““ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኵኑ”፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ ናብራኹም ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡15-16 (ዘሌ 20፡26)
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳ 15ግ ክሳዕ ድሮ ልደት ታሕሳስ 27ግ.፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ “ጾመ ነብያት” እንጾመሉ ቕንያት’ዩ። እዛ ቐዳመይቲ ሰሙን ናይ’ዚ ጾም’ዚ፡ ማለት ካብ ሕዳር 13 ክሳዕ ሕዳር 19፡ “ቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይ “ቅድስት” ሰናብትን ሰሙናትን’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ዘለናያ ሰሙን ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ካልኣይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)’ያ። እግዚአብሔር ዝተባረኸ ዘመነ ጾም ይግባረልና። ጾም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ስነ ምግባር’ዩ። ንእግዚአብሔር እነኽብረሉ ግብረ ኣምልኾ ድማ’ዩ። ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋና እንገርሓሉ፡ ብዓለምን ብሰይጣንን ንዚቐርበልና ፈተናታት እንስዕረሉ፡ ናይ ውሽጢ ሰብና (መንፈስና) መንፈሳዊ ሓይሊ እነዕጥቐሉ፡ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዙሕ ናይ ጾም ዘመናት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ። ኣብ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዚዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረተ እምነት ስለ ዘሎና፡ ኣብ’ቲ ናታቶም ናይ ጾም ገድሊ ምእንቲ ኽንሓብር ዓበይቲ ኣጽዋማት ተሰሪዖምልና ኣለዉ።
ጾመ ነብያት፡ ከም ብዓል ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዝኣመሰሉ፡ ንቐዳማይ ምጽኣት ማለት ልደት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምጽባይ ዚጾምዎ ዝነበሩ መሰረት ብምግባር’ዩ ተሰሪዑልና (ማቴ 13፡16-17 ፣ 1ጴጥ 1፡10-12 ፣ ዳን 9፡3-26)። ነብዪ ዳንኤል’ውን ይጸውምን ይጽልይን ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ’ዩ ብዛዕባ’ቲ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፍጸም ዝተመደበ ናይ ምድሓንና ተግባራት ብሕልምን ብራእያትን ዝተገልጸሉ (ዳን 9፡20-27)። ነዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ጾም’ዚ፡ ኣብ’ዛ ‘ቅድስት’ ዝተሰምየት ሰንበት “ቅዱሳት ኵኑለይ” ብዚብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ቅድስና ኽንመሃር፡ ግቡእን እዋናውን’ዩ።
ኣብ ቤተ ክርስትያንና “ቅድስና” ዚብል ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ንእግዚአብሔርን ንቕዱሳን መላእኽቱን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ምድራዊ ህይወቶም ዝወድኡ’ሞ ቤተ ክርስትያን ዝሰየመቶም ሰባት ጥራይ ከም ዚምልከት ጌርና ኢና እንወስዶ። ቅድስና ናይ እግዚአብሔርን መላእኽቱን ናይ’ቶም ጕያኦም ብዓወት ዝዛዘሙ መንፈሳውያን ሰባት ምዃኑ ዜጠራጥርን ዜከራኽርን ኣይኰነን። ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ’ቲ ኽልቲኦም ዲያቆናት ዘንበብዎ ኽፍሊ ምስ እንምልከት፡ ቅድስና ንዅላትና ብህይወት ዘለና ኣገልገልትን ምእመናንን ዚምልከት ኣዝዩ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ባህርይ ምዃኑ ብዘየጋግይ መገዲ በሪሁ ተገሊጹ ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ይኹን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ’ተን ኣብያተ ክርስትያን ዘለዉ መናንያን፡ ኤጴስቆጶሳት ወይ ኣገልገልቲ ጥራይ ፈልዮም ኣይኰኑን ንቕድስና ኣመልኪቶም ዝጸሓፉ። ከም’ቲ ኣብ መሪሕ ጥቕሲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ዘንበብናዮ፡ ጽውዓ ኣምላኽ ዝተቐበለ ዅሉ ሰብ ቅዱስ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝተጻሕፈ ኣርባዕቲኡ ምዕራፋትን፡ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓሙሽቲኦም ምዕራፋትን ኣስፊሕና እንተ ደኣ ኣጽኒዕናየን፡ መራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን፡ ምእመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ውሉዳቶምን፡ ከምኡ’ውን ክርስትያን ዝዀኑ ግዙኣትን ጐይቶትን (ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን)፡ እቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኸይተረፉ ቅዱሳት ክንከውን ከም ዚግብኣና ብሩህ ኰይኑ ንረኽቦ። ስለ’ዚ ሎሚ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ነንብብን ንሰምዕን ዘለና ዅላትና ቅዱሳት ክንከውን ከም ዝተጸዋዕና ክንፈልጥ ይግብኣና።
ከም’ዚ ዘለናዮ ኸለና ‘ክርስትያን’የ’ ምባል ኣኻሊዶ ኣይኰነን፧ ንምንታይ’ዩ ቅዱሳን ክንከውን ዜድልየና፧ “ቅዱስ” ዚብል ቃል ምስ እግዚአብሔርን መንፈሳዊ ኣርእስትን ኣዛሚድና ኢና ንጥቀመሉ። ብሓደ መዳዩ “ቅዱስ” ማለት “ፍሉይ” ዚብል ትርጕም’ዩ ዚህብ። ንኣብነት እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ንዅሉ በዅሪ ግብጺ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ’ቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሰብን በዅሪ እንስሳን ከይተረፈ ቐቲሉ’ዩ ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺእዎም (ዘጸ 12፡29)። ነዚ ፍሉይ ተግባር’ዚ መሰረት ብምግባር ንባርያኡ ሙሴ፦
“.....ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፈት ኵሉ፡ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ’ዩ’ሞ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ፡” ብምባል ኣዘዞ (ዘጻ13፡1-2)። ኣብ’ዚ ዓውደ ንባብ’ዚ እቲ “ቅዱስ” ዚብል ቃል “ንእግዚአብሔር ዝተፈልየ” ዚብል ትርጕም ሒዙ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማ “ቅዱስ” ማለት “ፍጹም፡ ንጹህ፡ ኣበር ፡ ነቐፋ ወይ ኢንታ ዘይብሉ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ናዳብን ኣቢሁን ዝተባህሉ ደቂ ኣሮን ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሶም፡ ጋሻ ሓዊ ጌሮም ኣብ ቤት መቕደስ ንእግዚአብሔር ምስ ዓጠኑሉ፡ ካብ እግዚአብሔር ሓዊ ወጺኡ ቐዘፎም። ብድሕሪ’ዚ ንሊቀ ካህናት ኣሮን እግዚአብሔር ከም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ኣዘዞ፦
“ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚአብሔር ብሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።” ዘጸ 10፡9-11
ኣብ’ዚ ኣብነት’ዚ ኸኣ “ቅዱስ” ማለት “ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍላጥን ምሕላውን” ምዃኑ በሪሁ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስ ንሰብ ዜርክስ ሓጢኣት’ዩ። እግዚአብሔር ብባህርዩ ኣዝዩ ንጹህን ቅዱስን’ዩ። ቅድስና ድማ ሓደ ኻብ’ቲ ተወራሲ ባህርያቱ’ዩ። ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ጌሩ ኸኣ ደጋጊሙ ‘ኣነ ቅዱስ’የ’ እናበለ ገሊጹ ኣሎ። ምስ እግዚአብሔር ቀረባ ዀይኑ ኺነብር ዚደሊ ሰብ ይትረፍ ሓጢኣት ብምግባር ረኺሱ፡ እግዚአብሔር “ርኹስ’ዩ” ዝበሎ እንተ ተንኪፉ’ኳ ናብ ጥቓኡ ኪቐርብ ኣይክእልን፡ ኣይዕገሶን ድማ’ዩ። ንኣዳምን ሄዋንን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎምን ጌሩ ብመልክዑን ምስሉን’ዩ ፈጢርዎም። ነታ ምስኡ ብቕድስና ከተንብሮም ኢሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ሓልዮም ክሳዕ ዝነብሩላ ጊዜ ድማ ቀረባ ኣምላኽ ኰይኖም ብቕድስና ምስኡ ይነብሩ ነበሩ። ብሰይጣን ተሓቢሎም ትእዛዙ ምስ ኣፍረሱ ግና ቅድስናኦም ኣጥፊኦም ካብ’ታ ምስ ፈጣሪኦም ብሰላምን ብሓጐስን ዚመላለሱላ ዝነበሩ ገነት ኤደን ሞት ተፈሪዶም፡ ተሰጕጎም ወጹ (ዘፍ ምዕ 2ን3)። ህዝቢ እስራኤል ናይ’ዞም ኣብ’ዚ ዘመን ዘሎና ህዝቢ ክርስትያን ጽላሎትን ኣብነትን’ዮም። ታሪኾም ኵሉ ንትምህርትና ስለ ዝተጻሕፈልና ኢና ደጋጊምና ‘ነንብቦን ‘ነጽንዖን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፦
“እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን’ዩ ዚበጽሖም፡ ንኣና፡ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበና’ውን፡ ንተግሳጽ ኪዀነና’ዩ እተጻሕፈ።” ብምባል ኣዘኻኺሩና ኣሎ (1ቈረ 10፡11)። ነቶም ኣብ ዘመን ነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሩ ኸም ሓደ ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ንእግዚአብሔር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ንዒቖም፡ በቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ በብዓይነቱ ሓጢኣት ምስ ኣጕሃይዎ፡ እግዚአብሔር ብባርያኡ ጌሩ፦
“ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም። ....... ኣእዳውኩም ምስ እትዝግሑ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እንተ ኣብዛሕኩም ኣይሰምዕን’የ። ኣእዳውኩም ደም መሊአን’የን።” ብምባል ብዘይ ቅድስና ምስኡ ዝዀነ ሕብረት ወይ ርክብ ኪገብሩ ከም ዘይክእሉ ተዛረቦም (ኢሳ 1፡12,15-16)። ብነብዪ ህዝቅኤል ጌሩ’ውን ነቶም ንጣኦታት ብምምላኾም ንህዝቢ እስራኤል ዝዓንቀፍዎም ሌዋውያን፦ “ንሳቶም (እቶም ሌዋውያን) ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገብርዎ ጽያፎምን ደኣ ኺጾሩ’ዮም’ምበር፡ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ ኣብ’ቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብ’ቲ ኣዝዩ ቕዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቐርቡን’ዮም።” ብምባል ብዘይ ቅድስና ናብ ኣምላኽን ናብ መቕደሱን ኪቐርቡ ከም ዘይክእሉ ኣፍለጦም (ህዝ 44፡13)።
ክርስትያን ናይ ምዃንን ቐንዲ ምኽንያትን ዕላማን ከኣ፡ ኣብ’ታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ቀረባ ኣምላኽ ኴንና ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን’ዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ዘመን ምሕረትን ጸጋን እንተ’ለና እቲ ቕድስና ዚጠልብ ባህርይ እግዚአብሔር ግን ኣይተለወጠን። “ክርስትያን’የ” ብምባል ጥራይ ኣብ’ዛ ምድሪ ይኹን ኣብ’ታ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ቀረባ ኣምላኽ ክንከውን ስለ ዘይንኽእል’ዮም እዞም ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነባብራና ዅሉ ብቕድስና ኪኸውን ዝጸሓፉልና። ኣብ’ተን ባዕላቶም ዝመስረትወን ኣብያተ ክርስትያን ንዝነበሩ ምእመናንን ኣገልገልትን፡ ብዘይ ቅድስና ንኣምላኽ ኪርእይዎ ኸም ዘይክእሉ ምእንቲ ኺፈልጡን ኪቕደሱን፡ ኣዝዩ ግሉጽ ብዝዀነ ቓላት ከም’ዚ ዚስዕብ እናበሉ የጠንቅቕዎም ነበሩ።
“ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብረ ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን’ዮም።” 1ቈረ 6፡9-10
“ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩም ከም’ቲ ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣ’ምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስሰዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛ’ውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡ ኣለኹም። ብሰሪ’ዚ ኣብ’ቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ’ዩ’ሞ፡ ሓደ’ኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምበኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።” ኤፌ 5፡3-7
ስለ’ዚ ዅሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎን ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስና እንረኽቦ በብዓይነቱ ዜርክስ ተግባራትን ገጽ ኣምላኽ ካብ ምርኣይ ስለ ዜትርፈና “ክርስትያን’የ” ምባልና ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ንዘለኣለም ምስ ክርስቶስ ክንነብር ንደልይ እንተ ዄንና ቅዱስ ህይወት ኪህልወና ግድን’ዩ። እቲ ንሰብ እብራውያን፦ “ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ብዘይ ቅድስና ሓደ’ኳ ንእግዚአብሔር ዚርእዮ የልቦን’ሞ ቅዱሳን ክትኰኑ ጽዓሩ። ካብ ጸጋ ኣምላኽ ሓደ’ኳ ኸይወጽእ፡ ከምኡ’ውን መሪር ሱር (ሓጢኣት) በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ንብዙሓት ከኣ ከየርክስ ተጠንቀቑ። ሓደ’ኳ ኣመንዝራ ዝዀነ፡ ወይ ከም’ቲ ንሓንቲ ጊዜ ኺበልዕ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።” ዝበሎ ቓል እናዘከርና፡ ንቕድስና ናይ ዘወትር መምርሒ ህይወትና ንግበሮ (እብ 12፡14-16 ካ.ት)።
መሰረት ቅድስናና ግን እንታይ’ዩ፧ ኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር” ብምባል’ዮም ንሰብ ፈጢሮምዎ። ካብ ሓመድ ምድሪ ምስ ገበርዎ ድማ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በሉሉ’ሞ ህያው ነፍሲ ዀነ (ዘፍ 1፡26 ፣2፡7)። እዚ ኣብ ኵሉ ሰብ ዘሎ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ፡ ነቲ ግዙፍ ኣካልና ዘይኰነስ፡ ነቲ ውሽጣዊ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ባህርያትና ዜመልክት’ዩ። እዚ ኣባና ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ ነቲ ተወራሲ ባህርያት ናይ እግዚአብሔር፡ ከም እኒ ቕድስና፡ ፍቕሪ፡ ለውሃት፡ ሰናይ ግብሪ፡ ምሕረት ወዘተ ..... ዝኣመሰሉ ዅላቶምን ኪህልዉናን ክንገብሮም ዜኽእለና ዓቕምን ፍቓድን ኣዕጢቑና’ዩ። ብዛዕባ ዘይውረሱን ዚውረሱን ባህርያት ናይ እግዚአብሔር ምሉእ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልወና ኣብ’ቲ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዳለወ ቐዳማይ መጽሓፍ ፍኖተ ህይወት ምውካስ ጽቡቕ’ዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪ ናይ ኵሉ ግኡዝን ህይወት ዘለዎን ፍጡር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ምሉእ ዋንነት ኣለዎ። ኣብ’ቲ ናይ ኣሳፍ መዝሙር፦
“ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሽሓት ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ’የን፡ ኵለን ኣዕዋፍ ኣኽራን ናተይ’የን። ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ኵሉ ኸኣ ናተይ’ዩ። ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ ስለ ዝዀነ እንተዝጠሚ’ኳ እንጌራ ኣይምለመንኩኻን።” ብምባል፡ እግዚአብሔር ናይ ኵሉ ፍጥረቱ ዋንነት ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ (መዝ 50፡10-12)። ኣብ ሰብ ዘለዎ ግን ካብ’ዚ ሕልፍ ዝበለ ዕምቈትን ዕላማን ዘለዎ’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ ናይ ትንቢት ቃል ከም’ዚ ዚስዕብ ኢልዎ ኣሎ፦
“ንሰሜን ‘ኣምጽእ’ ንደቡብ ከኣ ‘ኣይትኽላእ’ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዕ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽኣዮ፡’ እብል ኣለኹ። .... እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ’ዩ።”
እግዚአብሔር ኣብ ሰብ ዘለዎ ዋንነት ብምግላጽ’ዩ’ምበኣር ከም’ቲ ኣርእስትና ዚሕብሮ “ኣነ እግዚአብሔር ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኵኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም’የ።” ብምባል ዝኣዘዘ (ዘሌ 20፡26)። ቅዱሳት ክትኰነሉ መሰረት ዚዀነና፡ ኣባና ዘለዎ ዋንነት ኣሚንና ዝተቐበልናን እንእዘዝን ምስ እንኸውን’ዩ። እግዚአብሔር ‘ቅዱሳት ኵኑለይ’ ኪብል ከሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሕደሮ ምስሉን ባህርያቱን ኣጸቢቑ ይፈልጦ’ዩ። እግዚአብሔር ከም ፈርኦን ንመስርሕ ጡብ ዚኸውን ሓሰር ከይሃበ “ጡብ ሰሪሕኩም ኣምጹኡለይ” ዚብል ጨካን ኣምላኽ ኣይኰነን (ዘጸ 5፡7,8)። እኳ ደኣ ነቲ ዘይምቕዳስና ኪርእይ ከሎ “ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሎምሲ እንታይ ኰን ምተገብረሎም ነይሩ፧” እናበለ’ዩ ዚግረም (ኢሳ 5፡4)። ኣብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን፡ ነቲ ዝሃቦም ነጻ ናይ ምምራጽ ፍቓድ ተጠቒሞም፡ ጐይታን ዋናን ናይ ህይወቶም እግዚአብሔር ምዃኑ ኣሚኖም፡ ንሓጢኣት ብምእባይን ትእዛዛቱ ብምሕላውን ንእግዚአብሔር ዝተቐደሱን ዝተመስከረሎምን ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣለዉና። ካብ’ቶም ብዙሓት ሒደት ንምጥቃስ ዚኣክል፡ ሄኖክን ኖህን “ኢንታ ዘይብሎም ብምዃን ምስ ኣምላኽ ብቕድስና ዝተመላለሱ”፡ ኣቦና እዮብ ከኣ ‘ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ” ብምባል እግዚአብሔር ከም ዝተሓጐሰሎም ተጻሒፉ ነንብብ (ዘፍ 5፡24 ፣ 6፡9 ፣ እዮ 1፡8 ፣ 2፡3)። ዮሴፍ፡ ወዱ ኣቦና ያእቆብ ድማ፡ ኣብ ናይ ጕብዝና ዕደመኡ ኸሎ ነታ ምስኣ ኺድቅስ ደጋጊማ ዘገደደቶ ሰበይቲ ጐይታኡ ጶጢፋር፡
“.....ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል ካብ ርኽሰት ፈንጺጉ ብምህዳም ንኣምላኹ ተቐደሰ (ዘፍ 39፡9)። እቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝተመስከረሎም ኣቦታት እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ናይ ድሕነትና ገና ጊዜኡ ኸይኣኸለ ከሎ ዚነብሩ ዝነበሩ’ዮም። እንተ ዀነ ነቲ ኣባታቶም ዝነበረ ምስሊ ኣምላኽ ተጠቒሞም ንእግዚአብሔር ዜሐጕሶ ቅዱስ ባህርያት ኣንጸባሪቖም ዝሓለፉ’ዮም። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ዝሓለፍዎ ገድሊ ቅድስናኦም፡ ከመይ ከም ዝተሓጐሰሎምን ኣብ’ዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንምህሮና ኣስፊሩልና ኣሎ። ደጋጊምና ብምንባብን ብምጽናዕን ድማ ኣሰሮም ንከተል።
እዞም ኣብ’ዚ ዘመን ምሕረት ዘለና ክርስትያን ግን፡ ንእግዚአብሔር ቅዱሳን ምእንቲ ኽንኰነሉ ዝበለጸ ዕጫን መሰረትን ዘሎና ኢና። ኣብ ርእሲ’ቲ ከም ኣብ ኵሉ ሰብ፡ ኣባና ዘሎ ቅዱሳን ክንኰነሉ ዜኽእለና ምስልን ባህርያትን ናይ እግዚአብሔር፡ በቲ ክርስቶስ ዝፈጸመልና ናይ ድሕነት ሰራሕ ዓብዪ ብልጫ ኣሎና። ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ነቲ፦
“ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን (ንኣምላኽ) ጸላእቱ ነበርኩም። ንሱ (እግዚአብሔር ኣቦ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ገይሩ ዓረቐኩም፡” ዚብል ቃል ኣዚና ኸነቕልበሉ የድልየና (ቈሎ 1፡21-22 ካ.ት)። እዚ ናይ ዕርቂ መደብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ባሮት ኢና ዝነበርና። ክንገብሮ እንኽእል ኵሉ ግብሪ ጽድቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጽዩቕ ጨርቂ ነበረ (ሮሜ 8፡2 ፣ ኢሳ 64፡6)። ብዘይ ክርስቶስ፡ ይትረፍ ንእግዚአብሔር ቅዱሳት ክትኰነሉ ናብ ጥቓኡ ኽንቀርብ ኣብ ዘየኽእለና ጽልኢ ኢና ዝነበርና። ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምእንታና ዝሞቶ ሞትን ዘፍሰሶ ደሙን ኣሚንናን ተቐቢልናን ምስ ሰዓብናዮ ግና፡ እቲ ቐዳሲ ተግባር ኣምላኽ ኣባና ይፍጸም። እቲ ቐዳሲ ተግባር ናይ እግዚአብሔር፡ መሰረት ናይ’ቲ ቅዱሳን ክትኰነሉ ዜኽእለና ጸጋ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።
“ገሌኹም’ውን ከምኣቶም (ደቂ ቝጥዓ) ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን፡ ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩም ኢኹም።” 1ቈረ 6፡11 ካ.ት
“ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውአ፡ ተቐዲስና ኢና።” እብ 10፡10 ካ.ት
“ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኰኑ፡ ብምንጻግ ደሙ ኸኣ ምእንቲ ኽትነጽሁ፡ በቲ ቐዳሲ ዝዀነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ሓረየኩም፡ ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።” 1ጴጥ 1፡2 ካ.ት
ነዚ ዅሉ ኣዛሚድና ኽንርእዮ ኸለና፡ እግዚአብሔር ኣቦ ንወዱ ገንሸል ዕርቅና ኪኸውን ብምልኣኹ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኣብ መስቀል ምእንታና ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ብምግባር ክቡር ደሙ ብምፍሳሱ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባና ብምሕዳሩ ኸም ዝተቐደስና ኢና ንርዳእ። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ መስተንክርን ቀዳስን ዝዀነ መለኮታዊ ስራሕ ኣባና ዝተፈጸመ ድማ ብዅሉ (ኣካይዳና ኣነባብራናን) ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ብምዃን ምእንቲ ኽትቅደሰሉ እዩ።
ክትቅደሰሉ ኢሉ እግዚአብሔር እዚ ዅሉ ጌሩልና ኼብቅዕ እንተ ደኣ ዘይተቐዲስናሉ፡ እቲ ዘይምቕዳስና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ደጋዊ ህይወትናን ኣነባብራናን ነጸብራቕ ናይ’ቲ ውሽጣዊ መንነትናን ትሕዝቶናን’ዩ። ኣብ ውሽጥና ብርሃን ክርስቶስ ዝመልአ ህይወት እንተ’ልዩና፡ ኣካይዳናን ኣነባብራናን ነቲ ዝቐደሰና ክርስቶስ’ዩ ዚመስል። ጻውዒት ነፍስ ወከፍ ምእመን፡ ኣብ’ዛ በቲ እኩይ (ሰይጣን) ተታሒዛ ዘላ ዓለም ብርሃን ኴንና ኽንመላለስ’ዩ። በቲ መንቅብ ዘይብሉ ኣካይዳና ነቲ ዝቐደሰናን ብርሃን ዝዀነናን ክርስቶስ ኬኽብርዎን ካብ’ቲ ሒዝዎም ዘሎ እኩይ ወጺኦም ናብ ብርሃን ክርስቶስ ምእንቲ ኪመጽኡ’ዩ። ጐይታና ኣብ ትምህርቱ “ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም ..... ንዓለም ከኣ ብርሃኑ ኢኹም” ምስ በለ፡
“ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 5፡13,14,16 ካ.ት)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ንእግዚአብሔር ቅዱሳት ብምዃን ከም እነብርህ ከም’ዚ ብምባል ገሊጹልና’ዩ።
“ከም’ቲ ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል እዛ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ’ዚኣ ኢንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽን ኴንኩም ኣብርሁ።” ፊል 2፡15 ካ.ት
“ኢንታ ዘይብሎም ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽን” ዚብል ሓረግ፡ ቀጥታዊ መግለጺ ናይ ቅዱስ ህይወት’ዩ። እግዚአብሔር ከም’ዚ ዝበለ ህይወት ኪህልወና እናተጸበየና ኸሎ፡ ካብ ቅድስና ጐዲልና ብርኽሰት ምስ እንመላለስ’ምበኣር፡ ነቲ ዝቐደሰና ኣምላኽ ኢና እነጽርፎ። መልእኽቲ ናይ ዘይምቕዳስና ኣዝዩ ኽፉእ’ዩ። ከም’ቲ ብብርሃን ክንመላለስ ከለና ‘ነዚ ብርሃን’ዚ ኣባይ ዘሕደረ ኣምላኽ ብርሃን’ዩ’ ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ፡ ብኣንጻሩ ብዘይምቕዳስና ኸኣ ስም እግዚአብሔር ኣባና ይረክስ ስለ ዘሎ “እግዚአብሔር ከማይ ርኹስ’ዩ” ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። ምኽንያቱ ንሕና ኻብ’ታ “ክርስትያን” ተባሂልና ዝተሰመናላ ጊዜ ጀሚርና ስም ክርስቶስ ኣባና ጸዊርና ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ኵሉ ተግባርና ኸኣ ንእኡ’ዩ ዚገልጽ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኣመልኪቱ፦
“ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ’ኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።” ከም ዝበለ፡ ንሕና’ውን “ክርስትያን’የ” እናበልና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰብን ኢንታን ኣበርን ዚመልኦ ርኽሰት ንገብር እንተ’ሊና፡ ንመድሓኒናን ቀዳሲናን ነጽርፍ ከም ዘለና ኣይንረስዕ (2ቈረ 6፡3)። እግዚአብሔር ናይ’ቲ ህዝቢ እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኽሰት መልእኽትን ትርጕምን ብነብዪ ህዝቅኤል ጌሩ ኺገልጽ ከሎ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፦
“ብዛዕባኦም ከኣ (ማለት ቤት እስራኤል)፡ “እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚአብሔር’ዮም”፡ ካብ ሃገሩ’ውን ወጺኦም፡ እናተባህለስ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ...... ስለ’ዚ “እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም’ዚ ይብሎ ኣሎ” ኢልካ ንገሮም፡ ‘እዚ ምእንቲ’ቲ ኣብ ዘዝኣቶኹምዎ ህዝቢ ዘርከስክዎ ቅዱስ ስመይ’የ’ምበር ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ’።” ህዝ 36፡20,22
ብዘይ ምቕዳሶም ማለት ብርኽሰት ብምምልላሶም “ንቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ” ዚብል ዘሎ፡ ባዕሉ እቲ መንግስትን ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ኪዀንዎ ኢሉ ዝሓረዮምን ዝቐደሶምን እግዚአብሔር’ዩ። ነብዪ ወይ ሰባኺ ከቢድ ሃይለ ኪጥቀም ኢሉ ዝበሎ ኣይኰነን። ነዞም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ብመገዶም ዝረኸሱ ህዝቢ ኸም’ዚ ኻብ በሎም ደኣ፡ ንኣና ነዞም በቲ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብዝዀነ መስዋእቲ ክርስቶስ ወዱ ዝቐደሰና ደኣ እንታይ ኪብለና’ዩ።
ናይ ዘይምቕዳስ መልእኽቲ ክሳዕ ክንድ’ዚ ከቢድ ካብ ኰነ፡ ብኸመይ ኢና ክንቅደስ እንኽእል፧ ንሓደ “ክርስትያን’የ” ዚብል ምእመን ቅዱስ ምዃን ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታ’ዩ። ብወገን እግዚአብሔር እቲ ቅዱሳን ኪገብረና ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ብሞት ወዱን በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስን ተፈጺሙልና’ዩ። በዚ ድማ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ወጺእና ኢና። “ክርስትያን’የ” ዜብለና ኸኣ ነዚ ተግባር ኣምላኽ ኣሚንና ዝተቐበልናን ዝተኣዘዝናን ስለ ዝዀንና ኢና። ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት ክንመላለስ ከለና እቲ ምስ ሓጢኣት ዘሎና ቓልሲ ገና ኣይተወድአን። ስለ’ዚ ኵሉ ኣነባብራና ብመንፈስ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ነቲ ኣብ ስጋና ዀይኑ ናብ ሓጢኣት ዚስሕበና ትምኒትን ፍትወትን ምእንቲ ኽንስዕሮ ቅዱሳን ሃዋርያት፦ “ኣነ ግና ብመንፈስ ንበሩ (ተመላለሱ)፡ ትምኒት ስጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።”
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ፡ እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።” ብምባል ሂቦምና ብዘለዉ ምኽሪ ህይወትና ኽንመርሕ የድልየና (ገላ 5፡16 ፣ 1ጴጥ 2፡11)። መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኺሓድር ተዋሂቡና ዘሎ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይንገብር ኪድግፈና፡ ጽድቂ ኽንገብር ከኣ ምእንቲ ኬኽእለና’ዩ። ንሕና ድማ ብወገን ርኽሰት ክንገብር ዚደፍኣና ነገር ካብ ስጋና ኺለዓል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ “ግደፍ፡ ተመለስ” ዚብለና ድርኺት መንፈስ ቅዱስ ክንእዘዞ ይግብኣና። ብኣካላትና ሓጢኣት ዲና ክንገብር ወይስ ጽድቂ ናትና ውሳኔ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ትርጕም ምስጢረ ጥምቀት ብዜደንቕ ዕምቈት ምስ ገለጸ፡ ንኣካላትና እንታይ ክንገብሮ ኸም ዘለና ኸም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ።
“እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም (ኣካላትኩም) ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። ..... ከም ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ድኹማት ስለ ዝዀንኩም’ዩ። ከም’ቲ ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ንኺግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ ክትገብሩ ኣካላትኩም ወፍዩ።” ሮሜ 6፡12-13,19 ካ.ት
እዚ ማለት ኣእምሮና ክፍኣትን ተንኰልን ዘይኰነስ ብቓል እግዚአብሔር ተመሊኡ መንፈሳዊ ነገር ጥራይ ኪሓስብ፡ ኣፍና ሓሶትን ሕሜትን ዘይኰነስ ሰናይ ቃላት ምጽንናዕን ኪዛረብ፡ ኣእዳውና ባእስን ስርቅን ዘይኰነስ ንልግስን ምድግጋፍን ኪዝርግሓ፡ ኣእጋርና ኸኣ ናብ ቦታ ርኽሰት ዘይኰነስ ናብ ቤት እግዚአብሔርን ንሰናይ ግብርን ኪንቀሳቐሳ ምውፋይ ማለት’ዩ።
እምበኣር መንግስቲ ኣምላኽ ንምውራስ ቅድስና ብግዲ ኸም ዜድልይ ካብ ፈለጥና፡ ካብ ነፍስ ወከፍ ትጽቢት ዚግበር ስጕምቲ፡ ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ምምርማር’ዩ። ቅድስና ካብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ ባህርያዊ ትዕድልትና’ምበር፡ ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ዘይትግበር ጽኑዕ ትእዛዝ ጌርና ኻብ ምርኣይ ንተዓቐብ። ነቲ ቅዱስ ባህርዩ ዘውረሰና ኣምላኽ ብቕድስናና ነኽብሮ’ምበር ብርኽሰትና ኣይነነውሮ። ንቕድስና ኣምላኽ ብግብራዊ ናብራና ንስበኮ። እግዚአብሔር ብደም ቅዱስ ወዱን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንምቕዳስና ዜድልይ ኵሉ ስለ ዝገበረልና ንርኽሰትና እነቕርቦ ዝዀነ ብቝዕ ምኽንያት ከም ዘይብልና ነስተውዕል። ደድሕሪ ርኽሰት ብምስዓብ ንስራሕ ቅድስት ስላሴ ኣይንጻረር። ዓስቢ ቕድስናን ፍዳ ርኽሰትን ብዚግባእ ብምስትውዓል ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸብቕ ምርጫ ነልዕል’ሞ መንፈሳዊ ልቦናና ነግህድ። ንኣካላትና ናውቲ ጽድቅን ቅድስናን’ምበር መጋበርያ ርኽሰትን ሓጢኣትን ኣይንግበሮ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
16 ሕዳር 2023 | ሕዳር 26, 2016 ግዕዝ (መበል 11 ሰንበት: ቊ..፲፩/11) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፴፬(፻፴፭)፡፮ “እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።” ወይ፡ መዝ.፻፲፫(፻፲፭)፣፫ “አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡21-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡13-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 19፡27-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 5፡17-27 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ መዝሙር፦ ሎቱ ስብሐት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ