“ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ድሮ ትፈልጥዎ ኢኹም፡ እምበኣር፡ ብስሕተት ናይ’ቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብ’ቲ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን (ፍልጠትን) ግና ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ፡ ኣሜን።” 2ጴጥ 3፡17,18 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መወዳእታ መበል 52 ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዓመተ ግእዝ (2016)’ዩ። ነቲ ብኸኣልነቱን ብሕያውነቱን ጸዊሩ ኽሳዕ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ዘብጽሓና ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። ይትረፍ ዓመት ምሉእ፡ ንሓንቲ መዓልቲ ብህይወት ምጽናሕ በጋጣሚ ብዕድል ባዕሉ ዝዀነልና’ምበር፡ ብኣምላኽ ከም ዝተገብረልና ውሬታ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና። እዚ ድኹም ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ብዛዕባ ህላወና ብምልኣት ኣብ ኣምላኽ ከይንውከል፡ ብዛዕባ’ቲ ንህላወና ኺብል ዚገብረልና ዅሉ ግብሪ ሕያውነት ድማ ኸይነመስግን ከቢድ ዕንቕፋትና’ዩ። ሰባት ብዝደቀስዎ ኸይተንስኡ፡ ብዝወፈርዎ ከይተመልሱ ኣብ ዚጠፍኡላ ዓለም፡ ብዛዕባ ህላወና ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዜድልየና፡ ነጋሪ’ኳ ኣይመድለየናን። ይትረፍ’ቲ ኻብ ኣምላኽን ካብ ቤተ ክርስትያንን ዝረሓቐ ዓለማዊ ሰብ፡ ዋላ’ቶም ቀረባ ኣምላኽን ቀረባ ቤተ ክርስትያንን ከም ዘለና እንእመን ሰባት’ኳ ንህላወና ብዚምልከት ኣብ’ቲ ልኡላዊ ስልጣንን ከኣልነትን ናይ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ እምብዛ ድሩትን ዘይምስገንን’ዩ። በብዓይነቱ ሕማማት ንሰብነትና ሃሰስ ኪብሎ ከሎ ጀመረን፡ ህይወት ዜጥፍእ ተፈጥራውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ኪኽሰትን ከሎ’ዩ፡ ስልጣኑን ከኣልነቱንን ብመጠኑ ትዝ ዚብለና። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ነቶም መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም ህዝበ ክርስትያን፦
“ንስኻትኩም፡ ኣቱም፡ “ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ’ታ ኸተማ’ቲኣ ኽንከይድ ኢና፡ እናነገድና ምእንቲ ኽንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና”፡ እትብሉ ስምዑ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን’ኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ’ያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደሓር ዚበንን ሃፋ ኢኹም። “ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፡ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ከም’ዚ ወይ ከም’ቲ ኽንገብር ኢና” ክትብሉ’ዩ ዚግብኣኩም፡ ነይሩ። ሕጂ ግና ትጀሃሩን ትምክሕሩን ኣለኹም። ኵሉ ኸም’ዚ ዝበለ ትምክሕቲ ኸኣ ኽፉእ’ዩ” ያእ 4;13-16 ብምባል፡ ነዚ ንሕና ዅሉ ጊዜ እነዘውትሮ ድኻም ነቒፍዎን ኣሪምዎን ኣሎ (ያእ 4፡13-17)። ብዛዕባ ህይወትናን መደባትናን ኣብ ኣምላኽ ዘይምካልና፡ ትምክሕታዊ ሓጢኣት ካብ ኰነ፡ ብዙሕ ኽንጥንቀቐሉ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ’ውን ክንንስሓሉ ዚግባእ’ዩ። ሰብ ሓጺር ዕድመን ብሞት ሓለፍትን ሰባት ምዃንና ኽንዝንግዖ ዚገብረና፡ ንሞት ዜስግእ ናይ ጥዕና ጸገም ዘይብልና ምዃንናን ህይወት ኬጥፍእ ዚኽእል ሓደጋታት ኣብ ከባቢና ዘይምህላዉን’ዩ። እዚ ኸኣ ህላወና ኣብ ዅነታትናን ሃለዋትናን’ዩ ዚምርኰስ” ዚብል እምነት ከም ዘሎና ዜርእይ’ዩ። ነቲ ንዅነታትና ዜካውን ኣምላኽ ግና ፈቲና ንርስዖ። እቶም ብምሉእ ልቦም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ናይ ኣምላኽ ሰባት ግና፡ ሓለፍቲ ሰባት ምዃኖም ከይርስዑ፡ ብዛዕባ ህላወኦም ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኪውከሉ’ዮም ዚመርጹን ዚጋደሉን። ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ድማ ሓደ ኻብኣቶም’ዩ።
“ኦ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ኣፍልጠኒ፡ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። እንሆ ንመዓልታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ኣሕጸርካየን፡ ዕድመይ ኣብ ቅድሜካስ ከም ምናምን’ዩ፡ ብሓቂ ህይወት ወዲ ሰብ፡ ሽው ኢሉ ኸም ዚሓልፍ ንፋስ’ዩ። እወ፡ ህይወት ወዲ ሰብ፡ ብሓቂ ኸም ጽላሎት’ዩ ንኸንቱ ይደክም፡ ሃብቲ ይድልብ፡ ንመን ምዃኑ’ውን ኣይፈልጥን’ዩ።” መዝ 39፡4-6 ካ.ት
ስለ’ዚ ከም ክርስትያን ህዝቢ መጠን፡ ብዛዕባ ሕሉፍን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዓመታትናን፡ ከም’ዚ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኪህልወና’ዩ ዚግባእ። ኣብ ኣተሓሳስባና ኣብ ዝርርባትና ዀነ ኣብ ኵሉ መደባትናን ንጥፈታትናን ንስልጣንን ሕያውነትን ናይ ኣምላኽ ክንእመኖን ከነኽብሮን ይግብኣና። ብፍላይ’ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ምጽኣት ጐይታና ናብ ኣፍ ደገ ዝቐረበሉ፡ ዓለምና ብዚጠቕምን ዘይጠቕምን ጕዳያት እትቕለወሉ ዘላ ኽፉእ ዘመን ምዃኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምስትውዓልን ብዕቱብነትን ክንሓስብ ይግብኣና። እግዚኣብሄር ርሑስን ዝተባረኸን ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።
እዚ ዕለት’ዚ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ “ከመ እንተ መብረቅ” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሉቃ 17፡20-37 ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስፍሓት ዚገልጽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትና ድማ ካብ’ቲ ናይ 2ጴጥ 3፡10-18 ዝተወስደ ዀይኑ፡ ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ፍልጠትን ብማዕረ ኽንዓብይ ከም ዚግብኣና ዜስተምህር’ዩ።
ሃዋርያ ቕዱስ ጴጥሮስ እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፡ ብፍሉይ ብጸጋን ብፍልጠትን ክንዓብይ ዝተደለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ምልስ ኢልና ነዛ ካልአይቲ መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምልእታ እንተ ኣንበብናያ፡ ሓይሊ መልእኽታ ኣብ ስሑት እምነት ዘድሃበ ዀይኑ ኢና ‘ንረኽቦ። ብዙሓት እናሓባበሉ የስሕቱ ነበሩ። መለለዪኦም ድማ ስስዐ፡ ዝሙት፡ ትዕቢት፡ ጸርፊ ላግጺ ነበረ። ናይ ስሕተት ሜላኦም ድማ ምሕባል፡ ምጥባር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠዋወኻ ዘይትርጕሙ ምሃብ ምፍልላይ’ዩ። ቀንዲ ዕላማኦም ገይሮም ዜተኵሩሎም ድማ እቶም ብፍልጠት ዘይዓበዩን ብእምነት ዘይጸንዑን ሓደስቲ ሰባት’ዮም። ውጽኢት ናይ’ቲ ተልእኾኦም ድማ ብዙሓት ሰባት ንድሕሪት ኪምለሱ ምግባሮም’ዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ዝጽሓፈሉ ዕላማ፡ ነቶም ናይ ሓሶት ነብያትን መምህራንን ምቅላዕን ዕላማኦም ምግላጽን፡ ነቶም ኣገልገልትን ምእመናንን ድማ ብኸመይ ከም ዚጥንቀቑን ርእሶም ከም ዜድሕኑን ምስትምሃር’ዩ። እታ ዝበለጸት ንርእሶም ኬድሕኑላ ዚኽእሉ መንፈሳዊ ጥበብ ድማ እናወሰኽካ፡ እናማዕበልካ፡ እናዓበኻ ምኻድ’ዩ (2ጴጥ 1፡5-11)። ነቲ መልእኽቱ ብወስኹ ጀሚሩ ብዕበዩ’ዩ ዛዚምዎ።
ካብ ስሕተት ኺድሕኑሉ ዚኽእሉ ኽልተ ዕብየታት ድማ ናይ ጸጋን ናይ ፍልጠትን ዕብየት ምስ ዚኸውን’ዩ። ናይ ፍልጠት ዕብየት እንተ ዘየልቦ፡ እቲ ዚፈታተነካ ዘሎ ትምህርቲ፡ ናይ ሰይጣን ሓሶት ድዩ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኽትፈልዮ ኣይከኣልን’ዩ። ዘይምፍላጥን ድንቍርናን፡ ናይ ጥፍኣትን ስሕተትን ገፊሕ ጐደና’ዩ። እዚ መሪሕ ጥቕስና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍልጠት ኽንዓብይ’ዩ ዚድርኸናን ዜተባብዓናን። እንተ ዀነ ድሕነት ኣብ ዓቕሚ ሰብ ጥራሕ ኣይምርኰስን’ዩ። ሰብ ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ ባዕሉ ንርእሱ ኼድሕን ኣይክእልን’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ፡ ነዚ ድኹም ፍጥረት፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኡ’ዩ ዚድግፎ። እቲ ፍልጠት ንርእሱ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት ክትጥቀመሉ ኣብኡ ኽትጸንዕ፡ ነቲ መፈንጠራ ናይ ስሑት ትምህርቲ ኸተስተውዕሎን ክትቃወሞን ዜኽእለካ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ኣዕዚዙ ዚህበካ ጸጋኡ’ዩ። ባዶ ፍልጠት ብትዕቢት ነፊሑ ይቐትል’ምበር፡ ህይወት ኣይህብን’ዩ። ብጸጋ ዝተሰነየ ፍልጠት ግን ህይወትን ሓይልን ምስትውዓልን ስለ ዚኸውን፡ ብኸሉ መኣዝን ህይወት ዓወት ዜጐናጽፍ’ዩ። ባዶ ፍልጠት ፈሪሳዊ ኺገብረካ ኸሎ፡ ብጸጋ ዝተመልአ ፍልጠት ግን ሃዋርያዊ’ዩ ዚገብር። ፍልጠት ዘይብሉ ጸጋ ድማ፡ ልክዕ ከም ካራ ዘይብሉ ልዓት፡ ወይ’ውን ንፋስ ዘይብሉ ሓኽሊ’ዩ። በታ ናይ ፋስ ሓጺን ጥራሕ ገረብ ኪቘርጽ ዚኽእል ሰብ የለን። ብዘይ’ታ ፋስ ብሓኽሊ ጥራሕ ኪቘርጽ ዚኽእል’ውን የልቦን። ንኽልቲአን ኣጋጢምካ ብጥበብ እንተ ተጠቒምካለን ግን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ጸኒዑ ንዝቘመ ገረብ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ራዕ ኣቢልካ ኸተውድቖ ቀሊል’ዩ ዚኸውን። ዝምድና ጸጋን ፍልጠትን ድማ ልክዕ ከምኡ’ዩ።
እዚ ንሕና ‘ንዛረበሉ ዘለና ናይ መወዳእታ ዘመን ድማ፡ ብስሑት ትምህርትን እምነትን ዘዕለቕለቐ ክፉእ ዘመን’ዩ። ምስ’ቲ ኻልእ ትእምርትታት ናይ ምጽኣት ጐይታ ተደራሪቡ፡ ኣዝዩ ልዑል ንቕሓትን ጥንቃቐን ኣብ ዚጠልበና ዘመን ኢና ዘለና። ብዘይ ጸጋን ብዘይ ፍልጠትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ክንሰግሮ ስለ ዘይንኽእል፡ ንኣና’ውን እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ዜገድሰና ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ መኣዲ ወንጌል’ዚ ሰሪዓትልና እንሀት። ስለ’ዚ ብተገዳስነትን ብተመስጦን ተኸታቲልና ኣብ ተግባር ንምውዓል ኽንተግህ ይግበኣና።
ብዛዕባ መን ወይ ብዛዕባ እንታይ’ዩ ብፍልጠት ክንዓብይ ዚድለይ ዘሎ፧ ንምንታይ’ዩ ኽንፈልጦ ዚድለየና፧ ነቲ ፍልጠት’ቲኸ ብኸመይ ኢና ንረኽቦ፧ ርእሰ- ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍልጠት ክንዓብይ ብንጹርን ዘየማትእን መገዲ ተነጊሩና እንሆ። ምኽንያቱ ኵሉ’ቲ ዚንገር ሓሶት ኰነ ሓቂ ብዛዕባኡ’ዩ ዚዝረብ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ወይ ካብ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዝዓበየ ወይ ዝበለጸ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ብምኽንያት’ቲ ኻባና ዝለበሶ ስጋ፡ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ መላእኽትን ካብ ሰባትን’ውን ዝነኣስ፡ ኣምላኽነቱ’ውን ዝተመንዘዐ ኽሳዕ ዚመስል እምብዛ ርእሱ ዘትሓተ ጐይታ’ዩ (እብ 2:8,9 ፣ ፊል 2፡6-8 ፣ ኢሳ 53፡2-4)። ግን ብኣካለ-ስጋ ተገሊጹ ኣብ ማእከልና ስለ ዝነበረ፡ ቅዱሳን ነብያት ብዛዕባኡ ብዙሕ ስለ ዝጸሓፉ፡ ታሪኽ ህይወቱ’ውን ኣብ ወንጌላት ብዝርዝር ስለ ዝሰፈረ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኣስፊሖም ኣዕሚቖምን ስለ ዝገለጹ፡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ንኽእል ኣካል ቅድስቲ ስላሴ፡ እግዚኣብሄር ወለድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ብዓብዩ ኸኣ ንእኡ ምፍላጥ ንባዕሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃኑ ተነጊሩና’ሎ።
“…..ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ (ዅሉ ሰብ) ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ’ሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ’ያ፡” ዮሃ 17፡1-3
ንኢየሱስ ብምልኣት ከይፈለጠ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ዚኽእል ዘየለ ኻብ ኰነ፡ ንሕና’ውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርከብ ዜገድሰናን ዜድልየናን ካብ ኰነ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት ክንፈልጦ ናይ ግድን’ዩ ዚኸውን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትካ ምሉእ ምልክን ስልጣንን ዘለዎ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምሃብን ናይ ምኽላእን ስልጣን ዘለዎ ጐይታ ኽትፈልጥ ዘይተገደስካ ደኣ፡ ብዛዕባ እንታይ ካልእ ፍልጠት ክትግደስ ይግባእ።
እቲ ንእኡ ምፍላጥ ድማ ናይ ካልእ ኵሉ ፍልጠት ምንጭን መእቶን (Access) ምዃኑ’ውን፡ ነቲ ብዛዕባኡ ናይ ምፍላጥ ኣገዳስነት ዕዙዝ ይገብሮ። ብዛዕባ ኢየሱስ ምሉእ ፍልጠት ምስ ዚህልወና’ዩ ንቅድስት ስላሴ ብምልኣት ክንፈልጥ ንኽእል። ምኽንያቱ ዅሉ መዝገብ ፍልጠትን ጥበብን ኣብ ክርስቶስ’ዩ ተሰዊሩ ዘሎ (ቈሎ 2፡3)። ንእግዚኣብሄር ኣቦ ዚፈልጦን ዜግህዶን ኢየሱስ’ዩ (ዮሃ 1፡18 ል 7፡28,29 ፣ 8፡55)። ጐይታና ባዕሉ’ውን፦
“መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይ’ውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።”
“ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፡ በልዎ። ኢየሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይ’ውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡” ዮሃ 8፡19 ኢሉና’ዩ (ዮሃ 14፡6,7 ፣ 8፡19)። ሃዋርያ ፊልጶስ፡ “ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና’ሞ ይኣኽለና” ምስ በሎ ድማ፡ “ፊልጶስ፡ ነዚ ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኻትኩም ክነብር ከለኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፧ እቲ ንኣይ ዝረኣየ፡ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ “ነቦ ኣርእየና” ትብል ኣለኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ፡ ኣቦ’ውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧” ኢሉ መለሰሉ (ዮሃ 14፡8-10)። ስለ’ዚ ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ፍልጠት መእተዊ መፍትሕ፡ እታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ’ዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ ዅላትና ንኢየሱስ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ዚደልየሉ ምኽንያት፡ ንኢየሱስ ብምፍላጥ ጥራሕ ንእኡ ስለ ‘ንፈልጦ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና፦
“ዎ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ (ነዚ ምስጢር’ዚ) ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንህጻናት ግን ስለ ዝገለጽካዮ፡ አመስግነካ ኣለኹ። ……. (ንወልድ) ብዘይካ ኣቦ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ ብዘይካ ወድን እቲ ወልድ ኺገልጸሉ ዚፈትውን (እንተ ዘይኰይኑ) ዚፈልጦ የልቦን።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 11፡25-27 ካ.ት)።
ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ ከኣ ብዓብዩ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብ’ቶም ብዛዕባኡ ዜስተምህሩ መምህራንን ጸሓፍትን ኢና ንረኽቦ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ናይ ብሉይ ኪዳን ጽሑፋት እናጠቐሱ ዚምህሩ ዝነበሩ። ነቶም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኺኣምኑ ዝተሸገሩን ዝደንጐዩን ደቀ መዛሙርቱ ንኼረድኦም፡ ካብ መጻሕፍቲ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ኣትሒዙ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተጻሕፈ ዅሉ ኺትርጉመሎም ጀመረ፡ ንኼስተውዕልዎ ድማ ኣእምሮኦም ከፈተሎም (ሉቃ 24፡24,45)። ንፈሪሳውያን ድማ፡ “መጻሕፍቲ ዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩምን ኣይኰንኩምን ትስሕቱ ዘለኹም፡” ይብሎም ነበረ። (ማር 12፡24)። ስለ’ዚ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ፍልጠት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምዕባይና ዘለዎም ተራ ዕዙዝ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና’ውን ነዚ ትዕድልቲ’ዚ ኣዚና ኽንጥቀመሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና’ዩ (2ጢሞ 2፡14,15 ፣ ግብ 17፡2,3 ፣ 18፡24,25 ፣ 28፡23)። ግላዊ ቓላት ንበይኑ ግን ኣኻሊ ኣይኰነን። እቲ ኻልኣይ ምንጪ ናይ ፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዓብዩ’ዩ። ነቲ ኣእምሮ ሰብ ብቐሊሉ ኺበጽሖን ኪርድኦን ዘይክእል ምስጢራት ዓይነ ልቦናና እናኸፈተ ዜብርሃልና መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ጐይታና’ውን፦ “መንፈስ ቅዱስ ንዅሉ ኺምህረኩም፡ ነቲ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ዘዘክረኩም’ዩ፡ …. ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ’ውን ኪመርሓኩም’ዩ ……. ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን’ዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 14፡26 ል 16፡13,14)። ቅዱሳት ሃዋርያት’ውን ብዛዕባ’ቲ ዝተገልጸሎም ናይ መዓሙቝ ኣምላኽ ምስጢራት፡ “ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና” ብምባል ተኣሚኖም’ዮም (1ቈረ 2፡9-16)። ቅዱስቲ ቤተ ክርስትያን ብምስጢረ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ ኪመልኣናን ኣባና ኺሓድርን እትገብረሉ ምኽንያት ሓደ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ፍልጠት ክርስቶስ ጸጋ ምእንቲ ኽንረኽቦ’ዩ።
ብናይ መን ጸጋ ኽንዓብይ’ዩ ዚድለይ ዘሎ፧ ጸጋ ዘለዎ ጐይታን መድሓኒናን ኢየሱስ ጥራሕ ድዩ፧ ልክዕ ከም’ቲ ፍልጠት እቲ ኽንዓብየሉ ተኣዚዝና ዘሎና ጸጋ’ውን፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ጸጋ’ዩ። ጸጋ ድማ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ምሉእ’ምበር፡ ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ጥራሕ ኣይኰነን። ኵሉ ምልኣት ጸጋ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪወሃብ ናይ ቅድስት ስላሴ ፍቓድን ምኽርን ስለ ዝዀነ ግን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጸጋ ዳርጋ ኸሉ ጊዜ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተተሓሒዙ’ዩ ዚጥቀስ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ’ዚ፦
“እቲ ቃል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ፡ ….. ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምበኣርከ፡ ንሕና ዅላትና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡14,16,17)። ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንዅላትና ጸጋ ኸም ዝተዋህበና፡ ጸጋ ብክርስቶስ ጐይታና ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወሓዘን ከም ዝዓዘዘን ቅዱሳን ሃዋርያት ጸጋጊሞም ገሊጾምልና’ዮም (ኤፌ 4፡7 ፣ 1፡8-10 ፣ 1ጢሞ 1፡14)። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ ሰላምታኦም ኰነ ኣብ ትምህርቶም “ጸጋ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ” ዚብል ቃል የዘውትሩ ነበሩ (2ቈረ 8፡9 ፣ 13፡14 ፣ ሮሜ 16፡20)። ጸጋ ናይ ኵላቶም ኣካላት ቅድስት ስላሴ ስለ ዝዀነ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ”፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ውን፡ “መንፈስ ጸጋ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ (1ጴጥ 5፡10 ፣ እብ 10፡29)።
ንምዃኑ ጸጋ እንታይ ማለት’ዩ፧ ብኸመይ ኢና ንጸጋ እንረኽቦ፧ ብኸመይ ኢናኸ ክንዓብየሉ ‘ንኽእል፧ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዜረጋግጸልና፡ “ጸጋ” ዚበሃል ፍሉይ መንፈሳዊ ኣቕሓ ወይ ንብረት የለን። እቲ ዘይግብኣና ኽነሱ ካብ ኣምላኽ ብኸምኡ (ብነጻ) እንቕበሎ ዅሉ ነገር “ጸጋ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዋላ’ቲ ባዕላትና ሰሪሕና ካዕበት ርሂጽና ጨቐቕ ኢልና ዘምጽእናዮ ዚመስለና ምግብና ኽዳንና ዀነ ካልእ ኵሉ ትሕዝቶና’ውን ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ብጸጋኻ ይጸግቡ ኣለዉ” ዝተባህለ (መዝ 104፡27,28) ናይ ኣርእስትና መልእኽቲ መንፈሳዊ ስለ ዝዀነ ግና፡ ሕጂ ብዛዕባ’ቲ መንፈሳዊ ጸጋታት ኢና ‘ንዛረብ ዘለና።
ኣርእስቲ ልዕል ኢልና ኽንዛረበሉ ዝጸንሓና ፍልጠት’ውን፡ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ይትረፍ ብዛዕባ መንፈሳውን መለኮታውን ጕዳያት፡ ብዛዕባ ምድራውን ስጋውን ጕዳያት ዘሎና ፍልጠት’ውን፡ ብኣምላኽን ካብ ኣምላኽን ኢና ‘ንረኽቦ’ምበር፡ ባዕላትና ‘ንረኽቦ ወይ ካባና ኣይኰነን። ስለ’ዚ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ፍልጠት እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ይውሕዘልና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕሎ ይግብኣና። ነቲ ብተኣዝዞ ፍቕሩ ዚገልጽ ክርስትያን፡ “ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ” ብምባል እንታይ ጻማ ኸም ዚህቦ ዝገለጾ ቓል ኣይንረስዕ (ዮሃ 14፡21-23)። ንክርስቶስ ምፍላጥ፡ እቲ ዝዓበየ ጸጋ’ዩ። ብዘይካ’ቲ ናይ ፍልጠት ጸጋ፡ እቲ ንፍልጠትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ፡ ክንእዘዞ፡ ከነገልግለሉ ምኽኣልና፡ እቲ ንድኻምና እንረኽቦ ረድኤት፡ ንበደልና እንረኽቦ ሕድገት፡ ንመከራና እነርእዮ ትዕግስቲ፡ ኣብ ሕብረት እነርእዮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ሰላም ወዘተ ኵሉ ጸጋ ኣምላኽ’ዩ። ጸጋ ኣምላኽ እናበዝሓልና ብእኡ እናዓበናን ክንከይድ ከለና፡ ኣብ’ቲ ብውልቂ ዀነ ብሕብረት እንነብሮ ናብራ’ዩ ዚግለጽ። ዕዝዝትን ግህድትን ናይ ጸጋ ግብራዊ’ምበር፡ ሓደ ክልተ እናበልካ ዚጽብጸብ ንብረታዊ ኣይኰነን። ንህላወ ጸጋ ዜላልዩ፡ እቲ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝበርሀ ሰብ ጥራሕ’ዪ። መንፈሳዊ ሓይልና ኣብ ጾምን ጸሎትን ኣብ ካልእ ኵሉ መንፈሳዊኢ ስነ ምግባርን፡ ኣብ ዕቱብ ንባብን ኣስተንትኖን ናይ ቃል እግዚኣብሄር ኪዘዝው ከሎ፡ ብጸጋ ናይ ምዕባይና ምልክታት’ዮም። ብፍረ መንፈስ እናሃብተምና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን መንፈሳዊ ፍረና እናበዝሐ ኪኸይድ ከሎ ብጸጋ ኣምላኽ እናዓበና ንኸይድ ከም ዘለና ግሁድ መርኣያ’ዩ። ናይ ጸጋ ዕብየት ኵለንትናዊ’ምበር፡ ከፊላዊ ኣይኰነን። “እዝን እትን” ኢልካ ዚጽብጸብ እንተ ዘይህልው’ኳ፡ ናይ ጸጋ ዕብየት ኪስወር ዘይክእል ግሁድ’ዩ። ቅዱስ በርናባስ፡ በታ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስትያን ተላኢኹ ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ምስ ከደ፡ “ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ” ተባሂሉ ኣሎ (ግብ 11፡13,14)። እቲ ምሁርን ሓያል መምህርን ዝነበረ ሊቅ ኣጵሎስ ድማ፡ ብዘይካ’ቲ ዜቕስሞም ዝነበረ ዓሚቝ ፍልጠት፡ “ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም” ተባሂሉ ተመስኪሩሉ ኣሎ (ግብ 18፡24-28)። ጸጋ ዝተፈልዩ ፍልጠት፡ ህይወት ዘይብሉ ደረቅን ግኡዝን’ዩ። ጸጋ ዝለበሰ፡ ብጸጋ ዝተሰነየ ፍልጠት ግን፡ ህያውን ፈራይን ፍልጠት’ዩ ዚኸውን። ሰበኽቲ ወንጌል ክንፈርሃ እትግባእ፡ ፍረ ዘይብሎም መኻናት እትገብረና መንፈሳዊት ስንክልና፡ ጸጋ ዘይብሉ ዕሩቕ ፍልጠት ነገልግል ከይንህልው’ዩ።
እቲ ጸጋ ካበይ ከም ዚርከብ ግን ክንፈልጦ ይግብኣና። ምሉእ ብምሉእ ናይ እግዚኣብሄር ህያብ’ዩ። ባዕላትና ኸነምጽኦ ወይ ክንምስርሖ ወይ’ውን ክንትምይኖ ኣይከኣልን’ዩ። እግዚኣብሄር ነቶም ብፍርሃቱ ዚመላለሱ፡ ንእኡ ኬኽብሩ ዚደልዩን ዚጋደሉን፡ ብምሉእ ልቦም ኣብኡ ዚውከሉ ቅኑዓት ሰባት ከየስተሓፈረ ብልግሲ ጸጋኡ የውሕዘሎም። ብጸጋኡ ይሓጽሮምን ይኽልሎምን። ብደገፍ ጸጋኡ ዘይከኣል ከም ዚኽእሉ ይገብሮም። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝበለጸ ኣብነት’ዩ። (1ቈረ 15፡9,10 ፣ መዝ 5፡12 ፣ 32፡10 ፣ 84፡11 ፣ 52፡8)። ነቲ ድሮ ኸም ኵሉ ሰብ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንዝተዋህቦም ጸጋ ዘበኸኑ ግና፡ ነቲ ዘለዎም ደኣ የግድፎም’ምበር ኣይህቦምን’ዩ (2ቈረ 6፡1)። ምኽንያቱ ሕጊ መለኮት፡ “ንዘለዎ ይወሃቦ፡ ኣዝዩ ‘ውን ይውሰኾ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና ነታ ዘላቶ’ኳ የግድፍዎ።” ኢሉ ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 13፡12 ፣ 25:29)። ንሳቶም’ኳ እንተ’ሕሰርዎን እንተ ነዓቕዎን፡ ኣምላኽ ግና ንዘይግብኦን ንዘይበቕዖን ሰብ ብምሃብ ነቲ ኽቡር ጸጋኡ ኣየዋርዶን’ዩ። ስለ’ዚ ብጸጋ ዝጸገቡን ዝዓበዩን ክንከውን እንተ ደሊና እቲ ምንጪ ብዘይ ደረት ክፉት’ዩ። ብቕኑዕን ንጹህን ሕልና፡ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ንኣምንን ንውከልን ሰባት ክንከውን ጥራሕ’ዩ ዜድልይ። “ብጸጋ ኽነብር ፡ ብጸጋ ኸገልግል፡ ጸጋኻ ኣውሕዘለይ ብጸጋኻ ኣጽግበንን ኣዕብየንን፡ በቲ ዝሃብካኒ ጸጋ እሙን ኰይነ ኣብ መዓላኡ ኸውዕሎ፡ ብመንፈስካ ደግፈንን ምርሓንን” እናበልና ብጥበራን ግብዝነትን ዘይተበከለ ንጹህ ጸሎት ነዘውትር። እቲ እሙን ኣምላኽ ድማ፡ ጸጋኡ ንኺህበና ኬጽበየና’ዩ ዚነብር (ኢሳ 30፡18)።
ኣብ’ዚ ዘለናዮ ኽፉእ ዘመን፡ በዚ ኽልቲኡ ሃብታት፡ ማለት ብጸጋን ፍልጠትን ናይ ምዕባይና ኣገዳስነት’ምበኣር፡ ኣዝዩ ጕሉሕ’ዩ። ገሌና ናይ ጸጋ ኣገዳስነት ከይተራእየና ይተርፍ’ሞ፡ ብፍልጠት ጥራሕ ሽል ዝበሎ ናይ ኣምላኽ መጐስ ዝተፈልዮም ድሁላት ሊቃውንቲ ዄንና ንነብር። ብመሰረት’ቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ኣብነት ፡ ነታ ኽትቍረጽ ዘለዋ ናይ ስሕተት ገረብ ንላላሕጻ’ምበር፡ ኣይነውድቓን። ገሌና ድማ ብጸጋ መሊእና ኸነብቅዕ፡ ብፍልጠት ግና ባዶ ንኸውን። ይትረፍ ነቲ ስሕተት ክንዋግኦን ክንስዕሮን፡ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ዘሎ’ውን ኣይንርድኦን። ንርእስና በቲ ዝተራቀቐ ስሕተት ተጠሊፍና፡ ካብ ጸጋ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ እናዓዘዘ ይኸይድ። እቶም ዘመኖም መጺኡሎም እምብዛ ተጊሆም ዘለዉ ናይ ስሕተት መናፍስቲ፡ ቀለልቲ ከም ዘይኰኑ፡ አረ ነቶም ናብ ደረጃ ሕርየት ዝበጽሑ ብቑዓት ሰባት’ውን ኬውድቑ ከም ዚኽእሉ ኸነስተውዕልን ነዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝ’ዚ ድማ ኣብ ግብሪ ኸነውዕልን ይግባእ። (ማቴ 24፡24)።
እምበኣር ናብ ድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ንሕሉፍን ህሉውን ህይወትና ብዕቱብ ንመርምር። በየናይ ጐዲልና በየናይከ መሊእና ኸም ዘለና ንገምግም። ነቲ ዝመልአ ንዓቅቦን ንወስኸሉን፡ ነቲ ዝጐደለ ድማ ብቕንዕና ንነስሓሉ’ሞ ናብ ምልኣት ገጽና ነዕብዮ። ነዛ ንነብራን ንሓልፋን ዘለና ኽፍእቲ ዘመን ከም ዚግባእ ነላልያን ንፍልጣን። ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ ጸጋን ዘይትስገር፡ ዘመን ጸልማትን ዘመን ጥፍኣትን’ያ። ፍቱን መድሃኒታ ከኣ ብጸጋን ብፍልጠትን ምዕባይ ካብ ኰነ፡ ንዕብየትናን ንድሕነትናን ንትጋህ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
8 መስከረም 2024 | ጳጒሜን 3, 2016 ግዕዝ (መበል 52 ሰንበት: ቊ.፶፪/52) |
||
ምስባክ መዝ.103(104)፡30-31 “ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።” “ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪ’ውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡1-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 17፡20-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ከመ እንተ መብረቅ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ