብቕዱሳን ሃዋርያት ብንጹር ተገሊጹልና’ዩ (1ዮሃ 3፡4-10 ፣ 5፡18)። ኰነ ኢሉ ዘይኰነ፡ ከይፈለጠን ከይፈተወን ናብ ሓጢኣት ዝወደቐ ሰብ ግን፡ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝዀነ ምኽንያት ይፍጽሞ ስለ ዘሎ፡ ብቕንዕና ንስሓ እንተ ኣትዩ፡ ንሓጢኣቱ ኼርሕቖ፡ ንሞት ክርስቶስ ዳግማይ ኪጾሮ ይኽእል’ዩ። ሓጢኣት ፈጺሙ ኼብቅዕ ንስሓ ኸይኣተወ ስቕ ዚብል ግና፡ ነቲ ብጥምቀት ዝጾሮ ሞት ክርስቶስ ደርብዩ፡ ሓጢኣቱ ጸዊሩ ኺነብር ዝመረጸ ኸሓዲ ሰብ ይኸውን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ “እንተ ዘይተነሳሕኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” ብምባል ደጋጊሙ ዘጠንቀቐ (ሉቃ 13፡3,5)። ስለ’ዚ እቲ ዘይንሳሕ ክርስትያን፡ ሞት ክርስቶስ ተጸዪፉ፡ ሞት ሓጢኣት ዝመረጸ ሰብ’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ ሓደ ክርስትያን ብኽልተ መገዲ’ዩ ኻብ ሓጢኣት ኪርሕቕን ሞት ክርስቶስ ኪጸውርን ዚኽእል።
1ይ ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻም
2ይ ብዘይ ፍላጥን ብዘይፍታውን ናብ ሓጢኣት ምስ ዚወድቕ ድማ ንስሓ ብምእታው’ዩ።
ሓደ ክርስትያን ንሓጢኣት ኣርሒቑ ሞት ኢየሱስ ኪጸውር እንተ ኽኢሉ፡ በቃ ተልእኾ ህይወቱ ፈጺሙ ወዲኡ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ናብ መሪሕ ጥቕስና ምምላስ ኣይንረስዕ። ሞት ኢየሱስ ምጻር ንበይኑ፡ ናይ ክርስትና ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይኰነን። ሞት ኢየሱስ ክንጸውር ዝተደልየ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድ’ዩ። ስለ’ዚ ንሓጢኣት ብኣብያ ይኹን ብንስሓ ካባና ኸም ዚርሕቕ ድሕሪ ምግባርና፡ ነቲ ሓጢኣት ዚትክእ ካልእ ፍረ ኽንፈርይ ይግብኣና። ንሱ ኸኣ እቲ ኣንጻር ሓጢኣት ዝዀነ ጽድቂ’ዩ። ንሓጢኣት ኣርሒቕና ኣብ ህይወትና ጽድቂ ኸነንግስ ከለና፡ ሞት ኢየሱስ ብምጻር ንህይወት ኢየሱስ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና ነግህዳን ነንግሳን ኣለና ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ጐይታና፡ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚገብርን ጻድቕ ኣምላኽ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦
“ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደ’ውን፡ ፍለጡ። ..... ደቀየ ሓደ’ኳ ኣየስሕትኩም፡ ከም’ቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ሰብ ከኣ ጻድቕ’ዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 2፡29 ፣ 3፡7)። ህይወት ሰይጣን፡ ሓጢኣት’ዩ፡ ህይወት ክርስቶስ ከኣ ጽድቂ’ዩ። ስለ’ዚ ኽንሓጥእ ከለና፡ ህይወት ሰይጣን ኣባና ትገሃድ። ጽድቂ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ። ሓጢኣትን ሰይጣንን ብሞት ክርስቶስ ስለ ዝተሳዕሩ’ዩ፡ ንሓጢኣት ስዒርና ኸነርሕቖ ኸለና፡ “ሞት ኢየሱስ ጸዊርና ኣለና” እንብል። ክርስቶስ እንተ ዘይመውት፡ ንሓጢኣትን ሞትን ሰይጣንን ክንስዕሮምን ከነርሕቖምን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ንሓጢኣትን ጽድቕን ዜራኽብ ዝዀነ ጕዳይ የለን። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ንሓጢኣትን ጽድቅን እንታይ ኣራኺብዎ፧” ብምባል ኣግሂዱልና’ዩ (2ቈረ 6፡14)። ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ክልቲኡ ማለት ሓጥእን ጻድቕን ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ሓጢኣት ከይረሓቐ ጽድቂ ኣይኣትውን’ዩ። ሚእቲ ግብሪ ጽድቂ ጌርካ፡ ሓንቲ ግብሪ ሓጢኣት እንተ ገበርካ፡ ሓጥእ’ምበር ጻድቕ ኣይኰንካን (ያእ 2፡9-11)። ስለ’ዚ ጻድቕ ንኽትከውን፡ ነታ ሓጢኣት ወይ ንኸይትፍጽማ ብምእባይ ወይ ከኣ ውዒልካያ እንተ ዄንካ ብንስሓ ኸተርሕቓ ናይ ግድን’ዩ። ንሓጢኣት እናርሓቕካ ሞት ኢየሱስ ድሕሪ ምጻርካ፡ ጽድቂ እናገበርካ ድማ ንህይወት ኢየሱስ ከተግህዳ ምስ እትኽእል፡ ንእምነትካ ንሃይማኖትካ ትነብሮን ትገብሮን ስለ ዘለኻ ሓቀኛ ክርስትያን ትኸውን። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ጐይታና ነቲ መሪር መስዋእቲ ኣብ ክንዳና ዝኸፈለ፡ “ንሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር” ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና’ዩ (1ጴጥ 2፡24)። እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ ሮሜ 6፡11 ቃል’ውን ደጊምና ንርኣዮ። ሓጢኣት ንኸይንገብር ሞት ክርስቶስ እናጾርና፡ ህይወት ክርስቶስ ምእንቲ ኸነግህድ ከኣ ጽድቂ ንገብር። ንኣምላኽ ህያው ምዃን ማለት፡ ንጽድቂ ምንባር ማለትን፡ ክልቲኡ ሓደ’ዩ። ስለ’ዚ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ ወዘተ ብዘይምግባር ሞት ክርስቶስ እናጾርና፡ ሓቂ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ወዘተ ብምግባር ከኣ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ምስ እነግህድ፡ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት (ብጽድቂ) ምእንቲ ኽነብር፡ ....ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። ግናኸ ክርስቶስ’ዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ ደጊም (ኣብ’ዚ ስጋይ) ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይ’ውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ (ኢየሱስ) ወዲ ኣምላኽ’የ ዝነበሮ ዘለኹ።” ዝበሎ ቓል ንሕና’ውን ብትብዓት ክንብሎ ንኽእል ኢና (ገላ 2፡19,20)። ነዚ ምስጢር’ዚ ኣብ ህይወትና ዚፍጽሞ ድማ፡ እዚ ገባር መንክራት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ።
ነዚ ምስጢር ክርስትናና ዝዀነ ፍልጠት-ሓቂ ድሕሪ ምርካብና ኽንገብሮ ዚግብኣና እንተ’ልዩ፡ መንፈሳዊ ርድኢትናን ዓይነት ህይወትናን ብዕምቈት ምምርማር’ዩ። ነቲ ቐታሊ ሓጢኣትዶ፡ ነቲ ፈዋሲ ሞት ክርስቶስ፡ ነየናይ ጼርና ኣለና፧ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና፡ ናይ’ቲ መጥፍኢና ሰይጣን ህይወትዶ፡ ወይስ ናይ’ቲ መድሓኒና ኢየሱስ ህይወት ትገሃድ ኣላ፧ ናይ ምድራዊ ህይወትና ምርጫ እንተ ኣጸቢቕና፡ መፈጸምታና እምብዛ ኺጽብቕ’ዩ’ሞ፡ ሃየ ንለብም!! ነቲ ኽቡር ሞቱ ጸዊርና፡ ነቲ ጻድቕ ህይወቱ ነግህድ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
10 ታሕሳስ 2023 | ሕዳር 30, 2016 ግዕዝ (መበል 13 ሰንበት: ቊ..፲፫/13) |
||
ምስባክ መዝ.፮፡፫-፬ “ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።” ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫ “ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 5፡11-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 4፡14-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 9፡13-25 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ/ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ይቤሉ እስራኤል |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ