ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት’ዚ ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ’ዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉ’ውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።
እቲ ቤተ-ክርስቲያን ብወግዒ ቅዳሴ ተገይሩ ዝኽፈተሉ’ኳ፥ ንቀዳም 18-ግንቦት 2010 ዓ/ም (26/05/2018) ተመዲቡ እንተነበረ። ነቲ ሕያው ኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ተባሂሉ ግና፥ ኣብ ዋዜማ እቲ በዓል ተውሳኺ መደብ ተሠሪዑ ነይሩ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ኣብ እዋን ድሕሪ ቀትሪ፥ ከም ሥርዓት ቤተ-ክርስቲያን ኪዳን በጺሑ ወንጌል ምስ-ተነበ። እቲ መደብ ናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ዝኾኑ፥ ብቀሲስ ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን’ዩ ከም-ዝኽፈት ተገይሩ።
ንሶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ “....ንሕና ኩላትና ብምኽንያት ኣገልግሎት ወንጌል ኢና፥ ኣብዚ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ንርከብ ዘሎና። ከመይሲ ካብ ወንጌል ዝዓቢ ካልእ ኣገልግሎት ክህልወና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ከምቲ ሓዋርያ-ጳውሎስ ‘ብወንጌል-ኣይሓፍርን እየ’ ዝበሎ። ንሕና’ውን ኣብ ግራት-ወንጌል ተዘሪእና ዝበቘልና ስለ-ዝኾንና፥ ካብ ወንጌል ርሒቑ ዝርከብ ሕይወት ክህልወና ኣይሕሰብን እዩ። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ’ዩ፥ ርሕቀት ቦታ ከይኣገደና ኣብዚ ክንርከብ ክኢልና ዘሎና....” ኢሎም።
ዘረባኦም ብምቕጻል “.... ተጻረርቲ ወንጌል ግና ብዙሓት እዮም። እቲ ምስ ኣገልግሎት ወንጌል ተታሓሒዙ ዝመጽእ ፈተና’ውን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ኩሉ’ዚ ፈሪህና ግና፥ ንድሕሪት ንምለስ ኣይኮናን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሓዋርያ-ጳውሎስ ‘ንጠምን ንጸምእን፥ ንዓርቕን ንህረምን ኣሎና። እንሓድረሉ ቤት’ውን የብልናን። .... በዚ ከኣ ከም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ኩሉ ነገር ጐዱፍን ኮንና ንርከብ ኣሎና....” ዝበለ።(1ቆሮ.4/11)
ኣብ መወእዳታ ዘረባኦም ከጠቓልሉ ከለዉ “....ናይ’ዚ ደብሪ’ዚ ሓላፊ ቀሲስ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል እዮም። ንሶም ብመገዲ ዩኒቬርስቲ ካብ ዝሓለፉ፥ ምኩራት ካህናትና ‘ኳ እንተኾኑ። በቶም ጸረ ወንጌል ዝኾኑ ወገናት፥ ብዙሕ ፈተና ከጋጥሞም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ብሓዊ ተፈቲኖም ዝወጹ ካህን’ዮም ተባሂሉ ክምስከረሎም’ውን ግቡእ’ዩ። ንኹሉ ክኢሎም ጸኒዖም ደው ክብሉ ብምኽኣሎም ድማ፥ እንሆ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት’ዚ ተቐቢሎም ክመርሑ፥ ድልው ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ብዓወት ክወጹዎ ድማ ጸሎት ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ....” ብምባል፥ ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ተመንዮሙሎም።
ብምቕጻል ቃል ኣምላኽ ዘስምዑ፥ ናይ ሃገረ-ሆላንድ ተቐማጢ ዝኾኑ ዲያቆን ፍጹም-ብርሃን ታደለ እዮም። ንሶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእክቲ ድማ “.... ናብዚ ዓለም’ዚ ጎይታና ክመጽእ ከሎ፥ እቶም ሽዕኡ ዝነበሩ ሰባት ንኽርድኡዎ፥ ጸገም ከም-ዝነበሮም ርዱእ እዩ። ኣብ በዓለ-ሓምሳ ግና፥ ብምውራድ መንፈስ-ቅዱስ ቤተ-ክርስቲያን ክትምሥረት ኪኢላ። እታ ሽዕኡ ብመደብን ጥበብን ኣምላኽ ዝቘመት ቤተ-ክርስቲያን ከኣ፥ እንሆ ኣብቲ ክርስቶሳዊ መሠረት ጸኒዓ፥ ንሓዋሩ ትነብር ኣላ። ኣብቲ ክርስቶሳዊ ሰንሰለት ጸኒዓ ደው ዝበለት፥ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልወና ከም-ዝግባእ ስለ-ነኣምን ከኣ ኢና፥ ንሕና ኩልና ሎሚ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና....” ብምባል’ዮም ዲያቆን-ፍጹም ዝተዛረቡ።
ንጽባሒቱ ቀዳም ድማ፥ እቶም ናይቲ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። ብዙሓት’ውን ተሳተፍቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ብምዃን፥ ናይቲ በረኸት ተኻፈልቲ ክኾኑ ክኢሎም። ካብዚ ስዒቡ ድሕሪ ሓጺር ናይ ቁርሲ ግዜ ድማ፥ እቲ መደብ ከም-ዝቕጽል ተገይሩ።
ካብዚ ብምቕጻል በዓል ተራ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ዝወጹ ድማ፥ እቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ማንችስተር-ዩኒቬርስቲ፥ ብነገረ-መለኮት ብማስትረይት ዲግሪ ዝተመረቑ፥ ዲያቆን-ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት እዮም። እቲ ዕለት ምስ በዓል-ሓምሳ ተጋጢሙ ብምርካቡ ድማ፥ ዲያቆን-ዮሓንስ ኣብቲ “ብመንፈስ-ቅዱስ” ዝርከብ ኃይሊ ብምትኳር ‘ዮም ትምህርቲ ክህቡ ዝተላዕሉ።
ኣብቲ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ድማ “...ቤተ-ክርስቲያን ብኃይሊ መንፈስ-ቅዱስ’ያ ክትምሥረት ዝኸኣለት። ብዘይ ሥምረትን ኃይልን መንፈስ-ቅዱስ ከኣ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝበሃል፥ ዝኾነ ነገር የልቦን። እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን በበይኑ ዝዓይነቱ ቋንቋታት ብምዝራብ፥ ብሥራት ወንጌል ክዝርግሑ ዝኸኣሉ’ውን፥ መንፈስ-ቅዱስ ብዝሃቦም ኃይልን ሥልጣንን ምዃኑ’ዩ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝምህረና። እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ኣብቶም ኣሕዛብ ክግለጽ ዝኸኣለ’ውን ብሥምረት መንፈስ-ቅዱስ እዩ። ብዘይ መንፈስ-ቅዱስ ከኣ፥ ሕይወት ዝበሃል ነገር ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን...” ድሕሪ ምባሎም።
ብምቕጻል ድማ ዲያቆን-ዮሓንስ፥ “.... ከምቲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝብሎ “ተነስሑ ሕድገት ኃጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ከኣ፥ ነፍስ ወከፍ ብስም ኢየሱስ-ክርስቶስ ይጠመቕ። እግዚኣብሔር ዝህቦ መንፈስ-ቅዱስ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም” ከም-ዝብል፥ ንሕና ኩላትና’ውን ንንስሓ ዝተዳለወ ልቢ ምስ-ዝህልወና’ዩ፥ መንፈስ-ቅዱስ ክሓድረና ዝኽእል’ሞ። መንፈስ-ቅዱስ ዝብህጎ ሕይወት ንክህልወና፥ ብንስሓ ኣቢሉ ምስ እግዚኣብሔር ክዕረቕ ዝተዳለወ ልቢ ይዓድለና...” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል ትምህርቲ’ዮም ኣስሚዖም። (ግሓ.2/38)
ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ምዝዛም እቲ መደብ ድማ፥ ኣብ መድረኽ ዝቐረቡ ቀሲስ ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል እዮም። ንሶም ክዛረቡ ከለዉ፥ ነቲ ኣብቲ ጽምብል ምጅማር ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን፥ ዝተረኽበ ሕዝቢ ድሕሪ ምምስጋኖም። ብምቕጻል
“... እዚ ደብሪ’ዚ፥ “ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ኡምዮ” ዝበሃል ኮይኑ። ኣካል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን’ውን እዩ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስን፥ መሪሕነት ኣቡነ-መቃርዮስን ድማ ይርከብ። ዕላማኡ ድማ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ንምግልጋል እዩ። ኣብ እምነትን ትውፊትን ቤተ-ክርስቲያን ድማ ጸኒዑ ይርከብ። ንሕና ከም ኣገልግልቲ’ዚ ቤተ-ክርስቲያን’ዚ ድማ፥ ወንጌለ-ክርስቶስ ደኣ ንሰብኽ እምበር፥ ንግዜ ክንመስል ክንብል፥ ካብ መሠረት ወንጌል ወጺእና የማነ ጸጋም ንብለሉ ምኽንያት የብልናን። ርግጽ’ዩ እቲ ክገጥመና ዝኽእል ፈተና ቀሊል ክኸውን ከም-ዘይክእል ይርድኣና’ዩ። ዝኾነ እንተኾነ ግና ካብቲ ጽኑዕ ዝኾነ ኦርቶዶክሳዊ እምነትና፥ ክፈልየና ዝኽእል ፈተና ከም-ዘየልቦ፥ ኣብቲ ከውሕና ዝኾነ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ጽኑዕ’ዩ ...” ብምባል’ዮም፥ እቶም ንኣገልግሎት ወንጌል ዉፉይ ዝኾኑ፥ ናይ ዩኒቬርስቲ’ውን ምሩቕ ዝኾኑ ካህን ዘረባኦም ዘጠቓለሉ።
ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ናይቲ ኣገልግሎት ተኻፈልቲ ንምዃን፥ ካብ ሃገረ-ጀርመን, ሆላንድ, ኖርወይ, ዓዲ-እንግሊዝ ዝመጹ፥ ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን ተሳተፍቲ ምንባሮም ክጥቀስ ግቡእ’ዩ።
ኣሓዱ ዘእም ውሉደ-ክህነት
ዘኣንበሳ ማርቆስ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ