“ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ (ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። ስለ’ዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ’ሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ (ብህይወት እንተ’ሊና ወይስ እንተ ሞትና) ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣለና።” 2ቈረ 5፡9,10
"ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ 5፡9) ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ምእንቲ ሰላም ክነግሥ ኣብ ኩሉ ክሰፍሕን ክዝርጋሕን ኣበርክቶ ዝገብሩን
"ሕጂ ግና ነዚ ዅሉ ድማ፡ (ማለት) ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ’ውን፡ ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።" ቈሎ 3፡8
ቃል ርትዒን ምሥክርን፡
ጥርዓን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኃየንታን ውሉደ-ሰብ ዝግህስ ሕሱም ጭካኔን -፡ ማእከላይ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዓለም-ለኸ ማሕበር-ክርስትና፡ (World Council of Churches)
“ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ! ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት (ከላ) ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” ዮሃ 17፡4-5
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝማን፣ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፣ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብል እግዚኣብሔ። ንሱ ንኹራ ደንጓዪ ብምሕረት ከኣ ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ኪምሕርን ኪርኅርኅን እዩ ዚፈቱ እሞ። ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ኢዮኤል 2፣ 2፣12-13።
“ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ (ናብቲ መቓብር) ኣተወ። ነቲ “ካብ ምውታት ኪትንስእ ይግብኦ’ዩ” ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩ’ሞ፡ ርእዩ ኣመነ።” ዮሃ 20፡8-9።
“ነፍሲ ወከፍ ከም’ቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይ’ቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” 1ጴጥ 4፡10። እዛ ቅድስቲ ዕለት’ዚኣ ሻምነይቲ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾምን ዕለተ ሆሳእናን’ያ። ሆሳእና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣዝዩ ዓብይ ክብረ-በዓል’ዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ዓብዪ ኽብሪ ዝረኸበሉ ዕለት ድማ’ዩ። ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግሩ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ’ውን’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ውጽኢት ስራሕ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ከተማ ዘናዓበ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኪህልው ዝሰርሐን ዝወደበን ሽማግለ (ኮሚቴ) ኣይነበረን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዝወረደ ሞት ሓዘና እናገለጸት፣ ንሰንበት 6 ጥቅምቲ 2013 ስለቶም ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ጸሎት ፍትሓት ክግበር ተመዲቡ ኣሎ። በዚ መሰረት: ኣብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ: ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ: ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ: ዝርከባ ኣብያተክርስትያን (ዝርዝር ኣብያተ ክርስትያን) ጸሎት ፍትሓት ክገብራ እየን:: ኣምላኽ ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ፣ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታትና ኣብ መንግስተ ሰማያት ክቕበሎም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ብሓፈሽኡ ስለ ህዝብና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጽሊ እና። ኤርትራውያን ምእመናን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና ድማ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንምሕጸን።
እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበል።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ