“ንጽባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ . . . ደው ኢሉ ነበረ፡ ንኢየሱስ ኪሓልፍ ከሎ ረኣዮ’ሞ፡ ‘እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ’ በለ። እቶም (ክልተ) ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ (መምህሮም) እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። ኢየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ይስዕብዎ ኸም ዘለዉ ርእዩ፡ ‘እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘መምህር፡ ኣበይ’ዩ ሰፈርካ፧’ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ “ንዑ ርኣዮ” በሎም። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሕው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ።” ዮሃ 1፡35-39
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 11 ሰንበት ናይ ዘመነ-ክረምት’ዩ፡ ኣብ መባእታ ናይ’ዚ ዘመን’ዚ ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢኣን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ “ዘመነ ክረምት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እዚ ዘመነ ክረምት’ዚ ኺውዳእ ገና ኽልተ ሰናብቲ ተሪፉዎ ኣሎ። እቲ ዚስዕብ ሳልሳይ ሰንበት፡ ናይ “ዘመነ ጽጌ” ቀዳማይ ዕለትን ሰንበትን ኪኸውን’ዩ። ርእሰ ኣውደ ኣመት (ዓውደ ዓመት)፡ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፡ ካብ እነብዕል ሎሚ ሓምሻይ መዓልትና’ዩ። ንዅላትና ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1 ኽሳዕ መስከረም 7 ዘሎ ቕንያት፡ “ዘመን ዮሃንስ” ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ ንኡስ ክፍለ ዘመን ናይ’ቲ ዓብዪ ዘመነ ክረምት’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ናይ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እምነት ክርስትና ጸራግ መገዲ ኪኸውን ብእግዚኣብሄር ዝተሓርየን፡ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ኸሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአን፡ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ። ቕድሚ 700፡ ቅድሚ 400 ዓመታት ቅድሚ ልደቱ ዝነበሩ ቅዱሳን ነብያት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተነበዩሉ፡ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ናይ መጀመርታ ነብዪ ዝዀነ ዓብዪ ሰብ’ዩ (ኢሳ 40፡1-8 ፣ ሚል 4፡5,6)። መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ካህን ዘካርያስ ደው ኢሉ ብዛዕባ ዮሃንስ ሰፊሕን ዝርዝራውን ዝዀነ ብስራትን ትንቢትን ተዛሪቡ’ዩ (ሉቃ 1፡13-20)።ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ልደቶም ኰነ ተልእኾኦም ብልሳን ንመላእኽቲ ብኽብሪ ዝተነግረሎም ካልኦት እንተ’ልዮም፡ ሳምሶንን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጥራይ’ዮም (መሳ 13፡2-18 ፣ ሉቃ 1፡26-38)። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ’ዚ መላግቦ ኽልተ ዓበይቲ ኺዳናት ዝዀነ ኣገልጋሊኡ’ዚ ብልዑል ክብሪ መስኪሩሉ’ዩ። ጐይታና ብዛዕባኡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ቅዱሳን፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቅ ዚዓብይ ሓደ’ኳ ኸም ዘየልቦ ብምግላጽ ዘኽበሮ ቕዱስ ሰብ’ዩ። ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ፡ እቲ ስግው መለኮት፡ ዮሃንስ’ውን “ቅድመይ ዝነበረ ግን ከኣ ብድሕረይ ዚመጽእ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ ካባይ ዚሕይል’ዩ” ኢሉ ዝመስከረሉ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑ መስኪሩሉ’ዩ (ዮሃ 1፡15,27,29-33 ፣ ማቴ 3፡11,12 ፣ ማር 1፡7,8 ፣ ሉቃ 3፡16,17)። እቲ ኸም ዚመጽእ ዝተነግረሉ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኤልያስ ንሱ ምዃኑ’ውን ጐይታ’ዩ ዝመስከረሉ (ማቴ 11፡14 ፣ 7፡10-13)።
በዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ዮሐንስ አኅድአ” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሃንስ ዚገልጽዎ ሓቅታት መሰረት ብምግባር ዝተዳለወ’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 1 ክሳዕ መስከረም 7 ኣብ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ እዚ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ መዝሙር’ዩ ዚዝመር። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ፈሪሳውያን ምስ ዮሃንስ ዝገበርዎ ፈታኒ ዝርርብን፡ ብዛዕባ’ቲ ዮሃንስ መጥምቅ ንጐይታና ምስ ረኣዮ ዝሃቦ ምስክርነትን ውጽኢቱን ዚገልጽ’ዩ። ፈሪሳውያን ካብኣቶም ወጻኢ ንህዝቢ ናይ እምነት ትምህርቲ ዚምህር ሰብ ኪህልው ዘይቅበልዎን ዘይዕገስዎን’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ መኽሰሲ ምእንቲ ኪረኽቡ፡ ብዘረባ ኺጠልፍዎ ኣንቂዶም ብሕቶ ኼዋጥርዎ ልኡኻት ስደዱሉ። “ንስኻ መን ኢኻ፧ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧” እናበሉ ኣጨነቕዎ። “እወ እየ” ኢሉ ምእንቲ ኺምልሰሎም፡ ኬኽስሶ ዚኽእል ኣማራጺ መንነታት፡ “ክርስቶስ ዲኻ፡ ኤልያስ ዲኻ፧ እቲ ነብዪ ዲኻ፧” እናበሉ ፈተንዎ። “ኣይኰንኩን” ኢሉ መኽሰሲ ነቓዕ ምስ ከልኦም፡ “ካብ ዘይኰንካ ደኣ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ዜጥምቐሉ ምኽንያት ድሕሪ ምግላጹ፡ ክርስቶስ ብኣካል ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ነገሮም። ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕብየት መንነትን ተልእኾን ድማ ነገሮም። ንጽባሒቱ ንጐይታና ናብኡ ኺመጽእ ኸሎ ምስ ረኣዮ ኸኣ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ደጋጊሙ ኣግሃዶ። ብመሰረቱ ተልእኾኡ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ ኪኸውን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ናይ ጥምቀት ግብራዊ ኣገልግሎቱ ዀነ፡ እቲ ብልሳኑ ብዛዕባ ጐይታ ዚህቦ ዝነበረ ምስክርነት፡ እቶም ዝሰምዕዎን ዝተቐበልዎን ሰባት፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዚመጽእ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺስዕብዎ’ዩ ዝነበረ። መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ዕላማ ኣገልግሎቱ ተዓዊቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸይተረፉ ንእኡ ሓዲጎም ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪስዕቡ ጀመሩ። ኣብ ዮሃ 3፡26 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ደቀ መዛሙርቲ ናብ መምህሮም መጺኦም፦
“መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፡ ንስኻ’ውን ዝመስከርካሉ (ክርስቶስ)፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ (ሰብ) ከኣ፡ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ።” ብምባል፡ ከይተረድኦም ዕላማኡ ኸም ዝተዓወተን ከም ዝሰለጠን ኣበሰርዎ። ንሱ ድማ “ሓጐሰይ ተፈጸመ (ሓጐሰይ ምሉእ ኰነ፡ ሓጐሰይ ፍጹም ኰነ” ብምባል መለሰሎም (ዮሃ 3፡29,30)።
ኣርእስትና ግን እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ንዮሃንስ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዚስዕቡሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለ ዝዀነስ፡ ንዮሃንስ እንተ ሰዓብዎኸ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ናይ ዝነበረ ዀነ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ናይ ዘሎ ዅሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዕላማ፡ ዅሉ ሰብ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪጥምትን ብእኡ ኺትስፈውን ንእኡ ኺሰምዕን ኪእዘዝን፡ ንእኡ ኺስዕብን ኬገልግልን ምግባር’ዩ። ኵሎም ነብያት ብትንቢቶም፡ ኵሎም ካህናት ናይ ብሉይ ኪዳን ከኣ ብኣገልግሎቶም፡ ናብ ክርስቶስ የመልክቱ ነበሩ። ካብ’ቲ ናይ ቅድመ-ዓለም ጥንታዊ ህልውናኡ ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ልደቱን ኣገልግሎቱን፡ ብዛዕባ ስቕለቱን ሞቱን፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡን ዕርገቱን ብዛዕባ ምጽኣቱን ብዝርዝር ተነብዮም’ዮም። ካብ’ቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸሎም ምስጢራት ዝተላዕለ፡ ንእኡ ምርኣይን ምስማዕን ባህጊ ናይ ዅላቶም ቅዱሳን ነብያት’ኰነ። ጐይታና ነዚ ሓቂ’ዚ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹሎም ኣሎ።
“ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን (ነገስታትን)፡ ነዚ ንስኻትኩም ‘ትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ’ሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ ኸም እተመነዩ’ሞ ኸም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ፡ ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም’ውን ዚሰምዓ’የን’ሞ፡ ብጹኣት’የን።” ማቴ 13፡16,17 (ሉቃ 10፡23,24)። ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጊሞም ገሊጾምዎ’ዮም።
“እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን ግናኸ፡ ካብ ርሑቕ (ብእምነት) ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። . . . ብዘይካና ናብ ፍጻመ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓይሽ ስለ ዝሓለየ፡ ኵላቶም’ዞም ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።” እብ 11፡13,39,40
“እቶም ብዛዕባ’ቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ’ዚ ምድሓን’ዚ ብዓብይ ጥንቃቐ መርመሩ። እቲ ኣብኣቶም ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ’ቲ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበይ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ብዛዕባ ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም’ምበር፡ ንርእሶም ከም ዘይኰነ ገለጸሎም። . . . ነዚ ነገር’ዚ መላእኽቲ’ውን ኪርእይዎ ይብህጉ’ዮም።”
ስለ’ዚ ጐይታና ክርስቶስን ኣገልግሎቱን፡ ባህጊ ቕዱሳን ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ባህጊ ቕዱሳን መላእኽቲ’ውን’ዩ ዝነበረ። ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ’ታ መዓልቲ ውድቀቶም፡ ዘርኢ ናይ’ታ ሰበይቲን ርእሲ ናይ’ቲ ዚስሓቶም ተመን ኪጭፍልቕ ምዃኑ ብምግላጽን፡ ንዕርቃኖም ብደበሎ (ቈርበት) ናይ ዝተሰውአ እንስሳ ብምኽዳንን ብዛዕባ ክርስቶስ ኣዝዩ ዓብይ ተስፋ ተዋሂብዎም ነበረ (ዘፍ 3፡15,21 ፣ ገላ 4,5 ፣ 3፡26,27)። ነቦና ኣብርሃም ብዘርኡ ዅሎም ኣህዛብ ከም ዚባረኹ ኺነግሮ ኸሎ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ ዘተስፈዎ (ገላ 3፡8,13,14,16 ፣ ዘፍ 3፡25,26 ፣ 22፡18)። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናብ ከንኣን ኣብ ዝነበርዎ ጉዕዞ ከም ማያት ዜፈልፍል ከውሒ ዀይኑ ዝሰዓቦም፡ ማና ዀይኑ ዝቐለቦም ክርስቶስ ምዃኑ ተነጊሩና’ዩ። በቲ ዝተመቕለ ባሕሪ ምስጋሮም፡ ናይ ጥምቀት ክርስቶስ ጽላሎት ምዃኑ’ውን መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና’ዩ (1ቈረ 10፡1-4 ፣ ዮሃ 6፡31-35,48-58)። ኵሉ’ቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚፍጸም ዝነበረ ብነብዪ ሙሴ ዝተሰርዐ ናይ መስዋእትን ካልእን ኵሉ ስርዓት ናይ ክርስቶስ ጽላሎታዊ ወይ ትእምርታዊ ትንቢት’ዩ ዝነበረ ቈሎ 2፡16,17 ፣ እብ 9፡8-10)። ሊቀ ነብያት ሙሴ ነቲ ሽዑ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝነገሮን ዝኣዘዞን ቃል፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጠቒስዎ ኣሎ።
“ከም’ቲ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ ዝተዛረቦ፡ ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእ፡ ሰማይ ንኢየሱስ ኪቕበሎ ይግባእ’ዩ። ሙሴ ድማ (ነቦታትና)፡ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ካብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም’ዩ’ሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ፡ እንሆ ነቲ ነብዪ’ቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ’ያ’ በለ። ኵላቶም ነብያት ድማ፡ ካብ ሳሙኤል (ጀሚሮም) ክሳዕ’ቶም ድሕሪኦም ዝተዛረቡ፡ ነዘን መዓልታት’ዚአን’ዮም ዘበሰሩ። . . . “ ግብ 3፡21-26 ካ.ት + ቀ.ት
ጐይታና ባዕሉ’ውን ሕጊ ሙሴ ዀነ ትንቢታት ብሉይ ኪዳን ብዛዕባኡ ኸም ዝተጻሕፈ ደጋጊሙ ይዛረብን ንደቀ መዛሙርቱ’ውን ይትርጕመሎምን ነይሩ’ዩ። እቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፡ ብዛዕባ ሞቱ እናጐሃዩ፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ድማ እናተጠራጠሩ ኺዛረቡ ምስ ሰምዖም እንታይ ከም ዝበሎምን ከም ዝገበረሎም፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተጻሒፉልና ኣሎ።
“(ኢየሱስ) ድማ፡ ‘ኣቱም፡ ነብያት ብ’ተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ ክርስቶስ (ቅድም) ነዚ ሓሳረ-መከራ’ዚ ኺጸግብ’ሞ (ብድሕሪኡ) ናብ ክብረቱ ኺኣትው ናይ ግድንዶ ኣይኰነን፧’ በሎም። ካብ (መጻሕፍት) ሙሴን ኵሎም ነብያትን (ጀሚሩ) ኸኣ፡ ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ (ቃል ትንቢት) ኪትርጕመሎም ጀመረ። . . . ንሱ ድማ፡ ‘እዚ እቲ (ቅድሚ ስቕለተይ) ምሳኻትኩም ከለኹ፡ ‘ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ’ዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ’ዩ’ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን ኣእምሮኦም ከፈተሎም . . .” ሉቃ 24፡25-27,44,47
እምበኣር፡ እቲ መላግቦ ኽልተ ኪዳናት ዝዀነ ዮሃንስ መጥምቅ’ውን፡ ከም ናይ መወዳእታ ነብዪ ናይ ብሉይ ኪዳን መጠን፡ ናብ ክርስቶስ ኬመልክትን ኵሉ ሰብ ንክርስቶስ ከም ዚስዕብ ኪገብርን ብእግዚኣብሄር ዝተዋህቦ ሰማያዊ ተልእኾኡ’ዩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንካህን ዘካርያስ ኬበስሮ ኸሎ፡
“(ዮሃንስ) ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳልው፡ ንልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን (ናብ ምእዛዝ) ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስ ብሓይሉን፡ (ቀቅድሚ ክርስቶስ) ኪኸይድ’ዩ።” ብምባል ገሊጹሉ ኣሎ (ሉቃ 1፡16,17 ፣ ሚል 4፡5,6)። ንእግዚኣብሄር ዚኸውን ብቑዕ ህዝቢ ድማ እቲ ንክርስቶስ ዚፈልጦን ዚስዕቦን ህዝቢ’ዩ። ዮሃንስ መጥምቕ፡ ኵሉ ህዝቢ ንክርስቶስ ብምስዓብ ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን’ዩ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ ዀይኑ ቀቅድሚኡ ዝመጸ።
ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ኵሉ ሰብ ንክርስቶስ ከም ዚስዕብ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም’ከ ብኸመይ ተተግበረ፧ ናይ ብሉይ ኪዳን ኣገልገልቲ ብዛዕባ’ቲ ብኣካለ-ስጋ ዘይተጋህደ ክርስቶስ’ዮም ዝመሃሩ። ነቲ ገና ዘይተጋህደን ዘይተራእየን ክርስቶስ፡ ከም ዚረኣዮምን ከም ዚስዕብዎን ናይ ምግባር ሓላፍነቶም፡ ካብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዝኸበደ’ዩ ነይሩ። ካብ’ቲ ናይ ዮሃንስ መጥምቅ ዘመን ንደሓር ግን፡ ጐይታ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተጋሂዱ ስለ ዝነበረ ሓላፍነቶም ዝቐለለ ዀነ (ዮሃ 1፡26)። ቅዱስ ዮሃንስ’ኳ፡ ነቲ ህዝቢ “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ብምባል ናብ ኢየሱስ ኬመልክት ይኽእል ነበረ (ዮሃ 1፡29,35)። ስለ’ዚ ድማ ንእኡ ሓዲጎም ንኢየሱስ ይስዕቡ ነበሩ። እቶም ንጐይታና ዝረኸብዎ ዅሎም፡ “ንክርስቶስ ረኺብናዮ” ኢሎም ነቶም ዚቐርብዎም ይነግርዎም’ሞ፡ ናብኡ የምጽእዎም ነበሩ። እንተ ተጠራጠሩ ድማ “ንዓ ርኣይ፡ ንዑ ርኣዩ” ይብልዎም ነበሩ (ዮሃ 1፡46)። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ’ዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ” ኢሉ መስከረን ኣዘዘን (ዮሃ 17፡5 ፣ 3፡17)። ቅድስቲ ድንግል ወላዲቱ ድማ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ኢላ ናብኡ መርሐት (ዮሃ 2፡5)። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሃንስን ነቲ ኣብ ደገ ቤት መቕደስ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ መጻጕዕ ምስ ፈወስዎ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ናባታቶም ጐየየን ተኣከበን። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ፡-
“ንምንታይ በዚ ትግረሙን ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ (ሰብኣይ’ዚ ብእግሩ) ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም፧” ድሕሪ ምባሉ፡ ናብ ክርስቶስ ኪጥምቱ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሃቦም (ግብ 3፡12 (1-20)። ናይ ሃዋርያዊ ተልእኾ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዝነጸረ ኣገባብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ኣሕዋተየ፡ ኣነ’ውን ናባኻትኩም ክመጽእ ከለኹ፡ ምስጢር ኣምላኽ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብፍልስፍና ኽሰብከልኩም ኣይመጻእኩን። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ማእከልኩም ከለኹ፡ ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ከይፈልጥ ስለ ዝመደብኩ’ዩ።” 1ቈረ 2፡1,2 ካ.ት
“ኣነ ድማ ከም’ቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ክኢላ (ብልሓተኛ) ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። ምኽንያቱ ብዘይካ’ቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ መሰረት ኪስርት ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ’ዛ መሰረት’ዚኣ (ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ) ብወርቂ፡ ብብሩር፡ ብኽቡር እምኒ፡ ብዕንጸይቲ፡ ብሳዕሪ ወይስ ብሓሰር እንተ (ሃንጸ)፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ ኪገሃድ’ዩ። እታ መዓልቲ’ቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ ስለ ዝዀነት ክትቀልዖ’ያ፡ ስራሕ ናይ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝዀነ ኸኣ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ’ዩ።
“ንሕና ድማ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ (ወይ ፍጹም) ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና ንዅሉ ሰብ’ውን እናመሃርና ንነግር ኣለና።” ቈሎ 1፡23
“. . . እዚ (ናይ ወንጌል) ብርሃን’ዚ ኸኣ ክብሪ ናይ’ቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ’ዩ። (ምኽንያቱ) ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላውኹም ከም ዝዀንና’ምበር፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኰንናን ‘ንሰብኽ።” 2ቈረ 4፡4,5 ካ.ት
ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረተት ቤተ ክርስትያን ውልቀ ኣገልጋልን ድማ ናይ’ዚ “ብርሃና ንቤተ ክርስትያን” ዝተሰምየ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣርኣያ ኪኽተል ይግባእ። ስለ’ዚ በዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣገልግሎትና ንዅሉ ሰማዒናን ተገልጋሊናን፡ ሰዓቢ ናይ ክርስቶስ ናብ ምዃን ኸም ዝሃነጽናዮ ኸነረጋግጽ ይግባእ። ነዚኣ ኣብ ምግባር እንተ ዘይተዓዊትና፡ ኣብ’ታ ንንስሓን ንሕድገት ሓጢኣትን ዚኸውን ይግባይን ዳግማይ ዕድልን ዘይብላ መዓልቲ ምጽኣት ጐይታና ኣብ ልዕሊ’ቲ ኽቡር ክርስቶስ ብሕሱር ሳዕርን ሓሰርን ከም ዝሃነጽና፡ እቲ ዚባላዕ ሓዊ ኪቐልዓናን ጉድ ኪገብረናን’ዩ። እቲ ብሓዊ ተገሊጹ ዚፈርድ ከኣ እቲ ብኣገልገልቲ ኺስበኽን ብተገልገልቲ ኺሰዓብን ዚግብኦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ስለ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ፡ ርእሱን ዕዮኡን እናመርመረ፡ ኣብ ልዕሊ መንን ብምንታይን ይሃንጽ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ስርሑ ብሓዊ ዚዅላዕ ወርቅን ብሩርን፡ ወይ ከኣ ብሓዊ ዚህመዅ ሳዕርን ሓሰርን ምህናጹ ኼረጋግጽ ይግብኦ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕን ካልኦት ኵላቶም ነብያትን፡ ከምኡ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ካልኦት ኵላቶም ሃዋርያትን ብኣገልግሎቶም ተዓዊቶም፡ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ መሰረትን፡ ኣሰሩ ከቶ ዘይሃስስ ነባሪ ኣርኣያን ሓዲጎምልና’ዮም። “ክኢላ ወይ ብልሓተኛ ሃናጺ” ዚበሃል፡ እቲ ብስብከቱ ብግብራዊ ኣርኣያኡን ንክርስቶስ ኣብ ልቢ ተገልገልቱ ዚስርትን፡ እሙናትን ጽኑዓትን ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ምእመናን ዜፍርይን’ዩ።
ግደ ኣገልገልቲ እዚ ዝተጠቕሰ ካብ ኰነ፡ ግደ ተገልገልትን ሰማዕትንከ እንታይ’ዩ፧ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ነናቱ ግደ ኣለዎ፧ በታ ናቱ ግደን ሓላፍነትን ድማ’ዩ ዚሕተትን ዚፍረድን። ቅዱስ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ (ሰብ) ጸጾሩ ኺጸውር’ዩ’ሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ (ሰብ) ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ (ኪምካሕ)’ዩ።” ብምባል ጽሒፉልና’ሎ (ገላ 6፡4,5)። ስለ’ዚ እቶም ሰማዕትን ተገልገልትን’ውን እንሕተተሉ ግደን ሓላፍነትን ኣሎና ማለት’ዩ። ኵሉ ናይ ክርስትና ነገር፡ ናይ ምርጫን ናይ ፍቓድን ጕዳይ’ዩ። እቲ ኣገልጋሊ ንክርስቶስ ከም ዚግባእ ድሕሪ ምስባኹ፡ ነቲ እተሰብከሉ ክርስቶስ ብምሉእ እምነትን ተኣዝዞን ናይ ምስዓብ ሓላፍነት ናይ’ቲ ሰማዕን ተገልጋልን ይኸውን። ብቕድሜኻ ዀይኑ እናጐተተ ወይ’ውን ብድሕሬኻ ዀይኑ እናደፍአ ሰዓቢ ኺገብረካ ዚኽእል ዝዀነ ኣካል የለን። እቲ ዅሉ ዚኽእል ልኡላዊ ኣምላኽ’ኳ ኣይውዕሎን’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ፈትዩ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ህያብ ኣይጠዓሰሉን፡ ኣየሕድገናን ከኣ’ዩ። ኣብ ክንዳኡ ግን ናይ’ቲ ብሕያውነቱ ዝሃበና ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን መሰል ተሓታትቲ ገበረና። ስለ’ዚ በቲ ዝሰማዕናዮ ስብከትን ትምህርትን፡ በቲ ዝተገብረልና ዅሉ ኣገልግሎትን፡ ክርስቶስ ከም ዚግባእ ምስ ተሰብከልና፡ ነቲ ዝተሰብከልና ክርስቶስ ከም ዚግባእ ምስዓብ፡ ናትና ናይ’ቶም ሰማዕትን ተገልገልትን ምእምናን ይኸውን። “ክርስትያን ምዃን” ማለት “ሰዓቢ ክርስቶስ ምዃን” ማለት’ዩ። ጐይታና ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ኺጽውዖም ከሎ። “ስዓበኒ” ይብሎም ነበረ (ማቴ 4፡19-22, 8፡21,22 ፣ 9፡9 ፣ ሉቃ 5፡10,11 ፣ 9፡59-62)። ነቶም ነታ ምስዓብ ከም ዚግባእ ዝተግበርዋ ድማ ኻልኦት ሰዓብቲ ምእንቲ ኼፍርዩሉ ናይ ሃዋርያነት ጸጋን ክብርን ዓደሎም (ማር 3፡13,14 ፣ ሮሜ 1፡5 ካ.ት)። ንሱ ኸይጸውዖም ባዕላቶም “ክስዕበካ’የ” ምስ በልዎ። ከም ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ መጠን ኪስዕቡሉ ዝደለዩሉ ምኽንያቱን ድርኺትን ጥዕና ኸም ዘይብሉ ስለ ዝፈለጠ ኣይተቐበሎምን (ማቴ 8፡18-20)። ነቶም ኪስዕብዎ ዝጸውዖም ድማ፡ ብቑዓት ሰዓብቱ ዚገብሮም እንታይ ምዃኑ፡
“ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ ይስዓበኒ።” ብምባል ኣፍለጦም (ማር 8፡34 ፣ ሉቃ 9፡23)። እዚ ማለት ድማ፡ ንክርስቶስ ካብ ምስዓብ ዚዕንቅፈና፡ ዝዀነ ዓይነት ብቑዕ ምኽንያት የለን ማለት’ዩ። ዋላ ህይወት ዜጥፍእ፡ መከራ ዜጽግብ፡ ማሕበራዊ ረብሓን ክብርን ዜስእን ኵነታት እንተ ተፈጥረን እንተ በዝሐን፡ ንኢየሱስ ካብ ምስዓብ ዘይዕንቀፍ ሰዓቢ፡ ንሱ’ዩ’ቲ ሓቀኛን ብቑዕን ሰዓቢ ዚኸውንን ዚበሃልን። ብዛዕባ’ቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ (ጽድቂ ክርስቶስ) ለቢሶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብኽብሪ ዚኣትው ቅዱሳን ዝተዋህበ ግሩም ምስክርነት፡
“. . . ንሳቶም ገንሸል ናብ ዝኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ’ዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸል በዅራት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም (ብደም ናይ’ቲ ቅዱስ ገንሸል) ዝተዓደጉ’ዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን’ሞ፡ ሕፍቲ (መንቅብ) ዘይብሎም’ዮም ዚብል’ዩ (ራእ 14፡4,5)። ዓስቢ ናይ’ቶም እሙናት ብቑዓትን ሰዓብቲ ነዚ’ዩ ዚመስል።
ክንስዕቦ ዘይክንስዕቦስ ኣበይ ኢና ኽንረኽቦ፧ ብኣካል ምሳና ይነብር እንተ ዘየልዩ ብኸመይ ኢና ኽንስዕቦ፧ ብመሰረቱ “ምስዓብ” እንታይ ማለት ድዩ፧ እዚ ሕቶታት’ዚ ብዛዕባ ስጋዊ ኣካልነትን መንነትን ጥራሕ ዘለዎ ኣካል ዚሕተት ሕቶ’ምበር ብዛዕባ’ቲ ብተዋህዶ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ጐይታና ዚሕተት ኣይኰነን። ብርግጽ ኣብ’ቲ ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ይመላለስሉን የገልግለሉን ዝነበረ እዋን፡ ሰባት ምስኡን ይመላለሱ፡ ደድሕሪኡ’ውን ይስዕቡ ነይሮም’ዮም። ብኣካል ምስኡን ደድሕሪኡን ይኸዱ ስለ ዝነበሩ ጥራሕ፡ ከም ምስዓብ ይቝጸረሎም ነይሩ ማለት ግን ኣይኰነን። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ’ውን’ኮ ምስኡን ደድሕሪኡን ይኸይድ ነይሩ’ዩ። ብርግጽ ግን ሰዓቢ ሰይጣን’ምበር፡ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣይነበረን። እቶም ሓቀኛታት ሰዓብቲ እቶም ከም’ቲ ናቱ ገይሮም ዚሓስቡን ዚዛረቡን ዚገብሩን ጥራሕ’ዮም። እቶም ንቓሉ ዜፍቅሩን ዚእዘዙን፡ ብዅሉ ኣካይዳኦምን ህይወቶምን ንእኡ ዚመስሉ ጥራሕዮም ብቑዓት ሰዓብቱ ዚበሃሉ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚበሃሉ፡ ከም’ቲ ንሱ ምእንቲ ድሕነቶም ህይወቱ በጃ ዘሕለፈ፡ ንሳቶም’ውን ምእንቲ ኽብሩ ህይወቶም ዚውፍዩን፡ ምሉእ ዕድሚኦም ምእንቲ ርእሶም ምንባር ገዲፎም ምእንትኡ ጥራሕ ዚነብሩ’ዮም። እቶም ሓለፋ ገዛእ ርእሶም፡ ሓለፋ ፍቅርቲ ስድራ ቤቶም፡ ሓለፋ ዋኒኖምን ሞያኦምን፡ ሓለፋ ገንዘቦም ንብረቶምን፡ ሓለፋ ኻልእ ኵሉ ዝምድናታቶም ዜፍቅርዎን ዜኽብርዎን ሰባት’ዮም፡ ኣብ ደምበ ሰዓብቲ ዚምደቡ፡ ጻማ ሰዓብቲ ዚፍደዩ። እቶም ካብ ሓጢኣት ሞይቶም ንጽድቂ ብምትንሳእ ርእሶም ንኣምላኽ ዝወፈዩ፡ ንኣካላቶም መጋበርያ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ መሳርሒ ናይ’ቲ ናብ ቅድስቲ ዜብጽሕ ጽድቂ ኪኸውን ዚውፍይዎ ሰባት፡ እቶም ክርስቶስ “ሰዓብተይ” ኢሉ ዚሰምዮም ሰባት’ዮም (ሮሜ 6፡13,17-19)። እቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ኣጽዒቕና እንመላለስ ወይ’ውን ተጊህና እነገልግል ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ህይወትና ብምልኣት ንህይወቱ ዝመሰለ ኢና፡ “ሰዓብቱ ኢና” ኽንብል ‘ንኽእል። እቶም ንፍቓዶም ንዒቖም ንፍቓዱ ብግብሪ ዜኽብሩ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክሳዕ መንግስተ ሰማያት ክሳዕ ዘለኣለማዊ ኽብርን ሓጐስን ዕረፍትን ምጽንናዕን ዚስዕብዎ’ዮም። ብቑዓት ሰዓብቲ፡ እቶም ናብ’ታ ንሱ ዝኣተዋ ሰማይ ዚስዕብዎ፡ ናብ’ታ ንሱ ዚኣትዋ ዚኣትዉ፡ እታ ንሱ ዚወርሳ መንግስቲ ተገቢኣቶም ዚወርስዋ፡ ካብ’ታ ንሱ ዝተቐበላ ኽብሪ ዚካፈሉ’ምበር፡ እቶም ምስዓቦም ኣብ ምድሪ ጥራሕ ዚዅለፍ ኣይኰኑን።
እምበኣር ከም’ቶም ንኣገልገልቶም ሰሚዖም ንኢየሱስ ዚስዕቡ ብልህታት ክርስትያን ምዃንና ነረጋግጽ። ካብ’ቶም “ከቶ ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ሰዓብተይ ኣይነበርኩምን” ኢሉ ክርስቶስ ዚሰጕጎም ሰባት ኻብ ምዃን ርእስና ነድሕን። ካብ’ቶም ብዮሃንስ ናብ ክርስቶስ ዚበጽሑ’ምበር፡ ካብ’ቶም ኣብ ዮሃንስ ተዀሊፎም ዚተርፉ ኣይንኹን። ጐይታና፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ’የ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ከም ዝበለ ኣይንዘንግዕ (ዮሃ 14፡6)። ከመይሲ፡ ምዕራፍ ናይ’ቶም ሓቀኛታት ሰዓብቲ፡ ናብ’ቲ ናይ ሰማይ ኣቦ ምብጻሕ’ዩ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
15 መስከረም 2024 | መስከረም 5, 2016 ግዕዝ (1ይ ሰንበት: ቊ.፩/1) |
||
ምስባክ መዝ. ፹፬(፹፭)፡፲,፲፩ “ሣህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ። ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።” “ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት’ያ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1 ቈረ 11፡17-23 |
ዲያቆን |
|
ያእ 2፡1-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 18፡24-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 1፡19-37 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ዮሐንስ ኣኅድአ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ