“ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ ናይ’ቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ “ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ’ዮም፡” ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”ግብ 3፡25,26።
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ጾመ ነብያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 7 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ቕንያት፡ “ስብከት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስብከት ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኵላቶም ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ዝሃብዎ ናይ ስብከት ኣገልግሎት ንምዝካርን፡ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ኣብ ስብከተ ወንጌል ልዑል ኣድህቦን ዕቱብ ጻዕርን ኪገብሩ ከም ዚግብኦም ንምዝኽኻርን ዝዓለመ’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ “ስብከት” ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኺወሃበሉ ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ቕንያት’ዩ። ኣብ ዓስራይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓመተ-ግእዝ’ዚ ብዛዕባ “ዘመነ ኣስተምህሮ” ኸም ዝተመሃርና ዚዝከር’ዩ። እንሆ ሕጂ ኸኣ ዝተፈልየ ኻልእ “ዘመነ-ስብከት” ተሰሪዑልና ኣሎ። ነናቱ ኣርእስቲ ሒዙ፡ በበይኑ ጊዜ ኻብ ተመደበሉ፡ ኣስተምህሮን ስብከትን ዝተፈላለየ ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። ትምህርትን ስብከትን ብዓይነቱን ኣቀራርባኡን ፍልልያት ከም ዘለዎ፡ ካብ’ቲ ንኽልቲኡ ብፍጹም ኣርኣያነት ዝተግበሮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።
“ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ’ውን እናሰበኸ. . .ይዘውር ነበረ” ማቴ 4፡23 (9፡35)
እምበኣር፡ ካብ’ዚ ናይ ጐይታና ግብራዊ ኣርኣያን፡ ካብ’ዚ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ትምህርትን ስብከትን በበይኑ ዘመን ምስራዕን ተላዒልና፡ ስብከትን ትምህርትን ዝተፈላለየ ኣቀራርባን ትሕዝቶን ከም ዘለዎ ኽንርዳእ ይግብኣና። ክልቲኡ ልዑልን ማዕረን ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ንህዝባ ብትምህርትን ብስብከትን ከተገልግል ይግብኣ። እዚ ኸይተገብረ ምስ ዚተርፍ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ንኣርኣያ ጐይታኦም ካብ ምስዓብን ምትግባርን፡ ንትእዛዝ ቤተ ክርስትያኖም’ውን ካብ ምፍጻምን ይበዅሩ ኣለዉ ማለት’ዩ። እዚ ብኵራት’ዚ ኣብ ምድራዊ ህይወትን ዘለኣለማዊ መጻእን ናይ’ቲ መጓሰ ኣምላኽ ኣዕናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንትግባረ ናይ’ቲ ዘውጽኣቶ ስርዓት ብልዑል ተገዳስነትን ትግሃትን ክትውፈየሉ ይግባእ። እዚ ብኵራት’ዚ ኣብ’ቲ ማሕበረ ምእመናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝበዀሩ ኣገልገልቲ’ውን ከቢድን ዘለኣለማውን ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ኺዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣርኣያኡን ኣሰሩን ዝነዓቕናሉን ብትምህርትን ስብከትን ፍጹም ኣርኣያና ዝዀነን ክርስቶስ ደው ክንብል ኢና። ሓላፍነቱ ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ኣገልጋሊ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሓለቓ ጓሶትን ሓለቓ መምህራን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍርዲ ደው ምስ በለ፡ እንታይ ከም ዚፍረዶ’ውን ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (ማቴ 24፡44-51 ፣ 25፡4-30)። እዚ ብኵራት’ዚ በቲ “ጓሶት ጠለሙኒ ....መምህራን ዓመጹኒ” ዚብል ቃል ነብያት ዚግለጽ ሓደገኛን ኣዕናውን ምርጫ’ዩ (ኤር 2፡8 ፣ ኢሳ 43፡27)። ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ’ዚ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ዝተሰርዐ ናይ ኣስተምህሮን ስብከትን ዘመናት፡ ኣብ መንጎ ኣስተምህሮን ስብከትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምዃኑን ሜላ ኣቀራርባኡ ከመይ ምዃኑን ስልጠና ኽትህብን ከተዕጥቕን ንጽባሕ ዘይበሃሎ ሃዋርያዊ ሓላፍነታ’ዩ።
ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “ወልዶ መድኅነ ንሰብክ” ዚብል ኰይኑ፡ ስብከትና እቲ መድሓኒና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባባት ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብኸመይ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም (ሰቢኾም) ናብ እምነት ከም ዝመጹ ዚገልጽ’ዩ (ዮሃ 1፡38-ፍጻመ)። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ’ውን (ግብ 3፡19-ፍጻመ)፡ ብምኽንያት’ቲ ኻብ ምጽጓዐ (ለምሲ) ዝተፈወሰ ሰብኣይ ብኣግርሞት ንዝተኣከቡ ህዝቢ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ግሩም ስብከት ዚትርኽ ኰይኑ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ካብኡ ዝተወስደ’ዩ።
“ኪዳን” ማለት፡ እንታይ ማለት’ዩ፧ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ውሉድ ሰብ” ወይ “ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም” ምባል ገዲፉ፡ “ውሉድ ኪዳን ኢኹም” ዝበለሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ፧ “ኪዳን” ማለት፡ “ስምምዕ፡ ውዕል” ማለት’ዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን፡ “ለበዋ፡ ማሕላ፡ መብጽዓ፡ ተስፋ” ብዚብል ቃል ተተኪኡ’ውን ንረኽቦ ኢና። ኪዳን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ ብዛዕባ ሓደ ሓባራዊ ጕዳይ ኣመልኪቶም ዚገበርዎ ስምምዕ ወይ ውዕል’ዩ። ኣብ ዓለምና’ውን፡ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ካልእን ጕዳያት ዝውቱር ኣሰራርሓ’ዩ። እቲ ዝቐደመን ዝገደመን ኪዳን ግን እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ሰብን ዝተኣትወ ኺዳን’ዩ። ኪዳን ዝተኣታተወን ዘቘመን እግዚኣብሄር’ዩ። ኵሉ ኣሰራርሓ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኪዳን ዝተመስረተ፡ ኪዳናዊ’ዩ። ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ንሕና’ውን ኵሉ ኣሰራርሓና ዀነ ባህርይና፡ ልክዕ ከም ኣምላኽ ኪዳን እነኽብር፡ ብኺዳን እንሰርሕ ኪዳናውያን ክንከውን’ዩ ዚግባእ። ፈጠርቲ ወይ መስረትቲ ኺዳን ኣይኰንናን። ኣብ’ቲ እግዚኣብሄር ዘቘሞ ኺዳን እቱዋት ስለ ዝዀንና ግን “ውሉድ ኪዳን” ኢና። ምኽንያቱ በቲ ኺዳን’ቲ ኢና ‘ንነብር፡ ብእኡ ኸኣ ንፍረድ። መኽበርቲ ኪዳን እንተ ዄንና፡ ብእግዚኣብሄር ንኸብርን ንረብሕን። ሕማቕ ትዕድልቲ ዀይኑ፡ መፍረስቲ ኺዳን ክንከውን እንተ መሪጽና ኸኣ፡ ብእኡ ፍርድና ንቕበል።
መፍረስ ኪዳን ምዃን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ በደል ምዃኑ፡ ካብ ሳዕቤን ናይ’ቲ ብኣዳምን ሄዋንን ዝተገብረ ሓጢኣትን በቲ ‘ንሓልፎ ዘለና ዅሉ ህይወትን ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብ’ቲ ታሪኾም “ኪዳን” ዚብል ቃል እንተ ዘይተጠቕሰ’ኳ፡ ኵሉ’ቲ ፍጻመ ግን ኪዳናዊ’ዩ ነይሩ። ንሳቶም ነቲ ኪዳናዊ ትእዛዝ ኬኽብሩ እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ገነት ኬንብሮን፡ እቲ ኺዳን እዚ’ዩ ዝነበረ። ኣዳምን ሄዋንን ግን ብተለሎ (ብምትላል) ናይ ሰይጣን ተጠቢሮም፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ኪዳን ብድፍረት ኣፍረስዎ። ብድሕሪ’ዚ እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ’ቲ ኺዳን ዝነበሮ ግደ ዚቕጽለሉ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ ገነት ኣውጺኡ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ብዘይልወጥ መርገም ፈረዶም። ሞትን ሕማምን ጻዕርን ካልእ ኵሉ ማሕበራዊ ጸገማትን ድማ ናቶምን ናይ ዘርኦምን ትዕድልቲ ዜሰክሕን ነባርን ኰይኑ ተረፈ (ዘፍ 3፡1-24)። ኣብ እግዚኣብሄር፡ ንኺዳን ብዚምልከት ዋጋ-ዕዳጋ ዚበሃል የልቦን።
ኣብ መንጎ ሰባት ዝቘመ ቐዳማይ ኪዳን ከኣ፡ ብእግዚኣብሄር’ዩ ዝተፈጸመ። ንሱ ኸኣ፡ “ምስጢረ ተክሊል” ወይ “ቃል ኪዳን’ዩ”። ቃል ኪዳን፡ ንጽል ዘይኰነስ፡ ድርብ ኪዳን’ዩ። እቲ ቐዳማይ ኪዳን፡ እቶም ኪዳን ዚኣስሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዚኣትውዎ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ግን፡ እቶም ክልተ ሰብ ኪዳን ሓደ ኣካል ኰይኖም ብሓባር ምስ እግዚኣብሄር ዚኣትውዎ ኺዳን’ዩ። ሰብ ኪዳን ኪፋትሑ ኸለዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ኪዳን’ምበር፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኺዳን’ውን የፍርስዎ ኸም ዘለዉ ኣየስተውዕልዎን’ዮም። ኣምላኽ ንዘቘሞ ኺዳን ኣፍሪስካስ፡ ምስ ኣምላኽ ንዝነበረካ ኪዳን ከም ዘየፍረስካ ምሕሳብ፡ ናይ መንፈሳዊ ዑረት ግሁድ መርኣያ’ዩ (ሚል 2፡10-16 ካ.ት ፣ 1ጢሞ 5፡12)።
ኪዳን ብኸመይ’ዩ ዚቐውም፧ ዜማልኦ ረቛሒታትከ ኣሎ ድዩ፧ ኵሉ ዓይነት ኪዳን ብኸምኡ ኸም ዝቘመ ዚገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየልቦ’ኳ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ እንኣትዎ ናይ እምነት ወይ ናይ ኣምልኾ ኪዳን ግን፡ ቃል ኣለዎ፡ ደም ኣለዎ፡ ምልክት ከኣ ኣለዎ። እታ ቐዳመይቲ ብዝርዝር ዝተገልጸት፡ እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ኪዳን ግዝረት’ያ። ናይ’ዛ ኺዳን’ዚኣ ቃል፡ “ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውን’የ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም” ብዚብል ቃል ዚጠቓለል’ዩ (ዘፍ 17፡7 ፣ ኤር 31፡33 ፣ 2ቈረ 6፡16,18 ፣ እብ 8፡10)። ኣብ ብሉይ ኰነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይትልወጥ ቃል ናይ ኪዳን ንሳ’ዛ “ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውን’የ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም” እትብል ቃል’ዚኣ’ያ። ምልክት ናይ’ዚ ኺዳን’ዚ ድማ እቲ ኣብ ዕልቦ ስጋኦም ዚግበር ግዝረት’ዩ (ዘፍ 17፡10,11)። ደም ናይ’ዚ ኺዳን’ዚ ድማ እቲ ኺግዘሩ ኸለዉ ዚፈስስ ደም’ዩ። ኣብ ርእሲ ቃልን ደምን ምልከት ንዅሉ ኺዳን ዓስብን ፍርድን’ውን ኣለዎ። ኣብ’ዚ ናይ ግዝረት ኪዳን፡ ዓስቢ ናይ ምሕላው ኪዳን፡ ምድሪ ኸንኣን ርስቲ ጌርካ ምሃብ ኪኸውን ከሎ፡ ፍርዲ ናይ ምፍራስ ኪዳን ድማ፡ ሞት (ካብ ህዝብኻ ምምንቋስ)’ዩ (ዘፍ 17፡8,14)።
እቲ ንሕድገት ሓጢኣት ብዚምልከት ብነብዪ ሙሴ ዝተሰርዐ ናይ መስዋእቲ ኪዳን ድማ፡ እቲ ቓል ናይ’ቲ ኪዳን፡ “እቲ ሰብ ሓጢኣቱ ኺእመንን ኪንሳሕን፡ ኣምላኽ ከኣ ንሓጢኣቱ ይቕረ ኢሉ ኺሓድገሉ’ዩ”። እዚ ኸኣ በቲ ኻብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ዝፈጸምዎ ናይ ገንሸል ፋሲካ መስዋእቲ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኵሉ ኻልእ መስዋእቲ ድማ ንእኡ መሰረት ገይሩ ተሰሪዑ ኣሎ (ዘጸ 12፡1-28 ፣ ዘሌ 1-9)። እቲ ደም ኪዳን ከኣ፡ ናይ’ቲ ዚስውእዎ ገንሸል ደም’ዩ። ምልክት ናይ’ቲ ኪዳን ድማ እቲ ኣብ ልዳት ቤቶም ዚለኽይዎ ደም ወይ’ውን እቲ ዝሰውአ ሊቀ ካህናት ናብ’ቲ ህዝቢ ዚነጽጎ ደም ናይ’ቲ መስዋእቲ’ዩ (ዘጸ 12፡13 ፣ 24፡7,8)።
ናይ ብሉይ ኪዳን ብኣብርሃምን ብሙሴን ዝተሰርዐ ናይ ኪዳን ስርዓት ነዚ ዚመስል ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዘለና ህዝበ ክርስትያን ዝተሰርዐ’ሞ ኽንሕልዎ ዝግብኣና ኺዳንከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዝዓበየ’ኳ ደኣ’ዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መስዋእቲ ስርዓት ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ኪዳን ጽላሎትን ትንቢታዊ ስርዓትን’ምበር፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፍጹም ወይ ምሉእ ኪዳን ኣይነበረን (ቈሎ 2፡17 ፣ እብ 9፡8-10 ፣ 10፡1-4 ፣ 8፡7,13)። ንሰብ ናብ ምሉእ ድሕነት ዜብጽሖ ኪዳን፡ እቲ ብደም እንስሳ ዘይኰነ፡ እቲ ብደም ኢየሱስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ጐይታና ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቘሞ፡ በቲ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙን ዝቘረሶ ስጋኡን ድማ ብግብሪ ፈጸሞ። ነቲ ሕብስቲ ቘሪሱ ምስ ሃቦም፡ “እዚ ምእንታኻትኩም ዚወሃብ ዘሎ ስጋይ’ዩ” በለ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ’ዩ’ሞ ኵልኹም ካብ’ዚ ስተዩ።” ኢሉ ሃቦም (ማቴ 26፡26-30 ፣ ማር 4፡22-26 ፣ ሉቃ 22፡15-20 ፣ 1ቈረ 11፡23-25)። እቲ ብኣብርሃም ዝጀመረ “ግዝረት ኪዳን” ኰነ እቲ ብሙሴ ሊቀ ነብያት፡ ዝተሰርዐ ናይ መስዋእቲ ኪዳን፡ ናይ’ቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ግዝረትን ሕድገት ሓጢኣትን ትንቢታዊ ምልክት ወይ ትእምርቲ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ብተደጋጋሚ ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 2፡28,29 ፣ ቈሎ 2፡11-13 ፣ ፊል 3፡3 ፣ ዘዳ 10፡16 ፣ 30፡6)። ስለ’ዚ ኸኣ ደም ክርስቶስ፡ “ደም ኪዳን” ተባሂሉ ተጸውዐ (እብ 10፡29 ፣ 13፡20)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ማእከላይ (መንገኛ) ሓድሽ ኪዳን” ተባህለ (እብ 9፡15 ፣ 12፡24 ቀ.ት + ካ.ት)። ስለ’ዚ እቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ላዕሊ ኻብ እግዚኣብሄር ተወሊዱ “ውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ዅሉ፡ ውሉድ ናይ’ዚ ብደም ክርስቶስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ውልድነቱ’ዚ ድማ ካብ’ቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደም-ኪዳን ብምስጢረ ቍርባን እናተኻፈለ፡ ውልድነቱ ዓቂቡን ኣኽቢሩን ይነብር። እቲ ብናይ ክርስቶስ ደም ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን እቲ ዝበለጸን ዘለኣለማውን ኪዳን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“ሕጂ ግና እታ ኢየሱስ መንጎኛ (ማእከላይ) ኰይኑ ዜገልግለላ (ሓዳስ) ኪዳን ካብ’ታ ኣረጊት (ኪዳን) ዝበለጸትን፡ ኣብ ዝበለጸ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝዀነት፡ እቲ (ንኢየሱስ) ዝተዋህቦ ኣገልግሎት፡ ካብ’ቲ (ናይ’ቶም ኣብ’ቲ ብሉይ ኪዳን ዜገልግሉ) ዝበለጸ’ዩ። እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ኣበር እንተ ዘይርከባ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። ..... ነዚ ኺዳን’ዚ “ሓድሽ” ኢሉ ብምጽውዑ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ቐልጢፉ ጠፋኣይ’ዩ።” ብምባል ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 8፡6,7,13)። ስለ’ዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ዝበለጸ ተስፋ ዘለዎ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ዚህብ ዝበለጸ ኺዳን’ዩ። ሓደ ሰብ፡ “ውሉድ ሓድሽ ኪዳን ዝኰንኩ ክርስትያን’የ” ኺብል ዚኽእል፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝረኸቦ ግዝረት ልቢ (ጽሩይ ሕልና) ዓቂቡ፡ ካብ’ቲ ሓድሽ ኪዳን ዘቘመ ስጋኡን ደሙን እናተኻፈለ ዚነብር ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ።
ነዚ ንድሕነት ዝወለደና ሓድሽ ኪዳን’ዚ ብኸመይ ኢና ‘ንሕልዎን ነኽብሮን፧ ነዚ ኺዳን’ዚ ናይ ምኽባሩ ረብሓን ናይ ምፍራሱ ሳዕቤንንከ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ኸም ዚግባእ ክንምልሶ ‘ንኽእል ምስ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ጽላሎቱ ብምንጽጻር’ዩ። እቶም ገንሸል ፋሲካ ኺሓርዱ ብሙሴ ዝተኣዘዙ እስራኤላዉያን፡ ነቲ ኺዳን ዜኽብሩሉ ሕጊ ተዋሂብዎም’ዩ። ብኹዕ ነገር ኣብ ገዛኦም ከይርከብ፡ ንምኻድ ተዓጢቖም ኪብልዕዎ፡ ዘይተበልዐ ምግቢ ኸየትርፉ፡ ነቲ መስዋእቲ ኻብ’ቲ ዝተሰውኣሉ ገዛ ኸየውጽኡ፡ ደም ናይ’ቲ ገንሸል ኣብ ልዳት ቤቶም ኪለኽዩ ገለ ኻብ’ቲ ዝተኣዘዝዎ ጽኑዕ ትእዛዛት’ዩ ዝነበረ። ካብ’ዚ ትእዛዛት’ዚ እናፈለጠ ዘጕደለ ሰብ፡ ስለ ዝሰውአን ስለ ዝበልዐን ጥራሕ ካብ’ቲ ቐዛፊ መዓት ኪድሕን ኣይክእልን’ዩ (ዘጸ 12፡3-19)። እዚ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ዘይገሃስን ዘይልወጥን ሕግታት ኣለዉዎ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ዝበዅዐ ምግቢ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ናይ ብልዒ ዘይኰነ፡ ናይ ህይወት ጕዳይ’ዩ ዀይኑ፡ እቲ ማይ ብሑቕ ናይ ሓጢኣት ምሳሌ ምዃኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ።
“.....ቍሩብ መባዅዕቲ ንብዘሎ’ቲ ብሑቕ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከም’ቲ ሕጂ ዘለኹምዎ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቕ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ (ንሓጢኣት) ኣጽሪኹም ደርብይዎ። (ምኽንያቱ) ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሰዊኡ’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኰነ፡ ብዘይበዅዐ እንጌራ፡ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።” 1ቈረ 5፡6-8
ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ዚጽየፎ ሓጢኣት ኣብ ህይወትና ሳዕሪሩ እንተ’ልዩ’፡ ድሮ ነቲ ኺዳን ጠሊምናዮን ኣፍሪስናዮን ኣለና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ነዚ መባዅዕቲ’ዚ ብንስሓ ካብ ህይወትና ኣጽሪና ኸነርሕቖ ይግብኣና። ንሓጢኣትና ብንስሓ እንተ ዘየርሒቕና ግን፡ ኣብ’ቲ መኣዲ ናይ’ቲ ኺዳን ናይ ምስታፍ ብቕዓት ኣይህልወናን’ዩ። ሓጢኣት ስለ ዘሎና ኻብ’ቲ መኣዲ እንተ ዘይተኻፈልና ድማ፡ ካብ’ቲ ደምሳሲ መዓት ዘይነምልጥ ደቂ ቝጥዓ ዄንና ኢና ‘ንነብር። ምኽንያቱ ውሉድ ናይ’ቲ ዜድሕን ኪዳን ከይንኸውን ኣብ ልዕሊ ርእስና ፈሪድና ኢና። ስለ’ዚ ደቂ ሓድሽ ኪዳን ካብ ኰንና፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዚእዝዞ ዅሉ ትእዛዝ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ዀነ ኣብ’ቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረትና ኽንሕልዎን ክንእዘዞን ይግብኣና። ሓድሽ ኪዳን ሃልሃል ብዚብል ውዕዉዕ ፍቕሪ ኽንነብር’ዩ ዚእዝዘና። ከምኡ እንተ ገበርና ዘይበዅዐ ህይወት ይህልወና። ነቲ ዝኣተናዮ ኺዳን’ውን ሓሊናዮ ኣለና ማለት’ዩ። ምስ ሽሕ ሰባት ተፋቒርና፡ ምስ ሓደ “ሕሱም” ዝበልናዮ ሰብ ግን ጽልኢ እንተ’ልዩና፡ ድሮ በዅዕናስ፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳን ኣፍሪስናዮን ኣርኪስናዮን ኣለና። ንዅሉ ትእዛዛት ናይ’ቲ ኺዳን ኣኽቢርና ኸነብቅዕ፡ ካብ’ቲ መኣዲ ናይ’ቲ ኺዳን ዘይንካፈል፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ’ቲ ደም ኪዳን ዘይንነብር እንተ ዄንና ኸኣ፡ ፍቕሪ መዓት ዘጥቅዓና፡ ኣብ ርእስና ዝፈረደና ጠለምቲ ኺዳን ኴንና ኣለና። ኣብ መወዳእታ ዓለም ምሕረት ዘይብሉ ፈራዲ ዀይኑ ዚመጽእን ዚፈርድን ከኣ፡ እቲ መኣዱ ዝተሓሰምናሉ ኪዳኑ ዘፍረስናሉ ሕያዋይን ቅዱስን ገንሸል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነቶም ናብ ድራሩ ተዓዲሞም ዝኣበይዎ እንታይ ከም ዝፈርዶም ኣነጺሩ ገሊጹልና’ዩ (ማቴ 22፡2-14 ፣ ሉቃ 14፡16-24)፡ ነብዪ ህዝቅኤል፡ ጠላም ኪዳን ካብ ፍርዲ ፈጺሙ ኸም ዘየምልጥ ብግህዶ ኣፍሊጡና’ሎ (ህዝ 17፡5-19)። እቲ ኺዳኑ ዜኽብር እሙን ክርስትያን ግን፡ ንስጋ ዝለበሰ ፍጡር ዘይምጥን ልዑል ክብሪ ኺረክብ’ዩ። እዚ ኽብሪ’ዚ ዘይጽምልውን ዘይረክስን ዘለኣለማዊ ኽብሪ’ዩ። እዚ ኽብሪ’ዚ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብስፍሓትን ብዝርዝርን ተገሊጹ ኣሎ (ሮሜ 8፡18,19 ፣ 2ቈረ 4፡16,17 ፣ 1ጴጥ 4፡13)። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ኺዳን’ዚ ተረባሕቲ ምዃንና፡ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ከነረጋግጽ ይግባእ’ምበር፡ በቲ ንድሕነትና ኪኸውን ዝሃበና ኺዳን እንጠፍእ ዓያሱ ኸይንኸውን ምርጫና ነተኻኽል። ክርስትያን ምዃን ማለት “ውሉድ ኪዳን” ምዃን ማለት ካብ ኰነ፡ ነዚ ብደም ክርስቶስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን ነኽብሮን ንሕልዎን ምህላዉና ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና።
እምበኣር ዓይነት ናብራናን ፍረ ህይወትናን ብዕቱብ ንመርምር። ነቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ዝቘመ ኪዳን እንታይ ንፈድዮ ኸም ዘለና፡ ርእስና ንፈትሽ። ከም’ቲ እግዚኣብሄር ኪዳናዊ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ብምስሉን መልክዑን ዝተፈጠርና ኢና’ሞ፡ ኪዳናዊ ህይወት ከም ዘሎና ነረጋግጽ። ንዅሉ ተግባርናን ዝምድናታትናን ብኪዳናዊ ኣተሓሳስባ ነማእዝኖን ንቐልሶን። ከም እንስሳ ብዅነታትን በጋጣሚታትን ኣይንመራሕ። ምስ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ብቕዱስ ኪዳን ዝተጸመድና ክቡራት ፍጡራት ኢና። እዚ ኺዳን’ዚ ክብረትናን ማዕርግናን’ዩ። ንኺዳንና ዚምጥንን ዚበቅዕን ናብራ ንንበር። ኣተሓሳስባናን ዝርርባትናን ኵሉ ንጥፈታትና ንኽብሪ ናይ’ቲ ኺዳንናን ንኽብሪ ናይ’ቲ ምሳና ኺዳን ዝኣተወ ኣምላኽናን ንቐድሶ!!።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
17 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 7, 2016 ግዕዝ (መበል 14 ሰንበት: ቊ.፲፬/14) |
||
ምስባክ መዝ.፻፬፫(፻፬፬)፡፯,፰ “ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 1፡1-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡19-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡38-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ