“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ’የን።” ዮሃ 10፡14,15።
እዚ ሰንበት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ናብ ምዝዛም ገጹ ዚቀራረብ ዘሎ ጾመ ነብያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕ.21 ክሳዕ ታሕ.27 ዘሎ ጊዜ “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኖላዊ” ድማ “ጓሳ” ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ዝተዘመረ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር’ውን “ኖላዊ ዘመጽአ” ዚብል ኰይኑ ነቲ ስጋና ለቢሱ ዝተወልደ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዚምልከት’ዩ። ብቕዱሳን ነብያቱ ጌሩ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዚናብይ ጓሳ ኸም ዜተንስእ፦
“ስለ’ዚ ኣነ ነባጊዐይ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፡ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ’የ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለን’የ። ንሱ ኺጓስየን ጓስአን ድማ ኪኸውን’ዩ። ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን’የ፡ ዳዊት ባርያይ’ውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን’ዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”
“.....ኣነ ኸኣ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን’የ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ’ዮም፡ ኣነ’ውን ኣምላኾም ክኸውን’የ። ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፡ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም’ዩ፡ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱ፡ ንሕጋጋተይ’ውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን’ዮም።” ብምባል ዝሃቦ ብዙሕ ተስፋታት፡ ንቕዱስ ወዱ ብምልኣኽ ከም ዝፈጸሞ ዜበስር መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ (ህዝ 34፡22-24 ፣ 37፡22-24 ፣ ኢሳ 40፡10-11 ፣ ኤር 3፡15 ፣ 23፡4-6)። ድያቆናት ኣብ’ቲ ምስባክ ዘዜምዎ ኸኣ እቶም ቅዱሳን ነብያት ዚጽልይዎ ዝነበሩ “ዎ ጓሳእስራኤል ጽን በል፡ ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ በሪህካ ተገለጽ” ዚብል ከም ዝነበረ ዜዘክረና’ዩ (መዝ 80፡1)። እቲ ጸሎት ቅዱሳኑ ሰሚዑ ስጋና ለቢሱ ብሓጺር ቍመት ብጸቢብ ደረት ዝተገልጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚቕመጥ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉስ ነገስታት ዝዀነ ጓሳ እስራኤል ምዃኑ ዓሚቝ ምስጢር ዝሓዘ ትንቢታዊ ጸሎት’ዩ። ከም’ቲ እዞም ቅዱሳን ነብያት ነቲ ቐዳማይ ምጽኣት መድሓኒና (ማለት ልደት ጐይታ) ብኸም’ዚ ዝበለ ብጾምን ጸሎትን ዝተጸበይዎ፡ ንሕና ድማ ኣሰሮም ብምስዓብ ነቲ ዳግማይ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ዕለት እናተቐደስናሉ ብጾምን ብጸሎትን ነቒሕና ኽንጽበዮ ይግብኣና።
ኣርባዕቲኡ ንባባት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ጕስነት ዘማእከለ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ። ጕስነት ባህርይ እግዚኣብሄር’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓብዪ ጓሳ ኸም ዝዀነን፡ ጕስነቱ ኸኣ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ማለት ብተበጃውነቱ ኸም ዝገለጾን ነጊሩና ኣሎ (እብ 13፡20)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ’ቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተባሪርና ጠፊእናሉ ዝነበርና ኽፉእ ሃለዋት፡ በቲ ኣብ መስቀል ምእንቲ ሓጢኣትና ብመድሓኒና ዝተኽፍለ ዋጋ ናይ’ቲ ሓላው ነፍሳትናን እሙን ጓሳናን ዝዀነ ጐይታ ኸም ዝተመለስና ኣብሪሁልና ኣሎ (1ጴጥ 2፡24-25)። ዕላማ ናይ’ዚ ጐይታ ዚገበረልና ቤዛዊ ጕስነት ድማ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንፍጽም’ዩ። (እብ 13፡21)።
ኣቦታትና ካህናት ዘንበቡልና ካብ ዮሃ 10፡1-21 ከምኡ’ውን ግብ 15፡13-21 ንባባት ድማ፡ እቲ ዓብዪ ጓሳ ዝዀነ መድሓኒናን እቶም ንሱ ዝሸሞም ጓሶትን ከመይ ተመላላኢ ዕዮ ኸም ዝዓየዩ ዚገልጽ ምስጢር ዝሓዘ’ዩ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ካብ’ዚ መጓሰ’ዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ’ውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽአን’የ። ቃለይ’ውን ኪሰምዓ’የን። ሓደ መጓሰ ኪዀና’የን፡ ጓሳኤን’ውን ሓደ።” ብምባል ዝተዛረቦ፡ እቶም ቀዳሞት ጓሶት ኣብ’ታ በዅሪ ጕባኤታት ዝዀነት ጕባኤ ኢየሩሳሌም ፈጸምዎ። ኣብ’ዛ ጕባኤ’ዚኣ ኣብ መንጎ’ቶም ‘ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸም ስርዓት ሙሴ ኺግዘሩ ኣለዎም’ ዚብሉ ካብ ይሁዳ ዝዀኑ መምህራን ኣብ መንጎ’ቶም “ያእ ኣይፋሉን ኪግዘሩ የብሎምን” ዚብል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ባርነባስን ዝተላዕለ ንዝተላዕለ ኽርክር ብህድኣት ሰምዕዎ። ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ “ንሕና’ውን ከምኣቶም (ከም’ቶም ኣህዛብ) ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ከም እንድሕን ኢና ንኣምን።” ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ከኣ፡ “.....ንኣይ ከም ዚረኣየኒ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኣይነኽብደሎም።” ዚብሉ ዛዛሚ ሓሳባቶም ብምሃብ፡ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ዝዀነ ሓለፋ ጾር ከይጽዕንዎን ተሰማሚዖም ነቲ ኽርክር ኣህድእዎ (ግብ 15፡11,19 ካ.ት)። በዚ ድማ ከም’ታ ጐይታ ዝበላ፡ ቤተ ክርስትያን ሓደ መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓብዪ ጓሳ ከም ትኸውን ገበሩ፡
እምበኣር ኵላትና ኣገልገልትን ምእመናንን ብሓባር፡ መጓሰ ክርስቶስ ምዃንና ንፍለጥ። እዚ ዓብዪ ጓሳና ኻብ’ቲ ጠፊእና ዝነበርናሉ ሞት ናብ ህይወት ኪመልሰናን ኬድሕነናን ዝኸፈለልና ኸቢድ ዋጋ ኣሚንናን ተቐቢልናን፡ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍቓዱ ኽንፍጽም ንጸልን ንትጋህን። እቶም ካብ’ቲ ሓለቓ ጓሶት ከም’ቶም ዝቐደሙ ሃዋርያት ጕስነታዊ ሓላፍነት ናይ መጓስኡ ተቐቢልና ዘሎና ኻህናትን ኣገልገልትን ድማ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ኣርኣያኡን ኣርኣያ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ተኸቲልና መጓስኡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብምስትውዓልን ብተወፋይነትን ንጓስየሉ። እዚ ሓለቓ ጓሶት ኣብ መወዳእታ ንፍርዲ ምስ ዚግለጽ ምስ’ቶም ከም ኣጣል ብጸጋሙ ደው ኣቢሉ ናብ ናይ ዘለኣለም ቅጽዓት ዚፈርዶም ከይንኸውን ንጠንቀቕ።
ንሎሚ ኽንመሃሮ ተመሪጹ ዘሎ ኣርእስቲ ኻብ’ቲ ጐይታ “ኣባጊዐይ ይፈልጣኒ’የን” ብምባል ዝተዛረቦ ኻብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተወስደ ሓሳብ’ዩ። ወንጌል ዮሃንስ ካብ’ቶም ካልኦት ሰለስተ ወንጌላት ብኣጻሓሕፋኡ ብዙሕ’ዩ ዚፍለይ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፡ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ኣብ’ቲ ጐይታ ብዙሕ መንፈሳውን ስነ መለኮታውን ምስጢራት ዝገለጸሉ ሰፊሕ ዝርርባትን ኣስተምህሮታትን ብምግባር’ዩ ጽሒፍዎ። እቲ ጐይታ ዝገበሮ ዝርርባት ምስ ውልቀ ሰባት ከም ብዓል ኒቆዲሞስ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ምስ ማርያምን ማርታን ካልኦትን ኪኸውን ከሎ፡ ምስ’ቶም ዝፈወሶም ወይ ተኣምር ዝገበረሎም ሰባት ከምኡ’ውን ኪቐትልዎ ምስ ዚደልዩ ኣይሁድን ፈሪሳውያንን ዝገበሮ’ውን ኣሎ። ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦ ኣስተምህሮታት ድማ ብሰፊሑ ተጻሒፉልና ይርከብ። ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺታት ብዘይካ’ቲ ሓደ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ ኪገብሮ ዚግብኦ፡ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ኣዕኑድ እምነትና ሓደ ዝዀነ ምስጢረ ስጋዌ ኣዝዩ ዓሚቝ ምስጢራት ተገሊጾም ይርከቡ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ካብ’ቲ ጐይታ ዝገበሮ ማእለያ ዘይብሉ ተኣምራት ኣብ’ዘን ዕስራን ሓደን ምዕራፋት ሸሞንተ ጥራይ’ዩ ተሪኹ ዘሎ። እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ነቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ምስ ፈወሶ ምስ’ቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ድሕሪ ዝተገብረ ምልልስ’ዩ ተዛሪብዎ (ዮሃ 9፡40-41)። ኣብ’ዚ ሎሚ ዝተነበበልና ኽፍሊ ወንጌል ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ’የ” ከምኡ’ውን ክልተ ጊዜ ‘ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ” ብምባል ገዛእ ርእሱ (መንነቱ) ብስልጣን ክልተ ጊዜ ዝገለጸሉ ክፍሊ’ዩ (ዮሃ 10፡7,9,11,14)። እዚ ብምሉእ መለኮታዊ ስልጣን “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ” ዝበለ ጐይታ’ዩ እምበኣር “ኣባጊዐይ ይፈልጣኒ’የን” ዝበለ (ዮሃ 10፡14)። ኣብ’ዚ ተምሳሌታዊ ኣዘራርባ’ዚ በባጊዕ መሲልዎም ዘሎ ነቶም ነቲ ዝሃበ ተስፋ ኣሚኖም ብጾምን ጸሎትን ዚጽበይዎ ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታትን ነብያትን ከምኡ’ውን ነቶም ብስሙ ኣሚንና እንስዕቦ ዘለና ሰባትን ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ስለ ዝዀንና ሓንጐልና ወይ ኣእምሮና ዘለዎ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ብሓፈሻ ካብ እንስሳታት ብፍላይ ከኣ ካብ ኣባጊዕ ዝተፈልየን ዝለዓለን ምዃኑ ዘየጠራጥር’ዩ።
እዚ ጐይታ ባዕሉ ኣረጋጊጹ “ይፈልጣኒ’የን” ኢሉ ዚምስክረሉ ዘሎ ፍልጠት ደኣ እንታይ ዓይነት ወይ ከመይ ዝበለ ፍልጠት’ዩ፧ እግዚኣብሄር ዚርእያ ኣዕይንቲ፡ ዚሰምዓ ኣእዛን፡ ዜሽትት ኣፍንጫ፡ ዜስተማቕር መልሓስን ዚድህስሳ ኣእዳውን ዘሎና ጌሩ’ዩ ፈጢሩና። እዚኣተን ናይ ከባቢና ሓበሬታ እንእክበለን “ሓሙሽተ ህዋሳት” (five senses) ተባሂለን ይፍለጣ። ነቲ በዚኣተን ዝተኣከበ በብዓይነቱ ሓበሬታ እንታይ ምዃኑ ኸነለልዮ ወይ ከነስተውዕሎ ዚሕግዘና ድማ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠረልና ሓንጐል’ዩ። ሓንጐልና ንዅሉ ሓበሬታ ኸዚኑን ኣወሃሂዱን’ዩ፡ ንሓደ ኻብ’ቲ ኻልእ ነገር ፈሊና ኸነለልዮን ዜድልይ መልሰ ግብሪ ኽንህብን ዜኽእለና። ስነ-ህይወታውያን (Biologists) ከም ዚብልዎ ሰብ ብፍልቀታዊ መስርሕ (Evolutionary process) ዝመጸ፡ ምስ ከባቢኡ ኸኣ በዘን ሓሙሽተ ህዋሳቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ጥራይ ዚዋሳእ ፍጡር ኣይኰነን። እቲ ዚርአን ዘይርአን ዘበለ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ መንፈስ’ዩ ልዕለ ተፈጥሮ ድማ’ዩ (Sprit and supernatural) (ዮሃ 1፡18 ፣ 4፡23,24)። ናይ እግዚኣብሄር ዓቕምን ባህርያትን ፍጡር ሰብ ኪበጽሖን ኪርድኦን ዘይክእል’ኳ እንተ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግን ባዕሉ በቲ ዅሉ ኸኣልነቱ ንሰብ ኪርድኦ ብዚኽእል ዓቕሚ ገዛእ ርእሱ ይገልጸሉ’ዩ። ንኣዳምን ሄዋንን እግዚኣብሄር ቅድሚ ውድቀት’ዩ ኪባዝሑን ንምድሪ ኺመልእዋን፡ ንዅሉ ፍጥረቱ ኸኣ ኪገዝእዎ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ድማ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግብኦም ንጹር መምርሒ ዝሃቦም’ዩ (ዘፍ 1፡28-30 ፣ 2፡15-17)። ስለ’ዚ ሰብ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጻኢ ንመጀመርታ ጊዜ ዚፈልጦ ኣካል፡ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄርን እቲ ዝተዋህቦ መምርሒ ህይወቱን’ዩ። ነቲ በዅሪ ፍልጠቶም ዝዀነ ፈጣሪኦምን ዝሃቦም መምርሒ ህይወትን ተኸቲሎም ይኸዱ ኽሳዕ ዝነበሩሉ ጊዜ ብሰላምን ብህይወትን ይነብሩ ነበሩ (ዘፍ 2፡18-25)። ንእግዚኣብሄርን ነቲ ዝሃቦም መምርሕን ገዲፎም ናይ’ቲ ዘይፈጠሮም ሰይጣን ሓበሬታን ፍልጠትን መምርሒኦም ምስ ገበሩ ግን ካብ ህይወት ናብ ሞት፡ ካብ ፍልጠት ናብ ድንቍርና ተሰጋገሩ። ካብ’ዛ ጊዜ’ዚኣ ኣትሒዙ ድማ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብድንቍርና ኣብ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ሓጢኣትን ሞትን ኪነብር ጀመረ። “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም።” ዝተባህለ ድማ ስለ’ዚ’ዩ (ሮሜ 3፡23)፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ነዚ ኸም’ዚ ዝበለ ናይ ድንቍርና (ፍልጠት ኣልቦ) ህይወት ኣብ ሮሜ 1፡18-32 ዘሎ ኽፍሊ ብሰፊሕ ተንቲንዎ ኣሎ። ኣብ ቍ.19-21 ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ።
“ኣምላኽ ገሊጹሎም’ዩ’ሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ’ዩ። ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርአ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽብርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም’ውን ጸልመተ።”
ንኣምላኽ ምፍላጥ ንዅሉ ውሉድ ኣዳም ደኣ’ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ትዕድልቲ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ፍልጠት’ዚ ንኣምላኽ ከነኽብሮን ከነመስግኖን እንተ ዘይኣኽኢሉና፡ እቲ ዘየስተውዕል ልብና ጸልሚቱ ኣብ ትሕቲ ቍጥዓ ኣምላኽ ኢና ‘ንነብር።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ብኣካል ኣብ’ዛ ምድሪ ኺመላለስ ከሎ በዕይንቶም ርእዮም ድምጹ ሰሚዖም ዘለልይዎ ብዙሓት ነይሮም’ዮም። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣዘንትዩልና ኻብ ዘሎ ናይ ፈውሲ ተኣምራት፡ ሓደ ንሳላሳን ሸሞንተን ዓመት ለሚሱ ኺፍወስ ምንቕናቕ ናይ’ቲ ቐላይ ኣብ’ቲ ደገ ኣባጊዕ ደቂሱ ዚጽበ ዝነበረን ሓደ ኸኣ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይን ኣለዉ (ዮሃ 5፡1-18 ፣ 9፡1-38)። ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ጐይታ ባዕሉ ቐሪቡ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት “ተንስእ ዓራትካ ኣልዕል’ሞ ኺድ” ብምባል ስልጣናዊ ቓሉ ተጠቒሙ ፈወሶ። እቶም ኣይሁድ መን ከም ዘሕወዮ ምስ ሓተትዎ ግን ንጐይታ ብዓይኑ ርእይዎ ብእዝኑ ሰሚዕዎን ብእኡ’ውን ተፈዊሱ ኸሎ፡ መን ምዃኑ’ኳ ፈጺሙ ኣይፈለጦን። ጐይታ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸቦ ድማ፡ እናረኣዮን እናሰምዖን ፈዊስዎ ኼብቅዕ ዘይምፍላጡ በደል ምዃኑ ነጊሩ ኣጠንቀቖ።
እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ግን ጐይታ ኪፍውሶ ኸሎ ድምጹ ጥራይ ደኣ’ዩ ሰሚዑ’ምበር እንታይ ከም ዚመስል ኣይረኣዮን። እቶም ፈሪሳውያን “እቲ ዝፈወሰካ ሰብኣይ ሓጥእ ምዃኑ መስክር” ምስ በልዎ ግን፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንዚገብር ከም ዚሰምዕ፡ እቲ ዝፈወሶ ድማ ዋላ’ኳ ብዓይኑ እንተ ዘይረኣዮ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተቢዑ መስከረሎም። ጐይታ ኸኣ እዛ ፍልጠቱ’ዚኣ ናብ ምሉእ ርድኢትን ድሕነትን ምእንቲ ኸተብጽሖ፡ ረኺቡ “ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ሰብኣይ ድማ ነቲ ዝፈወሶ ጐይታ ድምጹ’ምበር መልክዑ ስለ ዘይረኣዮ “መን’ዩ ንሱ፧” ብምባል ከረጋግጽ ሓተቶ። ጐይታ ኸኣ “እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ’ዩ” ምስ በሎ፡ “ጐይታይ እኣምን” ብምባል ኣምላኽነቱ ኣሚኑ ሰገደሉ። እቲ ዝተፈወሰ ልሙስ ሰብኣይ ብዛዕባ ጐይታ ሓበሬታዊ ፍልጠት ጥራይ ሒዙ ስለ ዝተረፈ በደል ኰኖ። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ግን ክንዮ ሓበሬታዊ ፍልጠት ንህይወትን ድሕነትን ዚዀኖ ፍልጠት ነበሮ። ፍልጠቱ ምሉእ ምእንቲ ኪዀነሉ ኸኣ ጐይታ ደጊሙ ርእሱ ገለጸሉ። ስለ’ዚ እዛ ጐይታ “ኣባጊዐይ ይፈልጣኒ’የን” ኢሉ ዚምስክረላ ፍልጠት፡ ንእኡ ኣሚንካ ክትሰግደሉን ክትስዕቦን እተኽእል፡ ንህይወት ዘለኣለምን ንድሕነትን እትኸውን ፍልጠት’ምበር ሓበሬታዊት ፍልጠት ኣይኰነትን።
እሞ ኣብ መንጎ’ታ ጐይታ ዚምስክረላ ፍልጠትን ኣብ’ታ ንኣና ዘላትና ‘ትመስለና ፍልጠትን ፍልልይ ኣሎ ማለት ድዩ፧ ብርግጽ!! እዚ ለቢስናዮ ዘለና ውዱቕ ስጋና ብዙሕ’ዩ ዚጥብረና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ንጣኦታት ዝተሰውአ ኣመልኪቱ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፦
“ሓደ’ኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተ’ሎ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸም’ቲ ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን’ዩ።” ኢሎ ኣሎ (1ቈረ 8፡2)። ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ’ቲ ዝሰፍሐ መንፈሳዊ ህይወትና (ናብራና) እንተ ረኣናዮ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዀነ ብዛዕባ’ቲ መድሓኒና ዘሎና ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ድሩት ብምዃኑ ኣብ’ዛ ምድሪ ክሳዕ ዘለና ዅሉ ጊዜ ምቃል ኢና ንፈልጥ (1ቈረ 13፡12)። ኣብ ርእሲ’ቲ ድሩትነት ናይ ስጋና እቲ ድሕነትና ዘይደሊ ሰይጣን ዚፈጥረልና ምድንጋራት እንተ ወሲኽናሉ እቲ ጐይታ ብዛዕባና ዚፈልጦን ንሕና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንፈልጦን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ’ዩ ዚሰፍሕ። ኣብ ዘመን ጐይታ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካህናት ብሉይ ኪዳንን ንገዛእ ርእሶም ጻድቃንን ዝለዓለ መዐቀኒ ናይ ቅድስና ዘማልአን ጌሮም’ዮም ዚፈልጡ ነይሮም። ጐይታ ብዛዕባኦም ዝነበሮ ፍልጠት ግን፡ ግቡዛትን ዕዉራትን ዝገደደ ፍርዲ ዚጽበዮም ከም ዝዀነ ገሊጽሎም (ማቴ 23፡13-26 ፣ 15፡14 ፣ ዮሃ 9፡40-41)። ሉቃስ ወንጌላዊ ብዛዕባ’ቲ ኺጽልይ ናብ ቤተ መቕደስ ዝኸደ ፈሪሳዊ ጽሒፉልና ዘሎ ምስላ ጽቡቕ መረዳእታ ኺህበና ይኽእል’ዩ። እዚ ፈሪሳዊ’ዚ ኣብ ጸሎቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “..... ደው ኢሉ ብልቡ፡ ‘ዎ ኣምላኽ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ዕሽር አውጽእ ኣለኹ፡ ከም’ቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከም’ዚ ተጋዊ’ዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ አመስግነካ ኣለኹ፡’ ኢሉ ጸለየ።” (ሉቃ 18፡11,12)። እቲ ኻብ ዝተጠበረ ልቡ ዝነቐለ ፍልጠት ገዛእ ርእሱ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ንዕቀትን ትዕቢትን ኪርእይ ግን ኣየኽኣሎን። እቲ ዝተጠበረ ፍልጠቱ ድማ ጽድቂ ኪዀኖ ኸም ዘይከኣለ መስከረሉ። ንሕና’ዞም ብክርስቶስ ዝኣመንናን እነግልግልን ክርስትያን’ውን ከም’ዞም ፈሪሳውያን ገለ ዘይኰንና ኽነስና ግናኸ ገለ ኸም ዝዀንና መሲሉና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዘሎና ፍልጠት ክንደናገር ንኽእል ኢና (ገላ 6፡3)። መራሒ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን እታ ዚመርሓ ዝነበረ ቤተ ክርስትያንን “ሃብታምን ፈሳስን’የ ሓንቲ’ኳ ዚጐድለኒ የብለይን” ዚብል ፍልጠት’ዩ ነይርዎ። ጐይታ ግን ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ብዛዕባ’ቲ መራሒ ዘለዎ ፍልጠት “ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን” ምዃኑ’ዩ ገሊጹሉ። ንኺንሳሕን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ፍልጠት ኬተዓራርይን ከኣ ዕድል ሃቦ (ራእ 3፡17-19)፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን ጐይታ “ኣይፈልጦን’የ ኢልካ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ምስ በሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸም ተባዕን ውፉይን ሰብ ይፈልጣ ስለ ዝነበረ “ኵላቶም’ኳ እንተ ኸሓዱኻ ኣነስ ኣይክሕደካን’የ፡ ንማእሰርቲ ዀነ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣለኹ፡ ህይወተይ እንተ ዀነ’ኳ በጃኻ ኣሕሊፈ ኽህባ’የ።” ብምባል ብዙሕን ውሑድን ተዛረበ (ማቴ 26፡33 ፣ ሉቃ 2፡33 ፣ ዮሃ 13፡37)። ግናኸ እቲ ጐይታ ብዛዕባኡ ዚፈልጦ ዀይኑ ደኣ ኸሓዶ’ምበር፡ ኣብ ፈኸራኡስ ኣይጸንዐን። ጐይታ ኻብ ሞት ድሕሪ ምትንስኡ ሰለስተ ጊዜ “ካብ’ዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረ ኢኻ፧” ብምባል ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ ግን ካብ’ቲ ዝቐደመ ጌጋኡ ተማሂሩ ኣብ ፍልጠቱ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍልጠት ጐይታኡ ኸም ዚምርኰስ ዚገልጽ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ’ውን ትፈልጥ ኢኻ” ዚብል መልሲ ሃበ። ነብዪ ኤርምያስ “ልቢ ሰብ ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን’ዩ መንከ የስተውዕሎ (ይፈልጦ)፧” ከም ዝበለ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጐይታ ዘይምስክረሉ ግጉይ ፍልጠት ሒዝና ተደናጊርና ኸይንጠፍእ ንጠንቀቕ (ኤር 17፡10)። እቶም ኣገልገልቲ ዝዀንና ነቲ እግዚኣብሄር ብኣና ጌሩ ንህዝቡ ዜፍሰሶ ጸጋታት ርኢና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጌጋ ፍልጠት ከይንሕዝ ነስተውዕል። ኣብ ውልቃዊ ናብራናን ኣካይዳናን በታ ጸባብ ደገ ኣቲና፡ በታ ቐጣን መገዲ ፍቓድ ኣምላኽ እናፈጸምና ብጽድቅን ብቕድስናን እንተ ዘይተመላሊስና ዕጫና መሪር ከም ዚኸውን ባዕሉ እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና ኣሎ።
“ፍቓድ’ቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ‘ጐይታይ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ’ቲኣ (ብመዓልቲ ፍርዲ) ብዙሓት “ጐይታይ ጐይታይ፡ ብስምካ እንተነበናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ (ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻ’ውን ኣብ ገዘና ምሂርካ፡” ኪብሉኒ’ዮም። ሽዑ ኣነ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ‘ካባይ ርሓቑ” ክብሎም’የ።” ማቴ 7፡21-23።
ኵሉ’ቲ ጐይታ ኸም ዚፈልጦምን ንሳቶም ድማ ከም ዚፈልጥዎን ከቕርብዎ ዝፈተኑ መርትዖ ኣይሰርሓሎምን። ፍቓዱን ፍቓድ ኣቦኡን ይፍጽሙ ስለ ዘይነበሩ “ኣነ ኣይፈልጠኹምን’የ ንስኻትኩም’ውን ‘ኣይትፈልጡንን’ ኢኹም ብምባል ኪሰጎም’ዩ። እግዚኣብሄር ካብ’ዚ ኽፉእ ዕጫ’ዚ ይባልሃና! እቶም ተገልገልቲ ምእመናን’ውን ከም’ተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል መርዓዊና ክርስቶስ ንምቕባል ዜድልየና ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከይሓዝና እንተ ጸኒሕና እቲ ሕያዋይ ጓሳ ‘ኣይፈልጠኩምን’የ’ ኢሉ ማዕጾ ኸም ዘይከፍተልና ኣይንዘንግዕ (ማቴ 25፡11-12)። ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዘሎና ግጉይ ፍልጠት ተደናጊርና ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይንስጐጕ ምስ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት፦
“ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን’ዩ፧ ካብ’ቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ። ንባርያኻ ካብ ትዕቢት ሓልዎ፡ ኣብ ልበይ ከይሰልጥን’ውን ዕገቶ፡ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ’የ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሐይን መድሓንየይን ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜካ ብሁግ ይኹን። ..... ዎ ኣምላኽ፡ መርምረኒ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ ፈትነኒ፡ ሓሳበይ’ውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ’ልዩኒ፡ ርአ፡ (ናብ’ቲ) ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።” እናበልና ወርትግ ንጸልይ (መዝ 19፡12-14 ፣ 139፡23-24)።
ነዚ ሕያዋይ ጓሳና ኽንፈልጦ ንኽእል ዲና፧ ከም እንፈልጦኸ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ ክንፈልጦ ዘይከኣል እንተ ዚኸውን ጐይታ ባዕሉ “ኣባጊዐይ ይፈልጣኒ’የን” ኣይምበለን ነይሩ። ንኣምላኽና ፈጣሪናን ምፍላጥ፡ በዅሪ ፍልጠትናን ምንጪ ህይወትናን’ዩ ዝነበረ። ጐይታ ድማ ነዛ ህይወትን ድሕነትን እትዀነና ሓቀኛ ፍልጠት ኣምላኽ ኪመልሰልና’ዩ ስጋና ለቢሱ ህይወቱ በጃና ዝሃበ። እቲ፦ “ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብ’ታ ሃገር የለን፡ ..... ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ” ኢሉ ዝተነበየ ነብዪ ሆሴእ፡ “ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ፡ ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ’ዩ፡ ንሱ ኸም ዝናብ ከም’ቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናብ ጽባሓት ናባና ኽመጽእ’ዩ።” ብምባል’ውን ተነብዩ ኣሎ (ሆሴ 4፡1,6 ፣ 6፡3)። እዚ ነብዪ ‘ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ’ እኳ እንተ በለ፡ ሓደ ኣብ ፍጡር ስጋ ዝተደረተ ሰብ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ፈጣሪ ብምልኣት ኪፈልጦ ዜኽእሎ ዓቕሚ ኺህልዎ ኸም ዘይሕሰብ መግለጺ ዜድልዮ ኣይኰነን። እዚ ሕያዋይ ጓሳናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ዝተገልጸ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ሓዲሩ ኸም ዘሎ፡ ክርስቶስ ምስጢር ኣምላኽ ከም ዝዀነን፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ኸም ዘሎን ገሊጹልና ኣሎ (ቈሎ 2፡2,3,9)። በዚ መሰረት ንክርስቶስ ምፍላጥ ማለት ንኣምላኽ ምፍላጥ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፍልጠትና ጐይታ ብዚፈቕደልና ንድሕነትን ህይወትን ብዚኸውን መጠን ምዃኑ ኽንርዳእ ይግባእ። ካብ’ታ ብሓቂ ብምሉእ ልብና ንክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳና ኽንስዕብ ዝጀመርናላ ጊዜ ኽሳዕ’ታ ናብኡ እንእከበላ እዋን ብዛዕባኡ ዚህልወና ፍልጠት እናወሰኸ ዚኸይድ ደኣ’ምበር ደው ዚብል ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበይና ኸም እንኸይድ፦
“ከምኡ ኸኣ ንክርስቶስ ንስልጣን ትንሳኤኡን ክፈልጥ፡ ኣብ ስቓዩ ኽካፈል፡ ብሞቱ ኽመስሎ’ሞ ኣብ ትንሳኤ ሙታን ገለ ምስታፍ እንተ ኸኣልኩ ኢለ’የ። ነዚ ዅሉ ድሮ ረኸበዮ ወይ ድማ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ኰይነ’የ ማለተይ ኣይኰነን። ግና፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ናቱ ስለ ዝገበረኒ፡ ኣነ ድማ ነዚ ዅሉ ናተይ ክገብሮ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ”
“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹም፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበይኹም፡ ንእኡ ዚበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፡ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ ንጽልይ ኣለና።” ብምባል ጽቡቕ ጌሩ ኣብሪሁልና ኣሎ (ፊሊ 3፡10-12 ፣ ቈሎ 1፡10 ካ.ት)። እዚ ንኣምላኽ ምፍላጥ ዚብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኽንመሃሮ ተስፋ ብምግባር ኣሕጽር ኣቢልና ጥራይ ክንምልከቶ ኢና። እቲ በብእዋኑ እናወሰኸ ኪኸይድ ዚግብኦ ፍልጠት ኣምላኽ በቲ ዘሎና ነገረ መለኮት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ፡ ‘ክርስትያን’የ’ እናበልና ብዘቝጸርናዮ ዕድመ፡ ብመጠን እቲ እንህቦ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ወዘተ .... ዝኣመሰሉ በብዓይነቱ ንጥፈታት ዚግለጽ ኣይኰነን። ኣገልገልቲ ንዅን ምእመናን፡ ዓበይቲ ንዅን ናእሽቱ፡ ኣብ ክርስትና ዘቝጸርናዮ ዕድመ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ነዚ ሕያዋይ ጓሳና ኸም እንፈልጦ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና እታ መገዲ ንዅላትና ማዕረ’ያ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሕቶ’ዚ ተወሳኺ መግለጺ ብዘየድልዮ የማን ጸጋም ብዘየብል ብሩህ ቃላት ነጊሩና ኣሎ።
“ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና ንፈልጥ። ‘ኣነ እፈልጦ’የ’ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ ንሱ ሓሳዊ’ዩ፡ እታ ሓቂ’ውን ኣብኡ የላን። እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግን ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ፡ ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) እነብር ኣለኹ፡ ዚብል ከም’ቲ ንሱ እተመላለሶ (ኢየሱስ ዝነበሮ)፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ (ኪነብር) ይግብኦ። 1ዮሃ 2፡3-5።
ወሃ ዘበለ ስብከትን መንፈሳዊ ትምህርትን ስለ ነቕርብ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘይንበኵር፡ ብጥዑም ድምጺ ስለ ዝዘመርና ጥራይ ‘ንኣምላኽ እፈልጦ’የ’ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንወደ መዝሙሩ ቲቶስ “ንኣምላኽ እፈልጦ’የ” እናበልካ ዘይምእዛዝን ሰናይ ዘይምግባርን እንታይ ማለት ምዃኑ ከም’ዚ ብምባል ገለጸሉ።
“ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮ ይኽሕድዎ ኣለዉ።” ቲቶ 1፡16።
እምበኣር፡ ‘ኣነ ክርስትያን’የ’ ምባልና ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስና ምግልጋልናን ‘ነዚ ሕያዋይ ጓሳ ክርስቶስ እፈልጦ’የ’ ማለትና ምዃኑ ነስተውዕል። ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ኸም’ዚ ኽንብል ከለና ከም’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብሪሁልና ዘሎ ንሕሱ ዲና ዘሎና ወይስ ኣይኰንናን ገዛእ ርእስና ንመርምር። ፍቓድ ኣምላኽን ትእዛዛቱን እናኣፍረስና ንነብር ከይንህሉ ንጠንቀቕ። ጻውዒትን ድልየትን ናይ’ዚ ሕያዋይ ጓሳ ብእኡ ኣሚንና ኣሰሩ እናሰዓብና እናተኣዘዝናዮ ኽንነብር’ሞ ምስ ኵለን እተን ካልኦት ኣባጊዑ ነቲ ዘዳለወልና መንግስቲ ኽንወርስ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ዘይምእዛዝ እንተ’ሊና ሎሚ ናብ’ቲ ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን ዝዀነ ክርስቶስ ካብ’ቲ ፍንፉን ህይወትና ብንስሓ ንመለስ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
31 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 21, 2016 ግዕዝ (መበል 16 ሰንበት: ቊ.፲፮/16) |
||
ምስባክ መዝ.፸፱(፹)፡፩ “ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።” “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 13፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 2፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡13-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 10፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእትነ ማርያም | መዝሙር፦ኖላዊ ዘመጽአ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ