“እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 12 ሰንበት ናይ’ቲ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 9 ኽሳዕ መስከረም 15 ዘሎ ቕንያት “ፍሬ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዘመነ ፍረ’ዚ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብሓቂ ድማ እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ሃገርና እቲ ኣብ ክራማት ተዘሪኡ ዝበቘለ ዘራእቲ ፍሪኡ ዚስውተሉ ቕንያት’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዚዝመር መዝሙር ሰንበት “እኩት አንተ” ዘርእስቱ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዚህበና ፍረ ምድሪ ዚገልጽ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ምስ ባክን ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ድማ፡ ፍረ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። እቲ ምስባክ፡ ምድርና ፍርያት ምሃባ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረታዊ (ሰናይ) ተግባር ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ 2ጢሞ 2፡1-13 ንባብ ከኣ እቲ ብኸቢድ ጻዕሪ ኺዓይዪ ዝኸረመ ሓረስታይ፡ ካብ’ቲ ምድሪ ዝጸገወቶ ፍረ፡ ቅድሚ ዅሉ ግዲኡ ኺወስድ ዚግብኦ ንሱ ምዃኑ ፍትሓዊ ቓል ኣስፊሩልና ኣሎ። ቅዱስ ያእቆብ’ውን ኣብ’ቲ ናይ ያእ 5፡1-9 መልእኽቱ፡ ብዛዕባ’ቶም ብኣምላኽ ካብ ግራውቶም ብዙሕ ፍረ ዝረኸቡ፡ ግን ከኣ ነቶም ግራውቶም ዝዓጸዱ ዓየይቲ ውዕለቶም ምኽፋል ብምእባዮም፡ ብእኽልን ብዓመጻን ብማዕረ ዝሃብተሙ ሰባት ፍርዳዊ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ናይ ማቴ 12፡1-8 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ግራት ዝነበረ ዘራእቲ ዝተፈጸመን ንጐይታን ንፈሪሳውያንን ዘዘራረበን ተግባር ተጻሒፉልና ኣሎ። እቲ ቕንያት’ቲ ናይ ሃገር እስራኤል ዘመነ ፍርያት’ዩ ዝነበረ። ጐይታናን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ብዚሓልፍ መገዲ ይጐዓዙ ነበሩ። እታ መዓልቲ ድማ ሰንበት ናይ ኣይሁድ ነበረት። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ ካብ’ቲ ዜወናውን ሰዊት እናመሓዉ ኺበልዑ ኸለው፡ እቶም ምእንቲ ኪኸስዎም ዘይፍለይዎም ፈሪሳውያን ረኣይዎም። ንጐይታ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለው” ኢሎም ነቐፍዎ። ጐይታ ኸኣ በቲ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ኣሉ ኺብልዎን መልሲ ኺህቡሉን ዘይክእሉ ጽሑፋት ገይሩ ረትዕዕም (1ሳሙ 2፡3,4 ፣ ዘጸ 25፡30 ፣ ዘሁ 28፡9፣ ዮሃ 7፡22)። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ንሱ ኻብ ቤት መቕደስን ካብ ሰንበትን፡ ከም ዚዓብይ ኣግሃደሎም። መቕደስ ከም ዚኸውን ኣቐዲሙ ብቕዱሳን ነብያት ተነጊሩ’ዩ (ኢሳ 8፡3,14 ፣ ህዝ 11፡16)።
እቲ ሓቀኛ መቕደስን ንሱ’ምበር፡ እቲ ብኢድ ሰብ ዝተሃንጸ ህንጻ-መቕደስ ዘይምዃኑ ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ብወግዒ ገሊጹ’ዩ (ዮሃ 2፡18-22)። ብዓብዪ ናይ’ታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ቤት መቕደስ ንሱ ምዃኑ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፦
“እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም’ሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይረኣኹን።” ብምባል መስኪሩ ኣሎ (ራእ 21፡22)። ጐይታ ሰንበት “ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሰንበት ዝፈጠራን ዝሰርዓን ባዕሉ ስለ ዝዀነ’ዩ። ቅዱስ ወንጌል ንሰማይን ምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ፡ እቲ ቃለ-ኣብ ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና (ዮሃ 1፡1-3 ፣ ቈሎ 1፡16,17 ፣ እብ 1፡1-3)። ስለ’ዚ ንዅሉ ምስ ፈጠረ ዘዕረፈ፡ ሰንበት ዝገበረ ንሱ ባዕሉ’ዩ (ዘፍ 2፡2 ፣ እብ 4፡4)። ስለ ዝዀነ ኸኣ “ዕረፍተይ” ኢሉ ይጽውዓ ነበረ (መዝ 95፡11 ፣ እብ 3፡11 ፣ 4፡3,5)። ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን “ዕረፍቱ” ይብልዋ ነበሩ (እብ 3፡18 ፣ 4፡1,3,9,10)። ናይ’ታ ንሱ ኣብ ሰማይ ዘዕረፋ ዕረፍቲ ሰንበት ትእምርትን ጽላሎትን ኽትከውን ድማ ምድራዊት ሰንበት ስርዓልና። እቲ ሓቀኛ ነባርን ዕረፍትና ግና ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ሰንበት ክርስትያን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። . . . ኣርዑተይ ፈኵስ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ፡ ኣርዑተይ ጾሩ ኻባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ኢሉ ናብ ዕረፍቱ ናብ ሰንበቱ ዓደመና (ማቴ 11፡28-30)። እዛ ምድራዊት ሰንበት፡ ናይ’ታ ሰማያዊት ሰንበት ምልክትን ጽላሎትን’ያ። እዛ ምድራዊት ሰንበት፡ ናይ’ታ ኣብ ሰማይ ተዳልያትልና ዘላ ዕረፍቲ ሰንበት መዘከሪት’ያ። ናይ’ታ ኣብ ሰማይ ዘላ ዓባይ ሰንበትን ናይ’ታ ኣብ’ዛ ምድሪ ዘላ ትእምርታዊት ሰንበትን ጐይታ ድማ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ።
ዝምድና ምጽኣትን ሰንበትን እንታይ’ዩ፧ ክርስቶስ እንደገና ናብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኺመጽእ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ዕላማ ምጽኣት ክርስቶስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ንምፍራድ’ዩ (ማቴ 16፡27 ፣ 1ቈረ 4፡5 ፣ ራእ 20፡12)። ነቶም ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ናብራ ሰንበት ዝነበሩ፡ ማለት ሓጢኣት ካብ ምግባር ዝዓረፉ፡ ናብ’ታ ኣብ ሰማይ ተዳልያትሎም ዘለ ዘለኣለማዊት ሰንበት ኬእትዎምን ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኼጐናጽፎምን’ዩ። ነቶም ንኣምላኽ ኰነ ንገዛእ ነፍሶም ብሓጢኣት ዕረፍቲ ዚኸልኡ፡ ናብራ ሰንበት ዝተጸየፉ፡ ምርጫኦም ዘበላሽዉ ዓያሱ ድማ፡ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ዕረፍቲ ብዘይብሉ መሪር ስቓይ ኪፍደዮም’ዩ። ስለ’ዚ ምጽኣት ጐይታ ናብ’ታ ናይ ጐይታ ዕረፍቲ-ሰንበት ኼእትወና ዝተሰርዓልና መለኮታዊ ትዕድልቲ’ዩ። እዛ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ኻብ ስጋዊ ንጥፈታት እንዓርፈላ ሰንበት፡ ንሰብ ዝተሰርዓትሉ ምድራዊት ዕረፍቲ’ያ። ብዛዕባ’ቲ ብክርስቶስ ዝተሰርዓልና፡ ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ጽድቂ እናገበርና እንነብረሉ ነፍሳዊ ዕረፍቲ እተዘክረና ትእምርታዊት ዕለት’ያ። ካብ ስጋዊ ንጥፈታት ዓሪፉ፡ ካብ’ቲ ግብሪ ስጋ ዝተሰምየ ሓጢኣት ዘየዕረፈ ክርስትያን ግን፡ ነቲ ቐንዲ ቍምነገር ገዲፉ ነቲ ምልክት ጥራሕ ሒዙ ዝተረፈ ዓሻ ሰብ’ዩ ዚኸውን። ካብ’ታ ኣካላዊ ዕረፍቲ ጥራሕ ዜዕርፈላ ሰንበት ንላዕሊ ዚረኽቦ ረብሓ ድማ የብሉን። እቲ ኣብ’ዛ ምድራዊት ዘመኑ ንነፍሱ ካብ ሓጢኣት ዘዕረፉ ብቑዕ ክርስትያን ግን፡ ካብ ዕረፍቲ ሰብ ኣዝያ ዝበለጸት ዕረፍቲ ኣምላኽ ተዳልያትሉ ኣላ። ጐይታና ነቶም ዚእዘዝዎ ዘተስፈዋ ሰንበት፡ እዛ ኣብ ሰማይ ጥራሕ እትርከብ ናይ ኣምላኽ ሰንበት’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ዛ ሰንበት’ዚኣ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኢሉና’ሎ።
“እምበኣርሲ ናብ ዕረፍቱ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚህልወና፡ ምናልባት ሓደ ኻባኻትኩም (ናብ’ዛ ዕረፍቲ’ዚኣ ኻብ ምእታው) ድሕሪት ተሪፉ ኸይህልው ንፍራህ። . . . ንሕና (እዞም ብግብራዊት እምነት እንኣምንሲ) ናብ ዕረፍቱ ንኣትው ኢና። . . . እምበኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ (ዕረፍቲ ሰንበት) ተሪፋ ኣላ። . . . እምበኣር እቲ ናብ ዕረፍቱ (ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ) ዝኣተወ (ሰብሲ)፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ (ንሱ’ውን) ካብ ግብሩ (ድሮ) ዓሪፉ ኣሎ’ሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ (ዝዓበየት) ዕረፍቲ ሰንበት (ገና) ተነቢራትሎም ኣላ። ስለ’ዚ ሓደ’ኳ ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ (ተኸቲሉ) ኸይወድቕ፡ ናብ’ታ (ተነቢራትልና ዘላ ዕረፍቲ ናይ ኣምላኽ) ክንኣትው ንጋደል።”
እምበኣር፡ ካብ’ዚ ሃዋርያዊት መልእኽቲ’ዚ ሰለስተ ዓይነት ሰናብቲ ወይ ዕረፍቲ ኸም ዘሎ ኢና ‘ንርዳእ። ቀዳማይ፡ እቲ ኻብ ስጋዊ ንጥፈታት እነዕርፈሉ ዕረፍቲ ስጋ ወይ ከኣ ናይ ሰብ ሰንበት’ዩ። ካልኣይ ድማ። ሓደ ሰብ ንክርስቶስ ብምእማኑን ብምእዛዙን ዚረኽቦ ዕረፍቲ ነፍሲ’ዩ (ማቴ 11፡28-30)። እዚ ዕረፍቲ’ዚ ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ናይ ኣምላኽ ዕረፍቲ’ዩ (እብ 4፡10)። እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ብምጽኣት ጐይታ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን እንኣትዎ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ’ዩ። እታ ቐዳመይቲ ዕረፍቲ-ስጋ፡ ናይ’ታ ብክርስቶስ እንረኽባ ዕረፍቲ-ነፍሲ ጽላሎት ወይ ምልክት’ያ። እታ ኻልኣይታ ዕረፍቲ ነፍሲ ድማ፡ ናይ’ታ ብምጽኣቱ እንኣትዋ ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ጽላሎትን ምልክትን’ያ። ናብ’ታ ብምጽኣት እትገሃድ ናይ ኣምላኽ ዕረፍቲ ዚኣትዉ፡ እቶም ብክርስቶስ ናብ ዕረፍቲ ነፍሲ ኣትዮም ዝጸንሑ ጥራሕ’ዮም። እቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ከለው ንሰንበት ዚፈልጥዋን ዜኽብርዋን፡ እቶም ኣብ ዕረፍቲ-ነፍሲ ዘለው ጥራሕ’ዮም እቲ ናይ ዕረፍቲ-ኣምላኽ ተስፋ ዝተዋህበ፡ ንኣኣቶም ጥራሕ’ዩ። ብዝተረፈ ነቶም ናብራ ሰንበት ዚነብሩ፡ ካብ ግብሪ ሓጢኣት ዘዕረፉ ሰባት ዚጽበዮም ዘሎ ዕረፍቲ መግለጺ ዘይርከቦ ፍጹም ዕረፍቲ’ዩ።
“ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘለኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይ’ቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ’ዩ (ጐይታ ኢየሱስ ምስ’ቶም ሓያላት መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ ዚግለጸላ መዓልቲ)፡ ንኣኻትኩም ጸቢቡኩም ዘሎ ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘለዉ ድማ ጸበባ ኺፈድይ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ’ዩ’ሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም’ዩ።” 2ተሰ 1፡5-8።
“ካብ ሰማይ ከኣ፡ ‘ጽሓፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ (ዀይኖም) ዚሞቱ ምውታት ብጹእን’ዮም። ግብሮም ኪስዕቦም’ዩ’ሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዓርፉ’ዮም፧ ይብል መንፈስ (ቅዱስ)’ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።” ራእ 14፡13
“ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ’ዩ። እቲ ቐዳማይ (ምድራዊ ህይወት) ሓለፋ’ዩ’ሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን’ዩ፡ ድሕሪ ደጊም’ውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን’ዩ’፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” ራእ 21፡4።
ንምጽኣት ጐይታ ኽንናፍቖ ዚገብረና ድማ እዚ ኽቡርን ዘለኣለማውን ዕረፍቲ’ዩ። ምጽኣቱ ግና ነቶም ደቂ ኣምላኽ ዕረፍቲ ኺህብ ጥራሕ ኣይኰነን ዚመጽእ። ነቶም ንኣምላኽ ንዒቖም ብግብሮም ውሉድ ሰይጣን ኪዀኑ ዝፈተዉ’ ንነፍሰ ስጋኦም ካብ ሓጢኣት ኬዕርፍዋ ዘይመረጹ ድማ ዕረፍቲ ኪኸልእ’ዩ ዚመጽእ።
“ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት’ዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱ’ውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡ ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ። ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።” ራእ 14፡9-11።
“ድሕሪ’ዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለው (ሓጥኣን) ‘ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ’ቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኺዱ) ይብሎም። . . . እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ’ዮም።” ማቴ 25፡41,46።
“ክልተ ኣእዳው፡ ክልተ ኣእጋር፡ ክልተ ኣዒንቲ ኣልዩካ፡ ናብ’ቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኡ ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉ’ውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ’ትድርበስ፡ (ቈራጽ ወይ ነቋር ኴንካ) ናብ (ዘለኣለማዊ) ህይወት ምእታው ይሕሸካ።” ማር 9፡43-48።
“እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስ‘ውን ናብ’ቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ሓሳዊ ነብይን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። (ኣብኡ) ንዘለኣለመ ኣለም ለይትን መዓልትን (ብዘይ ዕረፍቲ) ኺሳቐዩ’ዮም። . . . እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለው ሓሰውትን (ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ኣኽላባትን ዝዀኑ ዅሎም ግና ግዲኦም ኣብ’ቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ’ዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት’ዩ።” ራእ 20፡10 ፣ 21፡8 ፣ 22፡15።
ናይ ጐይታና ምጽኣት ቀረባ ምዃኑ ምፍላጥና እንታይ’ዩ ረብሓኡ፧ ኣብ ዓይነት ናይ ምድራዊት ህይወትና ዀነ ኣብ ዓይነት ናይ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዚህልዎ ጽልዋን ዜምጽኦ ለውጥን እንታይ’ዩ፧ ብዛዕባ ምጽኣቱ ዘሎና ፍልጠትን ግብራዊ ስጕምትን ኣብ ህይወትና መጻኢናን ዓብይ ጽልዋ ኸም ዘለዎ፡ ሰፊሕ ትንተና ዘይሓትት ግሁድ ሓቂ’ዩ። “መዓልቲ ፍርዲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ዜሓጉስ ዓስቢ ወይ’ውን ዜሰክሕ ፍዳ ክቕበል’የ” ኢሉ ዚኣምን ሰብ፡ ምስ’ቲ ብኸምኡ ዘይኣምን ሰብ ሓደ ዓይነት ህይወት ኪህልዎም ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። እቲ መዓልቲ ምጽኣትን ፍርድን ከም ዘሎ ዘይኣምን ሰብ፡ ብሓጢኣት ዝጋዕዘየ መንፈሳዊ ስድነት ዝመለለዪኡ ዓለማዊ ቕዲ ህይወት’ዩ ዚህልዎ። ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት ኪገብር ስኽፍ ዘይብሎ፡ ልጓም ዘይብሉ ናይ ዕብዳንን ዝርጋንን ታሪኽ’ዩ ዚሃንጽ( ኤፌ 4፡17-19 ፣ 5፡11,12 ፣ ቲቶ 3፡3 ፣ 1ጴጥ 4፡3,4 ፣ ሮሜ 1፡22-32 ፣ 6፡20 ፣ 1ቈረ 6፡9-11 ፣ ገላ 5፡19-21 ፣ ኤፌ 2፡3 ብኣንጻሩ እቲ ንዅሉ ሰብ ሓንሳእ ሞት ብድሕሪኡ ኸኣ ፍርዲ ኸም ዝተሰርዓሉ ዚኣምን፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝነቝሐ ብልሂ ሰብ ግና፡ ዓይኑ እናረኣየ ብገዛእ ምርጫኡ ናብ ምድራዊ ዕብዳንን ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ኣይዘልልን’ዩ። እኳ ደኣ ብኸመይ ነዛ ሓጻር ዕድሚኡ ብጽድቅን ቅድስናን ሓልዩ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ዘመኑ ግን ኣብ ፍጹም ዕረፍትን ሓጐስን ምጽንናዕን ክብርን የሕልፎ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ይጐናጸፍ ጥራሕ’ዩ ዚሓስብ።
ምጽኣት ከም ዘሎ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣዝዩ ቐረባ ምዃኑ’ውን ምፍላጥን ምእማንን ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ለውጢ ስለ ዜምጽእ’ዩ፡ ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ኣፎም ኣብ ዝኸፈተሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት ንምጽኣት ደጋጊሞም ዚሰብክዎን ዚምህርዎን ዝነበሩ። ብፍላይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚበዝሕ መልእኽቱ ብዛዕባ ናቱ ምጽኣትን ኣባና ዚህልዎ ረብሓን ጕድኣትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይምህር ነበረ (ማቴ 24፡30 ፣ 26፡64 ፣ ሉቃ 21፡27)። ነቶም ሓቀኛታት ኣመንቱን ሰዓብቱን ዜተባብዓሉ ኣርእስቱ፡ ምጽኣት’ዩ (1ተሰ 4፡17)። ነቶም መገዶም ዘበላሸዉ ዓያሱ ናብ ንስሓ ኺድርኾም ዚጥቀመሉ ኣርእስቱ’ውን ምጽኣት’ዩ (ማቴ 25፡8 ፣ 2ጴጥ 3፡9)። ምጽኣት ክርስቶስ ዘይሓስብ ኣእምሮ፡ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ዚነብር ሕሱር ኣእምሮ’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣዝዩ ሕሱርን ዜፈንፍንን ህይወት’ዩ።
ብመሰረቱ ብዛዕባ ምጽኣት ዘይንሓስብ ምዃንና ጥራሕ ኣይኰነን ዜበላሽወና። ዋላ ምጽኣት ከም ዘሎ እናኣመንና’ውን፡ ገና ርሑቕ’ምበር፡ ቀረባ ምዃኑ ዘይምሕሳብ’ውን፡ ካብ’ቲ “ምጽኣትን ፍርድን የለን” ዚብል ክሕደት’ኳ ብዝኸፍአ’ዩ ዜበላሽወና። ምኽንያቱ ናይ ግብዝ እምነት ውጽኢት’ዩ። “ክርስትያን ኣይኰንኩን” ንዘይምባል፡ ምጽኣት ጐይታ ኸም ዘይተርፍ ብወግዒ ትእመን። ኣብ’ቲ ግብራዊ ናብራኻ ግን “ምጽኣት ዚበሃል የለን” ጥራይ ዘይኰነስ “ብቐንዱ’ውን ክርስቶስ ዚበሃል የለን” ዝመልእኽቱ ናብራ ትነብር። ጐይታና ባዕሉ “ምጽኣቱ ቐረባ ምዃኑ ደጋጊሙ እናመሃረ፡ ቅዱሳን ሃዋርያቱ’ውን፡ “ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ” እናበሉ ኸለዉ፡ ምጽኣቱ እምብዛ ርሑቕን ገናን ከም ዝዀነ ዄንካ ምንባር፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ጕልባቡ ዘይቀልዐ ስዉር ክሕደት፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ ግን ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ግሁድ ክሕደት’ዩ። እቲ ጐይታና ኣብ ማቴ 24፡45-51 መሲልዎ ዘሎ ናይ ክልተ መጋብያን ምስላ፡ “ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ” ኢልካ ምሕሳብን ዘይምሕሳብን ኣብ ህይወትና ዚህልዎ ግደ ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ። እቲ “ጐይታይ ቀልጢፉ ኺመጽእ’ዩ” ኢሉ ዝኣመነ ባርያ፡ ነቶም ስድራ ቤቱ ምግቦም በብጊዚኡ ብምሃቡ፡ “እሙን፡ ኣስተውዓሊ፡ ብጹእ” ዚብል መንፈሳዊ ማዕርጋት ኪቕበል ክሳዕ ዚበቅዕ፡ ፍጹም ሰብ ኰነ። እቲ “ጐይታይ ኪድንጕይ’ዩ፡ ምጽኣቱ ገና’ዩ ኢሉ ዝሓሰበ መጋቢ ግና፡ ነቶም ተመገብቱን መገላግልቱን ብሕሰም ኪወቕዖምን ኪገፍዖምን ይርከብ፡ ንርእሱ ኽሳዕ ስኽራን ይበልዕን ይሰትይን። ማዕርግ ህይወቱ ድማ፡ “ክፉእ ባርያ” ይኸውን። እዚ ኽፉእ መጋቢ’ዚ፡ “ጐይታይ ኪድንጕይ’ዩ” እምበር፡ “ጐይታይ ፈጺሙ ኣይመጽእን’ዩ” ዚብል እምነት ኣይነበሮን። እዛ ድኽምቲ ኣተሓሳስባ’ዚኣ ግን ንህይወቱ እምብዛ ኸተበላሽዎ እኽልትን ብቕዕትን ምኽንያት ኰነት። ስለ’ዚ እቲ “ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ” ዚብል ሃዋርያዊ ሓሳብ ኬአንግድን ብእኡ ኺምራሕን ዘይመረጸ ክርስትያን፡ ምድራዊ ህይወቱን ዘለኣለማዊ መጻኢኡን ኬበላሽው ዝተዓጥቀ፡ ንጥፍኣቱ ዝዓሸወ ሰብ’ዩ። ካብ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ዘይፍወስ ምብልሻው ምእንቲ ኼድሕኑና ኸኣ’ዩ፡ ጐይታና ገና ብሕጂ ኸም ዚብገስ ዘይኰነስ ድሮ ኣብ ኣፍ ደጌና ኸም ዝበጽሐ ኽንሓስብን በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንህይወትና ኸነማእዝንን ዝመዓዱና (ማቴ 24፡33 ፣ ማር 13፡29 ሉቃ 21፡31)። ኵላቶም’ቶም ናይ ምጽኣቱ ምልክታት ብዜርዕድ መጠን ይፍጸሙ ኣለዉ። ንገሌና ገና ናብ ምጽኣት ከይበጻሕና ኸለና ሞት ኪቕድመና’ዩ። ዋላ’ቲ ቕድሚ 2000 ዓመት ዝነበረ ሰብ’ውን፡ በታ ብዛዕባ ምጽኣት ዝነበረቶ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን’ዩ ዚፍረድ። እቲ “ምጽኣት ቀረባ’ዩ” ተባሂሉ እናተነግሮ፡ ምጽኣቱ ገና ምዃኑ ዚሓስብን ዚዛረብን፡ ምጽኣት ገና ርሑቕ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዚነብርን ሰብ፡ ነቲ ዘይሓልፍ ቃል ጐይታ ብቓል ኰነ ብግብሪ ይኽሕዶን ይጻረሮን ስለ ዘሎ፡ ኣብ መቓብር ይጽናሕ ልዕሊ ምድሪ፡ ብምጽኣት ኪጕዳእን ጉድ ኪኸውንን’ዩ። እቲ ንቓል ጐይታ ኸም ዘለዎ ተቐቢሉን ኣሚኑን ዝነበረሉ ሰብ ግን፡ ብህይወት ይጽናሕ ብሞት፡ ብኽብሪ ክርስቶስ ኪኸብር’ዩ።
“ምጽኣት” ዚብል ኣርእስቲ ብዝተላዕለ መጠን፡ “ትዕግስቲ” ኣገዳሲትን ምርእይትን ባህርይ እትዀነሉ ምኽንያት’ዩ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ንትዕግስቲ ሰባት ኪብድሉና ኸለው ጥራሕ እተገድስ ባህርይ ጌርና ኢና ንርእያ። ናይ ኵሉ ሓጢኣት ጠንቂ ግን ትዕግስቲ-ኣልቦነት’ዩ። ንፍትወትናን ትምኒትናን ተገዛእቲ ዄንና እንበላሸው፡ ክንዕገሶን ከነዕግሶን ስለ ዘይከኣልና’ዩ። ትምኒት ስጋና ኣብ ውሽጥና ዀይኑ ኺደፍኣናን ኪህውጸናን ከሎ፡ ብትዕግስቲ ኢና ኽንስዕሮ ‘ንኽእል። ዋላ ብሓይሊ ይድፍኣና፡ “ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ንፍቓድ ስጋይ ኣይግዛእን’የ” ኢልና እንተወሲንና፡ ናብ ሓጢኣት ኬውድቐና ኣይክእልን’ዩ። ነቲ ትምኒትና ኸም ዘይህልው ጌርና ኸነጥፍኦ ፈጺምካ ኣይከኣልን’ዩ። ንእኡ ኸይተኣዘዝና ተዓጊስና ጥራይ ኢና ኽንነብር ንኽእል። እቲ ኺእዘዞ’ምበር፡ ኪዕገሶ ዘይመረጸ ሰብ ግና፡ ነቲ ትምኒት ስጋኡ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ (ሓጢኣት) ኪፈርየሉ ይነብር።
ትምኒት ስጋን ሓጢኣትን ጥራሕ ዘይኰነ ግብሪ ጽድቂ ምግባር’ውን ትዕግስቲ ይጠልብ’ዩ። እቶም ንቓል ጐይታ ተኣዚዞም ፍረ ጽድቂ ኺፈርዩ ዚደልዩ ብትዕግስቲ ጥራሕ ከም ዚገብርዎ ጐይታና ነጊሩና’ዩ (ሉቃ 8፡15)። ፍቕሪ፡ እታ ዝዓበየት ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረ’ያ። ብፍቕሪ ኽንነብር ከለና ግን፡ ካብ’ዛ ፍቕሪ’ዚኣ ንኽንፍለይ ካብ’ቲ እነፍቅሮ ሰብ ኰነ ካብ ሰይጣን ማእለያ ዘይብሉ ፈተና’ዩ ዜጋጥሙና። ነዚ ፈተናታት’ዚ ስዒርና ኣብ ፍቕሪ ጸኒዕና ኽንነብር እተኽእለና ትዕግስቲ’ያ። ብዘይ ትዕግስቲ ኺትግበር ዚኽእል ናይ ጽድቂ ባህርይ የለን።
ሓቀኛታት ኣመንትን ሰዓብትን ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንና፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ፈተናን መከራን ማእለያ የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ እንጸልኣን እትጸልኣናን ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ስለ’ዚ በቲ ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ዲያብሎስን በቶም ሰዓብቱን እናተፈተንናን እናተሳቐና ክንነብር ናይ ግድን’ዩ። ነዚ ዘየባትኽ ፈተና’ዚ እንስዕረሉ እንኮ ጥበብናን ኣጽዋርናን ከኣ ትዕግስቲ’ያ። እቲ ፈተና ኻብ ሕምየትን ጸርፍን ጀሚሩ ኽሳዕ ማእሰርትን ሞትን ኪምጠጥ ዚኽእል’ዩ። እቲ ኻባና ዚድለይ ትዕግስቲ፡ ብመጠን ዓይነትን ናይ’ቲ ዚወርደና ፈተና’ዩ ዚውሰን። ሕምየትን ሰማእትነትን፡ ሓደ ዓይነት ትዕግስቲ ኣይሓትተናን’ዩ። ክንዲ ዘደለዮ ይኽበድ፡ ኣብ ምጽኣቱ ኽንዕወት ብምጽኣቱ ኽንረብሕ ንደልይ እንተ ዄንና፡ እቲ ፈተናናን መከራናን ዚጠልበና ዅሉ ትዕግስቲ፡ ኣባና ኺርከብ ይግብኦ። ትዕግስቲ ዅሎም ቅዱሳንን ብዓብዪ ኸኣ ትዕግስቲ ክርስቶስን ንኣርኣያ ኪኸውን ልክዕ ከም ደበና ኸቢቡና ኣሎ (እብ 12፡1-3)። ኣብ’ዛ ምድራዊት ህይወትና፡ መንፈሳዊ ዘይኰነን ምጽኣት ክርስቶስ ዘይምልከቶን ዝዀነ ይኹን ጒዳይ የብልናን። ብዛዕባ ነፍስ ወከፍን ብዛዕባ ዅሉ ነገርን ኢና ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ ‘ንሕተትን ንፍረድን። ኣብ’ቲ ሰናይ ኰነ እኩይ ጒዳያት ድማ ብትዕግስቲ ኽንዋሳእ’ዩ ዚግባእ።
እቲ ዝዓበየን ምስ ኣርእስትና ብቐጥታ ዝተዛመደን ትዕግስትና ግን እቲ ናይ ምጽኣት ጐይታ ትጽቢትና’ዩ። ጐይታ ኺመጽእ ዘሎና ትጽቢት፡ ናይ ሰሙን፡ ናይ ወርሒ ወይ ናይ ሓደ ዓመት ትጽቢት ዘይኰነስ፡ ናይ ምሉእ ዕድመ ትጽቢት’ዩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ “ጐይታ ሎሚ ኺመጽእ’ዩ” እናበልና ኽንነብራ ኢና ተኣዚዝና። ክንመሃር፡ ክንሰርሕ፡ ክንምርዖ፡ ከነጥርይ ወዘተ ኸለና፡ ንምጽኣት ከም ውሁብን ውዱእን ጒዳይ እናረኣና፡ ነቲ ተጸሚድናሉ ዘለና ጒዳይ ድማ ብመንጽር ምጽኣቱ እናመዘንና እና’ማእዘንና ክንገብሮ’ዩ ዚግብኣና። ከም’ዚ ዝበለ ዝተናውሐ ትጽቢት፡ ንናይ መብዛሕትና ትዕግስቲ ስለ ዚጽንቅቖ፡ ከም’ቶም ዕሉላት ከሓድቲ፡ “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዋላ ፈጺሙ እንተ ዘይተረፈ’ኳ፡ እንተ ወሓደ ኺድንጕይ’ዩ” ናብ ዚብል ስውር ክሕደታዊ መደምደምታኣ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና። እዚ ህጸጽ’ዚ፡ ትዕግስቲ ኣልቦነት ዝወለዶ ሓደገኛ ኣተሓሳስባ’ዩ። ምኽንያቱ ናብ ሸለልትነትን ስዲ ኣተሓሳስባን ዜውድቀና’ዩ።
ዓይነት ናይ’ቲ ትዕግስቲ ዚጠልበና ኣርእስቲ ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ዅነታት ዚብድህን ዜረብርብን ትዕግስቲ ኽንዕጠቕ ግን ናይ ግድነት’ዩ። ምኽንያቱ ንምጽኣት ዚዕወቱላን ዚረብሑላን እቶም ዕጉሳት ጥራሕ’ዮም። ጐይታና ድማ፡ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን’ዩ፡ . . . ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 10፡22 ፣ 24፡13)። ስለ’ዚ ትዕግስቲ ዘሎካን ዘይብልካን ናይ ሞትን ህይወትን፡ ናይ ጥፍኣትን ድሕነትን ጒዳይ’ምበር፡ ተራ ነገር ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ (ምጽኣቱ) ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም’ዩ” ብምባል ምዒዱና ኣሎ (እብ 10፡36)። ስለ’ዚ ኸኣ ትዕግስቲ ኽንለብስ፡ ኣስኣሰር ትዕግስቲ ኽንስዕብ ቅዱስ ወንጌል ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ምዒዱና ኣሎ (ቈሎ 3፡12 ፣ 1ጢሞ 6፡11)።
ነዚ ናይ ትዕግስቲ ገድሊ’ዚ፡ ባዕላትና ብውልቅና ኽንዕወተሉ ኣይንኽእልን ኢና። ብመሰረቱ ትዕግስቲ ፍረ ናይ መንፈስ ቅዱስ’ምበር፡ ፍረ ናይ ድኹም ሰብ ኣይኰነትን (ገላ 5፡55)። እዚ ብምስጢረ ሜሮንን ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና ብኸኣልነቱ ንኺድግፍ’ዩ መቕደሱን ማሕደሩን ዝገበረና። ስለ’ዚ “ትዕግስቲ የብለይን፡ ክዕገስ ኣይክእልን’የ” ኸይንብል እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ምኽንያት ከሊኡና ኣሎ። ትዕግስቲ ዘይብልካ ምዃን፡ ንዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜፍርደና፡ ነቲ ዘይብልና ምዃንና ምኽንያት ስለ ዘይርከቦ’ዩ።
እምበኣር ነዚ ዘይተርፍ ምጽኣት ብኸመይ ንጽበዮ ኸም ዘለና ርእስና ንመርምር። ከም’ቶም ኪስበኽ ከሎ ሰሚዖም ጥራሕ ዚዝክርዎ፡ ነቲ “ምጽኣቱ ቐረባ’ዩ” ዚብል ቃል ሃዋርያት ብውሽጦም ዚንዕቅዎ ዓያሱ ዘይምዃንና ነረጋግጽ። ከም’ቶም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምስ ክርስቶስ ናብ መንግስተ ሰማያት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ክብርን ሓጐስን ዚግዕዙ ብልህታት’ምበር ከም’ቶም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምስ ድያብሎስ ናብ ገሃነም ግዒዞም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ኪጥጠቑ ዚነብሩ ዓያሱ ኣይንኹን። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብዘይጸዓድ ትዕግስቲ፡ ኣብ’ታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ብዘይጽምልው ነባሪ ኽብሪ ኽንነብር ንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
22 መስከረም 2024 | መስከረም 12, 2016 ግዕዝ (2ይ ሰንበት: ቊ.፪/2) |
||
ምስባክ መዝ. ፹፬(፹፭)፡፮,፯ “እግዚአብሔርኒ ይሁብ ምሕረቶ። ወምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ። ጽድቅ የሐውር ቅድሜሁ።” “ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሃበና።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2 ጢሞ 2፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡1-9 ንፍቅ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡14-19 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 12፡1-8 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ እኩት አንተ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ