“ቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም፡ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 4 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ቕንያት “ደብረ ዘይት” ይብሃል። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይ ደብረ ዘይቲ ቕንያት’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ቕንያት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ሓምሸይቲ ሰንበት ናይ ዓብዪ ጾም’ያ። ብግእዝ “ደብር” ማለት፡ ብትግርኛ፡ “ከረን፡ እምባ፡ ጎቦ” ማለት’ዩ። እዚ “ደብረ ዘይት” ዝተሰምየ ከረን፡ ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ፡ ካብ’ቲ ኢየሩሳሌም ተደኲናትሉ ዘላ ኸረን፡ ብ75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረን’ዩ። እቲ “ደብረ ዘይት” ዚብል ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ኸረን ብምንባሩን፡ ኦም ኣውልዕ ድማ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ዚህብ ገረብ ብምዃኑን’ዩ። እዚ ኸረን’ዚ፡ ንጉስ ዳዊ ካብ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ኣቤሴሎም ወዱ ሃዲሙ ዝተዓቘበሉ ከረን’ዩ (2ሳሙ 15፡30)። ኣብ ዘመነ ነብዪ ህዝቅኤል’ውን ክብሪ እግዚኣብሄር ብራእይ ዝተገልጸሉ ከረን’ዩ (ህዝ 11፡23)። ጐይታና ኻብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ ዅሉ እዋን፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ምህር ውዒሉ፡ ብለይቲ ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 21፡37)። ጐይታና፡ ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ካብ ደብረ ዘይቲ ተላዒሉ’ዩ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ (ማቴ 21፡1)። ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን ኣብ’ዚ ኸረን’ዚ ኣብ ዚርከብ ጌተሰማነ ዚበሃል ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኺጽልይ ሓዲሩ’ዩ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 26፡30-36)። ኪዓርግ ከሎ’ውን፡ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 24፡51,52 ፣ ግብ 1፡12)። ኣብ ጊዜ ምጽኣቱ’ውን፡ ካብ ሰማያት ወሪዱ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኸም ዚቐውም ይእመን (ዘካ 14፡4)።
ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ዝሰፍሐ ትምህርቲ ዝሃበሉ ቦታ ደብረ ዘይት ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ብዛዕባ ምጽኣት ከተስተምህረሉ ዝወሰነት ቅንያት፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ሰመየቶ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር፡ “ሠርዐ ሰንበተ ለስብእ ዕረፍተ” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ንባባት ድማ ምጽኣት ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ ካብ’ቲ ብዛዕባ ምጽኣት ኣስፊሑ ዜስተምህር ናይ ሉቃ 12፡32-48 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ’ዩ።
ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ጐይታ ብባርያኡ ኺግልገል’ምበር፡ ጐይታ ንባርያኡ ኼገልግል ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ነቲ ሰብ ዝዀነ ዅሉ ኺገብሮ ዘይከኣለ ብምግባር ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ግና፡ እቲ ጐይታ-ጐይቶት መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ልዕል ምእንቲ ኼብለና፡ ናብ ታሕቲ ወረደ። ወዲ ሰብ፡ ኪገብሮ ዚግባእ ግብርን ኪነብረሉ ዚግባእ ባህርይን ተዋሂብዎ’ዩ ዝተፈጥረ። ምስልን መልክዕን ናይ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ነቲ ኣብ ሰማይ ኣብ መንጎ ኣካላት ቅድስት ስላሴ ዘሎ ባህርይን ግብርን እናፈጸመ፡ ነቲ ስዉር ኣምላኽ ምእንቲ ኼግህድ’ዩ። ምስጢረ ስላሴ ብስፍሓትን ብዕምቈትን ከም ዚገልጸልና፡ ኣካላት ስላሴ ምብልላጽ ዘይብሎም ሓደን ማዕረን ዝዀኑ ኣካላት’ዮም። እዚ ማዕርነቶም ግን፡ እቲ ሓደ ለኣኺ እቲ ኻልእ ተላኣኺ፡ እቲ ሓደ ወሃቢ እቲ ኻልእ ድማ ተቐባሊ ካብ ምዃንን ካብ ምግዝዛእን ኣይዓንቀፎምን። እግዚአብሔር ወልድ፡ ናቱ ፍቓድን ቃልን ግብርን ፈጺሙ ዘይነበሮን ዘይብሉን ክሳዕ ዚመስል፡ ርእሱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ኣዝዩ ኣትሓተ። እዚ ብምግባሩ ድማ ምስ ኣቦ ዘለዎ ማዕርነት ዝጐደሎ ወይ ዝተመንዝዐ ዀይኑ ኸይተሰምዖ፡ ሓጐስን ክብርን እናተሰምዖ ፈጸሞ። (ፊሊ 2፡6፣ ዮሃ 5፡30፣ 6፡38፣ 7፡16፣ 7፡28,29፣ 8፡40,42,49፣ 10፡18,32,37,38፣ 12፡49-50፣ 14፡10,24)። እቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ፡ ነዛ ናብራ ስላሴ’ዚኣ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኺነብራ’ዩ ዝተፈጥረን፡ ድንኳን (ስጋ) ለቢሱ ዝተደኰነን። ሰብ፡ ካብ’ቲ ናይ ህይወቱ ተልእኾ ምስ በዀረ፡ ነቲ ዝጐደለ ኺምልእ፡ ነቲ ዝጠፍአ ኺመልስ፡ ነቲ ዝተሰወረ ኼግህድ፡ ነቲ ዝሓሰረ መንነት ሰብ ናብ’ቲ ዝተኣመመሉ ኽብሪ ኺመልስ፡ ኣምላኽ ሰብ ኪኸውን ኣድለየ።
ከም’ቲ ዝመደቦን ዝተመደበሉን ድማ፡ ጐይታ ኽነሱ ነቶም ንርእሶም ባሮት ሓጢኣትን ሰይጣንን ዝገበሩ ደቂ ሰብ ብቓልን ብግብርን ኣገልገለ። ጾር ጐይታኡ ኸም ዚጸውር ባርያ ዀይኑ ድማ መርገምናን ሓጢኣትናን ድኻምናን ጾረልና። ነቲ ብነብያት ዝተገልጸ፦
"ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።. . . ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣበሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ።. . . ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለ’ዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ’የ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል’ዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።”
ዝተባህለሉ ግብሩ ብብቕዓት ፈጸሞ (ኢሳ 53፡4,6,12)። ቀደሙ’ውን’ኮ፡ እግዚአብሔር’ዩ ጸዋር ጾርና። ንጾርና ጥራሕ ዘይኰነ ንኣና ንርእስና ዚጾረና’ውን ንሱ’ዩ፦
"ኣብ ጽምዊ ባድማ በረኻ፣ ኣራዊት ዜድህዩሉ፣ ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ። ከበቦን ተኸናኸኖን፣ ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ። ንስሪ ጨቓዊቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፣ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፣ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ። ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፣ እቶት ግራሁ በልዐ፣ ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፣ ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።” ዘዳ 32፡10-13
"ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ጊዜ ሓንገሮምን ሓዘሎምን።” ኢሳ 63፡9
"እግዚአብሔር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ኣሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና’ዩ” መዝ 68፡19
እቶም ናይ ግኡዛን ጣኦታት ኣማልኽቲ፡ ነቲ ድኹም መጽዓኛ (ኣድገ-በቕሊ) ከቢድ ጾር ኰይኖም’ዮም ዚጸዓንዎ። (ኢሳ 46፡1) ንሕና ግን ካብ ማህጸን ወላዲትና ጀሚርና ኽሳዕ ዘለኣለም ብእኡ ተጼርና ኢና ንነብር። ብሓጐስ ባህ ኢልዎ ፈትዩ ስለ ዚጸውር ድማ "ክጸውርን ከድሕንን’የ” እናበለ ዘይዕጸፍ መብጽዓ ይኣትወልና።
"ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኵላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዓንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡ ክሳዕ እርግናኹም ኣነ’የ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነ’ውን ክድግፍ’የ፡ ክጸውርን ኸድሕንን’የ።ኢሳ 46፡3,4
"ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ’የ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል’ዩ’ሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ማቴ 11፡28-30።
ስለ’ዚ’ምበኣር፡ ጐይታ እግዚአብሔር ካብ ቀደሙ ናይ ባሮቱ ኣገልጋሊ’ዩ። ነዚ ባህርዩ’ዚ ድማ ንወዲ ሰብ ብመልክዑን ምስሉን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጡ ኣሕዲሩሉ ነበረ። እንተ ዀነ፡ ነቲ ንጐይታኻ ናይ ምእዛዝን ንሓድሕድካ ናይ ምትእዝዛዝን ባህርይ ደርቢና፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ጐይታን ኣምላኽን ናይ ምዃን ትዕቢት ስለ ዝመረጽና፡ ይትረፍ ጐይተት ኴንና ንባሮትና ኸነገልግል፡ ባሮት ኴንና’ኳ ንጐይተትና ምግልጋል ዘይውጻእ ዓቐበት ይዀነና ኣሎ። እቲ ዝፈጠረና እግዚአብሔር ወልድ ኸኣ ነቲ ዝጠፍኣና ንዚንእስካ ናይ ምግልጋል ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ ምእንቲ ኺመልሰልና፡ ደድሕሪ ዝጠፍአት በጊዑ ኸም ዚስዕብ ሕያዋይ ጓሳ ዀይኑ፡ ናብ’ቲ ዘለናዮ ናይ ጥፍኣት መዓሙቝ እግሪ እግርና ስዒቡ፡ ሰብ ኰነ። ሓጢኣትና፡ መርገምና ዀነ ድኻምና ኣብ ዝባኑ ብምጻር ድማ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረን ዘሎን ፍቓዱ፡ ኣባና ኣብ’ዛ ምድሪ ዓመጻ ፈጸሞ።
"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 1ጴጥ 2፡24
ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺገዛዝኡ ድማ፡ ንሱ መምህርን ጐይታን ክነሱ ሕቘኡ ተዓጢቑ ብብርኩ ተደቢሩ ኣእጋሮም ሓጸበ (ዮሃ 13፡4-17)። ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ባርያ ዀይኑ ኣገልገለ’ምበር ኣይተጐይተተን።
"መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርአ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። ሽዑ ንሱ በሎም፥ “ነህዛብ ነገስታቶም’ዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት” ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታ’ውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ’የ።” ሉቃ 22፡24-27
"ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን’ምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” ማቴ 20፡28።
ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፡ ሓደ መዓልቲ "ጸሎት ምሃረና” ኢሎም ሓተትዎ፡ "ኣቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና)” ዚበሃል ንሕና’ውን ሕጂ እነዘውትሮ ጸሎት መሃሮም (ሉቃ 11፡1-4)። ኣብ’ዛ ጸሎት’ዚኣ ዝተገልጸ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ ግን ኣሎ። እቲ ". . .መንግስትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከም’ቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” ዚብል ቃል፡ ጸሎትና ጥራይ ዘይኰነ ናይ ህይወትና ተልእኾ’ውን ኪኸውን ዚግባእ’ዩ። "መንግስቱ መጺኣ ኣብ ምድሪ ትገዝእ ከም ዘላ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ወርትግ ዚፍጸም ፍቓዱ ድማ ኣብ ምድሪ’ውን ይፍጸም ከም ዘሎ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧” እንተ ኢልና፡ ከም’ቲ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ባዕሉ’ውን ኣብ ማእከሎም ዝገበሮ፡ ጐይታን ባርያን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ብርቱዕን ድኹምን ዝዀኑ ሰባት ንሓድሕዶም ኪገዛዝኡን ኪገላገሉን ከለዉ’ዩ።
ጐይታ ግና ንባሮቱ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ድዩ ኣገልጊሉ፧ ኣይፋሉን። መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ነቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ሓቛቑ ልቦም ተዓጢቖም መብራህቶም ኣብሪሆም ለይትን ቀትርን ንቑሓት ኰይኖም ተጊሆም ንዘገልገልዎን ንዘስመርዎን ኵሎም እሙናትን ሕያዎትን ኣስተውዓልትን ባሮቱ ተዓጢቑ፡ ናባታቶም ቀሪቡ ኣብ መኣዲ ኸም ዜገልግሎም ባዕሉ ኣረጋገጸሎም። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኼገልግሎም ከሎ፡ ከማታቶም መልክዕ ባርያ ወሲዱ ሰብ ኰይኑ’ዩ ዘገልገሎም። ነብዪ ኢሳይያስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ማእከሎም "መልክዕን ውቃበን ዘይነበሮ፡ ምስ ረኣኻዮ ዜብህገካ ትርኢት ዘይብሉ፡ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ከም ዜጐልብቡሉ እተዋረደ ሰብ፡ ሰባት’ውን ከም ገለ’ኳ ዘየቋጽርዎ ሰብ” ኰይኑ’ዩ ዘገልገሎም (ኢሳ 53፡2,3)። ኣብ ሰማያት ንባሮቱ ኼገልግል ከሎ ግን ብዝተፈልየ ግርማ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ምስ ረኣዮ ብዝገለጾ መሰረት፡ "ኣብ መንጎ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ዚቐውምን ዚመላለስን፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ፡ ብቕናት ወርቂ’ውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ፡ ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ ዝዀነ፡ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ፡ ድምጹ’ውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት፡ ትርኢቱ ኸም’ታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ ዝዀነ ጐይታ ጐይቶም፡ ንጉስ ነገስታት” ኰይኑ’ዩ ኼገልግሎም (ራእ 1፡12-16)። ብኸም’ዚ ዝበለ ጐይታን ኣምላኽን ክትግልገል ምብቃዕ ኣዝዩ ዓብዪ ኽብሪ’ዩ። ኣብ ሕጊ-ምድርን ኣብ ባህሊ ሰብን፡ ዋላ መዳርግቲ ዘይብሉ ብሉጽ ኣገልግሎት ዘገልገለ ባርያ፡ ብጐይታኡ ኽሳዕ ዚግልገል ኪኸብር ኣይረኣይን’ዩ። ጐይታ ግና ነቶም ዘስመርዎ ባሮቱ፡ መዋርስቱ ኽሳዕ ምዃን’ዩ ዜኽብሮም’ምበር ኣብ መኣዲ ተዓጢቑ ብምግልጋል ጥራሕ ኣይኰነን (ሮሜ 8፡17)።
ብጐይታኦም ኪግልገሉ ዚበቕዑ ኣገልገልቲ ግን ከመይ ዝበሉ’ዮም፧ እቲ መሪሕ ጥቕስና ዀነ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝተነብበልና ወንጌል፡ ዓይነት ህይወቶምን ኣገልግሎቶምን ብንጹር’ዩ ዚገልጸልና። እቲ ቐዳማይ መለለዪኦም ሓቛቝኦም ዕጡቕ ምዃኑ’ዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲ ሕቘ’ውን ናይ’ዚ ለቢስናዮ ዘለና በስባሲ ስጋ ሕቘ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ሕቘ ከም ዜመልክት ርዱእ’ዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ሓሳብ’ዚ ዜብርህ፡
"ስለ’ዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።”
ዚብል ሓጋዚ መልእኽቲ ሂቡና ኣሎ (1ጴጥ 1፡13)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሕቘ ስጋ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሕቘ ልቢ (ሕቘ መንፈስ፡ ሕቘ ሕልና) ኢና ንዛረብ ዘለና። ምሳልያዊ ኣዘራርባ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ’ቲ “ሕቘ” ዚብል ቃል ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ "ዕጣቕ” ኽንሓስብ’ዩ ዚግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስ ከም ዚግብኣና ኼስተምህር ከሎ፦
"ስለ’ዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም’ውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም ድርዒ ጽድቂ’ውን ተኸዲንኩም ቍሙ።” ብምባል እታ ዕጣቕና ሓቂ ምዃና ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 6፡13,14)። ሓቂ ዘይተዓጥቀ ክርስትያን፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ናይ ሓሶት ኣጽዋር ኪምክቶን ኪስዕሮን ኣይክእልን’ዩ። ኬስልጦ ዚኽእል ዕዮ’ውን የብሉን። ስለ’ዚ ጐይታ በቲ ዜርዕድ ክብሩ ኺግለጽ ከሎ ኣብ ቅድሚኡ ኪቘመሉ ዚኽእል ትብዓትን ብቕዓትን ኣይህልዎን’ዩ። ክርስቶስ፥ ንርእሱ ሓቂ’ዩ። ሓቀኛን ብዓል ሓቅን’ዩ። ምእንቲ ሓቂ ዝተወልደን ናብ ዓለም ዝመጸን’ዩ። ንሓቂ ኺምስክር ድማ ተገልጸ። ወንጌላዊ ዮሃንስ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ናባና ኸም ዝመጸ’ውን ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 1፡14,16,17፣ 8፡13,16,46፣ 14፡6፣ 18፡37,38)። ስለ’ዚ ኸነገልግሎ፡ ከነምልኾ እንተ ዄንና፡ ኵሉ ጊዜ ሓቂ ኽንዕጠቕ ይግብኣና። ብመንፈስን ሓቅን ከነምልኾ፡ ቃልናን ግብርናን ሓቂ ኪኸውን፡ ንሓቂ ኽንሰብካን ከነስፍሓን፡ ፍልጠት ሓቂ ኽንዕጠቕን ከነዕጥቕን፡ ምእንቲ ሓቂ መስዋእቲ ኽንከውንን ትጽቢት ይግበረልና (ዮሃ 4፡23,24፣ 1ዮሃ 3፡18)። ሓቂ፡ ነቲ ዝተቐበላን ዝተዓጥቃን፡ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣንን ሓጢኣትን ሓራ ዜውጽእ ሓይሊ ኣለዋ (ዮሃ 8፡31,32)። ኣብ ልብና ዕዙዝ ፍቕሪ ናይ ሓቂ ኺህልወና ይግባእ (2ተሰ 2፡9-13፣ ኤፌ 4፡14)። ስለ’ዚ ንሕቘና ብሓቂ ኸነደልድሎ ይግብኣና (ናሆ 1፡1,2)።
እቲ ኻልኣይ መለለዪ ናይቶም ብጐይታኦም ኪግልገሉ ዚበቕዑ ኽቡራት ባሮት ከኣ፡ መብራህቶም ኵሉ ጊዜ ብሩህ ዝዀነ፡ ንጸልማት ስፍራን ዕድልን ዘይህቡ ሰባት ምዃኖም’ዩ። ጐይታና፡ ንደቀ መዛሙርቱ በቲ ናይ ከረን ስብከቱ ኼስተምህሮም ከሎ፡ መብራህትኻ ምብራህ እንታይ ማለት ምዃኑ፦
“ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን’ዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ’ምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን’ዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”
ብዚብል ቃል ገሊጹሎም ኣሎ (ማቴ 5፡14-16)። ጐይታና፡ ንሱ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ባዕሉ ደጋጊሙ መስኪሩ’ዩ (ዮሃ 8፡12፣ 12፡35,36፣ 3፡19-21)። ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን’ውን መስኪሮምሉ’ዮም (ዮሃ 1፡7-10)። ናይ ክርስትያን ጽውዓ ድማ ንክርስቶስ ምምሳል ስለ ዝዀነ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብርሃን ኰይኑ ኺመላለስ ከም ዚግብኦ ርዱእ’ዩ። እቲ ንዓለም እነብርሃላ ብርሃንና ድማ እቲ ኣብ ማእከል’ቲ እንነብሮ ህዝቢ እነዘውትሮ ሰናይ ግብርና (ኣካይዳና) እዩ። ሰናይ ግብሪ ኣሉ ዘይበሃል ግብሪ ብርሃን’ዩ። ነቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ብስዉር ዚሓምዩናን ብግህዶ ዚቃወሙናን ዚኸስሱናን ጸላእትና እነሕፍረሉ ብርሃንና፡ ሰናይ ኣካይዳና’ዩ።
".....እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ። ከም’ዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት ናይ’ቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ . .” 1ጴጥ 2፡12-15፣ 3፡16,17
ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ሰናይ ግብሪ፡ "ብግዲ ዜድልይ” ተባሂሉ ዝተገልጸ (ቲቶ 3፡14)። ናይ ሰናይ ግብሪ ውጽኢታውነት ድማ፡ ነቲ ኣርኣያኻ ርእዮም ብእኡ ምስ ተመሰጡ፡ ንሳቶም’ውን ከምኡ ብክርስቶስ ኣሚኖም ሰናይ ግብሪ ኼዘውትሩ ኣብ ውሽጦም ቅንኣት ዜለዓዕል ምዃኑ’ዩ (ቲቶ 2፡8)። ኵሉ ነገርና፡ ማለት እምነትና፡ ንስሓና፡ ወዘተ ሓቀኛ ምዃኑ ዚረጋገጽ፡ በቲ እነዘውትሮን እነፍርዮን ሰናይ ግብሪ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወይኒ በለስ ኪቕንጠብ ከም ዘይከኣል፡ ካብ ክፉእ ሰብ ድማ ሰናይ ግብሪ ኪርከብ ኣይክእልን’ዩ። ጐይታና ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ማቴ 7፡16-21፣ 12፡33-35)። እግዚአብሔር ሰብ ነነዌ ሓቀኛ ንስሓ ኸም ዝተነስሑ ንምርግጋጽ፡ ናብ ንብዓት ኣዒንቶም፡ ናብ’ቲ ዝተኸድንዎ ከሊ ዀነ ማቕ፡ ናብ’ቲ ዝተነጽፍዎ ሓመዅሽቲ ዘይኰነስ፡ ናብ ግብሮም ከም ዝረኣየ፦
"ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፣ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽ’ውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ።” ብዚብል ቃል’ዩ ዝተገልጸ (ዮና 3፡10)።
ሳልሳይ መለለዪ ባህሪኦም ድማ ኵሉ ጊዜ ንቑሓት ምዃኖም’ዩ። እቲ ዜገርም ድማ ኣብ’ቲ ድቃስ ኣዝዩ ዚብርትዓሉ፡ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ተሰኒፉ ዓሚቝ ድቃስ ዚድቅሰሉ ጊዜ ኸይተረፈ፡ ንሳቶም ገና ብንቑሓቶም’ዮም ንጐይታኦም ዚጽበዩ። ከም ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ሮማዊ ወተሃደራዊ ስርዓት፡ ለይቲ ኣብ ኣርባዕተ ሕልዋ ለይቲ፡ ናይ ሓለዋ ኽፍለ-ጊዜ (Shift) ትከፋፈል ነበረት። ነናይ ሰለስተ ሰዓት ንውሓት ጊዜ ዘለዎ ዀይኑ፡ እታ ኻልኣይቲ (9-12)፡ ብፍላይ ግን እታ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ (12-3) ንሓላዊ ኣዝየን ፈተንቲ ሰዓታት’የን። ካብ’ቲ ብደገ ዚመጾ ጸላኢ ንላዕሊ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ "ድቃስ” ዚብልዎ ጸላኢ’ዩ ብዝያዳ ዚፈታተኖን ዜግድዖን። ንቑሕ ሓላዊ ወይ ንቑሕ ተጸባዪ ድማ፡ በቲ ንድቃሱ ናይ ምግታእን ምስናፍን ዓቕሙ’ዩ ዚምዘን። ኣብ’ቲ ዅሉ ሰብ ዚነቕሓሉ ሓለፋ ሰብካ ንቑሕ እንተ ዄንካ፡ እትነኣደሉን እትጻመወሉን ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ኣብ’ቲ ዅሉ ሰብ ብድቃስ ዚስነፈሉ እዋን ብንቑሕ ኣእምሮ፡ መብራህትኻ ናይ ምቕሃም ምልክት ከየርኣየ፡ ጢናኻ ክሳብ ኣፉ ብዘይቲ መሊኡ እንተ ጸናሕካ ግን፡ ንስኻ ብርግጽ ብጐይታኻ ክትግልገል ዚግብኣካ ብቑዕ ኣገልጋሊ ኢኻ። ነቶም ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያት "እዚኣቶም ብጸሎት ምሳይ ነቒሖም ኪሓድሩ ዚኽእሉ ብቑዓት’ዮም” ኢሉ ኣሚኑ ጐይታና ናብ ጌተሰማነ እንተ ተማልኦም’ኳ ሓሳቡ ኣይሰመረሉን። ጕዳይ ጸሎቱ ኸይገብር ግዳ፡ ናታቶም ደሃይ ንምግባርን ንምንቃሖም ኪጋደልን ካብ ጸሎቱ ይዕንቅፍዎ ነበሩ። ስለ’ዚ ድማ እታ ናይ ፈተና ሰዓት ምስ ኣኸለት፡ ምስ ጐይታ ደው ዚብሉሉ ትብዓት ስኢኖም ብዜሕፍር መገዲ ሃደሙ። ኵሉ ጊዜ ንቑሕ ዘይምዃን ከም’ዚ ገይሩ’ዩ ዜበላሽወካ።
ምንቃሕ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ምንቃሕ ማለት ከየባተክካ ምጽላይ ማለት’ዩ (ሉቃ 21፡34-36፣ ሮሜ 12፡12፣ 1ተሰ 5፡17፣ ኤፌ 6፡18-20)። ምንቃሕ ማለት ከየቋረጽካ ከየጕደልካን ወርትግ ምፍራይ ማለት’ዩ (ማቴ 3፡10-12፣ 7፡17-21፣ 21፡41,43፣ ሉቃ 13፡6-9)። ኵሉ ጊዜ ምምጻእ ጐይታኻ እትናፍቕ ፈቃር ባርያ ምዃን ማለት’ዩ (2ጴጥ 3፡11,12፣ 2ቈረ 5፡1-5፣ ፊሊ 1፡20-24፣ 1ተሰ 1፡9,10፣ 1ጴጥ 1፡13)። ኣባጊዕ ጐይታ ብተዃሉን ብሰረቕትን ከይጠፍኣ መዓልትን ለይትን ተጠንቂቑ ዚሕልው እሙን ጓሳ ምዃን ማለት’ዩ (ዮሃ 10፡11-13፣ 21፡15-17፣ ግብ 20፡26-31፣ 1ጴጥ 5፡1-4)። ብዘይሃስስ ኣርኣያ ብዘይንቀፍ መንነት መንቅብ ዘይብልካን ዘይርከበካን ኴንካ ምምልላስ ማለት’ዩ (1ቈረ 1፡8፣ ኤፌ 5፡25-27፣ ፊሊ 1፡9-11፣ ቈሎ 1፡10፣ 1ተሰ 2፡10)። ብሓጺሩ ምንቃሕ ማለት ኵሉ ጊዜ ንጐይታኻ ንክርስቶስ መሲልካ ምንባር ማለት’ዩ (1ቈረ 11፡1፣ ሮሜ 8፡29፣ 2ቈረ 3፡18፣ 1ዮሃ 3፡2)።
ብጐይታኦም ዚግልገሉ ባሮት ናይ ምዃን ባህጊ ይህልወናዶ ይኸውን፧ መጠን ባህግና ምስ ዓይነት ህይወትና ኣዝዩ ተመጣጣኒ’ዩ። ንጐይታና ዘሎና ባህጊ ኣዝዩ ልዑል እንተ ዀይኑ፡ ኵሉ ናብራናን ኣካይዳናን ድማ በቲ ባህግና መጠን ንክርስቶስ ይመስል’ዩ’ሞ፡ ባህግና ንፈትሽ ኣካይዳና’ውን ንምዘን። ብኸም’ዚ ተዘርዚሩ ዝተገልጸ ንሓቂ ተዓጢቕናያ፡ ብሰናይ ግብሪ ብርሃንና ኣድሚቕና፡ ብዅለንተናና ወርትግ ንቑሓት ዄንና ንጐይታና እና’ገልገልና ምድራዊ ህይወትና ብዓወት እንተ ዛዚምና፡ እቲ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን ምስ’ቲ ዜፍርህ ግርማኡ ተዓጢቑ ኣብ ዜገልግሎ መኣዲ ኽንስራዕ ኢና። ንሱ ብኣና ንሕና’ውን ብእኡ እናተሓጐስና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና። እምበኣር ሃየ ምርጫና ነጸብቕ፡ ብጐይታኦም ኪግልገሉ ዚበቕዑ ባሮት ንኹን!! ገዝምና ብጽእና ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
15 ታሕሳስ 2024 | ታሕሳስ 6, 2016 ግዕዝ (መበል 14 ሰንበት: ቊ.፲፬/14) |
||
ምስባክ መዝ. 131(132)፡15-16 “ወለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ። ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ። ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።” ዓዲ፡ መዝ.36(37)፡18 “ያፀንዖሙ እግዚአብሔር ለጻድቃን። ወየአምር እግዚአብሔር ፍኖተ ንጹሐን። ወለዓለም ውእቱ ርስቶሙ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15-19-32 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡1-11 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 12፡32-48 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ሠርዐ ሰንበተ ለስብእ ዕረፍተ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ