“ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ (ርኹስ) መንፈስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ቅዱስ) መንፈስ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነብያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለም’ዮም፡ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን’ዩ፡ ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና ‘ንፈልጦ።” 1ዮሃ 4፡4-6 ካ.ት
እዚ ዘለናዮ ቕንያት፡ ቅንያት በዓለ ልደት ስለ ዝዀነ፡ ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳዕ ጥሪ 5 ዘሎ ቕንያት፡ እቲ “ይሠርቅ ኮኮብ” (ኰዀብ ይወጽእ) ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር’ዩ ዚዝመር። ዘለናዮ ዓመተ ግእዝ ዘመነ-ዮሃንስ ስለ ዝዀነ፡ በዓለ ልደትና ታሕሳይ 28 ከም ዘብዓልና ዚዝከር’ዩ። ነቲ ዕለት’ቲ ዝተዘመረ መዝሙር ድማ “ወእንዘ ሀለዉ ህየ” ዘርእስቱ ከም ዝነበረ ዚዝከር’ዩ። እቲ ኻብ ታሕሳስ 29 ክሳዕ ጥሪ 5 ዘሎ ቕንያት ዚውዕል ሰንበት ግና፡ ልክዕ ከም’ቲ ልደት ኣብ ታሕሳስ 29 ኪውዕል ከሎ (ኣብ ዘመነ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን) ዚዝመሮ፡ “ይሠርቅ ኮከብ”’ዩ ዚኸውን። እዚ መዝሙር’ዚ እቲ ዚወጽእ ኰዀብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዜበስር፡ ቃል እግዚኣብሄር ዝመሰረቱ መዝሙር’ዩ። ጐይታና ዜብርህ ኰዀብ ምዃኑ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ደጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም (ዘሁ 24፡17-19 ፣ ማቴ 2፡1,2 ፣ 2፡9,10)። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ “ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ’የ።” ብምባል ገሊጹልና’ዩ (ራእ 22፡16)። እዚ ኰዀብ ጽባሕ’ዚ ከም’ቶም ካልኦት ግኡዛን ከዋኽብቲ ኣብ ህዋ ተንጠልጢሉ ዚነብር ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቢ ሰባት ዚወጽእን ዜብርህን ኰዀብ ልቢ፡ ኰዀብ ህይወት’ዩ (2ጴጥ 1፡19 ፣ ራእ 2፡28)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ነቶም ሰብ ጥበብ ካብ ሃገሮም ካብ ርሑቕ ምብራቕ መሪሑ ዘምጽኦም ኰዀብ ምዃኑ፡ ክሳብ’ታ እቲ ህጻን ዘለዋ ቦታ መሪሑ ኸም ዘብጽሖም ኣዘንትዩልና ኣሎ። ጐይታና ናይ ኣይሁድ ጥራሕ ዘይኰነስ ናይ ኣህዛብ’ውን መድሓኒ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ዚርድእዎን ዚቕበልዎን ጥበቦም ብስግለት ከዋኽብቲ ገይሩ ብስራት ልደቱ ኣበሰሮም። ንሳቶም መጺኦም ከኣ ንኣምላኽነቱ ዚእመን ስግደት ሰገዱሉ። ሰለስተ ዓበይቲ ገጸ በረኸት ከኣ ኣቕረቡሉ። ሊቃውንቲ ናይ ቤተ ክርስትያንና ኸም ዚትርጕምዎ ድማ፡ ወርቂ ናይ ንግስነቱ፡ ዕጣን ናይ ክህነቱ፡ ከርበ ድማ ናይ መከራኡ ትእምርቲ (ወይ ምልከት)’ዩ። እዚ ኸኣ ምስ’ቲ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተኣመንዎ ንጉሳዊ ክህነቱ (Royal priest hood) ዚሰማማዕ ቅቡል ትርጕም’ዩ (ዘካ 6፡13 ፣ እብ 7፡1-10)።
ብመሰረት’ዚ “ይሠርቅ ኮኮብ” ዘርእስቱ መዝሙር’ዚ ኻብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ 1ዮሃ 4፡1-9 ንባብ’ዩ። እዚ ቕዱስ መልእኽቲ’ዚ፡ ምንጪ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ መልእኽቲ ናይ’ዚ ንባብ’ዚ ኺጽሕፍ ዝተደረኸ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ሓደ ስሑት ትምህርቲ ንቤተ ክርስትያን ይፈታተና ስለ ዝነበረ፡ ካብ’ቲ ስሕተት’ቲ ምእንቲ ኺጥንቀቑ’ዩ። እቲ ስሑት ትምህርቲ፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ብስጋ ኣይመጸን” ዚብል ሰይጣናዊ ምህዞ’ዩ (1ዮሃ 4፡2,3 ፣ 2ዮሃ 7-11)። እዚ ስሕተት’ዚ ካብ ዘመነ ሃዋርያት ጀሚሩ ብፍጥነት ዘስፋሕፍሐን ንቤተ ክርስትያን ዝተፈታተነን፡ ካብ ርዅሳት መናፍስቲ ዝበቘለን ስሕተት’ዩ። ሓድጊ ናይ’ዚ ስሕተት’ዚ ሕጂ’ውን ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ይረኣይ ስለ ዝዀነ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንኣገልገልታን ህዝባን ዓቲባ ኽትምህርን ተጠንቂቓ መጓስኣ ኽትሕልውን ሃዋርያዊ ሓላፍነታ’ዩ። ኣብ’ዚ ንባብ’ዚ ግን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣልዒሉ ኣሎ። ንሱ ኸኣ መበቈል ናይ’ቶም ሓቀኛ ወንጌል ዚኣምኑን ናይ’ቶም ስሑት ወንጌል ዚኣምኑን ካበይ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ሓቀኛ እምነት ዘሎ ዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ ስሑት እምነት ዘሎ ኵሉ ኸኣ ካብ ዓለም ምዃኑ ኣብሪሂልና ኣሎ። ብርግጽ ካብ ዓለም ማለት፡ ካብ’ቲ ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ድያብሎስ ምዃኑ ርጉጽ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ንባብ፡ “ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስን” ከምኡ’ውን “ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ዮሃ 4፡3,4 ካ.ት)። ካብ’ዚ ቕዱስ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ መንነት ሰባት ዚግለጸሉን ዝልለየሉን ክልተ ምንጭታት’ዩ ዘሎ። እቲ ቐዳማይ፡ ብቐንዱ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እቲ ዕሉል መስሓቲ ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ። እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ነቶም ሽዑ ብህይወት ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ’ኳ እንተ ዀነ፡ ነዞም ሕጂ ብህይወት ዘለናን ንዅሉ በብዘመናቱ ዚለዓል ወለዶታትን ዚምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ ኽቡር መልእኽቲ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። እዚ ነቶም ጥንታውያን ክርስትያን “ካብ ኣምላኽ ኢኹም ንሳቶም ግና ካብ ዓለም’ዮም” ኢሉ መደቦም ዘፍለጦም መልእኽቲ’ዚ፡ ንኣና ኸኣ፡ “ንስኻትኩምከ ካበይ ኢኹም፧” ኢሉ ብግህዶ ይብድሃና ኣሎ።
ብዘይካ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ነዚ ናይ መንፈሳዊ መበቈል ኣርእስቲ ዘልዓሎ ኻልእ ሰባኺ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ኰይኑ ዝተገልጸ፡ ብመለኮቱ ኸኣ ኣልፋን ኦሜጋን፡ ማለት ቀዳማይን ዳሕራይን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ዋላ ንሱ ኸም ዝተዛረቦ ዚገልጽ ጥቕሲ ኣብ ወንጌላት እንተ ዘይንረክብ’ኳ፡ ምንጪ ናይ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ኽንጠራጠር ፈጺሙ ዘይግባእ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ’ዩ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን (ቈሎ 2፡2,3)። ጐይታና ነዚ ሓቂ’ዚ ነቶም ኣዝዮም ዜፍቅርዎ ደቀ መዛሙርቱ ዀነ፡ ነቶም እምብዛ ዚጸልእዎ ፈሪሳውያን ደጋጊሙ ገሊጽዎ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቆብ ኣቢሎም ዜስተውዕልዎን ዚጥቀሙሉን ግን እቶም መንፈሳዊ ኣዒንቶም ዝተኸፍተ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ዝለስለሰ፡ ንምድሓን ዝለበሙን ሰባት ጥራሕ’ዮም። ኣይሁድ ብዙሕ እናተኸራኸሩን እናተሃላለኹን ተኸኽ ምስ ኣበልዎ፡ ነዛ ኺርድእዋ ዀነ ኺዕገስዋ እትኸብዶም ሓቂ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸሎም።
“ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ እንተ ዀነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ..... ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ ላዕሊ’የ፡ ንስኻትኩም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰንኩን። ስለ’ዚ ኸኣ’የ “ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” ዝበልኩኹም። ኣነ (‘ቲ መሲሕ) ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም።” ...... ኣነ ነቲ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ኣብ ኣቦኹም ዝረኣኽምዎ ትገብሩ ኣለኹም፡ ..... ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም፡ ..... ኣብርሃም ከም’ዚ (ናታትኩም) ኣይገበረን። ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም።” ዮሃ 8፡21-24,38-41 ካ.ት
ነዚ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ኣንፈት ናይ መልእኽቱ ኺርድኦም ስለ ዝጀመረ “ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፡ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ’ዩ” ኢሎም መለስሉ (8፡41)።
ሽዑ ጐይታ፦ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ’የ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን። ንሱ ደኣ ልኢኹኒ’ምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኹን። ስለ’ዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ስለምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ (ዘይኰነልኩም)’ዩ፡ ንስኻትኩም ካብ’ቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ ትምኒት ናይ’ቲ ኣቦኹም’ውን ክትገብሩ ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቀታል ነፍሲ’ዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ’ውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን’ዩ። ሓሳዊ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ’ዩ ዚዛረብ።”
ብምባል ኣግሂዱ ኣፍለጦም (ዮሃ 8፡42-44 ካ.ት)። ልቢ ናይ’ዞም ኣይሁድ ማዕረ ኽንደይ ተጠቢሩ ኸም ዘሎ ይረኣየናዶ ይህልው፧ ግብሮም ግብሪ ድያብሎስ ክነሱ፡ ገና ግን “ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና” ዚብል ግጉይ እምነትን ርድኢትን ነበሮም። ግብሮም ነቲ ሓቀኛ መንነቶም ድሮ ኣግሂድዎ ኸም ዘሎ ኺስቈሮም ኣይከኣለን። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ፡ ክርስትያን ክነስና፡ ንሕና’ውን ንመንነትና ኻብ’ቲ ግብርና ኸነለልዮን ክንፈልጦን ዘይምኽኣልና’ዩ።
ጐይታ ግን ነዞም ዕሉላት ጸላእቱ ጥራሕ ዘይኰነ ነቶም ፍቁራት ደቀ መዛሙርቱ’ውን ነዛ ሓቂ’ዚኣ ኣግሂዲሎም’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነቶምን መበቈሎምን፡ ጐይታና ባዕሉ’ዩ ዝመስከረሎም’ምበር፡ ንሳቶም ባዕላቶም ኣይኰኑን። ከም’ዚ ንሕና ንሕተቶ ዘለና፡ “ንስኻትኩምከ፡ ካበይ ኢኹም፧” ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን፡ ካብ’ዚ ናይ ጐይታና ዝተፈልየ መልሲ ኣይምሃለዎምን ነይሩ። ምኽንያቱ፦
“ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ፡ እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦይ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነ’ውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተበህሉንሲ፡ ንኣይ’ኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናተባህሉ ዝተመልመሉ ግብራውያን ተዓለምቲ’ዮም ዝነበሩ (ዮሃ 10፡37,38 ፣ 14፡10,11)። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታ ንኣታቶም ኪዛረቦም ከሎ ዀነ ብጸሎት ምስ ኣቦኡ ኺዛረብ ከሎ፡ ነቲ ሓቀኛ መንነቶምን መበቈሎምን ደጋጊሙ ይእመኖ ነበረ።
“ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ።” ዮሃ 15፡19
“......ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን’ሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም።” ዮሃ 17፡14,16
ኣብ’ቲ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን እንተ ዄንና፡ ክርስቶስ ብዛዕባና’ውን ከምኡ’ዩ ዚብል (ኤፌ 2፡19,20)። ምኽንያቱ ይትረፍ ባዕሉ’ቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ፡ ዋላ’ቶም ከማና ዝድኻሞም ተራ ሰባት’ውን ንፍረ ግብርናን ህይወትናን ርእዮም ካበይ ምዃንና ምፍላጥ ኣየጸግምን’ዩ። ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ካብ ኣምላኽ ምዃኖም እዛ ዕዉርቲ ዓለም’ያ ፈሊጣቶም። እዚ ማለት ከኣ እዛ ግእዝቲ ዓለም ዘይኰነትሲ፡ እቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ዓለማውያን ማለት’ዩ። ኪጸልእዎምን ኬሳድድዎምን ዝደረኾም ከኣ፡ ኣብ’ዛ ዓለሞም፡ ዘይናቶም ጓኖት ሰባት ስለ ዝኣተውዎም’ዩ። እዞም ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ዘለዉ ሰባት ናቶምን ዘይናቶምን መንነት ኪፈልዩ እንተ ኽኢሎም፡ እቶም መንፈሳዊ ኣዒንቶም ዝተኸፍተሎምን ሓቂ ዝበርሃሎምንከ ደኣ እንታይ ኰይኖም ገዛእ መንነቶም ዘይፈለጡ፧ ጐይታ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙን ብኣጽንዖትን ዝተዘርበ፡ ነዚ ምስትውዓል’ዚ ኺህበናን፡ ገዛእ ርእስና ኽንመዝን ኪድርኸናን ስለ ዝደለየ’ዩ።
ብኸመይ ኢና ኻብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ኽንድሕን ንኽእል፧ መንፈሳዊ ቕልውላው ዚበሃል ዘሎኸ እንታይ’ዩ፧ ቅድሚ ዅሉ’ቲ “ካብ ኣምላኽ ኢኹም” ማለት እንታይ ምዃኑ ኽንርዳእ ይግብኣና። ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ እንዀነሉ መገዲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ካብ ኣምላኽ ምውላድና’ዩ (ዮሃ 3፡3-6 ፣ ቲቶ 3፡5 ፣ 1ጴጥ 1፡3,4,22,23 ፣ ያእ 1፡8)። እቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ መንነትና ኸኣ እዚ’ዩ። ካብ ኣምላኽ ከም ዝተወልዱ ሰባት ኴንና፡ ንመንነትና ዚበቅዕ ናብራ ንነብር፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብጽድቅን ብቕድስናን ንመላለስ እንተ’ሊና፡ ኣብ’ቲ ግቡእ ቦታና ስለ ዘለና፡ ካብ መንፈሳዊ ናይ መንነት ቅልውላው ሓራ ኢና ማለት’ዩ። ካብ ኣምላኽ ዝተወለድና ደቂ ኣምላኽ ክነስና፡ ካብ ዓለም ከም ዝዀንና ዄንና ንነብር እንተ’ሊና ግን፡ ሽዑ ናይ ብሓቂ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ኣቲና ኸም ዘለና ዘየጠራጥር’ዩ። “ክርስትያን” ማለት “ካብ ኣምላኽ’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩን” ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ግብርኻን ኣካይዳኻን’ውን ንዓለም ዚጽየፍን ንኣምላኽ ዚመስልን ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ብኣንጻሩ እንተ ዀይኑ ግን ነቲ ብምሕረቱ ዝወለደካ ኣምላኽ ከቢድ ጽፍዒትን ላግጽን’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታ ነቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ፈሪሳውያን፡ “ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” ዝበሎም። ሃዋርያ ይሁዳ፡ ካብ ኣምላኽ ኰይኑስ ናብ ሃዋርያነት’ውን በቒዑ’ዩ። እንተ ዀነ ፍቕሪ ገንዘብ ስለ ዝሰረጾ፡ ነቲ ሰማያዊ ስፍራኡን ማዕርጉን ደርብዩ፡ ወዲ ዓለም ዀነ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ዚጽበዮ ዘሎ መፈጸምታ ርእዩ፡ ብመሰረቱ “እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ” ብምባል ንኽብደት ናይ’ቲ ውድቀቱ ገለጾ (ማቴ 26፡24)። ንመራሒ ናይ ቤተ ክርስትያን ሎደቅያ’ውን፡ ኣይ ዓለማዊ ኣይ መንፈሳዊ ዀይኑ፡ ኣብ ሓዲግ ተንጠልጢሉ ምስ ረኣዮ፦
“ንግብርኻ ዅሉ እፈልጦ’የ፡ ኣይዝሑል ኣይምውቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምዀንካ። ስለ’ዚ ኣይምውቕ ኣይ ዝሑል፡ ልብጥ ዝበለ ስለ ዝዀንካ ኻብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ’የ።” ብምባል፡ ሳዕቤን ናይ ዝተደባለቐ ድቓላ መንነት ኣግሂዱ ኣፍለጦ (ራእ 3፡15,16 ካ.ት)። ናይ’ዚ ቕልውላው’ዚ መሰረታዊ ጠንቂ፡ ግብዝነት ወይ ኣምሰሉነት’ዩ። ካብ ክልቲኡ ደምበ ኽትረብሕ ናይ ምድላይ፡ ናይ ስስዐን ተበላጽነትን ባህርይ ዚወለዶ ኸኣ’ዩ። ልክዕ ከም መንካዕ ትኸውን ማለት’ዩ። መንካዕ፡ መጥበዊትን ነፋሪትን እንስሳ’ያ። ክንፊ ስለ ዘለዋ ነዕዋፍ ትመስል’ያ። ነንጭዋ ‘ትመስል መጥበዊት ከኣ’ያ። ማሕበር ኣዕዋፍ መጺኦም፡ “ዑፍ ኢኺ’ሞ፡ ግብሪ ኣዕዋፍ ክፈሊ” እንተ በልዋ፡ “ኣነ መጥበዊት ኣንጭዋ’የ’ምበር ዑፍ ኣይኰንኩን” ኢላ ኣበየት። መጥበውቲ መጺኦም፡ “ግብሪ መጥበውቲ ኽፈሊ” እንተ በልዋ ድማ፡ “መጥበዉቲዶ ኽንፊ ኣለኩም’ዩ፡ ኣነስ ዑፍ’የ ኢላ ንኽልቲኦም ኣታለለቶም ዚብል ጽዋ ኣሎና። ክርስትያን ክነሱ፡ ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ኽነሱ፡ ከም ዓለማዊ ዚነብር ሰብ ከኣ፡ ናይ’ዛ መንካዕ ናይ ተለሎ (ምትላል) ጥበብ ዝመረጸ ሰብ’ዩ። ንክርስትያን ሰብ፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ምድሪ ስድደቱ’ምበር፡ ዓዱ ኣይኰነትን። ብሰይጣን ዝተታሕዘትን እትግዛእን ዓለም ስለ ዝዀነት፡ ምድርን ግዝኣትን ናይ ጸላኢና’ምበር ናትና ኣይኰነትን። ስለ’ዚ ኻብ ዓለም ምዃን ንክርስትያን ኣይምጥኖን’ዩ። ነቲ ብደም ቅዱስ ወዱን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝወለደና ኣምላኽ ከኣ ከቢድ ጥልመት’ዩ። ብኣፍ ነብዪ ህዝቅኤል ገይሩ፡ “ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ” ከም ዝበለ፡ እዚ ጥልመትና’ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከቢድ ጸርፊ’ዩ (ህዝ 20፡27)። ንእግዚኣብሄር ብቓልካ ዀነ ብግብርኻ ምጽራፍ ከኣ፡ ብዘለኣለማዊ ሞት ዜቕጽዕ ከቢድ ኣበሳ’ዩ (ዘሌ 24፡10-16 ፣ ማቴ 12፡30-32)። ሰይጣን ድማ ካብ ግሁዳት ከሓድቲ ንላዕሊ፡ ሰብ ድርብ መንነት ኴንና ኽንነብር’ዩ ዚመርጽ። ምኽንያቱ ንኣበሳና ብዕጽፍታት ዜብዝሖን ዜኽፍኦን ግናይ ምርጫ’ዩ። እግዚኣብሄር ግን ብኣንጻሩ’ዩ ዚደልይ። እቲ ቕዱስ ኣዝዩ ኪቕደስ፡ እቲ ርኹስ’ውን ኣዝዩ ኺረክስ’ምበር፡ ርኽሰትን ቅድስናን ኣዳቒሉ ኺነብር ንዚደልይ ሰብ ኪዕገሶ ኣይደልን’ዩ (ራእ 22፡11)።
ካብ’ዚ ድቓላ መንነት እንሕለወሉ መገዲ ኸኣ፡ ኵሉ ጊዜ ንዅሉ ነገር ብመንጽር መንነትካ ርኢኻ ምግባር’ዩ። ኣብ ኣፍካ ዝመጻልካ ቕድሚ ምዝራብካ፡ “እዚ ዘረባ’ዚ ንመንነተይ ዚምጥን ድዩ፧ ኢልካ ኽትሓስብ ይግባእ። ቅዱስ ያእቆብ “ንምዝራብ ደንጐይቲ ኹኑ” ኢሉ ዝመዓደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ያእ 1፡19,20)። ግብሪ ሓጢኣት ክትገብር ዚደፋፍእን ጸቕጢ ዚገብረልካን ኵነታት ምስ ዜጋጥመካ፡ “ኣነ ኻብ ኣምላኽ’ምበር፡ ካብ ዓለም ስለ ዘይኰንኩ፡ “ነዚ ግብሪ’ዚ ኽገብሮ ይግብኣኒ ድዩ፧” ኢልና ብርግኣት እንተ ሓሲብና፡ ነቲ ቕኑዕ ናይ ምግባር ተኽእሎና ኣዝዩ ይሰፍሕ። ቅጅል ከም ዝበለና ብሃውሪ ብደመ ነፍሲ ንገብር እንተ ዄንና ግን፡ ብብዝሒ ሓጢኣት ተዋሒጥና ኽንስይጥን ምዃንና ዘየጠራጥር’ዩ።
እምበኣር ገዛእ ርእስና ብዕምቈት ንመርምር’ሞ ካበይ ምዃንና ጽቡቕ ጌርና ነረጋግጽ። ነቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዘጸገወትና ካብ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ብምውላድ ንዝረኸብናዮ ኽቡር መንነት ዓቂብናዮዶ ኣጥፊእናዮ ንፈትሽ። ነቲ ኻብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ምዃን ዓቒብናዮን ኣኽቢርናዮን እንተ’ሊና፡ ጐይታ ኣብ ምጽኣቱ፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ መንግስተይ ውረሱ” ኪብለና’ዩ። ተዳቒልናን ካብ ዓለም ናብ ምዃን ወዲቕናን ተበላሺናን እንተ’ሊና ግን፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካባይ ርሓቑ” ኢሉ ናብ ገሃነም ኬፋንወና’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ኽቡር መንነትና ንዓቕቦ!! ካብ ዓለምን ካብ ድያብሎስን ካብ ምዃን ርእስና ነድሕን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
14 ጥሪ 2024 | ጥሪ 5, 2016 ግዕዝ (መበል 18 ሰንበት: ቊ.፲፰/18) |
||
ምስባክ መዝ.፹፰(፹፱)፡፳፯,፳፰ “ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዐቅብ ሎቱ ሣህልየ።” “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ’የ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ’የ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ’ዩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 11፡25-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 4፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡12-22 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 2፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይሠርቅ ኮከብ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ