““ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ’ታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ሉቃ 12፡25-26
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበት’ዚ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ‘ዘመነ-ክረምት’ እዩ። ካብ ነሓሰ 22 ክሳዕ ነሓሰ 26 ኣብ ዘሎ ጊዜ ዚዝመር ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ‘ይሀብነ ዝናመ በጊዜሁ’ ዚብል’ዩ። ንሎሚ ኻብ መዝሙር ዳዊት ክልተ ኣማራጺ ምስባኽ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ናይ ክልቲኡ ትሕዝቶ ኸኣ፡ ንዅሉ እንስሳ በብጊዜኡ ዚምግብ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። እግዚኣብሄር ቅድሚ እቶም ኣብ ሓምሻይን ሻድሻይን መዓልቲ ዝተፈጥሩ ህይወት ዘለዎም ዚነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ኣራዊት፡ ለመምታ ምድር ኣብ ማያት ዚነብሩን ዓሳን ካልኦትን፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቝልን ፍረ ከከም ዓይነቱ ዚህብ ኣእዋምን’ዩ ፈጢሩ (ዘፍ 1፡20-25, 11፡13)። ኣብ መወዳእታ ናይ’ታ ሻድሻይ መዓልቲ ኸኣ፡ ብስልጣናዊ ቓሉ ምግቦም ሰርዓሎም።
“(ንሰብ) ኣምላኽ ድማ ‘እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣለኹ’ሞ ምግቢ ይዅንኩም። ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ለምለም ሳዕሪ ምግቦም ሂበዮም ኣለኹ’ በለ። ከምኡ ድማ ኰነ።” ዘፍ 1፡29-30
እዚ እግዚኣብሄር ንምግቢ ሰብን ኣራዊትን ለመምታ ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝፈጠሮ ዘርእን ሳዕርን ኣሕምልትን ኣእዋምን በቲ እግዚኣብሄር ዝናም’ዩ ዚበቍል (ዘፍ 2፡5)። ንሰብን ንዅሎም ዓይነት እንስሳታትን ዚኸውን ምግቢ ኣቐዲሙ ምፍጣሩ ዜደንቕ መለኮታዊ ጥበብ’ዩ። መጋቢነት ናይ እግዚኣብሄር ባህርያ ስለ ዝዀነ ድማ ካብ ፍጥረት ጀሚሩ በብኸባቢኡ ወቕቱ ሓልዩ በብጊዜኡ ዝናም ይህበና ኣሎ። ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ ዜብርቕ፡ ንጻድቓንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም ዜዝንም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ኣብቲ ዝሃቦ ቐዳማይ ኣስተምህሮ ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 5፡45)። ሃዋርያ ቅዱስ በርናባስን ጳውሎስን’ውን ኣብ ልስጥራ ዝተባህለ ናይ ሊቃኦንያ ኸተማ ወንጌል ኪሰብኩ ኸለዉ እቲ በብጊዜኡ ዚዘንም ዝናም መግለጺ መጋቢነት ናይ እግዚኣብሄር ምዃኑ፡
“ብዝሓለፈ ዘመናት እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ በብዝደለይዎ መገዲ ኪኸዱ ሓዲጎም። ምስናይ’ዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበ፡ ንልብኹም ብመብልዕን ብሓጐስን እናኣጽገበ፡ ህያው ከም ዝዀነ መስከረ።” ብምባል ገሊጾምልና ኣለው (ግብ 14፡16-17 ካ.ት)። እቲ ዜሕዝን ግን እቶም ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኣኽራንን ኰረቢትን፡ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕፍታትን፡ ኣራዊትን ኵላቶም እንስሳን ለመም ዚብሉን፡ ነፈርቲ ኣዕዋፍን ብመጋቢነቱ ኼመስግንዎ ኸለው እቲ ብመልክዑን ብኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ግን ዘየመስግን ምዃኑ’ዩ (መዝ 148፡3-10)።
“ንስኻትኩም፡ ግና ኣቱም ህዝቢ፡ እምቢተኛታትን ዓለወኛታትን ኢኹም። ንድሕሪት ተመሊስኩም ሓዲግኩምኒ ኸድኩም። በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን’ኳ እንተ ሃብኩኹም፡ ምዱብ ሳምንታት ቀውዕን’ውን እንተ ሰራዕኩልኩም፡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣየክበርኩምንን። ኣበሳኹም ሓጢኣትኩምን ሰናይ ነገር ከም ዘይትቕበሉ ገበረኩም።” ኤር 5፡23-25 ካ.ት
ኣብ’ዚ ናይ ዕለቱን ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ’ቲ ቐዳማይ ክፋሉ፡ ጐይታ ግራሁኡ ብዝቐደወሉ ዓሻ ሃብታም ሰብኣይ መሲሉ ዘቕረቦ ትምህርቱ ነዚ ዜንጸባርቕ’ዩ። እዚ ዓሻ ሃብታም ሰብኣይ ከም መብዛሕትና ባዕሉ ዘርኢ ፈጢሩ፡ ካብ ሰማይ ማይ ኣዝኒሙ ዘፍረየ ኺመስል፡ ግራሁኡ ምስ ቀደወሉ ኸም’ቶም ካልኦት እንስሳን ኣዕዋፍን ናብ ሰማይ ኣይጠመጠን፡ መጋቢነት እግዚኣብሄር ኣየስተውዓለን (መዝ 145፡15)። ነቲ ንዅሉ ፍጥረት መብልዕን ሓጐስን ዚህብ ኣምላኽ ፈጺሙ ረሲዑ፡ ባዕሉ ኸም ዝገበረላ ንነፍሱ ‘ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ ተሓጐሲ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ዝተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ’ በላ። እግዚኣብሄር ግና፡ እታ ነፍሱ ናቱ ኸም ዘይኰነት ‘በዛ ለይቲ’ዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኪወስድዋ’ዮም፡ እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን’ዩ፧’ ዚብል ካብ ዕሽነቱ ዜበራብሮ መልእኽቲ ለኣኸሉ (ሉቃ 12፡19-20)። ንሕና’ምበኣር ከም’ዚ ሃብታም ሰብኣይ’ዚ ኣይንዓሹ፡ መሬትና ሓሪስና፡ ደኵዕናን ዘሪእናን ከነፍርይ ዜኽእለና ዝናም ዚህበና በይኑ እግዚኣብሄር’ዩ። ዋላ’ውን ራህያታትን ሓጽብታትን ግድባትን ሃኒጽና ብመስኖ እንተ’ፍረና፡ እግዚኣብሄር ዝናም እንተ ዘይሂቡ ኺርከብ ዚኽእል ፍረ የልቦን። ስለ’ዚ ዓያሹ ዄንና ኸይንርከብ እግዚኣብሄር ዝናሙ ኺህበና ብእምነት ምጽላይና ምስ ሃበና ድማ ምምስጋን ብልግሲ ምምቓልን ከም ዚግብኣና ንዘክር፡ ንግበሮ ኸኣ።
ናይ ሎሚ ትምህርትና ኻብ’ዚ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ‘ተጨኒቑ ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ።’ ብዚብል ኣርእስቲ ኪኸውን’ዩ። ሰብ፡ ኣብ’ዛ ብዙሕ ዓይነት ጸገማትን ጕድለታትን ዝመልኣ ዓለም ኪነብር ከሎ መጠኑን ምኽንያቱን ደኣ ይፈላለ’ምበር ተጨኒቑ ዘይፈልጥሲ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ሎሚ ኣይተጨነቕናን ማለት ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ገለ ነገር ምስ ገጠመና ግን ኣይንጭነቕን ኢና ማለት ኣይኰነን።
ጭንቀት ግን እንታይ’ዩ፧ ብኸመይ’ዩኸ ዚመጽእ፧ ጭንቀት፡ ዜድልየና ነገር ምስ እንስእን፡ ንጽበዮ ነገር ምስ ዚድንጕየና፡ ወይ’ውን ንህላወና ሓደጋ ዚፈጥር ኵነታት ምስ ዜጋጥመና ዚፍጠር ስምዒት’ዩ። ጭንቀት፡ ሻቕሎት፡ ዓቕሊ ጽብበት ከምኡ’ውን ፍርሕን ራዕድን ዜጠቓልል ስምዒት ኰይኑ፡ ጓህን ቅዛነት ድማ ኬስዕብ ይኽእል’ዩ። ብዘይካ’ዚ ኣእምሮኣዊ ስምዒታት’ዚ ህርመት ልቢ ኺውስኽ፡ ሰብነትና ኺንቅጥቀጥ (ራዕራዕ) ኪብል፡ ኣፍና ኺነቅጽ ኬርህጸናን መዓንጣና ተዘሪጉ ውጽኣትን ሽንትን ከኣ ኪገብረልና ይኽእል’ዩ። እቲ ጭንቀት ዚፈጥር ኵነታት ብሃንደበት ዚኽሰት፡ ንህላወ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ምስ ዚኸውን ፍርሓትን ራዕድን ዝዓብለሎ’ዩ ዚኸውን። እዚ ኸም’ቲ ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ ኺሳገር ከሎ ኣብ’ቲ ባሕሪ ብርቱዕ ምንዋጽ ኰይኑ እታ ጃልባ ክትጥሕል ክሳዕ እትቐርብ ብማዕበል ዘጐልበባ ዅነታት ማለት’ዩ (ማቴ 8፡23-24)። እቲ ዅነታት ዝተናውሐ ማለት ከም ሕዱር ሕማም፡ ሕጽረት ምግቢ ዕለት፡ ተመርዒኻ ውሉድ ምድንጓይ (ዘይምርካብ)፡ ስደት፡ ማእሰርቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኪኸውን ከሎ ኸኣ ሻቕሎትን ዓቕሊ ጽብበትን ዝዓብለሎ ዀይኑ ጓህን ቅዛነት ዜስዕብ ድማ ይኸውን።
ጠንቍ ብዘየገድስ ኣብ ዘጋጠመ መንፈሳዊ ህይወት ንጭንቀት ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዚገብሮ። ንእምነትናን ካብ ኣፍና ዚወጽእ ቃላትን ተግባራትናን ዚጸሉ ብምዃኑ’ዩ።
ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ ኺሳገር ከሎ ኣርባዕተ ኻብኣቶም ምኵራት ገፈፍቲ ዓሳን ሰብ ጃላቡን ኰይኖም ሰፊሕ ተመክሮ ናይ ባሕሪ ዝነበሮ ሰባት’ዮም። እንተ ዀነ እታ ጃልባኦም ክሳዕ ምጥሓል ምስ ቀረበት ንህላወኦም ሰጊኦም ንጐይታ ኼተንስእዎ ኸለዉ ‘መምህር ክንጠፍእ’ዩ ግድና የብልካን ኢኻ፧’ ብምባል ዜሰክፍ ቃል ተዛረብዎ። ጐይታ ድማ ‘ስለምንታይ ትፈርሁ ክሳዕ ክንድ’ዚ’ዶ እምነት የብልኩምን’ዩ፧’ ብምባል ገንሖም (ማር 4፡33,40 ካ.ት)። ሰብ ብጭንቀት ክሳዕ ክንደይ ኪስሕት ከም ዚኽእል ተወሳኺ ኣብነት ዚዀነና ታሪኽ ናይ ደቂ እስራኤል’ዩ። ክልተ ዓመት ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውዳኦም ኣብ ዘሎ እዋን፡ ካብ’ቶም ሹማምንቲ ናይ ነፍስ ወከፍ ነገድ ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሪጹ ነታ ናይ ተስፋ ሃገር ኪስልይዋ ኺልእኮም እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣዘዞ (ዘሁ 13፡1-2)። ነታ ምድሪ ከንኣን ሰልዮም ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ምስ ተመልሱ፡ እቶም ዓሰርተ ብዛዕባ እታ ምድሪ ‘(ኣብኡ ዘለው ህዝቢ) ኻባና ዚሕይሉ ስለ ዝዀኑ ኽንስዕሮም ኣይንኽእልን ኢና’ ብምባል ብዙሕ ካልእ ዜጨንቕ ወረን ነቲ ህዝቢ ነገርዎ። እቲ ህዝቢ ግን ካብ ነቶም ክልተ ‘ኣጸቢቕና ስዒርና ኽንሕዛ ንኽእል ኢና’ሞ፡ ንደይብ ደኣ፡ ንውርሳ’ ዝበሎ፡ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዝነዝሕዎ ዝንቡዕ ጸብጻብ ስለ ዝኣመነ ተጨኒቑ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ኺበክይ ሓደረ (ዘሁ 13፡30,31 ፣ 14፡1)። ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ብምጕርምራም ድማ ዜሰንብድ ቃላት ድሕሪ ምዝራብ ንእግዚኣብሄር ዜቘጥዕ ውሳነ ኸኣ ወሰኑ።
“. . . ‘ኣብ ግብጺ ወይ ኣብ’ዚ ምድረ በዳ’ዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበና፧ ንሕና ካብ ውግእ ክንመውት፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣእተወና፡ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሔሸናን፧’ ንሓድሕዶም ከኣ ‘ሓለቓ ሽምና፡ ግዳ ናብ ግብጺ ንመለስ’ ተበሃሃሉ።” ዘሁ 14፡2-3 ካ.ት
ካብ’ዚ ዝተላዕለ እግዚኣብሄር ነቶም ክፉእ ዘውረዩ ዓሰርተ ሰለይቲ ኪቐዝፎም ከሎ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ብሓጢኣት ጥልመቱ፡ ኺቐጽዖ ወሰነ (ዘሁ 14፡37 ፣ 27-35)። ስለ’ዚ’ዩ’ምበኣር ጐይታ ዜጨንቕ ነገር ኬጋጥመናን ጭንቀት ኪስምዓናን ከሎ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ዚምህረና ዘሎ።
“ኣእስትና ‘ተጨኒቑ ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፡’ ዚብል ደኣ፡ ተጨኒቕና እንውስኾ ነገር የለን’ድዩ፡ ጐይታ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቍመቱ ኺውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧’ ምባሉኸ እንታይ ማለት’ዩ፧
ዚጠቅም ነገር ደኣ ኣይኰነን’ምበር ተጨኒቕና እንውስኾ ነገር ደኣ መሊኡ ኣሎ። ‘ነቲ ጠንቂ ጭንቀትና ዀይኑ ዘሎ ዅነታት ኪልውጥ ዘይክእል፡ እኳ ደኣ መሊሱ ናብ ዝኸፍአ ዅነታት ዜእትወና ሕማማት ልቢ፡ ምልዓል ጸቕጢ ደም፡ ሕማማት ኣእምሮን ካልእን እንተ ወሰኽና’ሞ እንታይ ክንረብሕ ኢና። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሃገርናን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ህዝብናን ዓዚዙ ዘሎ ዜጨንቕ ኵነታት በብዓይነቱ ሕማማት ወሲኾም ዘለው ሰባት ሒደት ኣይኰኑን። እቲ ብሰንኪ ምጭናቕና እንውስኾ ሕማማት፡ ነቲ በብውልቅና ይኹን ብሓባር ዜጋጥመና ዘሎ ኣጨናቒ ኵነታት ዜጋድድ ደኣ’ምበር ዚልውጥ ወይ ከኣ ዜቕልል ኣይኰነን። ከም’ዚ ዝበለ ምውሳኽ ከቢድ ወጽዓ’ምበር ምውሳኽ ተባሂሉ ኺሕሰብ ኣይከኣልን’ዩ።
ጐይታ ኼስተምህር ከሎ ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ኣመሃህራ’ዩ ዚጥቀም ነይሩ። ትምህርቱ ዝሰምዑ ሰባት ከኣ በቲ ኺምህሮም ከሎ ዝነበሮ ስልጣንን ኣገባቡን ወትሩ ይድነቑ ነበሩ (ማቴ 7፡28-29 ፣ 22፡33 ፣ ሉቃ 4፡32 ፣ ዮሃ 7፡46)። ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ኣብዚ ዝተነበበልና ቓል ቅዱስ ወንጌል ነቲ ‘ህይወት ሰበ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን’ሞ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለው፡’ ዚብል ትእዛዝ፡ ጐይታ ብምስላ ሓደ ዓሻ ሃብታም ሰብኣይ ምስ መሃረ’ዩ ነዛ ኣርእስትና ሒዛ ዘላ ኣስተምህሮ ጽሒፉልና ዘሎ (ሉቃ 12፡15)። ነዛ ‘ኣይትጨነቑ’ እትብል ኣስተምህሮኡ ኸኣ ኪርሳዕ ብዘይኽእል ንጽጽራዊ ኣገባብ ተጠቒሙ’ዩ ንደቀ መዛሙርቲ ምሂርዎም። ሰብ ብህይወት ንኪቕጽልን ንቡር ዝምድናታት ንኺህልዎን ምብላዕ፡ ምስታይ ከምኡ’ውን ምኽዳን መሰረታዊ ጠለባቱ’ዮም ዚብላዕን ዚስተይን፡ ማለት ናይ ዕለት እንጌራ፡ ዘይብልካ ምዃን ንዝዀነ ሰብ ኬጨንቕ ዚኽእል ጕዳይ’ዩ። ውግእ ስደት፡ ደርቅን እንበጣን ካብ ዘይፍለዮ ኸባቢ ምዃንና ሕጽረት ምግቢ ዕለት ከመይ ምዃኑ ንኣና ጋሻ ኵነታት ኣይኰነን። ይኹን ደኣ’ምበር ሰዓብቲ ክርስቶስ ኴንና ኸነብቅዕ በዚ ጠለብ’ዚ ኽንጭነቕ ከም ዘይግብኣና ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ሓልዮት ኣምላኽ ንኳዃት ምስ ሓልዮት ኣምላኽ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ ከምኡ’ውን ምግቢ ምስ ህይወት ብምንጽጻር’ዩ ዜስተምህረና ዘሎ።
እግዚኣብሄር ንሰብ ዘለዎ ተገዳስነትን ዚህቦ ኣድህቦን ምስቲ ንኳዃት ዘለዎ ተገዳስነትን ኣድህቦን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ’ዩ። እግዚኣብሄር ንኽልቲኦም ቀለቦም ዚህቦም ምዃኑ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኬቀራርቦምን ኬመሳስሎምን ዚኽእል ነገር የለን። ጐይታ በዛ ንጽጽር’ዚኣ ደቀ መዛሙርቱ ኺስቈሮም ደልዩ ዘሎ ኣብ እግዚእብሄር ኣቦ ንሳቶም ክሳዕ ክንደይ ብሉጻት ምዃኖም’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ንሰብ እብራውያን ዝጸሓፎ “እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ’ውን ከምኦም ሰብ ኰነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር . . . ኢሉ’ዩ። . . . ከመይ ብሓቂ፡ ንዘርኢ ኣብርሃም’ምበር ንመላእኽቲ ኼድሕን ኣይመጸን።” ብምባል፡ ይትረፍ ካብ ኳዃትሲ ኻብቶም ዝወደቑ መላእኽቲ’ኳ ከይተረፈ ኣብሊጹ ኸም ዚግደሰልና እንበልጸሉ ምኽንያት ገሊጽዎ ኣሎ (እብ 2፡14,16 ካ.ት)። እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ እንኾ ናይ ባህርይ ወዱ ስጋና ለቢሱ ብሞቱ ህይወት ኪህበና ምልኣኹ ልዕሊ ዅሉ ኻልእ ፍጥረቱ ኣብሊጹ ስለ ዚሓልየልናን ስለ እንበልጾን’ዩ። ነተን ‘ይኹን’ ብምባል ጥራይ ዝፈጠረን ኳዃት ከይዘርኣ ከይዓጸዳን ኣብ ቆፎ ኸይኣከባን ዚቕልበን ካብ ኰነ፡ ነቲ ንወዱ ልኢኹ ዘድሓኖን ንዚሰርሕን ሰብ ደኣ ኽሳዕ ክንደይ ዘይቅልቦ፧ እቲ ኻልኣይ ተጠቒሙሉ ዘሎ ንጽጽር ከኣ ኣብ መንጎ ምግብን ህይወትን’ዩ። ብክርስቶስ ዝተረኽበ ህይወት ምስ ምግቢ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ኣዝዩ ኢምንት’ዩ። ምግቢ እግዚኣብሄር ኳዃትን ንኻልእ ኵሉ እንስሳን ዝሰርዖ ነገር’ዩ። ህይወት ዘለኣለም ግን ንሰብ ጥራይ ዝተሰርዐ፡ እግዚኣብሄር ገና ሓጥኣንን ጸላእቱን ከለና እቲ ዝኸበረ ወዱ ብምልኣኽ ዘዳለወልና መዘና ኣልቦ ህያብ’ዩ። እቲ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዜሕልፋ ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ብእኡ ዚርከብ ህይወት ኪገልጾ ኸሎ “ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ (ብምልኣት) ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ” ኢሉ ኣሎ (ዮሃ 10፡10)። ስለዚ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ካብ ምግቢ ህይወት ትዓብይ’ ብምባል ኬነጻጽረሎም ከሎ ዕብየት ናይታ ንሱ ዝሃቦም ህይወት ኺግንዘቡ’ዩ ዚደልዮም ዘሎ። ነቲ ኸም’ዚ ዝበለ ህይወት ዝሃበ ሰማያዊ ኣቦ ንደቀ መዛሙርቱን ሰዓብቱን ምግቢ ዕለት ምሃብ ክሳዕ ክንደይ ቀሊል’ዩ፧
“እቲ ንወዱ’ኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ’ምበር ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ዘይህበና፧” ሮሜ 8፡32 ካ.ት
ነዚ ‘ክትበልዕዎ ኣይትጨነቑ’ ዚብል ብንጽጽር ዝጀመሮ ኣስተምህሮኡ ናብ ጥርዚ ኼዕርጎ ምስ ደለየ፡
“ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓደ እሙት (ከባቢ ፍርቂ ሜትሮ) ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧’ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ብምባል ብተኸታታሊ ሕት በድሆም። ሓደ ዕብየቱ ዝወድአ ብጹሕ ሰብ ኣብ ቍመት ይትረፍ ፍርቂ ሜትሮስ ክንዲ ፍረ ጣፍ፡ ዚኣክል ቍመት ምውሳኽ’ውን ፈጺሙ ዚኽእል ሰብ የለን። ገና ዕብየቱ ዘይወድአ ህጻን ወይ ቈልዓ’ኳ ኣብ ቍመት ፍርቂ ሜትሮ ኺውስኽ ዚወስደሉ ጊዜን ዜድልዮ ዝተመጣጠነ ምግብን ማእለያ የብሉን። እዚ’ውን በቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣካላት ሰብ ዘሕደሮ ናይ ምዕባይ መስርሕ ዚፍጽም’ምበር ሰብ ባዕሉ ፈጺሙ ኺገብሮ ዚኽእል ኣይኰነን። ጐይታ በዚ ስእላውን ኪርሳዕ ዘይክእልን ኣገባብ ጌሩ ዚህቦም ዘሎ ኣስተምህሮ፡ ብዚበልዕዎ ይኹን ብዚኽደንዎ ዋላ’ውን ብዝዀነ ኻልእ ነገር ምጭናቖም ዜፍርዮ ነገር ከም ዘይብሉ ፈሊጦም ምእንቲ ኸይጭነቑ’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ንሳቶም ከም ሰዓብቱ መጠን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ኻልእ ፍጥረቱ ብሉጻት ምዃኖም፡ ህይወት ዘለኣለም ካብ ሃቦም ምግቢ ዕለት ድማ ኪህቦም ዘይጽግሞ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጦም ኪኣምኑ’ዩ ዚደልዮም። ንኣና ነዞም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያት ደው ኢልና፡ ‘ክርስቶስ መድሓንየይ’ዩ፡ ብምሉእ ልበይ ኣሚነ ኽስዕቦ’የ፡ ኣሚነ ድማ እስዕቦ ኣለኹ’ ንእንብል ክርስትያን ህዝቢ እዚ ሓቂ’ዚ ሎሚ’ውን ኣይተለወጠን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ነዚ ኣይትጨነቑ’ ዚብል ትምህርቲ ናይ ጐይታና ብምሉእ ልብና ክንክተሎ ዚግብኣና።
ብንበልዖን ብንኽደኖን ይኹን ብዝዀነ ካልእ ነገር’ውን ምጭናቕና ሳዕቤኑ ዜመሓላልፎ መልእኽትን እንታይ ስለ ዝዀነ’ዩ ጐይታና ኸም’ዚ ጌሩ ብዕምቈት ኬስተምህር ዝደለየ፧
ጭንቀት፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ ሻቕሎት ፍርህን ጓህን ዝተሓወሶ ምስ ዚኸውን ነተሓሳስባኻን ውሳነታትካን ተግባርካን ብኣሉታ ኺጸሉ ዚኽእል ስምዒት’ዩ። ብፍላይ ከኣ ከም ኣመንትን ሰዓብትን ናይ ክርስቶስ መጠን፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሕሉፍ ህይወትና ዝገበሮ ሰናይ ነገር ክንርስዕ ስለ ዚገብረና፡ ነእምሮና በቲ ንእዋኑ ገጢሙና ዘሎ ዅነታት ጥራይ ከም ዚተሓዝ ይገብሮ። ብመሰረቱ ኸኣ እቲ ዅነታት ልዕሊ ዓቕምና ብምዃኑን ተጨኒቕና ስለ ዘለናን ናብ ተስፋ ምቝራጽ’ዩ ዜእትወና። ብጭንቀት ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ድማ ኬገናዝብን ኣርሒቑ ኪጥምትን ስለ ዘይክእል ናብ ምጕርምራምን ኣቋራጭ ስጕምትታትን ናብ ምውሳድ’ዩ ዚኣቱ። እቲ ኻብ ኵሉ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረናን ኪህልወና ዚግብኦን እምነት ባሕጕጕ ዓው ኢልና ንበሎ ኣይንበሎ ብዘየገድስ፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ናይ ክሕደትን ድፍረትን ቃላት ክንዛረብ ዚገብረና ምዃኑ’ዩ።
1. እቲ ኻልእ ምስ ጸሎት ብምትሕሓዝ ኪህልወና ዘለዎ ቀንዲ ነገር ኣብቲ ኣቦና ዝዀነ እግዚኣብሄር ጽኑዕ እምነት ምግባር’ዩ።
2. ኣብ ጊዜ ጭንቀት ክንገብሮ ዚግብኣና ቀዳማይ ዝዓበየን ተግባር፡ ዘየቋርጽ ናይ እምነት ጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ’ዩ።
እስራኤላውያን ድሕሪ ናይ ዓመታት ባርነት፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽሙን ብዝርግሕቲ ኢዱን ካብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ ዝረኣዩ ህዝቢ’ዮም። እዚ ዓሰርተ በበይኑ ዓይነት መዓታት ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን’ምበር ኣብኣቶም ሓንቲ’ኳ ኣይወረደን። እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ግብጺ ኻብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኪቐትል ከሎ ንኣኣቶም ግና ሳላ’ቲ ኣብ ልዳውቲ ቤቶም ዝለኸይዎ ደም ናይ’ቲ ገንሸል ሓሊፍዎም ስለ ዝኸደ ደሓኑ። ቀትሪ ብዓንዲ ደመና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ብዜደንቕ ተኣምራት መሪሑ ኣውጽኦም። ኣብ ቅድሚኦም ቀይሕ ባሕሪ ብድሕሪኦም ከኣ ሰራዊት ፈርኦን ይስዕቦም ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ ግን ኣዝዮም ፈሪሆም ተጨነቑ ምስ ሙሴ ኺዘራረቡ ኸለው፡ ነቲ ኣብ ዙርያኦም ዘሎ ህላወ ኣምላኽን ዝገበሮ ተኣምራትን ፈጺሞም ኣይዘከርዎን።
“ንሙሴ፡ ‘ናብዚ ምድረ በዳ ኽንመውት ዘውጻእካናስ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን’ዩ፧ ካብ ግብጺ ኣውጺእካ እንታይ ከም ዝገበርካና ርአ! እቲ ኣብ ግብጺ ኸለና ዝበልናካኸ እዚ ነገር’ዚዶ ኣይኰነን፧ ኣብ ምድረ በዳ ካብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሕሸና፡ ንግብጻውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናካን፧’ በልዎ። ዘጸ 14፡11-12 ካ.ት
እዚ ዘረባኦም’ዚ ናይ ጣዕሳን ተስፋ ምቝራጽን ምጕርምራምን ነበረ። ኣብ’ቲ ናይ ኣርብዓ ዓመት ናይ ምድረ በዳ ጕዕዞም ማይ ምስ ሰኣኑ፡ ዚብላዕ ምግቢ ምስ ሰኣኑ’ውን ብተመሳሳሊ ቓላት ደጋጊሞም የጕረምርሙ ነበሩ (ዘጸ 16፡2-3 ፣ 17፡3 ፣ ዘሁ 20፡3-5)። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እቲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኵሉ ሓዲጉ ዝሰዓቦ ጐይታኡ ምስ ኣሰርዎ ‘ንስኻ ምስኡ ኔርካ ኢኻ’ ምስ ተባህለ ከይእሰር ፈሪሁ ሰለስተ ጊዜ ኣይፈልጦን’የ’ ብምባል ከሓደ (ሉቃ 22፡54-60)። ነቲ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ምስ ጐይታ ዝገበሮ ዝርርብ’ኳ ኣይዘከሮን። እዚ ፍርሃት ዝዓብለሎ ጭንቀት ክሳዕ ክንድ’ዚ ናብ ክሕደት ዜብጽሕ ምዃኑ ካልእ ኣብነት’ዩ።
ኣብ’ዛ ምድሪ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክንነብር ከለና ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር’ዩ ዚግብኣና፧
“ድልየትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈልጥ’ምበር ብገለ’ኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ንዅሉ ምርዳእና (ኣእምሮና) ጸብለል ዚብል ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኺሕልዎ’ዩ።” ፊል 4፡6-7 ካ.ት
“. . . ንስኻትኩም’ኳ ኽፉኣት ከለኹም ንደቅኹም ሰናይ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ (ኣቦኹም) ግዳ ንዚልምንዎ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ (ሰናይ) ዘይህቦም፧” ሉቃ 11፡13 ፣ ማቴ 7፡11 ካ.ት)
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ’ዛ ምድሪ ስጋና ለቢሱ ኺመላለስ ከሎ ዅሉ’ቲ ኸም ሰዓብቱ መጠን ኼጋጥመና ዚኽእል ኵነታትን ስምዒታትን ተመኪርዎን፡ እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኸኣ ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ። ጭንቀት ድማ ሓደ ኻብ’ቲ ዝተመከሮ ስምዒት’ዩ። ዚእሰረሉን ዚስቀለሉን ጊዜ ምስ ቀረበ
“ሕጅስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፡ እንታይ’ሞ ኽብል’የ፧ ‘ኦ ኣቦ፡ ካብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ኣድሕነኒ፧’ ግናኸ ምእንት’ዚ እንድየ ናብ’ዛ ሰዓት ዝበጻሕኩ። ኣቦ ንስምካ ኣኽብሮ። . . . “
ከም ዝበለ ነንብብ (ዮሃ 12፡27-28 ካ.ት). ንህላወኡ ዚፈታተን ኵነታት ምስ ዚገጥሞ ተጨኒቑ ስም ኣምላኽ ዘይጽውዕ ሰብ ዳርጋ የለን ኪበሃል ይኽእል’ዩ። ጸሎት ካብ’ቲ ዘይተደላይን ጕዳእን ሳዕቤናት ናይ ጭንቀት ኣጽሒኑ ምእንቲ ኼዐውተና ግን ስሩዕን ቀጻልን ብእምነት ዝተመልአ ናይ ጸሎት ህይወት ዘሎና ሰባት ምስ እንኸውን’ዩ። ጐይታና ሽዑ ነፍሱ ምስ ተጨነቐት ኣይኰነን ጸሎት ጀሚሩ። ነቲ ተጻሒፉልና ዘሎ ጥራይ’ኳ እንተ ወሲድና፡ ተጠሚቑ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ ንኣርብዓ መዓልቲ ጾይሙን ጸልዩን’ዩ። ደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ምምራጹ’ውን ምሉእ ለይቲ ኺጽልይ’ዩ ሓዲሩ። ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበረን ናይ መወዳእታ ጊዜያቱ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ (ኺጽልይ) ይሓድር ነበረ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ኣጨናቂት ሰዓት ምስ በጽሐ ድማ ‘ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ዀይኑ ነዛ ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፡ ግናኸ ፍቓድካ’ምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን’ ኢሉ ደጋጊሙ ምስ ጸለየ ኸኣ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ዝበጽሖ ምጽራርን ኣብ መስቀል ሙማትን ተዓጊሱ ብዓወት ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ (ሉቃ 4፡2 ፣ 6፡12 ፣ 11፡37 ፣ 22፡41-44 ፣ እብ 12፡2-3 ካ.ት)። ተወሳኺ ኣብነት ናይ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ወሲድና ድማ፡ ሞኣብያውያንን ዓሞናውያንን ኪወግእዎ ምስ መጹ ተጨኒቑ ፈርሀ። ግናኸ ኣቐዲሙ ገጽ እግዚኣብሄር ናይ ምድላይን ነብያት ኣምላኽ ናይ ምሕታትን ልምዲ ስለ ዝጸንሖ ቐልጢፉ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘላ ይሁዳ ኸኣ ጾም ኣወጀ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ካብ ጭንቀቱ ዜዕርፎ ቕቡል ጸሎት ጸለየ። እግዚኣብሄር ድማ ጭንቀቱ ርእዩን ጸሎቱ ሰሚዑን ካብ ደቂ ኣሳፍ ንዝዀነ ያሓዝኤል ንዝተባህለ ኣገልጋሊ መንፈሱ ልኢኹ፡ ‘እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ’ዩ’ምበር ናታትኩም ኣይኰነን’ሞ . . . ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን።’ ብምባል ንልቦም ዜዕርፍ መልእኽቲ ሃቦም። (2ዜና 20፡1-30 ኵላትና በብግልና ኸነንብቦ ሓደራ ንብል።) ስለዚ ረብሓ ካብ ዘይብሉ ምጭናቕ ወጺእና ነቲ ዜጨንቐና ዅነታት ብዓወት ምእንቲ ኽንሰግሮ ኸም ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ከም ኵሎም ቅዱሳንን ስሩዕ ናይ ጸሎት ህይወት ዘሎና ንኹን። ሓደ እዋን ብዙሓት ተጐዓዝቲ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ብብርቱዕ ማዕበል ክትናወጽ ጀመረት። እቶም ተጐዓዝቲ ድማ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ፍርሃትን ወደቑ። ሓደ ቘልዓ ግን ኣብ ሓደ ዅርናዕ ናይ’ታ መርከብ ተዛንዩ ጸወታኡ ይቕጽል ነበረ። ካብ’ቶም ሰባት ሓደ ኵነታቱ ርእዩ ‘ነዛ መርከብ’ኮ ማዕበል የናውጻ’ዩ ዘሎ፡ ኣይትፈርህን ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። እቲ ቘልዓ ቕንዕ ኢሉ ‘ነታ መርከብ መን ይመርሓ ኣሎ፧’ ኢሉ ሓተቶም። እቲ ሰብኣይ ዚፈልጥ ጸኒሑ ‘ኣቦኻ’ዩ’ በሎ። ‘ኣቦይ እንተ ደኣ ዀይኑስ ዚገብሮ ይፈልጥ’ዩ። ደሓን ብኣይ ኣይትሸገሩ’ ኢልዎም ጸወታኡ ቐጸለ። ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ ምስ እግዚእባሄር ናይ ወላድን ውሉድን ዝምድና እንተ ደኣ’ልዩና ኢና ጭንቀትና ንእኡ ብእምነትን ብጸሎትን ኣረኪብና ኽንዓርፍ እንኽእል።
ብቐዳምነት’ምበኣር ተጨኒቕና ኸነምጽኦ እንክእል እወታዊ ለውጢ ወይ ፍታሕ ከም ዘየልቦ ንገንዘብ። እኳ ደኣ ምጭናቕና ናብ ምጕርምራምን ክሕደትን ከም ዚመርሓና ፈሊጥና ኣብ ክንዲ ምጭናቕ፡ ኣብ’ቲ ዚሓልየልና ሰማያዊ ኣቦና ብእምነት ንጽናዕ። ነቲ ኼጨንቐና ዚኽእል ኵነታት ከኣ ‘ኦ ሰማያዊ ኣቦይ. . . ‘ ብምባል ኣሚንና ብጸሎት ኣቕሪብና ሃዲእና ንኣምላኽ ንጸበዮ።
“እቲ ንወዱ’ኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ’ምበር ዘይነሓፎ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ኵሉ ዘይህበና።” ሮሜ 8፡32 ካ.ት።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
1 መስከረም 2024 | ነሓሰ 26, 2016 ግዕዝ (መበል 51 ሰንበት: ቊ.፶፩/51) |
||
ምስባክ መዝ.፻፵፬(፻፵፭)፡ ፲፭,፲፮ "ዐይነ ኵሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። አንተ ትሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ። ትሰፍሕ የማነከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበሥርዓትከ።" ዓዲ፡ መዝ.፻፵፮(፻፵፯)፡፱-፲ "ዘይሁቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ። ወለዕጕለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። ኢይፈቅድ ኃይለ ፈረስ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 8፡1-15 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 22፡6-22 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 12፡13-26 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘኤጲፋንዮስ | መዝሙር፦ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ