“ወዲ ኽትወልድ’ያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም’ዩ’ሞ፡ ስሙ ‘ኢየሱስ’ ክትብሎ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፦ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ፡ ስሙ ኸኣ “ኣማኑኤል” ኪብልዎ’ዮም፡ ትርጕሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት’ዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጽም ኰነ።” ማቴ 1፡21-23 ካ.ት
እንኳዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና። ርሑስ በዓለ-ልደት ይግበረልና። እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ጾም ዘመንና ባሪኹ፡ ብምሕረቱን ብጸጋኡን ደጊፉ፡ ንጾመ ነብያት ብዓወት ኣፈጺሙ፡ ነዚ በዓል ልደት’ዚ ብሓጐስን ብምስጋናን ከነብዕሎ ስለ ዝረድኣናን ስለ ዝፈቐደልናን፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ነዛ ዘመነ-ጾም ምሳና ሓቢሮም ጀሚሮምዋስ ኪፍጽምዋን ኬብዕልዋን ዘይተዓደሉ ሰባት ብዙሓት’ዮም። ንሕና ግን ሳላ ምሕረቱ ነዚ ጸጋ’ዚ በቒዕናዮ ኢና’ሞ፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነመስግኖ ይግብኣና’ዩ። “ብዘሎ ምልኣት መለኮት ኣብ ስጋ ሓዲሩ፡ ምስ’ቲ ስጋ ተዋሂዱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ፡ ምሳና ድማ ኣብ ማእከልና ሓዲሩ” ኢልካ ምእማን ቀሊል እምነት ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብጸጋኡ ዝረድኦ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ መስተውዓሊ ስለ ዝዀነ፡ ብባህርዩ ኣማኒ ስለ ዝዀነ ዚበጽሖ ኣይኰነን። እዚ እምነት’ዚ ኣብ ወለድኻ ወይ ኣብ ህዝብኻ ዝዉቱር እምነት ኰይኑ ስለ ዝጸንሓካ እትቕበሎ እምነት ኣይኰነን። ምስጢረ ተዋህዶ እንታይ ማለት ምዃኑ ተማሂርካ፡ እቲ ምስጢር እንታይ ምዃኑ ተረዲኡካ፡ ብምሉእ ልብኻ ኣሚንካሉ ዚሰዓብ እምነት’ምበር፡ “ጸኒሑኑ፡ ኣነ ኸኣ ስዒበዮ” ኢልካ እትጐዓዞ ባህላዊ እምነት ኣይኰነን። እቲ ምስጢር ኣምልኾናን ሃይማኖትናን ዝዀነ፡ ምስጢረ ተዋህዶ (ምስጢረ ስጋዌ) ኣዝዩ ዓብይን ረቂቕን፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ምስጢር’ዩ። ብምልኣት ክንርድኦን ክንገልጾን ብዓቕሚ ስጋ ለበስ ከቶ ዘይከኣል’ኳ እንተ ዀነ፡ ፈጺምና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ግን ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉን፡ ኵሎም ነብያትን ሃዋርያትን ነዚ ምስጢር እዚ’ዮም ዘገልገሉ። እዚ ኣብ ማህጸት ቅድስቲ ድንግል ዝተፈጸመ ተዋህዶ፡ ንኣና ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልቲ ልደቱ’ዩ ዝተጋህደ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ጐይታ ብስቕለቱን ትንሳኤኡን ከም ዘድሓነና ጥራሕ ኢና ንዛረብን ንሓስብን። “መዓስን ብኸመይን ብዝተረኽበ ስጋ’ዩ ዘድሓነና፧” ዚብል ሕቶ እንተ’ልዒልና ግን፡ ናብ ጽንሰቱን ልደቱን ስለ ዚመርሓና፡ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ጥራሕ ዘይኰነ ልደቱ’ውን ዓብዪ ናይ ምድሓን ግብሩ ከም ዝዀነ ኢና ‘ንርዳእ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ናይ’ቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ ህጻን ልደት፡ ስራዊት መላእኽትን ጓሶትን ሰብ ጥበብን ብኽብሪ ዝጸምበልዎ። ልደት፡ ናይ’ቲ ናይ ጐይታ ግብሪ ምድሓን ኣካል ስለ ዝዀነ’ዩ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ነቶም ጓሶት ኬበስሮም ከሎ፦
“እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ’ዩ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ’ሞ፡ ኣይትፍርሁ።” ብምባል ዘበሰሮም (ሉቃ 2፡10,11)።
እዚ ዓመተ ግእዝ’ዚ ዘመነ-ዮሃንስ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሎምዘመን በዓለ-ልደት፡ ዘይከም’ተን ሰለስተ ኻልኦት ዘመናት፡ ታሕሳስ 28’ዩ ዚበዓል። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ታሕሳስ 28 “ኣማኑኤል” ተባሂላ’ያ ትጽዋዕ። በዓል ልደት ኣብ ታሕሳስ 28 ኪውዕል ከሎን ታሕሳስ 29 ኪውዕል ከሎን፡ ንባባት፡ ምስባክ ኰነ መዝሙር ናይ’ቲ ዕለት ዝተፈልየ’ዩ ዚኸውን። ብእኡ መሰረት ድማ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር “ወእንዘ ሀለዉ ህየ” ዚብል ኰይኑ፡ እቲ ብእኡ መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝሓዘ’ዩ። እቲ “ኢየሱስ” ዚብል ስሙ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ወላዲቱ ምስ ተጠንሰ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዮሴፍ ዝገለጸሉ’ዩ። እቲ “ኣማኑኤል” ዚብል ስሙ ግን ቅድሚ ኣስታት 600 ወይ 700 ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝተገልጸ’ዩ (ኢሳ 7፡14)። እዚ ኣማኑኤል’ዚ፡ እቲ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ዘድሓነ፡ ኣብ ኣኽናፉ ጸዊሩ ናብ’ታ ምድሪ ተስፋ፡ ናብ ከንኣን፡ ዘብጽሐ፡ ኣብ’ታ ምድሪ ተስፋ’ውን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፉ ኣጽሊሉ ዝሓለወ’ዩ (ኢሳ 8፡8 ካ.ት ፣ ዘዳ 32፡10-14)። ናይ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን እስራኤል፡ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀነት፡ ነታ ንሱ ርእሳ ዝዀነ፡ ንሳ ኸኣ ስጋኡ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ሓለፋ’ቲ ንቤት እስራኤል ዝገበሮ ሓለዋን ክብርን’ዩ ዚህባ። ንኣና ነዞም ብእምነት ዘርኢ ኣብርሃምን ናይ ሓቂ እስራኤልን ዝዀንና፡ ስጋና ለቢሱ “ኣሕዋተይ” ብምባል ስለ ዘኽበረና፡ ልደት መድሓኒና ንኣና ፍሉይን ዓብይን በዓል’ዩ (እብ 2፡10-12,14-17 ፣ 11፡13-16 ፣ ማቴ 28፡10 ፣ 12፡46-50)። በዓል ልደት ፈጺሙ ዘይምልከቶ ሰብ እንተ’ልዩ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዘይኰነን፡ ንሱ’ውን ምስ ኣምላኽ ዘየለን ሰብ ጥራሕ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ናይ ኣማኑኤል በዓለ ልደት ዝሰርዓትልና፡ ኣምላኽ ምሳና ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ድማ’ምበር፡ ናይ ወርቅን ጨርቅን ናይ ብልዕን መስተን፡ ናይ ምልውዋጥ ህያባት ንጽምኣትና ንኸተርውይ ዝሰርዓቶ በዓል ኣይኰነን። ኣምላኽ ምሳና ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምርግጋጽ ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ ካብ’ቶም ፍጹም ኣረማውያን ክነሶም ልደት ዜብዕሉ፡ ካብ’ቶም ብምኽንያት በዓለ ልደት ብለይታዊ ትልሂትን ስኽራንን ምንዝርናን ኪዓብዱ ዚሓድሩ ብምንታይ ክንፍለይ ኢና፧ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ በዓል’ዚ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ኺጽውዓና ዘይሓፈረልና፡ ንሕና ምስኡ ንሱ ምሳና ንምዃን ምብቃዕና ንኸነረጋግጽ ዝሰርዓቶ በዓል ምዃኑ እናዘከርና፡ ከም’ቲ ንሳቶም እናዘመሩሉስ ንሱ ዝበኸየሎም ኣይሁድ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ሉቃ 19፡35-44)።
እግዚኣብሄር ወልድ ግን ንምንታይ’ዩ “ኣማኑኤል” ኪኰነልና ተደልዩ፧ ኣምላኽ ምሳና እንተ ዘይኰነ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድዩ፧ እግዚኣብሄር ደኣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ወጽዓ ይሰውረናን ይባልሃናን’ምበር፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ናይ ምዃኑ ኣገዳስነት ዘይረኣዮ ሰብ፡ እቲ ኣእምሮኡ ዝሰኣነ ሓሳባቱ ዝተዘርጎ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተሰወሮ፡ ሓቂ ዝጠፍኦ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እዚ ኸም’ዚ ዝበለ መንፈሳዊ ስንክልና’ዚ ቐሊል ጕድኣት ኰይኑ ኺረኣየና ኣይግባእን’ዩ። ከመይሲ፡ ከም’ዚ ዚመሰለ መንፈሳዊ ጕድኣት’ዩ፡ ንወዲ ሰብ ናብ ፍጹም ክሕደትን መዋጽኦኡ ናብ ዘይረኣየካ መንፈሳዊ ቕልውላውን ዜጥሕሎ ዘሎ። ዋላ ብመጠኑ’ውን ይኹን፡ እቲ ቝሩብ መንፈሳዊ ብርሃንን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ዘለዎ ሰብ ግና፡ ኣምላኽ ዝተፈልዮ ህይወት ኣብ ህልዊ ዘመኑ ዀነ ኣብ’ቲ ዘለኣለማዊ መጻኢኡ እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኦ’ዩ። ሰይጣን ብዅሉ ሓይሉን ብዅሉ ጥበቡን ተጠቒሙ ዅሉ ጊዜ ኣብ ሓጢኣት ኪጸምደና ዚደልየሉ ምኽንያት ግዲ እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር እቲ ቕዱስ ኣምላኽ፡ ብሓጢኣት ምስ ዝረኸሰ ዝዀነ ይኹን ፍጥረት ኪኸውንን ኪሓብርን ከም ዘይደልይ፡ ካብ ገዛእ ተመክሮኡ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ዩ። ነብዪ ኣንባቆም፡ ነዚ ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ’ዚ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ (ኣን 1፡13)። ቃል እግዚኣብሄር ከም ዚገልጸልና፡ ናብ መልኣኽ ጸልማት ቅድሚ ምልዋጡ፡ ሰይጣን ንዝፋን ኣምላኽ ብኣኽናፉ ዜጽልል ክቡርን ቅዱስን ኪሩብ (ብዓል ልዑል ማዕርግ መልኣኽ)’ዩ ዝነበረ። ደሓር ግን ናይ ትዕቢት ኣበሳ ኣብ ልቡ በቘለት’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተላዕለ። እቲ ኣበሳ ኺጥምት ዘይኰነሉ ጻድቕ ኣምላኽ ድማ ካብ ስፍራኡን ካብ ማዕርጉን ነቒሉ፡ ካብ ቅድሚ ገጹ ኣርሒቑ ናብ ምድሪ ጻሕ ኣቢሉ ደርበዮ። ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ካብ ገጽ ኣምላኽ ርሒቑ ኣብ ስቓይ ኪነብር ተፈርደ (ህዝ 28፡14-17)። ኣዳምን ሄዋንን ኵሉ ዘርኦምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ኤድን ኪነብሩ’ዮም ዝተፈጥሩ። ሰይጣን ግና እታ ናቱ ውድቀት ናብ ደቂ ሰብ ኬስርጻ ብቕንኣት ተዓጢቑ ተላዕለ። ብቐሊሉ ሰሊጥዎ ድማ፡ ልክዕ ከምኡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ብድፍረት ተላዕለ። እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ድማ ካብ ገነት ኣውጺኡ ደርበዮም (ዘፍ 3፡1-24)። ብገለ መገዲ ምሕረት እንተ ዘይተረኺብዎ፡ ሓጢኣት ማለት “ዘለኣለማዊ ምፍላይ” ማለት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ (ኢሳ 59፡1-3)። ስለ’ዚ “ምስ ኣምላኽ ምዃንን ዘይምዃንን” ማለት ከም’ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ሓቢርካ ዀፍ ምባል ወይ ምንባር ጌርና ጥራሕ ክንርድኦ ቕኑዕ ኣይኰነን። ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትካን ናብራኻን’ምበር፡ ብቦታ ዚግለጽ ኣምር ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ፡ ብህላወኡ ንዅሉ ዚመልእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ከም’ቲ ቕዱስ ዳዊት ገሊጽዎ ዘሎ፡ ሰይጣንን ገሃነምን’ውን ከይተረፈ፡ ካብኡ ኣይረሓቑን፡ ምስኡ’ዮም ዘለዉ (መዝ 139፡1-12)። ኣምላኽ ምሳና ኣሎ ኽንብል ‘ንኽእል፡ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ዘረባናን ተግባርናን ብትእዛዙ ዚምራሕን ንእኡ ዜምስለናን ምስ ዚኸውን’ዩ።
ደቂ ሰባት ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚፈልየና ሓጢኣት ከነውግዶ ኣይከኣልናን። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ሓጢኣት ዚጽየፍ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ኪገድፎን ንሓጢኣት ብሸለልታ ኺሓድጎን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ምፍልላይና ፍታሕ ዘይብሉ ዀይኑ ናብ ዕጹው ማዕጾ ምስ በጽሐ፡ እግዚኣብሄር በቲ ዘለኣለማዊ ፍቕሩን ምሕረቱን ተደሪኹ፡ ነዚ ዘለኣለማዊ ምፍልላይ ዜኽትም መለኮታዊ ፍታሕ መኸረ። እዛ ምኽሪ’ዚኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንመለኮትነቱ ኸይሓደገ ፍጹም ሰብ ኪኸውን’ሞ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ብሓጢኣት ዝተፈልዮ ህዝቢ ኺሓድር፡ ነቲ ዝፈለዮ ሓጢኣት ኬርሕቀሉ’ሞ ናብ’ቲ ዝተፈልዮ ኣምላኽ ኬቕርቦ ዚገብር ምኽሪ ዀነ። እግዚኣብሄር ወልድ ኣማኑኤል ኪዀነልና ዝተደልየሉ ምኽንያት’ምበር እዚ’ዩ (1ጴጥ 3፡18 ፣ 2፡24,25 ፣ ኤፌ 2፡1-18)። ነዚ ሓቂ’ዚ ኸይፈለጥና ልደት ምብዓል፡ ነዚ ኽቡር ብዓል’ዚ ኸም መንፈሳዊ ዘይኰነስ ከም ባህላዊ በዓል ከም ዝረኣናዮ ዜቃልዓና’ዩ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ኬቕርበና ዝተፈጸመ ዓብዪ ምስጢር፡ ካብ ኣምላኽ ርሒቕና እናሃለና እንተ ኣብዓልናዮ ድማ፡ እቲ ምእንታና ሰብ ዝዀነን ህይወቱ ዝኸፈለልናን ጐይታ ብኸመይ ዝበለ ዓሚቝ ጓሂ ይዕዘበናን ይኽዕበናን ከም ዘሎ ዘይሕባእ ግሁድ ሓቂ’ዩ።
እግዚኣብሄር ግን ንኺቐርበናን ንኼቕርበናን ንምንታይ’ዩ ኻልእ መገዲ ዘይመረጸ፧ ናይ ግድን ኣምላኽ ሰብ ኪኸውን የድልይ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ሰይማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ማህጸን ሰብ ሓዲሩስ ሰብ ኰይኑ ኢልካ ኽትሓስቦን ክትዛረብበሉን ኣዝዩ ኸቢድ’ዩ (1ነገ 7፡27 ፣ ኢሳ 66፡1,2)። ደሓር ከኣ፡ ሰብ ኰይኑስ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ስፍራ ቕድስናኡ ዚነብር እንተ ዚኸውን፡ ኣይምኸበደን ነይሩ። ካብ’ቲ መለኮታዊ ጽድቁን ቅድስናኡን ፈጺሙ ዘይጐደለ ኽነሱ፡ ኣብ’ዛ ታኼላ (swamp) ሓጢኣት ዝዀነት ብሰይጣን እትመሓደር ዓለም፡ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ሰባት ኪነብር ኢሉ ሰብ ምዃኑ፡ ነቲ ኺዕገሶን ኪኸፍሎን ዝመደበ ዋጋ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜኽብዶ ነጋሪ’ውን ዘይትደልየሉ ብሩህ ሓቂ’ዩ። ልደቱ ናኣና ደኣ’ዩ ሓጐስናን በዓልናን’ምበር ንእኡስ ካብ መስቀል ዘይንእስ መከራኡ’ዩ። ንሎጥ፡ ነዚ ኸማና ዝፍጥረቱ ድኹም ሰብ’ኳ፡ ጻድቕ ብምንባሩ በቲ ሰብ ሰዶምን ጎመራን ኣብ ጸጽባሕ ዚገብርዎ ዝነበሩ ሓጢኣቶምን ርኽሰቶምን እታ ጻድቕ ነፍሱ ማዕረ ኽንደይ ትስቐይ ከም ዝነበረት ተመስኪሩሉ ኣሎ (2ጴጥ 2፡7,8)። እዚ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ጐይታኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ኪሳቐይ ማለት’ዩ!! ስለ’ዚ ነዛ ሰብ ኴንካ ኣብ ማእከል ሰብ ናይ ምንባር ምርጫኡ፡ ንእኡ እትሰማማዕ ዝቐለለትን ዝመሽአትን መገዲ ስለ ዝዀነት ኣይመረጻን። ደቂ ሰባት ክንድሕነላ፡ ሕብረት ኣምላኽን ሰብን ዳግማይ ዚምለሰላ እንኮን መተካእታ ዘይብላን ፍታሕ ስለ ዝዀነት’ዩ ዝመረጻን ዝተግበራን። ካብ ፍጥረት ክሳዕ ምጽኣት ናይ ዘሎ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ሓጢኣት፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ ኣካል ኪጾሮ ኣይክእልን’ዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ነዚ ሓጢኣት’ዚ ኺጸውር ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ምጻር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋጋ ናይ’ዚ ዅሉ ሓጢኣት ኪኸፍል ዜኽእል መንነትን ህይወትን ዘለዎ’ውን ብዘይካ መለኮት ዝዀነ ኻልእ ኣካል የለን። ነዚ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ’ዚ ድሕሪ ምኽፋሉ ንሞትን ንድያብሎስን ስዒሩ ኪትንስእን ዳግማይ ናብ ህይወት ኪምለስን ዚኽእል’ውን፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ የልቦን። ድሕሪ ትንሳኤኡ ብህይወቱ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓዲሩ፡ ንዘለኣለም ምስ ሰብ ኪኸውን’ሞ “ኣማኑኤል” ኪዀነልና ዚኽእል’ውን፡ ብዘይካ መለኮት ካልእ ኣካል የልቦን። መለኮት ነዚ ዅሉ ንኺገብር ግን፡ ምስ ሰብ ኪኸውን፡ ምእንቲ ሰብ ኪመውትን ዜኽእሎ ስጋ ሰብ ኪለብስ ናይ ግድን ኰነ። ምኽንያቱ መለኮት ኪመውት ኣይክእልን’ዩ። ከምኡ’ውን ብመለኮታዊ ኽብሩ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ሰባት ኪሓድር ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ ምልኣት መለኮቱ ኸይጐደለ ኣብ ማእከል ሓጥኣን ኪሓድር፡ ከምኡ’ውን ብሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ምእንቲ ኪኸፍል፡ እቲ ዘይመውት መለኮት ብተዋህዶ ምስ መዋቲ ስጋና ሓደ ኣካል ብምዃን ካብ ዕዳ ሓጢኣት ኣናገፈና። ስለ’ዚ ድንቂ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ከኣ፡ “እቲ ዘይመውት መለኮት ብስጋ ሞተ፡ እቲ መዋቲ ስጋ ድማ ብመለኮት ህያው ኰነ” ተባህለልና (1ጴጥ 3፡18)። እዚ እምብዛ ረቂቕ ዝዀነ ናይ ድሕነት ምስጢር ኪፍጸም ዝኸኣለ እግዚኣብሄር ወልድ ብምስጢረ ስጋዌ (ተዋህዶ) ስጋና ለቢሱ ሰብ ኰይኑ ስለ ዝተወልደልና’ዩ። ክብርን ዕብየትን ናይ ልደቱ ኸኣ ብመንጽር’ዚ ምስጢር’ዚ እንተ ረኣናዮ’ዩ ዚርድኣና። ከም ተራ ልደት ናይ ኵሉ ሰብ ጌርና ንርእዮ፡ ካብ ብልዕን መስተን ካብ ወርቅን ጨርቅን ዘይሓልፍ ክብሪ ኸም ዘለዎ ጌርና ነንእሶ እንተ’ሊና ግን፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ’ቲ ኽብሩን ምስጢሩን ዘቕለልናሉ ጐይታ ንፍርዲ ደው ምስ በልና፡ ጽቡቕ ኣይክንፍደይን ኢና። ካብ ሞት ተበራቢርና ነቲ መለኮታዊ ኽብሩ በዒንትና ምስ ረኣናዮ ኸኣ ብሕፍረትን ብጣዕሳን ኽንወሓጥ’ምበር፡ “ኣነ’ኮ ንልደትካን ንትንሳኤኻን ብድምቀት ዘብዕል ክርስትያን’የ ነይረ” እንብለሉ ዕድል ኰነ ትብዓት ኣይኪህልወናን’ዩ።
ብዘይካ’ቲ ዘለኣለማውን ሰማያውን ረብሓ፡ ጐይታና “ኣማኑኤል” ናይ ምዃኑ፡ ማለት ኣምላኽ ምሳና ናይ ምዃኑ ምድራዊ ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ምበር፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይተጋህደት ዓባይ ምስጢር ኣላ። እዚኣ ኸኣ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ሳላ ዝተገልጸ ዝተፈጸመት’ያ። ጐይታና ባዕሉን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስን ደጋጊሞም ገሊጾምዎ ኣለዉ። ጐይታና ነዛ ምስጢር’ዚኣ፦
“ስጋይ ብልዒ ሓቂ’ዩ’ሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ’ዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር። ...... ኣባይ ንበሩ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ’የ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። .....ኣባይ እንተ ነበርኩም፡ ቃለይ’ውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ’ሞ ይዀነልኩም። ..... በታ መዓልቲ’ቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 6፡55,56 ፣ 15፡4,5,7 ፣ 14፡20)። እዛ ሓለፋን ክብርን’ዚኣ ሳላ ጐይታና ኣማኑኤል ኢና ረኺብናያ። ሓቀኛታት ክርስትያን እንኸውን፡ እዛ ሓቂ’ዚኣ ኣባና ምስ ‘ትፍጸም ጥራሕ’ዩ። ኣብ ውሽጡ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብን፡ ንሱ ንርእሱ ኣብ ክርስቶስ ዘይነብር ሰብን፡ ስማዊ ክርስትያን ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። መዛግብቲ ቤተ ክርስትያንን ሰባትን ከም ክርስትያን ኪፈልጥዎ ይኽእሉ ይዀኑ፡ ክርስቶስ ግና ፈጺሙ ኣይፈልጦን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ “ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካባይ ርሓቑ” ብምባል ኣስንባዲ ፍርዲ ዚህቦም (ማቴ 7፡20-24 ፣ ሉቃ 13፡22-30)። ዕዉት ክርስትያናዊ ህይወት ዚህልወና፡ ብጽድቅን ቅድስናን እንነብር፡ ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ብልዕና ዚዀነልና፡ መንፈሳዊ ፍሬና ዚበዝሕ፡ ኣገልግሎትናን ናብራናን በዓልናን ምሉእ ትርጕምን ረብሓን ዚህልዎ፡ ንሕና ማሕደር ኣማኑኤል፡ ኣማኑኤል ከኣ ማሕደርና ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ። ሽዑ ከም’ቲ ተባዕ ሃዋርያ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ክርስቶስ’ዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዚነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ፡ ምእንታይ’ውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ’የ ዝነብር ዘለኹ።” ንምባል ክንበቅዕን ክንተብዕን ኢና (ገላ 2፡20)።
እምበኣር ኣብ’ዚ ዝተባረኸ ቅዱስ በዓል’ዚ ርእስና ንመርምር’ሞ፡ እዚ በዓል’ዚ ናይ ብሓቂ ዚምልከቶምን ዚብጽሖምን ሓቀኛታት ደቂ ኣማኑኤል ኴንና ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ዘይናይ ኣማኑኤል ኴንና እንተ ጸኒሕና፡ እቲ ፍቱን መድሃኒት፡ ምስጢረ ንስሓ ኣሎና። ርእስና ኣንጺህና፡ “ኦ! ኣማኑኤል ናብ’ቲ ብደምካ ዝዓደካዮን ዝቐደስካዮን ማሕደርካ ንዓ” ኢልና ንጸውዓዮ። ነቲ ልደት ዝተፈጸመሉ ዕላማ ነገልግልን ንንበርን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
7 ጥሪ 2024 | ታሕሳስ 28, 2016 ግዕዝ (መበል 17 ሰንበት: ቊ.፲፯/17) |
||
ምስባክ መዝ.፷፯(፷፰)፡፳፰-፳፱ “ወአጽንዖ እግዚኦ ለዝንቱ ዘሠራዕከ ለነ። ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም። ለከ ያመጽኡ ነገሥተ አምኃ።” “ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ’ዮም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 9፡1-8 |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 3፡19-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 1፡18-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእትነ ማርያም | መዝሙር፦ወእንዘ ሀለዉ ህየ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ