S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ዝጸንሐት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 26 ሓምለ 2018 (ሐምለ ፩፱, ፳፲ ግእዝ) ምሉእ ውህደት ምግባራ ብሓቂ ዘሕጉስ ዜና እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሓደ ኮይኖም ንኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክመርሕዋ፥ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ-ዕርቂ ብኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።

“ክርስቶስ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፡ ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት ኣይገብር’ዩ። ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና፡ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን’ውን። . . . ካብ መጀመርታ ሒዙ ዚሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር (ሰብ) ካብ ዲያብሎስ’ዩ፡ ወዲ ኣምላኽ (ኢየሱስ) ከኣ፡ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ’ዩ ዝተገልጸ። ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ፡ . . .  ሓጢኣት ኪገብር (ኣይኰነሉን’ዩ)። . . . ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ፣” 1ዮሃ 3፡5,6,8-10 ካ.ት።

ክሳብ ሕጂ ተመዝጊብኩም ዘሎኹም ተመሃሮ ናብ ነፍሲ ወከፍኩም ብemail መእተዊ ፍቓድ (user name and password) ተላኢኹልኩም ኣሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ቅድስት ማርያም ከተማ ቴል-ኣቪቭ ሃገረ እስራኤል

ሓሙስ 30 ነሓሰ 2018: እቲ ስደተኛ መንእሰይ - መበል 56 ክፋል 

“(ንሳኦል ካብ ስልጣኑ) ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንጉስ ኪኸውን ንዳዊት ኣተንስኣሎም፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። . . . ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ . . . ።” ግብ 13፡22,36

"እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።  /ያዕ 5፥16/

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ 2009 (፳፻፱ ዓመተ ምሕረት) ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ብዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ስዩም መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክወሃብ እዩ። እቲ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስቲ ዝሓቖፈ እዩ።

“በቲ ቕነ እቲ ኩሉ ዓለም ኪጸሓፍ፣ ካብ ኣውግስጦስ ቄሳር ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ከሎ ዝኾነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ” (ሉቃ 2፡1-2)።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝምሥረት፡ እንሆ ሎሚ ዘመን መበል ዕስራ ዓመቱ ብወግዒ ንምጽንባል ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ስያትል ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹልኹም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንኩም ኣብ ስያትልን ከባቢኡን ዘሎኹም ብኣካል፥ ነቶም ኣብ ርሑቕ ሃገራትን ኣህጉራትን ዘሎኹም ድማ ብሕልናዊ-ጸሎት ተሳተፍቲ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤና ንኽትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div