“ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። (ቅድሚ ሕጂ) ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም’ሞ ሕጂ ግና ናብ’ቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍስትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 2፡24,25
እንሆ’ዚ ዕለዚ’ዚ፡ ሻብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ጾሙ ነብያት’ዩ። ብመሰረት ሰርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ “ኖላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። “ኖላዊ” ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ትርጕም ድማ “ጓሳ” ማለት’ዩ። “ኖላዊ ወይ ጓሳ” ዚበሃል ዘሎ ድማ፡ እቲ ምእንቲ ድሕነትና ኺብል፡ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ነዚ ድኹም ስጋና ዝለበሰ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ቅዱሳን ነብያት ብዛዕባ’ዚ ጓሳ’ዚ ብትንቢቶም ብዙሕ ኣተስፍዮምና’ዮም (ኢሳ 40፡11 ፣ ኤር 31፡10 ፣ እዝ 34፡11)። እዚ ዘመነ ኖላዊ’ዚ ኣብ ናይ ጾም ነብያት ጊዜን ኣብ’ታ ቕድሚ ልደት ዘላ ናይ መወዳእታ ሰሙን ዝተሰርዓሉ ምኽንያት፡ ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዘይኰነስ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብምስትውዓል ዝገበርዎ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና’ውን ኣመልኪትዎ ኸም ዘሎ፡ እቲ ብሰሪ ሓጢኣትና ኸም ዝተባረራን ዝዀብለላን ኣባጊዕ ኴንና ዘሕለፍናዮ ናይ ጥፍኣት ዘመን ኣብቂዑ፡ ናብ ዋናናን ናብ ደምበናን እንምለሰሉ ዘመን ከም ዝኣኸለ ዜበሰረና’ዩ። ኣብ መንጎ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰብን ዘሎ ዝምድና ብዝበለጸ ዚግለጸሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ መንጎ ጓሳን ኣባጊዕን ዘሎ ዝምድና’ዩ። ቅድሳን ነብያት ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሞም ገሊጾምዎን ተኣሚኖምዎን’ዮም።
“እግዚኣብሄር ጓሳይየይ’ዩ፡ ዚጐድለኒ የብለይን። . . . ንሱ ኣምላኽና’ዩ፡ ንሕና ድማ ህዝብ መጓሰኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና፡ . . . ። . . . ንሕና ግና፡ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓስኻን ዝዀንና፡ ንዘለኣለም ከነመስግነካ፡ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ከነውርይ ኢና። . . . እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፡ ንሱ ገበረና፡ ባዕላትና ኣይኰንናን ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓስኡን ኢና። . . . ዎ ጓሳ እስራኤል ጽን በል፡ (ኣታ) ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፡ በሪህካ ተገለጽ። . . . ኣቱም ኣባጊዐይ፡ ኣባጊዕ መውፈረይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም’የ መዝ 23፡1 ፣ 95፡7 ፣ 79፡13 ፣ 100፡3 ፣ 80 ህዝ 34፡3
ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ “ኵሉ ብእኡ ዀነ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ብዝበለና መሰረት፡ ኵሉ’ቲ ብቕድስቲ ስላሴ ዝተገብረን ዝተጋህደን ጕስነታዊ ኣገልግሎት፡ ብእግዜብሄር ወልድ ዝተገብረ’ዩ (ዮሃ 1፡2 ፣ ቈሎ 1፡15)። ብኣካለ-ስጋ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ምስ ተጋህደ’ውን፡ ካብ’ቲ መለኮታዊ ባህርዩን ግብሩን ስለ ዘይጐደና፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣባጊዕ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ገለጸልና (ዮሃ 10፡1-18)። ሓቀኛ ጓሳ ሰለ ዝነበረ ድማ፡ ጕድኣት ናይ’ቲ ጓሳ ዝሰኣነ ህዝቡ ምስ ረኣየ እንታይ ከም ዝተስምዖ፦
“ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ’ሞ ደንገጸሎም።” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 9፡36 ፣ ማር 6፡34)። ጓሳ ዘይብሉ ህዝቢ ድራር ኣራዊት ስለ ዚኸውን፡ ናይ ጭንቂ ናብራ’ዩ ዚነብር (ዘካ 10፡2)። ጐይታና ጓሳና ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ’ዚ ጸበባን ጭንቀትን’ዚ ምእንቲ ኼዕርፈና’ዩ (ማቴ 11፡29,30) ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና “ዘመነ ኖላዊ” ኽትስርዕ ከላ፡ ነቲ ብክርስቶስ ዝተገብረልና ሕያውነትን ጕስነትን ብዕምቈት ክንፈልጦ፡ ልባዊ ምስጋናን ውዳሴን ከነቕርበሉ፡ ብግብሪ ድማ ኣብ ትሕቲ ጕስነቱ ጸኒዕና እንነብር ዘይንዅብልል እሙናት ኣባጊዑ ምዃንና ምእንቲ ኸነረጋግጽ’ዩ።
እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር ሰንበት ድማ “ኖላዊ ዘመጽኦ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ወዱን ቃሉን ዝዀነ ጓሳ ናብ’ዛ ዓለም‘ዚኣ ኸም ዝመጸ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዝወረደ ክርስቶስ ጐይታ ሰንበት ከም ዝዀነ፡ ኣቦኡ ድማ “ወደአ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ከም ዝበሎ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ኣታ ሕያዋይን ምስጉንን ጓሳ፡ ሰላምካ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ፈንው (ኣውርድ)፡ ንዕረፍቲ (ኢልካ) ሰንበት ዝሰራዕካ፡ ንህዝብኻ ምእንቲ ክትብጀው ብትእዛዝ ኣቦኻ ካብ ሰማይ ዝወረድካ ኢኻ’ሞ፡ መን’ዩ ኸማኻ፧” ብምባል ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ኽብሪ ዚህብ መዝሙር’ዩ። እቶም ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ ንጕስነት ናይ ጐይታና ዚጠቕስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 10፡1-21 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ህይወቱ በጃ ኣባጊዕ ዜሕልፍ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑ ዝተኣመነሉ’ዩ። እቲ ናይ እብ 13፡16-25 ንባብ’ውን፡ ጐይታና በቲ ዘለኣለማውን ኪዳናውን ደሙ ገይሩ ዚጓስይ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። እዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝሓዘ ናይ 1ጲጥ 2፡21-25 ንባብና ድማ ነተን ብሓጢኣት ዝቘሰላ ኣባጊሉ ብቝስሉ ዜሕውይ ፍሉይን መስተንክርን ጓሳ ምዃኑ ዜበስር’ዩ። ምስባክ ናይ’ዚ ዕለት’ውን እቲ ልዕሊ ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ መዝ 80፡1,2 ጥቕሲ’ውን ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል መላእኽቲ ዚቕመጥ መለኮታዊ ጓሳ ምዃኑ ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ።
ቍስልስ ንርእሱ ደኣ ዚሕውዮ ይደልይ’ምበር፧ ከመይ ኢሉ’ዩ ንኻልኦት ዜሕውይ፧ ካበየናይ ሕማም’ዩኸ ዜሕውየና፧ ብርግጽ ኣብ ማሕበራዊ ተመክሮ፡ ንርእሱ ምሕዋይ ዜድልዮ’ምበር፡ ንናይ ካልኦት ሕማምን ቍስልን ኪፍውስ ዚኽእል ዝዀነ ዓይነት ቍስሊ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ተኣምር ኪፍጸም ዚኽእል፡ ቍስሊ ናይ’ቲ ስግው-መለኮት (Incarnate Logos) ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ። ተዋህዶ ናይ ስጋን መለኮትን ኪፍጸም ዘድለየሉ ምኽንያትን ዕላማን ድማ፡ እዚ እምብዛ ረቂቕን መስተንክርን ተኣምራዊ ሕውየት’ዚ፡ ኣባና ኣብ’ዞም ብገዛእ ምርጫና ዘይሓውይ ቍስልን ሕማምን ዘጥረና ሓጥኣን ሰባት ምእንቲ ኺፍጸም’ዩ። ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ዝኸፍእ ሕማምን ቍስልን፡ ሓጢኣት’ዩ። ሓጢኣት፡ ድርብ ናይ ነፍስን ናይ ስጋን መንፈሳዊ ሕማም’ዩ። ይዕበይ ይንኣስ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘይገድስ፡ ዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት፡ ዋላ’ቲ ኣብ ንሓድሕድና ዝፈጸምናዮ ዚመስለና ኸይተረፈ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ በደል’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ ኣብነታዊ ንስሓኡ ብንጹር ተኣሚንዎን ገሊጹልናን ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጻ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንጹህ ብዓል ቤታ’ውን ቅትለት ምስ ፈጸመ፡ ንሓጢኣቱ ኸም’ቲ ኻብ ሰብ ካብ ኣምላኽ’ውን ዚሕብኣሉ መሲልዎ ቐልጢፉ ኣይተነሰሐን። እንተ ዀነ እቲ ዝተናዕቀን ዝተበደለን፡ ንበዳሊ ድማ ኸም ንጹህ ኪርእይ ዘይኰነሉ እግዚኣብሄር ብነብዪ ናታን ገይሩ ንሓጢኣቱ ቐሊዖ። ንጉስ ዳዊት ድማ ንኣምላኽ ዜስምር፡ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ኣርኣያ ዚኸውን ቅዱስን ቅቡልን ንስሓ ኣተወ። ኣብ ንስሓኡ ድማ፦
“ብዘረባኻ ጻድቕ፡ ብፍርድኻ’ውን ንጹሕ ኴንካ ኽትርከብሲ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።” ኢሉ፡ ኵሉ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ጥራሕ ከም ዚፍጸም ተኣመነ (መዝ 51፡4)። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና (እዮ 40፡8 ፣ ሮሜ 3፡4 )። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ናይ ምሕጣእ ከቢድ መንፈሳዊ ሕማም’ዚ፡ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ኪፍውሶን ኬሕውዮን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ዅሉ ኻልእ ሰብ ንርእሱ ምሕዋይ ዜድልዩ ሓጥእ ፍጥረት’ዩ። ካብ ዘርኢ ኣዳም ኰይኑ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብ ኪርከብ ኣይከኣልን’ዩ። ዋላ እንተ ዘርከብ’ውን፡ ብሞቱ ዀኑ ብህይወቱ ንናይ ሓደ ሰብ ሓንቲ ሓጢኣት ጥራሕ’ኳ ኬሕውይን ኬርሕቕን ኣይክእልን’ዩ። ንሓጢኣር ኬርሕቖ ዚኽእል እንኮ ኣካል፡ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ። ንሱ’ውን “ሓዲገዮ ኣለኹ” ብምባል ጥራሕ ኣይኰነን ዚሓድጎ። ምኽንያቱ ንሓጢኣትን ንሓጥእን እቲ ዚግብኦ ፍርዲ ኸይሃበ ሸለል ኪብሎን ኪሓድጎን እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ግን ከኣ ንዅሉ ሓጥእ ብዘይ ንሕስያ ኼጥፍእ’ውን፡ እቲ መሓርን ፈቃርን ሕያዋይን ባህርዩ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ስለ’ዚ ንባህርዩ ኸየበላለጸ፡ ንፍትሕን ንፍቕርን ኣብ ሓደ ጊዜን ብማዕረን ዜአንግደሉ፡ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ዜድሕነሉ መለኮታዊ ጥበብ መኸረ። ስለ’ዚ እቲ ፍጹም ኣምላኽ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኪኸውን፡ ብእኡ ድማ ፍቕሩን ፍትሑን ኪፍጽም ወሰነ። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነቲ ፍትሓውን ጻድቕን ባህርዩ ኺፍጽም፡ ንኣበሳ ኵላትና ኣብኡ ኣብ’ቲ ሓጢኣት ዘይገበረ ሓደ ወዱ ኣውደቖ፡ ብመከራ ኪሕምሽሾ ድማ ፈተወ (ኢሳ 53፡6,10)። በዚ ኸኣ ንፍትሑ ኣዕገበ። ምእንታና ምእንቲ ሓጥኣን ኢሉ ስለ ዝገበሮ ድማ፡ ፍቕሩ ፈጸመ (ዮሃ 3፡15,16)። በዚ ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ መስቀል ዝቘሰሎ ቝስልን ዘፍሰሶ ደምን ከመይ ገይሩ ኻብ’ቲ ዘይሓውይ ዘለኣለማዊ ሕማም፡ ካብ ሓጢኣትና ኸም ዘሕወየና፡ ነብዩ ኢሳያስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕና’ውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ። ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዝብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጻርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቱ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓወና፡ ኵላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዲ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣበሳ ዅላትና ናብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ ርእሱ ኣዋረደ፡ ኣፉ’ውን ኣይከፈተን። . . . ምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ . . . ኣበሳኦም ባዕሉ ኺጸውር’ዩ። . . . ነፍሱ ንሞት (ወፈያ)፡ ምስ በደለኛታት ድማ (ተቈጽረ) . . .። ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።” ኢሳ 53፡2-8,10-12
ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ነዚ ትንቢታዊ ቓል’ዚ ጠቒሱ’ዩ ዝጸሓፈ። ከም’ዚ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ’ዚ ገይሩ ንስቓይ ክርስቶስን ነቲ ብእኡ ዝተረኽቦ ሕውየትን ዚገልጽ ካልእ ጽሑፍ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ሓጢኣት፡ ናይ ነፍሲ መንፈሳዊ ቝስልን ሕማምን ስለ ዝዀነ፡ ንኣበሳናን ሓጢኣትናን ገበንናን ኣብ ርእሱ ምስ ጾሮ፡ ነቲ ቝስልናን ሕማምናን ስምብራትናን ስቓይናን’ውን ምስኡ ወሰዶ። ቍስልናን ሕማምናን ስለ ዝተወስደ ድማ ሓወና፡ ጐይታ ግና ሓጢኣትና ወሲዱ ኣብ ምጻር ጥራሕ ኣይተደረተን። ነቲ ናትና ሓጢኣትን ሞትን ወሲዱ ነቲ ናቱ ጽድቂ፡ ህይወት፡ ጸጋ፡ ምሕረት ሂቡናን ኣልቢሱናን’ዩ።
“ሓጢኣትና ጾረ፡ ንኣበሳና’ውን ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ” ማለት፡ ንሱ ንርእሱ ሓጢኣተኛ ዀይኑ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን! ንሱስ ጻድቕ’ምበር ሓጢኣተኛ ኣይኰነን። ሓጢኣትና ጾረ ማለት “ናይ ሓጢኣትና ፍርድን ዓስብን ተቐበለ” ማለት’ዩ። ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምዃኑ ኣብ ገነት ብግብሪ ተራእዩ’ዩ። ጐይታናን ኵላቶም ነብያትን ሃዋርያትን ድማ ብንጹር ነጊሮም’ዮም (ዘፍ 3፡16,17 ፣ ህዝ 18፡4,20,23,24 ፣ ሉቃ 13፡3,5 ፣ ዮሃ 8፡21,24 ፣ ሮሜ 6፡22,23)። ስለ’ዚ ነቲ ንሓጢኣትና ዚግባእ ሞት ንሱ ኻብ ሞተልና፡ ንሓጢኣት ጸዊሩልና ኣሎ ማለት’ዩ። ሓጥእ ዚበሃል እቲ ባዕሉ ብፍቓዱ ሓጢኣት ዝገበረ’ምበር፡ ሓጢኣት ናይ ካልኦት ዝጾረ ኣይኰነን። ሓጢኣት ናይ ካልኦት ምጻር ድማ፡ ናይ ጻድቕ ተግባር’ዩ። ክርስቶስ ጻድቕን ንጹህን ገንሸል ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ኣብ ክንዳና መስዋእቲ ሓጢኣት ኰይኑ ዝሞተልና (ኢሳ 53፡10 ፣ ሮሜ 8፡3 ፣ ሮሜ 5፡2)። ኣብ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ሓጢኣት ኪግበር ከሎ፡ ሓደ ንጹህን ጐደሎ ዘይብሉን እንስሳ (ገንሸል፡ ዲበላ፡ ዝራብዕ፡ ርግቢ) የምጽኡ’ሞ፡ እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሓጢኣተኛ ኢዱ ኣብ ልዕሊ’ቲ እንስሳ ኣንቢሩ ንዅሉ ሓጢኣቱ ይናዘዝ። በዚ ኸም’ዚ እቲ ንጹህ እንስሳ ንኣበሳ ናይ’ቲ ሓጥእ ሰብ ይጾሮ። ንሓጢኣቱ ስለ ዝጾረ ድማ፡ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዝዀነ ሞት ኪቕበል ይስዋእ። እቲ እንስሳ ዋጋ ሓጢኣቱ ስለ ዝኸፈለሉ ድማ፡ እቲ ሓጥእ ሰብ ኣበሳኡ ተሓዲጉሉን ንጹህ ሰብ ኰይኑ ኺነብር ብህይወት ናብ ገዝኡ ይምለስ ነበረ (ዘሌ 4፡1-35)። ኣብ’ቲ ጽላሎታዊ ስርዓት ናይ ብሉይ ኪዳን፡ በጃ ዚዀኖ እንስሳ ሒዙ ዚመጽእን፡ ንሓጢኣቱ ኣብ ልዕሊ’ቲ እንስሳ ዜንብርን፡ እቲ ሕድገት ሓጢኣት ደልዩ ዝመጸ ሓጥእ ሰብ ባዕሉ’ዩ። እንስሳ ኻብ ሰብ ኣዝዩ ዝሓሰረ ፍጥረት ስለ ዝዀነ፡ ንዋጋ ናይ’ቲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኪኸፍል ብቕዓት የብሉን። ስለ’ዚ መስዋእቲ እንስሳ ጊዝያዊ’ምበር ዘለኣለማዊ ሕድገት ኬውሕስ ስለ ዘይክእል፡ እቶም ሓጥኣን ምሉእ ዕድሚኦም መስዋእቲ እንስሳ እና’ቕረቡ፡ ተካል ናብራ ይነብሩ ነበሩ (እብ 10፡1-4)። እቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ግና፡ ብዛዕባ’ቲ ብሓንትን ናይ ሓዋሩን መስዋእቲ ዘለኣለማዊ ሕድገት ዜውህበና ክርስቶስ ግብራዊ እምነትን ትእምርታዊ ትንቢትን ኰይኑ የገልግል ነበረ። ዘመን ጽላሎት ኣብቂዑ ዘመን ምቕናዕ ምስ መጸ ግና፡ ዘይ ከም’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ንመስዋእቲ ዚኸውን ገንሸል ዜቕርብ እቲ ሓጥእ ሰብ ዘይኰነስ እግዚኣብሄር ባዕሉ ዀነ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና “ገንሸል ኣምላኽ” ተባህለ (ዮሃ 1፡29,36)። እቲ ገንሸል ኣምላኽ ድማ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። እቲ ዝልላ፡ እቲ ለውጢ ካበይ ናበይ ከም ዝዘለለ ነስተውዕል። ካብ በሃም እንስሳስ ናብ ፍጹም ኣምላኽ ዓበየ። እቲ ረቂቕ መለኮት፡ ኪቝስል፡ ኪደምይ፡ ኪመውት’ውን ስለ ዘይክእል፡ እቲ ፍጹም ኣምላኽ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ኰነ። ዘይከም ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ኣብ’ዚ ገንሸል’ዚ ሓጢኣቱ ዜንብር እቲ ሓጥእ ሰብ ዘይኰነ፡ እቲ ነቲ ገንሸል ዘቕረበ እግዚኣብሄር ባዕሉ ዀይኑ “ንኣበሳ ዅላትና (እግዚኣብሄር) ኣብኡ ኣውደቖ (ጸዓኖ” ተባህለልና (ኢሳ 53፡6)። እቲ ኣዝዩ ዜገርምን ነቲ መስዋእቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዚገብሮ ድማ፡ እቲ ንመስዋእቲ ዘቕረቦ ገንሸል ኣምላኽ እቲ ሓደን እንኮን ናይ ባህርይ’ውን ወዱ ምዃኑ’ዩ (ዮሃ 3፡16 ፣ ሮሜ 5፡6,8,10 ፣ 1ዮሃ 1፡7 ፣ 3፡9,10,14)።
ንመስዋእቲ ክርስቶስ ኣዝዩ ዝኸበደን ዝኸበረን ዚገብር፡ እቲ ፍጹምን ጻድቕን ኣምላኽ ብስጋ ስለ ዝሞተልና’ዩ። ብዝሕን ክብደትን ናይ ሓጢኣትና ብሞት ስጋ ጥራሕ ኪዕረቕ ዘይክእል ስለ ዝዀነ፡ ኣምላኽ ምእንታና ኺመውት ናይ ግድን ኰነ። እንተ ዀነ መለኮት ኪመውት ስለ ዘይክእል፡ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ ምስ’ቲ መዋቲ ስጋና ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ነቲ መዋቲ ባህርይ ናይቲ ዝተዋሃዶ ስጋ ገንዘቡ ገበሮ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኣብ ቅዳሴና፡ “እቲ ዘይመውት (ኣምላኽ) ሞተ፡ ንሞት ምእንቲ ኺስዕሮ ሞተ፡ ንሙታን ህያዋን ምእንቲ ኺገብሮም ሞተ” ንብል። ክርስቶስ ነቲ መዋቲ ባህርይና’ምበር፡ ነቲ ሓጥእ ባህርይና ገንዘቡ ኣይገበሮን። ስለ’ዚ ኸኣ ንሱ ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን፡ ሓጢኣት ከም ዘይፈለጠን ከም ዘይገበረን፡ ፍጹምን ጻድቕን ቅዱስን ንጹህን ምዃኑ ዚምስክሩ (ዮሃ 8፡46 ፣ 19፡4 ፣ ግብ 3፡14 ፣ 2ቈረ 5፡20,21 ፣ እብ 4፡14,15 ፣ 7፡26 ፣ 9፡14 ፣ 1ጴጥ 1፡18,19)። እቶም ልኡኻት ሳጥናኤል ዝዀኑ ናይ ዘመንና መናፍቓን ግና፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ዝሓጥእ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ዝሰይጠነ፡ ሰይጣናዊ ባህርይ ከም ዝለበሰ ብድፍረትን ብድርቅናን ይዛረቡ ኣለው። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ሓጢኣትና ስለ ዝጾረስ ከም ዝሓጥእ ዀይኑ ኸይርድኣና ኣዚና ኽንጥንቀቕን እምነት ተዋህዶና ኣጽፊፍና ኽንፈልጥን ዚግብኣና።
መን’ዩ’ቲ በዚ ተኣምራውን ፈዋስን ቍስሊ’ዚ ዚሓውይ፧ ካብ’ዚ ለካሚና ዝዀነ ሕማም’ዚ ናይ ብሓቂ ኸም ዝሓወና፡ ዕላማ ስቕለቱን ሞቱን ኣባና ኸም ዝተዓወተኸ ብኸመይ ኢና ‘ንፈልጥን ‘ነረጋግጽን፧ ናይ’ዚ ትምህርትና’ዚ ቐንዲ ስጋ፡ ኣብ መልስ ናይ’ዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ’ዩ ዘሎ። ጐይታና ምእንቲ ምሉእ ህዝቢ ዓለም’ዩ ዝቘሰለና ዝሞተን። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ገና ንክርስቶስ ብኽሕደቱን ብሓጢኣቱን የቝስሎን የድምዮን ኣሎ’ምበር፡ በዚ ቝስሊ’ዚ ገና ኣይሓወየን። ኣብ ዓለምና ክርስቶስ መን ምዃኑ ዘይፈልጥን ብእኡ ዘይኣምንን ህዝቢ ይበዝሕ። ካብ’ቲ “ብክርስቶስ እኣምን’የ፡ ምእንታይ ምእንቲ ሕውየተይ ከም ዝቐስለለይን ከም ዝሞተለይን እኣምን’የ” ዚብል ክርስትያን ህዝቢ’ውን፡ እቲ ገና ኻብ ቍስሉ ኻብ ሕማሙ ዘይሓወየ ብዓብላሊ ቝጽሪ ይበዝሕ። እግዚኣብሄር ደኣ ብምሕረቱ ይኽደነና ብጸጋኡ’ውን ይኸልለና’ምበር፡ እዞም ነዚ መልእኽቲ’ዚ ‘ንመሃር ዘለና ብወልድ ዋህድ እንኣምን ኣገልገልትን ምእመናንን’ውን ገና ዘይሓወና፡ ካብ ነቲ ሕውየትሲ ነቲ ሕማምና ዝመረጽና ኽንከውን ይከኣል’ዩ። ናይ ገሌና ሕማም፡ ሰብን እዝግን ዚፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ናይ ገሌና ኸኣ ካብ ሰብ ዝተሓብአ፡ ኣብ ኣምላኽ ግን ዝተቐልዐ ሕማም’ዩ። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ካብ ሕማሞምን ቍስሎምን ዝሓወዩ፡ ንክርስቶስ ድማ ናይ’ቲ መሪር መከራኡን ከቢድ መስዋእቱን ጻማ ዚዀንዎ ሒደት መባእ ኣይስኣኑናን’ዮም።
እንተ ቕዱስ ጴጥሮስ ግና፡ ዕላማ ናይ ቍስለቱን ምልክት ናይ ሕውየትናን እንታይ ምዃኑ፡ ብዘየማትእን ብዘየወላውልን መገዲ፡ ኣብ’ቲ መሪሕ ጥቕስና ገሊጹልና ኣሎ። ሕማምና ሓጢኣት’ዩ፡ ፍረ ሕውየትና ድማ ጽድቂ’ዩ። ክርስቶስ ምእንታና ዝቘሰለ፡ ንሕና ብሓጢኣት ክንመውት ዘይኰነስ ካብ ሓጢኣት ክንመውት’ዩ። ኣካላዊ ሞት፡ ምፍልላይ ናይ ነፍስን ናይ ስጋን’ዩ። ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት ከኣ፡ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ፡ ካብ ሓጢኣት ምፍላይ፡ ሓጢኣት ዘይምግባር ማለት’ዩ። እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ፡ ነቲ ኻብ ሓጢኣት ዝሞተ ሰብ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከም ዝተሰቕለ ሰብ’ዩ ዚርእዮን ዚፈልጦን። እቲ ዜሕውይ ቍስሊ ክርስቶስን እቲ ኪሓውይ ዚደልይ ሓጥእ ሰብን ከኣ ኣብ’ዛ መስቀል’ዚኣ’ዮም ዚራኸቡ። “መስቀል ብምስላም’ዩ ዚሕወይ” ኣይኰነን ዚበሃል ዘሎ፡ “ኣብ መስቀልካ ምስ ክርስቶስ ብምስቃል’ዩ ዚሕወይ”’ዩ ዚበሃል ዘሎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና፡ “ርእሱ ዘይቀበጸ፡ ኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ሰብ፡ ኪሓውይ (ወደ መዝሙረይ ኪኸውን) ኣይክእልን’ዩ” ዝመልእኽቱ ቓል ባዕሉን ብሃዋርያቱን ዚደጋግመልና (ሉቃ 9፡23,24 ፣ 14፡26,27)። ኣብ ጸጽባሕ ክንስቀል ዝተኣዘዝናሉ ምኽንያት፡ ሓጢኣት ኣዝዩ ህልከኛ ሕማም ስለ ዝዀነ’ዩ። ምስ ሓጢኣት ውዕል ክትገብርን ኪዳን ክትምስርትን ኣይከኣልን’ዩ። ክሳዕ ዕለት ሞትና ስለ ዘይቀብጸና፡ ካብ ዕለት ናብ ዓለት ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ኪፈታተነና’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ ምሉእ ዕድሜና ኣብ መስቀልና ምስ ክርስቶስ ተሰቒልና እንተ ነበርና፡ ካብ ሓጢኣትና ሕውየት ንረክብን ጥዑያት ኴንና ንነብርን ማለት’ዩ። ብዛዕብ ስቕለት ክርስቶስ እናተዛረቡን እና’ብዓሉን ዚነብሩ ክርስትያናት ዘይኰነስ፡ ኣርኣያ ናይ ጐይታኦም ተኸቲሎም፡ ስቕለት ክርስትያን ዝተሰቕሉ፡ ናብራ መስቀል ዚነብሩ ዅሎም ሰባት፡ በቲ ተኣምራዊ ቝስሉ ምሉእ ሕውየት ዝረኸቡ ክርስትያን’ዮም። ስቕለት ክርስትያን ማለት ከኣ ንሓጢኣት “እምቢ” ምባል፡ ምጽያፍ፡ ምፍንፋን፡ ንሓጢኣት ክትርሕቆን ከተርሕቖን ምኽኣል ማለት’ዩ።
ሕማም እንተ ርሒቑ ጥዕና ኸም ዚነግስ፡ ሓጢኣት እንተ ርሒቑ ድማ ጽድቂ’ዩ ዚነግስ። ሓጢኣት ኪርሕቕ ዘድለየ፡ ጽድቂ ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ብምልኣት ምእንቲ ኺነግስ’ዩ። ኣብ ህይወት ካዶሽ (Vaccum) ዚበሃል ነገር የልቦን። ኣይ ሓጢኣት ኣይ ጽድቂ፡ ሓዲግ ናብራ የለን። እግዚኣብሄር ፈጺሙ ዘይዕገሶ ነገር እንተ’ልዩ፡ ባዶነትን ሕውስውስ ዝበለ ሓጢኣትን ጽድቅን ኬዳቕል ዚጋደል ህይወትን’ዩ። ኣይምውቕ ኣይዝሑል ልቡጥ ንዝዀነ ዅሉ፡ ካብ ኣፉ ጡፍ’ዩ ዚብሎ (ራእ 3፡15,16)። ስለ’ዚ ኸኣ፦“እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ይጽደቕ፡ እቲ ቕዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ፧” ኢሉ ብንጹር ኣዚዙና ኣሎ (ራእ 22፡11)። ምሉእ ብምሉእ ምሕዋይና ዘረጋገጽ፡ ሓጢኣት ነውርና ጽድቂ ድማ ንቡርና ምስ ዚኸውን’ዩ። ጽድቂ ምግባር ኣዝዩ ዚኸብደናን ዘይውዳእ ተሪር ዓቐብ ዚዀነናን፡ በቲ ሕሱም ሕማም ብሓጢኣት ተኻኢልናን ተዳኺምናን ስለ ዘለና’ዩ። ናይ ስጋ ሕማም ንዝሓመመ ሰብ “ጒየይ ዝለል፡ ስራሕ” እንተ በልካዮ፡ ፈጺሙ ኣይክእልን’ዩ። ምሉእ ጥዕና ምስ ረኸበ ግን፡ ከይበልካዮ ባዕሉ ኺጐይይ፡ ኪዘልል፡ ኪሰርሕ’ዩ ዚብርሆ፡። ኣብ ሕማም ነፍሲ’ውን እቲ ሓቂ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ሓጢኣት ምግባር ክሳዕ ዚኸብደና፡ ጽድቂ ምግባር ድማ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚቐልለልና፡ ናብ ምሉእ ሕውየት ምብጻሕና ኸነረጋግጽ ይግብኣና። እቲ ምእንቲ ሕውየትና ህይወቱ ዝኸፈለ ጐይታ ድማ ንረድኤትና ምሳና’ዩ ዘሎ። ህይወቱ ኻብ ሃበና፡ ምስኡ ኵሉ ኻልእ ዘይህበሉ ምኽንያት የለን፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ንጽድቅና ኼዕብዮ ድሉው’ዩ። ካባና’ምበር፡ ካብኡ ዚጐድለና ገለ’ኳ የልቦን (ዮሃ 15፡5, 2ቈረ 3፡4-6 ፣ ሮሜ 8፡31-34 ፣ 2ጴጥ 1፡3,4)።
እምበኣር ህይወትና ብዕቱብ ንመርምር፡ ኣብ ዘመነ ሕውየት ሕሙማት፡ ኣብ ዘመን ምቕናዕ ድማ ቄናናት ኴንና ንነብር ከይንህልው ንፍራህን ንጠንቀቕን። ብወገን ኣምላኽ፡ እቲ ንምሕዋይና ዜድልይ ኵሉ ተገይሩ ተወዲኡ’ዩ። ተሪፉ ዘሎ ናትና ናብ’ቲ ስፍራ ሕውየት፡ ናብ መስቀል፡ ምድያብን፡ እቲ ዝተኣዘዘልካ ዅሉ መድሃኒት ብግቡእ ምውሳድን ጥራሕ’ዩ። ነዚ ሕሱምን ህልከኛን ሕማም’ዚ። ናብራ መስቀል ብምንባር ነሰንፎ። ሓጢኣት ምህዞን ድርሰትን ናይ ሰይጣን’ዩ’ሞ፡ ናብ’ቲ ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን ተመሊስና፧ ሰይጣንን ሓጢኣትን ከም ዚቐብጹና ንግበር። ድያብሎስ ዳግማይ ብሓጢኣት ምእንቲ ከየቝስለና፡ ከይቀትለናን፡ ኣብ ሕቝፊ ናይ’ቲ መሕወዪና ዝዀነ ተኣምራዊ ቝስሊ ንተዓቘብ፡ ንሓጢኣት ምውታት፡ ንጽድቂ ግና ህያውን ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
5 ጥሪ (ጥር) 2024 | ታሕሳስ 27, 2016 ግዕዝ (መበል 17 ሰንበት: ቊ.፲፯/17) |
||
ምስባክ መዝ.79(80)፡1 “ኖላዊሆሙ ለእሥራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።” “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 13፡16-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 2፡21-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡13-21 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 10፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ ኖላዊ ዘመጽአ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ