“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺስድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ቕንያት “ስብከት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ስብከት፡ ርእሱ ዝኸኣለ ዘመን’ዩ። ምስ’ቲ ትማሊ ቐዳም ዝተዛዘመ ዘመነ ኣስተምህሮ ቐጥታዊ ዝምድና ዘለዎ’ዩ። ዘመነ ስብከት ካብ ታሕሳስ 7 ኣይወርድን፡ ካብ ታሕሳስ 13 ኣይድይብን (ወይ ኣይዓርግን’ዩ)። እዚ ማለት፡ ታሕሳስ 5 ወይ 6 ኣይከውንን’ዩ፡ ናብ ታሕሳስ 14 ወይ 15’ውን ኣይዓርግን’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ታ ተመዲባ ዘላ ቕንያት ግን ይሓድርን ይነውሕን’ዩ። ሓድሕደ ጊዜ ናብ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ዘመን ይወርድ፡ ንሓንሳእ ከኣ፡ ናይ ሾብዓተ መዓልታት ዘመን ናብ ምዃን ይዓርግ’ዩ። ከም’ቲ ብዛዕባ ዘመነ ኣስተምህሮ ኽንምሃር ከለና ዝተባህለልና፡ እዚ ናይ መዓልታት ለውጢ ዚውስን፡ በታ በዓለ ኤልያስ እትውዕለላ መዓልቲ’ዩ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ናይ 2017 ዓመተ ግእዝ ኣብ ሰሉስ መዓልቲ ስለ ዝወዓለ፡ ዘመነ ስብከተ ኣብ ታሕሳስ 13 ጀሚሩ ኣብ ታሕሳስ 13 ዚውድእ ናይ ክልተ መዓልቲ፡ ዘመን’ዩ። በዓለ ኤልያስ ረቡዕ እንተ ውዒሉ ናይ ክልተ መዓልቲ፡ ሓሙስ እንተ ውዒሉ ናይ ሰለስተ መዓልቲ፡ ከምኡ ኢሉ እናወሰኸ ሰኑይ እንተ ውዒሉ ኸኣ ናይ ሾብዓተ መዓልቲ ዘመን ይኸውን። ዘመነ ስብከት እናሓጸረ ኪኸይድ ከሎ ዘመነ ኣስተምህሮ እግሪ እግሩ እናስዓበ እናነውሐ ይኸይድ። ዘመነ ስብከት ኵሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ሰንበት’ዩ ዚጅምር። ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ዕለት 13 ይዛዘም ማለት’ዩ። ዝተማልአ መረዳእታ ንምርካብ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዓስራይ ሰንበት ስብከተ ወንጌል ንመልከት።
ትምህርትን ስብከትን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እትሰርሓሉ መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ። ካብ ሙሴ ጀሚሩ፡ ኵሎም’ቶም ብእግዚኣብሄር ዝተቐብኡ ኣገልገልቲ ዝተጠቕሙሉ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ’ውን ዚቕጽል ኣገልግሎት’ዩ። ኣስተምህሮን ስብከትን፡ ተመሳሳልነት ዘለዎ ግን ከኣ ብኣቀራርባኡን ትሕዝቶኡን ፍልልያት ዘለዎ’ዩ። እቲ ዝለዓለ ናይ መምህርነት ኣርኣያና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽልቲኡ ኣገባባት ብብቕዓትን ብግብርን ኣርእዩና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እቶም ቃሉን ታሪኹን ዝሰነዱልና ቅዱሳን ወንጌላውያን፦
“ኢየሱስ ድማ፡ ኣብ ኵላ ገሊላ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ’ውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። . . . (ኢየሱስ) ድማ፡ ‘ምእንቲ’ዚ’የ (ምእንቲ ኽሰብኽ’የ) መጺአ ዘለኹ’ሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብ’ዚ ቐረባ ዓድታት’ውን ኣብኡ ኽሰብኽ ንዑ ናይ ንኺድ’ በሎም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናሰበከ ኣጋንንቲ’ውን እና’ውጽአ ኣብ ኵላ ሃገር ዞረ።”
ብምባል ነቲ ኣርኣያኡ ተሪኾምልና ኣለዉ (ማቴ 4፡23 ፣ 9፡35 ፣ ማር 1፡21,39 ፣ ሉቃ 4፡44 ፣ 7፡22)። ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ቅቡኣን ኣገልገልታን ኣርኣያ መድሓኒኦምን ኣርኣያ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ስዒቦም፡ ፈትዩ ናብኣቶም ንዝመጸ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ’ቲ ዝረሓቐን ዝዀብለለን ህዝቢ’ውን ከም ሕያዎት ጓሶት ደድሕሪኡ እናሰዓቡ ኺሰብክዎን ካብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኪብጀውዎን ሃዋርያዊ ሓላፍነቶም’ዩ። እቶም ሓፋሽ ምእመን’ውን ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያን’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ቦታና ወንጌል ክርስቶስ ብግብርን ብቓልን ናይ ምስባኽ ሓላፍነትና ኽንፍጽም እቲ ኣድማሳዊ ክህነትና ይእዝዘና’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዘመነ ስብከት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ንኣገልገልቲ ዀነ ንምእመናን ብዛዕባ’ዚ ሃዋርያ’ውን ክርስትያናውን ሓላፍነትና ንኸተዘኻኽረናን ንኸተንቅሓናን’ዩ።
ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ከኣ “ወልድ መድኅንነ ንሰብኽ” ዘርእስስቱ ዀይኑ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ግብ 3፡9-26 ንባብ ዝተወስደ’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር፡ እቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ፣ ኣኽሊል ሰማዕታት፡ ሰያሚ ካህናት፡ ተስፋ መነኮሳት ዝዀነ ፣ ምእንቲ ኼድሕነና ዝተወልደ ኢየሱስ ከም ንሰብኽ፡ እቲ ክብሪ ቕዱሳንን ናይ ኵላ ዓለም መድሓንን ዝዀነ ወልድ ነብያት ከም ዝሰበክዎ፡ ሃዋርያት ኣሰሩ ኸም ዝሰዓቡ፡ ብቓሉ ሰንበት ከም ዝሰርዐ፡ ንዅሉ ድማ ሰላሙ ከም ዝጸገወ (ከም ዝሃበ) ዚገልጽ መዝሙር’ዩ። እቲ ኣሰር ጐይታኡ ዝሰዓበ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነቶም ኣብ’ቲ መጻጕዕ ዝተፈጸመ ናይ ምፍዋስ ተኣምራት ርእዮም፡ ንዝተኣከቡ ህዝቢ ዝስበኻ ቀዳመይቲ ስብከት ድማ፡ ብዛዕባ’ታ ሓጢኣት እትድምስስን ስርየት እትውህብን ንስሓ’ዩ (ግብ 3፡1-26)። ምኽንያቱ ጐይታና ገና ምሳታቶም ከሎ ዝሃቦም ቀዳመይቲ ትእዛዝ፡ ንስሓ ኺሰብኩ እትእዝዝ’ያ (ማር 6፡12)። እቲ ጸራግ መገዱ ዝነበረ ቕዱስ ዮሃንስን፡ ጐይታና ባዕሉን’ውን ስብከቶም ንስሓ’ዩ ዝነበረ (ማቴ 3፡1 ፣ 4፡17)። ምኽንያቱ ብስም ክርስቶስ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ከም ዚስበኽ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ኸም ዝተነግረን ጐይታና ባዕሉ ዘረጋገጾን መሪሕ ተልእኾ’ዩ (ሉቃ 24,47 ፣ ግብ 2፡38 ፣ 3፡26 ፣ ኢሳ 49፡6)።
ንምንታይ’ዩ ንስሓ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ ብመሰረቱኸ “ንስሓ” እንታይ ማለት’ዩ፧ ንስሓ ማለት፡ ቃል ብቓሉ “ምምላስ” ካብ’ቲ ኽትከዶ ዝጸናሕካ መንፈሳዊ መገዲ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጻሩ ምኻድ ማለት’ዩ። ንስሓ እንታይ ማለት ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ዚርድኣና ግን፡ ሓጢኣት እንታይ ማለት ምዃኑ ምስ ‘ንፈልጥ ጥራሕ’ዩ። ሓጢኣት ማለት ኣንጻር ልኡላዊ ፍቓድ ናይ እግዚኣብሄር ደው ምባል፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምፍራስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ምውጋእ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን መንግስቱ ንዕልዋ ምፍጻም፡ ንሰይጣን ከተንግስን ክትግዛእን ምግዳል ማለት’ዩ። ሓጢኣት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኸቢድ በደል ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ብምድራዊ መርገምን ብዘለኣለማዊ ሞትን ፈረዶ። እቲ ሞት ዘለኣለማዊ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጸመ’ዩ (መዝ 51፡3,4 ፣ ዘሁ 16፡3,28-30 ፣ 1ሳሙ 8፡6,7 ፣ 2ሳሙ 12፡9,10 ፣ ሉቃ 10፡16 ፣ ግብ 9፡1-5 ፣ 1ቈረ 8፡11,12)። እግዚኣብሄር ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሓጢኣት ሸለል ኪብሎን ንሓጢኣተኛ ኸኣ ከም ንጹህ ኪርእዮን ኣይኰነሉን’ዩ (ዘጸ 34፡5-7 ፣ ኣን 1፡13 ፣ ህዝ 3፡20 ፣ 18፡20,24 ፣ 33፡12)። ሕያዋይን ምሕረተኛን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ሰብ ብሰሪ ሓጢኣቱ ንዘለኣለም ኪጠፍእ ኣይደልን’ዩ (ህዝ 18፡23,32 ፣ 33፡11)። ምኽንያቱ ፍጥረትናን ድኻምናን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ዩ (መዝ 78፡39 ፣ 103፡14 ፣ ኤር 10፡23 ፣ እብ 4፡14,15)። ስለ’ዚ በቲ ፈቃርን መሓርን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ካብ ተሓታትነት ናይ’ቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት መዋጽኦ ፈጠረልና። ንሱ ኸኣ ምስጢረ ንስሓ’ዩ። ንስሓ፡ ብባህርዩ ኪዳናዊ ምስጢር’ዩ። እቲ በዳሊ ሰብን እቲ ሓዳግ ኣምላኽን ብሓባር ዚፍጽምዎ ኺዳን’ዩ። ኪዳን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ብደም ብመስዋእቲ ጥራሕ’ዩ ዚፍጸም። ምኽንያቱ እቲ ንናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት መሰረት ገይሩ ዝተዋህበ ሃዋርያዊ ቓል፦
“(ምኽንያቱ) ከም’ቲ ሕጊ (ሰሪዕዎ ዘሎ) ዳርጋ ዅሉ ብደም’ዩ ዚነጽህ። ብዘይ ምፍሳስ ደም’ውን ሕድገት ሓጢኣት (ይቕሬታ) የልቦን።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (እብ 9፡22 ካ.ት)። “ዳርጋ ዅሉ” ዚብሎ ዘሎ ነቲ ብዘይ ደም ብማይን ብሓውን ዚነጽህ ንብረት ንኼመልክትን ‘ምበር፡ ንሓጢኣት ዚምልከት ኣይኰነን። ይቕሬታ ወይ ሕድገት ዚጠልብ ኵሉ ሓጢኣት ግን፡ ናይ ግድን ብደም ጥራሕ’ዩ ኻብ ሓጢኣት ኪነጽህ ዚኽእል። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን እቲ ሕድገት ኪግበረሉ ዚደልይ ሓጥእ ሰብ፡ ንመስዋእቲ ዚኸውን ንጹህ እንስሳ ሒዙ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ’ቲ እንስሳ ኣንቢሩ ሓጢኣቱ ይእመንን ይናዘዝን’ሞ፡ ብድሕሪኡ እቲ እንስሳ ኣብ ክንድኡ ተሰዊኡ፡ እቲ ደም ናብ’ቲ ህላውነት ኣምላኽ ዝነበሮ መቕደስ ይኣትው፡ ብኸም’ዚ ኸኣ ጊዝያዊ ሕድገት ይረክብ ነበረ። ደረጃ ሰብን እንስሳን ፈጺሙ ስለ ዘይመጣጠር ግን፡ ደም እንስሳታት ንሓጢኣት ኣርሒቑን ንሕልና ኣንጺሁን ፍጹም ሰብ ኪገብር ኣይክእልን’ዩ (እብ 10፡1-4)። ስለ’ዚ ዝበለጸ ተስፋ ዚህብ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ዘለዎ፡ ዝበለጹ ኺዳን ዜቐውም ካልእ መስዋእትን ደምን ኣድለየ (እብ 8፡6 ፣ 7፡18,19)። ንሱ ኸኣ እቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሽል ኣምላኽ” ዝተባህለሉ ኢየሱስ ኰነ (ዮሃ 1፡29,36 ፣ 1ቈረ 5፡7,8)። ንሓጢኣት ኣዝዩ ኸቢድ በደል ዚገብሮ፡ ሞትን ደምን ናይ ናይ ወዲ ኣምላኽ ዝጠለበ ንኣምላኽ ክሳዕ ክንድ’ዚ መሪርን ክቡርን ዋጋ ስለ ዘኽፈለ’ዩ። ንንስሓ ኣዝዩ ኽቡር ኪዳንን ምስጢርን ዚገብሮ’ውን፡ ብደም ወዲ ኣምላኽ ዝቘመ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንኣገዳስነት ናይ ንስሓ ኣዝዩ ዕዙዝ ዚገብሮ ድማ ንሱ’ዩ”። ንሕና ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንሰግር ኣምላኽ ብስጋ ሞይቱልና ኼብቅዕ፡ ከይተነሳሕና ኣብ ሓጢኣትና ጸኒዕና ንነብር እንተ ዄንና፡ ካብ’ቲ ቐዳማይን ንስሓ ዚግብኦን ሓጢኣትና ንላዕሊ፡ እቲ ንኽቡር ደም ወዲ ኣምላኽን ንንስሓን ዝነዓቕናሉ ሓጢኣትና ዝኸበደ ኸም ዝዀነ ርጉጽ ሓቂ’ዩ። ናይ ንስሓ ኽብርን ዕብየትን ብምልኣት ዚረኣየና፡ በቲ ንእና ዚጠልበና ናይ ሓጢኣት ተኣምኖን ናይ ኣካይዳ ለውጥን ዘይኰነ በቲ ንኣምላኽ ዘኽፈሎ ዋጋ እንተ መዘንናዮ ጥራሕ’ዩ። ናይ ብሓቂ ዘየጣዕስ ንህይወት ዚኸውን ልባዊ ንስሓ ኽንኣትው ዜኽእለና ድማ እዚ መንፈሳዊ ርድኢት’ዚ’ዩ።
ንስሓ ብኸመይ’ዩ ንሓጢኣት ዚድምስሶ፧ ብመሰረቱኸ “ምድምሳስ ሓጢኣት” እንታይ ማለት’ዩ፧ ሓጢኣት፡ ሰብ ንምድምሳስ ዜገልግል ምህዞ ሰይጣን’ዩ። ሓጢኣት ኣብ ህይወት ሰብ ምስ ዚነግስ፡ ንምድራዊ ህይወትን ንዘለኣለማዊ መጻኢኡን የዕንዎን ይድምስሶን’ዩ። ድምሰሳን ዕንወትን ኪበሃል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ በቲ ኣብ ከባቢና ብውግእ ወይ ብተፈጥራዊ ሓደጋ ዚስዕብ ጕድኣት ጥራሕ ኢና ንሓስብ። ከምኡ ዓይነት ዕንወትን ምድምሳስን ኣብ’ቲ ብዓይኒ ዚረኣይ ግዙፍ ዓለም ጥራሕ’ዩ ዚኽሰት። እዚ ዘለናዮ ዓለም ግን፡ ብግዙፍ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓይኒ ብዘይረኣይ ረቂቕ ነገር’ውን ዝቘመ’ዩ። ኵሉ መንፈሳዊ ጕዳያት ብዓይኒ ዘይርኣይ ረቂቕ’ዩ። ዋላ’ቲ ብግዙፍ ስጋና እንፍጽሞ ተግባራት፡ ረቂቕ መንፈሳዊ ገጻት ኣለዎ። ንኣብነት ሰብ እንተ ቐቲልና፡ እቲ ተግባር ኣብ ሓደ ግዙፍ ኣካል’ኳ እንተ ተፈጸመ፡ እቲ ናይ ቅትለት ሓጢኣት ግን መንፈሳውን ረቂቕን ተግባር’ዩ። ብናይ ልግሲ ጸጋ ተደሪኽና፡ ንጥሙያት እንተ ዓንገልና ንዕሩቓት እንተ ኸደንናን እቲ ተግባር ብዚረኣይ ነገርን ኣብ ዚረኣይ ሰብን እንተ ተገብረ’ኳ፡ እቲ ግብሪ ጽድቂ ግና ረቂቕን መንፈሳውን’ዩ። ናይ ሰብ ስጋዊ ኣዒንቲ ነቲ ግዙፍ ልግሲ ኺጥምት ከሎ፡ እግዚኣብሄር ግን ነቲ ብግዙፍ ተግባር ዝተገልጸ ረቂቕ ጽድቂ’ዩ ዚርእይ።
እዚ ዝተጠቕሰ ኣብነት፡ እቲ ሓጢኣት ኣብ ህይወት ሰብ ዜውርዶ ዕንወትን ድምሰሳን፡ ኣዝዩ ረቂቕን መንፈሳውን ምዃኑ ዜብርሃልና’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ሓጥኣን ዚበዝሕ ጊዜ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ መሺእዎም ማዕቢሎም፡ ከቢሮም ከም ዚነብሩ፡ እዚ ድማ ኣብ’ቶም ፈራህቲ ኣምላኽ ቅንኣት ከም ዜለዓዕል ይነግረና’ዩ (መዝ 73፡2-12, እዮ 21፡7-15)። ስለ’ዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሂር በዚ ጠባሪ ሃለዋት ናይ ሓጥኣን ተታሊልና ንሓጥኣን ከይንቐንኣሎም’ሞ፡ ኣሰሮም ከይንስዕብ የጠንቅቐና’ዩ (መዝ 37፡1,2, ፣ ምሳ 3፡3 ፣ 23፡17,18 ፣ 24፡1,2,19,20)። ዝዀነ ሰብ ብሓጥኣን ዚታለልን ዚቐንእን ነቲ ብስጋዊ ኣዒንቱ ዚርእዮ ግዙፍ ጣዕሞም’ምበር፡ ነቲ ብመንፈሳዊ ኣዒንቲ ዚረኣይ ረቂቕ ዕንወቶም ስለ ዘይርእዮ’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ብሓጢኣት ዚፍጸም ዕንወት ረቂቕ ዝዀነ፡ እቲ ብንስሓ ዚፍጸም ዕንወትን ድምሰሳን ናይ ሓጢኣት’ውን ረቂቕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ሓጢኣት ኣብ ህይወትና ዚፍጽሞ ዕንወት፦
“ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምውታት ነበርኩም። ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡ (ንሰይጣን) ትእዘዙ ነበርኩም። . . . ኣምላኽ ንብዘሎ ኣበሳና ሓደገልና፡። ንኣኻትኩም’ውን ብኣበሳኹምን በቲ ዘይተገዝረ ሓጢኣተኛ ስጋኹምን ሞይትኩም ንዝነበርኩም ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ኤፌ 2፡1,2 ካ.ት ፣ ቈሎ 2፡13 ካ.ት) ካብ ሞት ዚኸፍእ ዕንወት ከኣ የልቦን። እዚ ሞት’ዚ ግን ኣካላዊ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ሞት’ዩ። ምኽንያቱ እዞም “ምውታት ነበርኩም” ዚበሃሎም ዘሎ፡ ነቶም ገና ብኣካል ብህይወት ዘለው ሰባት’ዩ።
ሓጢኣት፡ ብባህርዩ ምውት ግብሪ’ዩ። ኣብ ህይወት ሰብ ኪገዝእን ኪነግስን ከሎ ግን፡ ህይወት ረኺቡ ህያው ይኸውን። እቲ ንሓጢኣት ኣብ ህይወቱ ዘግዝኦ ሰብ ግን ብመንፈስ ምውት ይኸውን (ሮሜ 7፡8-11)። ሓቀኛ ንስሓ ኽንኣትው ከለና ግን ካባና ስለ ዚርሕቕ፡ ነታ ኻባና ዝወሰዳ ህይወት ስለ ዚስእና። እቲ ሓጢኣት ይመውትን ይድምሰስን። ጐይታና ምእንታና ሞይቱ ብስሙ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ዘውሃበና ድማ፡ ነቲ ቐታሊና ሓጢኣት ምእንቲ ኼርሕቖን ኪድምስሶን’ዩ (1ዮሃ 3፡5 ፣ 1ጴጥ 2፡24 ፣ ቈሎ 2፡14,15)። ሓጢኣትና ናይ ምድምሳሱ መረጋገጺ ኸኣ፡ ንሕና ናብ ኣምላኽ ምቕራብና’ዩ። ሞትና ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ድማ፡ ሓጢኣት ካባና ርሒቑስ፡ ንኣና ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርብ’ዩ ዝተፈጸመ (1ጴጥ 3፡18 ፣ ኤፌ 2፡13,14,17,18 ፣ 1ጴጥ 2፡24,25)። ሓጢኣት ኣባና ምስ ሞተን፡ ካባና ምስ ረሓቐን፡ ካብ ናይ ሓጢኣት ሳዕቤንን ፍርድን ሓራ ምስ ኰንና፡ ሓጢኣት ተደምሲሱ፡ ንሕና ኸኣ ሰሪርና (Survive) ማለት’ዩ።
ሓጢኣት ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ’ዩ ተደምሲሱ። ንሕና ኣብ’ቲ ዓወት ናይ ክርስቶስ ተኻፈልቲ ‘ንኸውን ድማ ብንስሓ’ዩ። ብንስሓ፡ ንሓጢኣት ምውታት ንጽድቂ ኸኣ ህያዋን ንኸውን። ንስሓ፡ ናይ ሞትን ትንሳኤን ምስጢር’ዩ። ምስጢረ ንስሓ፡ ተኻፈልቲ ሞት ክርስቶስ’ዩ ዚገብርና። ሞት ክርስቶስ ንሓጢኣት ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሓጢኣት ናይ’ቲ ኻብ ኣዳም ክሳዕ ምጽኣት ዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ’ውን እምብዛ ይበዝሖ’ዩ። ከም’ቲ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ከምኡ ድማ ብምስጢረ ንስሓ ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ምእንቲ ሓጢኣትና ዝተፈጸመ ኽቡር ሞት ስለ ‘ንኸውን፡ ብሓቅን ብቕንዕናን ብምሉእ ልብና እንተ ፈጺምናዮ፡ ንስሓና’ውን ብዓይኒ ኣምላኽ ልዑል ክብርን ተቐባልነትን’ዩ ዘለዎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ቅድሚ ዝዀነ ኻልእ ምስጢር ምፍጻምና፡ ምስጢረ ንስሓ ኪግበር ሰርዐትን ኣዘዘትን። ምስጢረ ንስሓ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ልዑል መለኮታዊ ኽብሪ ኸም ዘለዎ ዜረጋግጸልና፡ እቲ ናይ ጐይታና፦
“ከምኡ ኸኣ ‘ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ 99 ጻድቃን፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን’ዩ’ እብለኩም ኣለኹ።” ዚብል ቃል’ዩ (ሉቃ 15፡7,10 ካ.ት)። ነዚ ቃል’ዚ ኣብ’ቲ ኣስዒቡ ዝተረኾ “ምስላ ጥፉእ ወዲ” ኣነጺሩ ኣብሪህዎ ኣሎ (ሉቃ 15፡11-32)። እቲ ኣቦ ብዛዕባ’ቲ ናብ ቤቱ ዝተመልሰ ጥፉእ ወዱ፡ “ሞይቱ ነይሩ (ተንሲኡ)፡ ጠፊኡ ነይሩ’ውን ተረኺቡ’ዩ’ሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባእ’ዩ” ዝበሎ፡ ንትርጕምን ክብርን ናይ ንስሓ ብንጹር ዜርእየና’ዩ (ሉቃ 15፡24,32)።
እዚ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ኢና ንንስሓ ዘይነዘውትሮ፡ ብምንሳሕና ኸኣ ንምንታይ ኢና ከም’ቲ ኣምላኽ ዚሕጐሶ ዘይንሕጐስ፧ እቲ ምኽንያት ርዱእ’ዩ። ብዛዕባ ረብሓ ንስሓ እቲ ግቡእ ፍልጠት ስለ ዘይብልና ንኸነዘውትሮ ኣይንድረኽን፡ እንተ ፈጸምናዮ’ውን ምስ ኣምላኽን ምስ ቅዱሳን መላእኽቱን ኣይንሕጐስን ኢና። ዘይምንሳሕና እንታይ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዘይምፍላጥና ንኣገዳስነት ናይ’ዚ ኽቡር ምስጢር’ዚ ኸም ዘይርኣየና ስለ ዚገብር፡ ነዚ ቐታሊና ሓጢኣት ተሰኺምና ናብ ገሃነም ገጽና ኽንሳግም ይገብረና ኣሎ። ጐይታና ድማ፡ ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ሰማያዊ ኽብሩ ገዲፉ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺለብስ ዝፈቐደ ሕሰም ሓጢኣትን ክብሪ ንስሓን ኬፍልጠና[ሞ፡ ካብ’ቲ ሰይጣን ጠቢሩና ዝጀመርናዮ ጒዕዞ ናይ መገዲ ጥፍኣት፡ ብንስሓ ናብ’ቲ ንሱ ዝኸፈተልና መገዲ ጽድቂ ምእንቲ ኽንኣትው’ዩ። እዚ ልዕሊ ኢልና ዝጠቐስናዮ “ምስላ ጥፉእ ወዲ” ናይ ሓጢኣተኛ ሰብ መንፈሳዊ ሃለዋት ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ምበር፡ ተራ ማሕበራዊ ናብራ ናይ ብጽጋቦም ዝዀብለሉ ሰባት ዜርእየና ኣይኰነን። ስለ ዝሓጣእና ብስጋ ኣይንጠምይን፡ ኣይንጸምእን፡ ኣይንዓርቕን’ውን ንኸውን። ብመንፈስ ግን ካብ’ቲ ሰብ ብስጋ ኺጕድኦ ዚኽእል ንላዕሊ ተጐዲእና ኸም ዘለና ኽንስሕቶ ኣይግባእን። ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ፡ ሓሰማ እትበልዖ ምግቢ ኽሳዕ ምስኣን ብጥምየት እንተ ተሸጊሩ፡ መግለጺ ዘይርከቦ ጸበባ’ዩ። ነዚ ጸበባ’ዚ ዝኸበደ ዚገብሮ ኸኣ፡ ብገዛእ ምርጫኻ ዝወረደካ ጸበባ ምስ ዚኸውን’ዩ። እቲ ብምርጫና ሓጢኣት ብምግባርና እንኣትዎ መንፈሳዊ ጸበባ ግን፡ ብንውሓት ጊዚኡ ዀነ ብሕሰም ጸበባኡ ኣዝዩ ዝኸበደን ዝመረረን’ዩ። እዚ ፍርቂ ንብረት ኣቦኡ ምስ ኣመናዝር ዘባኸነ ጥፉእ ወዲ፡ ነቲ መሪር ሃለዋቱ ንምፍዋስ ዝመረጻ ምርጫ ኣዝያ ኸባድ ደኣ ትምሰል’ምበር እታ ምሉእ ሕውየትን ድሕነትን እተውሕስ እንኮ ምርጫ ንሳ ጥራሕ ነበረት። በዛ ተባዕ ስጕምቱ ድማ፡ ሓለፋ ናይ’ቲ ኻብ ቤቱ ዘይኰብለለ እሙን ሓው ዕዙዝ ክብሪ ረኸበ። ብሰሪ ሓጢኣት ኣዚኻ ተበላሺኻን ተዋሪድካን እናሃለኻ፡ ከም ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ሎዶቅያ፡ ገና ጽብቕን ምስ ክብርኻ ዘለኻ ክሳዕ ዚመስለካ ኽትጥበር ይከኣል’ዩ። እቲ ሕያዋይ ጐይታ ግና ብንስሓ ምእንቲ ኽትሓውይ፡ ነቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ ሃለዋትካ ብንጹር ምእንቲ የርእየካ።
“ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።” ራእ 3፡15-18
እቲ እግዚኣብሄር ንዘኽበሮ ንስሓ ዝነዓቐ ዓሻ ሰብ ግና፡ ናብ ጥፍኣት ገጹ ደኣ ይህወኽን ይጠንን’ምበር፡ ቅልብስ’ኳ ኣይብልን’ዩ ንጉስ ዳዊት ኣዝዩ ኸቢድን ተደራራብን በደል ፈጺሙ እግዚኣብሄር ከም ዝፈረደሉ ምስ ፈለጠ ዝኣተዎ ንስሓ፡ ክሳዕ መዓልቲ ምጽኣት እቲ ዝበለጸ ናይ ንስሓ ኣርኣያ ገይርዎ ኣሎ።
“ዎ ኣምላኽ፡ ከም ሳህልኻ ምሓረኒ፡ ከም’ቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፡ ካብ ሓጢኣተይ’ውን ኣጽርየኒ። . . . ምእንቲ ኽጾርይሲ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፡ ካብ በረድ ክጽዕዱ ሕጸበኒ። . . . ንገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ ንብዘሎ ኣበሳይ’ውን ደምስሶ።” መዝ 51፡ 1,2,7,9
እቲ ደምሳሲና ሓጢኣት ንዘለኣለም ከየዕነወና ኸሎ። ከም’ዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት፡ ብቕቡል ንስሓ ኽንድምስሶ ይግብኣና። ረብሓ ንስሓን ሳዕቤን ሓጢኣትን ብግቡእ ፈሊጥና ንድሕነትና ኽንብል ከነዘውትሮ ቃል እግዚኣብሄር ይምዕደና ኣሎ። ካብ ጥፍኣት ካብ ምድሓን ዚዓብይ ነገር ስለ ዘየለ ኸኣ፡ በቲ ሓቀኛ ዝዀነ ንስሓን ወርትግ ክንሕጐስ ይግብኣና።
ግብራዊ መልእኽትን ሳዕቤንን ናይ ዘይምንሳሕና እንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ግብራዊ መልእኽቱ እቲ ዘይንሳሕ ሰብ ኣብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ድንቍርናን ድንዛዘን ከም ዘሎ ዜመልክት’ዩ (ኤፌ 4፡17,18 ፣ ኢሳ 29፡9,10 ፣ ኤር 4፡22)። እቲ ዝኸፍአ ኻልኣይ መልእኽቱ ግና ብዛዕባ’ቲ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኼውህበና ኢሉ፡ መሪር መከራ ተቐቢሉ ኣብ መስቀል ደሙ ዘፍሰሰን ህይወቱ ዘሕለፈን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ንዕቀት ዚገልጽ’ዩ። “ሓጢኣት ስለ ዘይብለይ’የ ዘይንሳሕ” ከይንብል፡ ብሓጢኣት ብኣበሳ ዝተወለድናን ብሓጢኣት ዝተሃነጽናን ፍጥረት ኢና (መዝ 51፡5 ፣ )። ጥፍኣት ስቓይን ይሕሸኒ” ዚብል ምርጫ ድማ የብልናን። ዓስቢ ሓጢኣት ድማ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ምዃኑ ብግሉጽን ተደጋጋምን መገዲ ተነጊሩና ኼብቅዕ ፈጺምና ዘይምንሳሕና፡ ነቲ ኣምላኽ ብስጋ ዝሞተሉ ዕላማ ከም ዘይፈለጥናዮ፡ ከም ዘይተቐበልናዮ፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ከም ዝነዓቕናዮ’ዩ ዜመልክት። “ንኣምላኽ እንዕቆ’የ” ኢልና ብልብና ዘይንሓስብ ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ “ካብ ጥፍኣት የድሕነኩም’ዩ’ሞ፡ ኣዘውቲርኩም ግበርዎ” ኢሉ ዝኣዘዘና፡ ሳሕቲ ጥራሕ ዘይኰነ ንማለቱ’ኳ ፈጺምና ዘይንገብሮ እንተ ዄንና ግን፡ ካብ ንዕቀት ሓሊፉ’ሞ፡ እንታይ ካልእ ትርጒም ኪወሃቦ’ዩ፧
ብዝተረፈ ብዘይ ንስሓ ዚርከብ ህይወት የለን። እቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ብወንጌል ከም ዝኣመኑ ምስ ተሰምዐ፡ እቶም ኣባላት ናይ’ታ ቐዳመይቲ ሃዋርያዊት ቤተ ክስትያን፡ “እዚ ምስ ሰምዑ ሃድኡ’ሞ ‘እምበኣርሲ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም’ እናበሉ ንኣምላኽ ከም ዘመስገንዎ፡ ወንጌላዎ ሉቃስ ተሪኹልና ኣሎ (ግብ 11፡18)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “ኣሚኑ” ማለት “ንስሓ ኣትዩ” ማለት ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና። ስለ’ዚ “ኣይተነስሐን” ማለት ከኣ “ኣይኣመነን፡ ክሒዱ’ዩ” ዜስምዕ’ዩ። ጐይታና ብዘይ ንስሓ ጥፍኣት’ምበር ህይወት ከም ዘየለ ንኼረጋግጸና ድማ፡ “እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም . . . ክትጠፍኡ ኢኹም” ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (ሉቃ 13፡3,5)። ንዘይትፈርይ ተኽሊ ወይንን ንዘይንሳሕ ክርስትያንን ፍርዶም ቈሪጽካ ናብ ሓዊ ምድርባይ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ዚስዕብ ምስላን ኣብ ኵሉ ትምህርቱን ኣፍሊጡና’ዩ (ሉቃ 13፡6-9 ፣ ማቴ 7፡19 ፣ 3፡10 ዮሃ 15፡6)። ስለ’ዚ ብዘይካ ንስሓ ኻልእ መዋጽኦ ኸም ዘይብልና ኣስተውዒልና፡ ንሓጢኣትና ብንስሓ ንምድምሳስ ንትጋህ።
እምበኣር ንንስሓ ብዚምልከት ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር። ሓጢኣት ከም ዝደለዮ ገይሩ ይድምስሰና፡ ወይ ከኣ ንሕና ብዘየቋርጽ ሓቀኛ ልባውን ንስሓ ንገዛእ ሓጢኣትና ንድምስሶ ምህላውና ነረጋግጽ። ካብ’ቲ ብንስሓ ኸይንድሕን ዜባዕዝዘና መንፈሳዊ ድንቍርናን ድንዛዘን ንበራበር። ነቲ ኣምላኽ ምእንቲ ድሕነትና ዘፍሰሶ ደም ቅዱስ ወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይንንዓቆ በቲ ቕዱስ ደም’ቲ ‘ንነጽህን ‘ንድሕንን ክርስትያን’ምበር፡ ብዕዳ ናይ’ቲ ኽቡር ደም’ቲ እንሕተት ኣረማውያን ክርስትያን ኣይንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
22 ታሕሳስ 2024 | ታሕሳስ 13, 2016 ግዕዝ (መበል 15 ሰንበት: ቊ.፲፭/15) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ.፮፡፫-፬ “ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።” ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫ “ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2 ቈረ 4፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 5፡11-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 4፡14-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 9፡13-25 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ