“ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ.”ዮኤል 1:14።
ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ናይ ጸሎት ኣርእስትና እዚ ዝስዕብ ዘጠቓለለ ይኸውን፥
ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ኩሉ ጊዜ ድሕሪ ቅዳሴ፥ ብምህልላ ተሰንዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ክካየድ እዩ።
ስለዚ፥ ኩልኹም ህዝቢ ኣምላኽ ብሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ናብ ኣምላኽ ክትቀርቡ ብስም እግዚኣብሔር ጸዋዒትና ነቕርብ።
እግዚኣብሔር ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት ይሓልወልና።
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣገልግሎቶምን ጉስነቶምን ይባርኽ፥
ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን መራሕቲ ሃገርን ምስትውዓል ሂቡ፥ ብመንፈሱን ረድኤቱን ይምርሓዮም።
ንኹሎም ሰማዕታት ዕረፍትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ይሃቦም፡
ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ድማ ይባርክ፡
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ